Dehai

"ዓሻ በጊዕ'ሲ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ" ወይ ድማ "ኣዎንታዊ ኾነ ኣሉታዊ ዝዘራእካዮ ስራሕ/ስነ-ሓሳባት፣ ኣብ መወዳእታ ከከም ውጽኢቱ ባዕልኻ ትዓጽዶ"!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 13 October 2023

ሕጂ ድዩ ተረዲኡካ ኽቡር ሓው ሳልሕ ጆሃር? ብኣካል ኣይፈልጠካን'የ፣ ኣብ መርበባት ሓበሬታን ትገብሮ መደረን ትጽሕፎ ጽሑፋት ግን ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ይሰምዓካን መልእኽትኻ'ውን የንብቦን ኔረ'የ። ካብ 1998 ጀሚረ ይከታተለካ'የ። ኣብ ዕድመ ደቂ ሰባት ድማ፣ ርብዒ ዘመን |25 ዓመታት] ነዊሕ'ዩ።

ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ደምበ ተቛመርቲ ገበላ ዕንይንይን ናብዝን ናብትን እናተላኻዕካን እናተጋላበጥካን ዝተፈላለዩ ሕብርታት እናቐያየርካን ብሃገር ጣላዕ ክትጻወት ዝዘመንካ፣ እሞ እዚ ኹሉ ጎይኻን ላህሊህካን ርሂጽካን ዘይሰለጠካንን ዝፈሸልካን ሳልሕ ጆሃር |መሰልትኻን| ሓደ ካብቶም ኣኽረርትን ጥሩፋትን ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ነበር ኢኻ።

ኣብ'ዚኣ ክትርደኣለይ ዝግብኣካ ግን፣ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ነበር ምዃን፣ ጌጋ' ማለተይ ከም ዘይኮነ ክሕብረካ ይደሊ። ሰብ ብኣባልነቱ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ብዝገብሮ ብጉዳይ ሃገርን ኣብ ውልቁ'ውን ምስ ሰባት ዘለዎ ዝምድናን ኣቀራርባን ብዝምልከት፣ ኣዎንታውን ኣሉታውን ተግባራት' ዝምዘን ኣያኒ!

ካብ' ብዙሕ ገለ ኣሉታውን ኣዕናውን ኣብነታት ክጠቕሰልካ ድማ ኣእዛንካ ከም ስልኪ ድምጺ ቖፎ ሓበሬታ ንላዕሊ ገቲርካ ጽን ኢልካ ስማዕ። ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀምሆት ብዝነበራ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ፈላላዪ ኣካይዳ ንኽእርም ምስ ተፈልየ፣ ጀብሃ ቀዳማይ ኣዕናዊ ስጉምቲ ዝወሰደቶ ንህሓሓኤ/ሻዕብያ ግዚያዊ ናይ ወትሃደራውን ቦሎ-ቲካውን መኽሰብ ንምርካብን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት ቀሺሻ |ኣደናጊራ| ኣብ ጐድኑ ንምስላፍን፣ ነቲ ሓድሽ ገስጋሲን ኣድማሳውን ውድብ "ጸረ-ገድሊ |ጸረ-ህዝቢ|" ብዝብል ፍንፉን ቅጽል ስም ምጥማቓን ኣባላቱ ድማ ምስኣ ኮይኖም ዝቃለሱ "ኢትዮጵያውያን እዮም" ኢላ፣ መጠነ-ሰፊሕ መናፍሕ ጥሩምባ [Propaganda Trumpet] ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብልኡኻታ [Political Cadres] ጌራ ክትነፍሕ ጀመረት። እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ቅጽል ስምን ድወናን ጸለመን ምስ ፈሸላ ድማ፣ "ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን'" ኢላ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤኣ |1971| ብኣዋጅን መሪሕ-መትከልን ኣጽዲቓ፣ ንህሓሓኤ/ሻዕብያ እግሪ ከይተኸለት ከላ |ኣብ ዕሸላ| ንኸተጥፍኣ ኣብ ልዕሊኣ ውግእ ኸፈተት።

እዚ ንህሓሓኤ/ሻዕብያ ንምድምሳስን ንምጥፋእን ብተሓኤ/ጀብሃ ዝተጀመረ ኲናት ደሓር *ውግእ ሓድሕድ" ዝተሰምየ፣ ስጋብ 1977 ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤን ምምስራት ሰፊሕ ሰረት ዘለዎን ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን ሓቚፉ ዘቃልስን "ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ" ዝምስረትን ስጋብ 1982 ዓም ኾቦጃ ቐጸለ። *ታሪኽ ሰውራ ዳርጋ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ድማ፣ /ጀብሃ ብህ/ሻዕብያ 1982 ምስ ኩሉ ትካላታ ካብ ሜዳ ኤርትራ ተደፊኣ ናብ ሱዳን ብምእታው፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ህላዌኣ ኣብቅዐ።

ተሓኤ/ጀብሃ ናብ ሱዳን ተደፊኣ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወት ድማ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ጉጀለታት ብምቛም ተበታተነት። ሓንቲ ጉጅለ ናይ /ጀብሃ ነበር ድማ ብዓብደላ ኢድሪስ |ወትሃደራዊ ኣዛዚ ጀብሃ ነበር| ትምራሕ፣ ኣብ መፋርቕ 1980ያታት |1985| ብውትሃደራውን ቦሎ-ቲካውን ምስ መግዛእቲ ደርጋዊትን ወትሃደራዊትን ስርዓት ኢትዮጵያ፣ ተሰማሚዓ ቃል-ኪዳን ኣሰረት። ንሱ ድማ እዛ ብዓብደላ እድሪስ እትምራሕ ጉጅለ ናይ ሃገራዊ ኽድዓት "ሓሙሻይ መስርዕ" ኣቚማን፣ ብመንግስቲ ደርጊ ዝተተለመን ዝተማህዘን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተፈተነሉን ዝተጻዕረሉን "ራስ ገዝ" ዝብል እኩይ ሓሳብ ኣሜን ኢላ ተቐቢላ፣ ምስኡ ናይ ሓባር ግምባር መስሪታ ንህ/ሻዕብያ ካብ መሬት ኤርትራ ንምጥፋእ ተበገሰትን ጸዓረትን። እቲ ንኤርትራ ከም ጉዚ ስጋ ብዕራይ ጎዛዚኻን ኸፋፍልካን ስማን ታሪኻን ንምሕካኽ ዝተሓልመ ከንቱ ሕልሚ ደርሆ ድማ፣ ብሳላ ጀጋኑ ተባዕን ንቑሕን ህዝቢ ኤርትራ ብግስ ከይበለ ፈሸለን በርዓነን!

ኣብ'ዚኣ ገለ ከም መቕሽሽ ቁሩብ ወስ ክብለልካ። ኣባላት ጀጋኑ /ሻዕብያ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያን ሓያላን ባዕዳውያን ሓይልታት መወልቶምን ስጋብ ኣፍንጭኦም ኣዕጠቕቶምን ፊት ንፊት ገጢሙ እናተዋግአን ኩለንትናዊ መስዋእቲ እናኸፈለን ከለዉ፣ ገለ ካብ'ቶም ጥሩፋት ተሓኤ/ጀብሃ ነበር፣ "/ሻዕብያ ትመጽእ ናጽነት፣ ናጽነትና ኣይኮነትን" ኢሎም ተጠሊዖም ይዛረቡ ከም ዝነበሩ፣ ንዓኻን መሰልትኻን ከዘኻኽረኩም ይፈቱ። 1993 ድሕሪ ናጽንት'ውን፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ተቓሊሱን ኩለንትናዊ ኸቢድን ኽቡርን መስዋእቲ ኸፊሉን ንሰንሰለታዊ መግዛእታዊ ባዕዳዊ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ስጋብ ፖሊቲካውን ወትሃደራውን መነሃርያኡ ሓድሽ ዕምባባ |ኣዲስ ኣበባ| እናተዋግአ መሪሹ ዓልዩ ዘወገዶ፣ ሕጋዊ ኣገባ ንምልባስ ዝተገበረ "ህዝባዊ ርእሰ-መሰል ውሳነ" [Referendum] እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ገለ ኣኽረርቲ ኣባላት ተሓኤ/ጀብሃ ነበር ብትሪ ዝተቛወምዎን ንኣባላቶም ድማ ኣብኡ ንኸይሳተፉን መሰሎም ተጠቒሞም ከም ዘየድምጹን ብኣዋጅ ገሊጾም'ዮም።

ንኣብነት ኣብ' ወምበር ተኾይጥካ መደረ ተስምዓሉ ዘሎኻ መስኮት፣ እታ ብኹለንትናዊ መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ከደሮትን ኣቦታትናን ኣያታትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ እንኮ' ዘይትድገምን ብንዋይ ዘይትትመንን ኽብርቲ ሂወቶም በጃ ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራን ዝሓለፉ ሰራሕቲ ቅያን፣ ኣሎ ዝበሃል |ኩሉ ዓይነት| ኣካላዊ ይኹን ስነ-እእምሮኣዊ ስንክልና ዘጋጠሞም ጀጋኑን ህሉዋት ኣርካናትን ኣባላት ህግሓኤን/ሻዕብያን ቅድም ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን/ጀብሃን ካልኦትን፣ ዝመጸትን ምልክት ልዑላዊነትን ሃገረ -ኤርትራን ሕጋዊትን ኣድማሳዊትን ሰንደቕ-ዕላማና ገዲፍካ፣ ነታ ንህዝብና ብዘይ ድሌቱ ዝተተኹበትን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምቑራን ዝምልክታ፣ ናይ 1950ታት ጨርቂ እሞ ኣብ ቤተ-መዘክር ዘላ ብምንብልባልካ፣ ንዓይ ፍጹም ኣይተረድኣንን። ናፋቒ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ' ወይስ ምልክት ልኡላዊት ናጻ ሃገርና ዝኾነት ሰንደቕ ዕላማ ዘይተዋሕጠሉ/ዘይቅበላን ዘይኣምነላን ክብለካ?

ሚዛናውን ርትዓውን ንምዃን ግን፣ ኣብ' ዛዕባ ኣብ ውሻጠ ኸተማ መቐለ ተኾርምያን ማእዝና ዝጠፍኣን ተረፍመረፍን መስፍናዊት ዕስለ ህውሓት/ማለሊት ነበርን ዝተሃንደሰን ዝግበር ዘሎን፣ ብኾራኹራ ትግራዎትን ብፍቓዶም ኤርትራን ኤርትራውነቶም ጉሒፎም ዝተግረሩ ስኑዓት ተጋሩን ዝተማእዘን "ብሪጌድ ንኸብዱ/ንሓማቱ" ዝካየድ ዘሎ ግብረ-ሽበራ ኣብ ኩሉ ዘይኾነስ ኣብ ቁሩብ ሓረጋት ምሳኻ ይሰማማዕ'የ። መብዛሕትኡ መደረኻ ግን ናይ ለመጨለ ጽውያን ምስልዩነትን ለበም-ወረጃን ጸወታን'ዩ።

እዞም ብኸዳሚትን ጊልያን ወያነ ዝተላእኩ ትግራዎት ኮራኹራን ብፍቓዶም ዝተግረሩ ውሑዳት ዘቤታውያን ስኑዓት ሕገ-ኣልቦ ግብረ-ሽበራውያን፣ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብርን ንቑሕን በተን ዝቕመጠለን ሃገራ ሕግን ስርዓተ- ኣነባብራ ኣኽቢሩን ተማእዚዙን ዝኸይድን ሰሪሑን ርሂጹን ናብርኡ ዝደፍእ ህርኩትን ጻዕረኛን ሓያልን ጽኑዕን ሰላማዊ ኽፋል ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዓመታዊ ባህላዊ ንግደታቱን ናይ ሃገራውን ማሕበራውን ዘተን ምይይጥን ኣኼባታቱን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከይዱ ብጸጥታን ሰላምን እምነቱን ጸሎቱ ብሰላም ንኸየካድ፣ ዝግበር ግብረ ሽበራዊ ዕንደራ ግን ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ። እዞም ሕጊ -ኣልቦን ቀይዲ-በተኻት ኣብ' ዝተሓተ ስድራቤታዊ ጉዳይ ወሪዶም'ውን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ውልቃዊ ውራያቱ ንኸይገብር በባትርን ብጎዘሞን ካራሩን ዘጥቅዕዎን ዝሃርምዎን፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ'ውን ዝቐትልዎን ንብረቱ ዘዕንውዎን ..ዘለዉ ኸሓድትን ዕሱባትን ኸደምትን፣ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንስኻን መሰልትኻን ዝዘራእኩሞ ዘይ ኤርትራዊ ስነ- ምግባርን ባህልን እዩ። እንሆ ድማ እቲ ካብ መስፍናዊት ህውሓት ዝተለቃሕኩሞን ዝተመሃርኩሞን ዝረዓምኩሞን ኸፋፊልካ ግዛእ ናይ ጽልኢ ኣዕናዊን ናይ ዕቡዳት ኣተሓሳስባን፣ ትዕጽድዎ'ሎኹም።

ነዚ ዘሕፍርን ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ዘይነበረ ናይ ባዕዲ ግብረ-ሽበራዊን ዓቀይቶትን ባህሊ/ልምዲ፣ እቶም ኣብ ድሕሪ መጋረጃን ውሻጠን መሳኹትን ኮፍ ኢልኩም ደቅኹም ኣምሂርኩምን ንመርዓን ደርዓን ኣብጺሕኩምን፣ ንሕብረተሰብና ብበለካን ለኽዓካን ሰላሙ ከሊእኩም ዘለኹምን ጁባኹም እናሕበጥኩም ንኽፋእ ትጉስጉሱን ትሕሱዉን ዘለኹም ሰብ ባኖ |ባድላ| እቲ ናይ በለጽን ምድንጋርን ሓሶትኩም ደው ኣብልዎ። እንተ ዘይኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ይዕዘበኩምን ንእትገብሩዎ ኣዕናዊ ግብረ-ሽበራ ድማ ይስንዶ' ዘሎ። ግዜ ይሕጸር ይንዋሕ እምበር ኣብ መወዳእታ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊ ክፋረደኩም'!!!

*Video: https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.52/videos/366073082438547

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

 

*=> "ርክብ መራሕቲ ጀብሃ ምስ ጀነራላት ደርግ!!ምስጢር እንክቅላዕ!!"

[BUFE-Eri]

https://youtu.be/R4NuX0cvpe4?si=vs59jaQVj2s3L3n9

 

 

 

 

 


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events