Dehai

ባሕሪ ኢልካ ሕልሚ!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 23 October 2023

ህዝቢ ኤርትራ በይኑ ባህርያቱ፡

ቀይሕ ባሕሪ ሕላገቱ፡

ምስ ሓያላን ገጢሙ ዝጨበጠ ዓወቱ፡

መን ኣሎ ከምዚ ህዝቢ ሃገሩ ዝፈቱ፡


ተኣሳሲሩ ዝነብር ከም ሰንሰለት፡

ወጊድ ዝብል ምፍልላይ ዓሌት፡

ዝኣምን ኣብ ክልተ ሃይማኖት፡

መን ኣሎ ከምኡ ጽኑዕ ኣብ እምነት።


ክንደይ ተፈቲኑ ንጥፍኣቱ፡

ብናይ ሩሑቕ ይኹን ጎረባብቱ፡

ንሶም ክሃጉ ንሱ ሰዊቱ፡

ኣብ ፍረ በጺሑ ሳላ ጽንዓቱ።


ገለገለ ይብሉ ብኡ ክምስሉ፡

ዋላኳ ክሽፍኑ እንተበሉ ኣሉ፡

ዝሓሰብዎ ኩሉ ምስ ፈሸሉ፡

ሰብ ድዩስ ኣጋንንቲ ይብሉ።


ከይሰልቸዎ ዝተቓለሰ ንዓመታት፡

ፈርከሽከሽ ዘበለ ሰለስተ ስርዓታት፡

ክሃድሙ ዝገበሮም ኸይቀበሩ ሬሳታት፡ 

ክንገር'ዩ ኣሎ ዘይተነግረ ዛንታታት።


ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ እንተመጸ ቶኽላ፡

ኣብ ውሽጡ ኣሎ ዘይጸረ ሓተላ፡

ዓሰብ ክብል ኣዒንቱ ዝሓውለላ፡

ኣየዋጽእን'ዩ ዕንደራ ተደጊፍካ ባላ።


ሰናይ ተግባርና ህዝቡ ከይረብሓሉ፡

ብሰላም ምርድዳእ ወደብና ከይጥቀመሉ፡

ሃይድሮጅን ኦክስጅን ዝብል ፍልስፍና ኣልዒሉ፡

መስኪን ህዝቢ ስልጣን ዘዝሓዘ ክጻወተሉ።


ኣቢይ ኣሕመድ ሰኪሩ ድዩ ተጸሊሉ፡

እንብዛ ፈራዕራዕ ገደብ ዘይብሉ፡

ትማል ተዛረቦ ሎሚ ዝብል ኣሉ፡

እዝስ ምልክትዩ ስልጣኑ ዘብቅዓሉ።


ሰላምን ፍቕርን ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡

ዓወት ንሓፋሽ፡

ገብረንጉስ መስመር፡




WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events