Dehai

እንጥዩነት ሓደገኛ ተበግሶ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 03 October 2023

ሕጂኸ ናበይ?
ተስፋ ዝነበሮ ሰኪዱ ክበልዕ፡
ስራሕ ዘይፈቱ ዝብል ጥልዕ ምልዕ፡
ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ እንግድዕኡ ዝቐልዕ፡
ንሱዩ ትርፉ ተማዒዱ ዘይሰምዕ።

ክብረትን ሕስረትን ዘይፈሊ፡
ተወጢጡ ዝኸይድ ከም በቕሊ፡
ሕንኩኽ ሕልና ዘይብሉ ዓቕሊ፡
ንሎሚ ዝሓስብ ረሲዑ ታሪኽ ትማሊ።

ዝስገድ ሲኢኑ ምስ ኮነ ዘርምዞርሞ፡
ይጠፍኦ ንመን ከም ዝረግሞ፡
ኣብ ሕስረት ምውዳቑ ብጣዕሚ የስደምሞ፡
ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኮይኑ እንደሞ።

ሕጂውን ግዜ ኣሎካ ኣብ ልብኻ ተመለስ፡
ጎነፍነፍ ኣይትበል ከም መፍለስ፡
ሰብ ኢኻ ህድእ ኢልካ ተዓገስ፡
ግደፈ ፖሎቲካዊ ፈልፈስፈስ።

ገ/ንጉስ መስመር


Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea