Dehai

Shabait.com: ስዉእ ብርጋዴር ጀነራል ዳንኤል ኣብርሃ (ጨዓይ) ብቓላት ብጾቱ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 09 November 2023

ተስፋኣለም ገብረስላሴ (ጫረ)

ስዉእ ብ/ጀነራል ዳኒኤል ኣብርሃም

=ምስ ብጻይ ዳንኤል ኣብርሃ (ጨዓይ)፡ ሓፈሻዊ ዝነበረና ፍልጠትን ሌላን ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ እዩ። ብዕምቈትን ብሓባር ዝሰራሕናሉን ግን ድሕሪ ተኽሊጥ 1977 ኢዩ። ኣብቲ እዋን ከም መራሕቲ ቦጦሎኒ ኣብ ብርጌድ 51 ተመዲብና። ዳንኤል ኣብ ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ፡ ኣነ ኣብ ካልኣይቲ፡ ወዲ ሊቀ ኣብ ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ ብሓባር ሰሪሕና። ሃገራዊ ተልእኾ ብመገዲ እተን ዝተመደብካለን ኣሃዱታት ስለ ትትግብር፡ ነቲ ተልእኾ ኣብ ምፍጻም ዝነበረ ውህደት፡ ኣብ ምምካትን ጸላኢ ንምስዓርን ዝነበረ ወንን ተበግሶን ናይ ብጻይ ዳንኤል ከም ኲሎም ተጋደልቲ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ፍሉይነት ቅያ ብውልቀ ክትዛረበሉ የጸግም ኢዩ። ትብዓት ወይ ቆራጽነት ተጋደልቲ ብፍሉይ ክትገልጽ’ውን ኣይክኣልን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ሎሚ ሓደ ስርሒት ተድንቕ እሞ ንጽባሒቱ ብኻልእ ትምሰጥ። ካልእ ትርእይ ትግረም። ይተሓዋወሰካ፡ ይበዝሓካ ከኣ። ከምዝን ከምትን ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

ብ/ጀ ኣብርሃም ዓንዶም

ናይ ኵላቶም ጀጋኑ ናይዛ ሃገር ቅያ ሓደን ተመሳሳልን ኢዩ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓደ ፍጻመ ወይ ሓደ ስራሕ ውልቀ ሰብ በይኑ ሰሪሕዎ ክትብል ንኣይ ኣጸጋሚ ኢዩ። ብቐንዲ ርእሱ ህዝቢ ኤርትራ እኩብ ትብዓት እዩ ዝውንን። ጨዓይ እውን ኣብ መሪሕነታዊ ስርሑ፡ ውልቃዊ ተወፋይነቱ፡ ተልእኾኡ ብግቡእ ኣብ ምፍጻምን ምትሕልላፍን ዝነበሮ ተራ ሓያል እዩ ነይሩ። ነቲ እዋን እቲ፡ ኣብዚ ሕጂ ኴንና ክንዝክሮ ከለና፡ ምስዚ ናይ መወዳእታ ዕድመን ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ጥዕናን ኣዛሚድካ ክትርእዮ፡ ክልተ ጫፋት ኢዩ። ዳንኤል ከምዚ ኰይኑ ክትርእዮ ክትኣምን ይኸብደካ። ናይ ተፈጥሮ መስርሕ ኮይኑ ደኣ እምበር፡ ንኤርትራን ህዝባን ንዘልኣለም ክነብሩላ ዝግባእ ኢዩ። ግን ዘጣዕስ ነገር የብሉን።

ንናጽነት በቲ ዝግባእ ዝሰርሐ ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ ምውሓስ ልኡላውነት ብግቡእ ዝሰርሐ ሰብ፡ ብሓፈሻ ሃገራዊ ግቡእ ብዝተማልአ ኣገባብ ዝዛዘመ ወይ ዝፈጸመ ተቓላሳይ ስለ ዝኾነ፡ ክፍለየካ ኸሎ ትሓዝን በቲ ስርሑን ንናጽነትን ንኤርትራን ዝኸፈሎ ዋጋ ከኣ ትሕበንን ትዀርዕን። ንትክዘሉ ምኽንያት የለን።

ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም 

=ቅድሜና ኢዩ ተሰሊፉ። ብተመኩሮ’ውን ደሊቡ ኢዩ ጸኒሑና። ከም መራሕ ሓይሊ ነዊሕ ምስ ሰርሐ ኣብ ብርጌድ 51 ተራኺብና። ኣብ ብርጌድ 51 እውን ከም መራሕቲ ሓይሊ ኣብ ነንበይነን ቦጦሎኒ ሰሪሕና፡ ደሓር’ውን ኣብ ሓደ ቦጦሎኒ ከም ሓለቓ ስታፍ ናቱ ኰይነ ተመዲበ። ክሳብ ምዝላቕን ምትሓዝ ቀዋሚ ድፋዕ ደንደንን ነዊሕ ተጓዒዝናን ብሓባር ቀጺልናን። ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ንንበር ደኣ እምበር ብዙሕ ኣይተፈላለናን። ደሓር’ውን ኣብ ክፍለ ሰራዊት 70 ኣብ ወፍሪ ስርሒት ፈንቅል መራሕቲ በራጊድ ኴንና፡ ክሳብ ዛዛሚ ኲናት ግንባር ደቀምሓረ ብሓባር ተጓዒዝና።

ብ/ጀ ሓድሽ ኤፍሬም

ጨዓይ ምሉእ ጉልበት ምሉእ ዓቕሚ ሒዙ ብተወፋይነት ዝሰርሕን ብተወፋይነት ዝመርሕን ተጋዳላይ ኢዩ። ብባህሪኡ’ውን ውዑይ፡ ተጻዋታይን ተጫራቓይን ኢዩ። ንስራሕን ጭርቃንን ብማዕረ ኣብ በቦታኡ ንጸባርቖ ነይሩ። ኣብ እዋን መስዋእቱ ብዛዕባ ጨዓይ ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን እየ። ሕማቕ እስመዓኒ። ጨዓይ ውፉይ ኢዩ። ቅድሚ ናጽነት ይኹን ድሕሪ ናጽነት ዋላ ኣብ ወራር ኢትዮጵያ ብግቡእ ኢዩ ሰሪሑ። ክሳብ እቲ ብሕማም ካብ ስራሕ ዝእለ ከየዕረፈ ለይትን መዓልትን ዝሰርሐን ተመኩሮኡ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጸሐን ሰባት እናመልመለ ዝሰርሐን ተጋዳላይ ኢዩ። ኩላቶም እቶም ብቐረባ ምስኡ ዝሰርሑን ካብኡ ዘይተፈለዩን ተጋደልቲ ዝያዳ ክገልጽዎ ይኽእሉ ኢዮም። ተካእቲ ገዲፍካ ምሕላፍ ሓበን ኢዩ። መስርሕ ምትኽኻእ ኣብ ኤርትራ ዘሰክፍ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ውን እንተኾነ እቲ ተጋዳላይ ከም ኣርኣያን ኣብነትን ኮይኑ ምስ ደቂ ደቁ እናሰርሐ ይቕጽል ስለ ዘሎ ቀሲንና ንኸይድ ኣሎና። ጨዓይ’ውን ነዚ መርኣያ ርእዩ ስለ ዝሓለፈ፡ ዘይሃስስ ብቕዓትን ታሪኽን ገዲፉ እዩ።

ብርጋዴር ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም

 =ሌላና ኣብ 1971 ክጋደል ካብ ኣስመራ ምስ ወጽአ ኢዩ። ናብ ጋንታና ኢዩ ኣትዩ። ኣብ ግራት ኣውሊዕ ጸኒሕናዮ። ንሕና’ውን ሓደስቲ ኢና ኔርና። ናይ ወርሒ ኢዩ ፍልልይና። ጨዓይ ምስ መጽአ ብሓባር፡ ካብ ግራት ኣውሊዕ ናብ ሽዕብ ገድገድ ወሪድና። ኣብኡ ደው ክንብል ኣይክኣልናን። ደው ዘብል ኩነታት ኣይነበረን። ብሰለስተ ኣንፈት ኢና ንህደን ነይርና። ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ውሑድ ቁጽሪ እዩ ነይሩና። ካብ ሽዕብ ገድገድ ናብ ሳሕል ኣምሪሕና። ኣብ ደምቦ ቤት’ውን በጺሕና። ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ውግእ ተኸፊቱልና። ነቶም ሓደስቲ ፋልማይ ውግእ ሕድሕድ ኣጋጢሙና። ካብኡ’ውን ናብ ዓየት ዶብ ሱዳን ሰጊርና። ኣብኡ’ውን እቲ ውግእ ስዒቡና። ጨዓይ ሓዊስካ ኲላትና ብዙሕ ኣይተዓለምናን። ኣብ ውግእ ኢና ተዓሊምና። ሞራል ዝህቡ ተጋደልቲ ግን ነይሮምና። ትብዓት ኣብ ቦትኡ እኳ እንተሃወለ፡ ሞራል ቀሊል ሓይሊ ኣይኮነን ዝፈጥር።

ኮ/ል ዮሃንስ ተስፋዝጊ

ንዳንኤል ጨዓይ ኣብዘን ቀዳሞት ውግኣት ብፍሉይ እየ ዝገልጾ። ምስቲ ዝነበረና ሕድስና ኣይተጋየሸን። ሰጋእ መጋእ ዘይብል ተባዕ ነይሩ። ልክዕ ከም ምኩር ተጋዳላይ ኢዩ ተዋጊኡ። ብድሕር’ዚ ናብ ከበሳ ደዪብና። ዝተወሰነ ዓመታት ብሓባር ተጓዒዝና፡ ኣብ ነንበይኑ ኣሃዱ ቀጺልና። ዳግማይ ኣብ ተኽሊጥ ክፍለ ሰራዊታት ተራኺብና፡ ኣብ ክፍለ ሰራዊት ሰብዓ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝሃነጽናዮ ፍቕርን ብጻይነትን ክሳብ እዚ መወዳእታ ግዜ ኣይተቐየረን። ጨዓይ ከም ሰብ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ተሳንዩ ክነብር ዝኽእል እዩ። ዓቢ ጽላል ኢዩ። ዓቢ ጽላል ተፈልዩና ጥራይ እየ ክብል ዝደሊ።

ኮሎኔል ዮሃንስ ተስፋዝጊ 

ኮ/ል ኣፈወርቂ የማነ

=ነዊሕ ኢና ብሓደ ሰሪሕና። ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣይተፈላለናን። ፈለማ ኣብ ብርጌድ 44 ብሓባር ከም ማእከልነት ቦጦሎኒ፡ ኣብ ክፍለ ሰራዊት ሰብዓ ክልተና ከም ማእከልነት ብርጌድ ተመዲብና። ጨዓይ መራሕ ክፍለ ሰራዊት ሰብዓ ምስ ኮነ’ውን ከም ሓላፊየይ ብሓባር ሰሪሕና። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 12 ኣይተፈላለናን። ኣጸቢቕና ንፋለጥ መተዓብይቲ ኢና። ብጻይ ዳንኤል፡ ካብቶም ህዝቢ ኤርትራ ዘፍረዮም ብሉጻት ተዋጋእትን ኣዋጋእትን ኢዩ። ብሞራል ዝሰርሕ ሞራል ንሰብ ዘስንቕ ናይ ብሓቂ ኣብነታዊ ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብዚ እዋን ክንዝክሮ ከለና ቀሊል ስምዒት ኣይኮነን ዝፈጥረልና። ኣብነታዊ ተጋዳላይ ንስእን ኣለና። እቶም ዝተረፍና ኣሰር ናቱ ተኸቲልና ብዝለዓለ ኒሕን ሞራልን ንህዝብናን መንግስትናን ከነገልግል ቃል ንኣትወሉ ኮይኑ እስመዓኒ።

ኮሎኔል ኣፈወርቂ የማነ

ኮ/ል ኢሳቕ ገብሩ

 =ንኣይ ኣያይ ኢዩ። ሌላና ኣብ መጀመርያ 1983 ኢዩ። ካብ ማእከልነት ሓይሊ ንላዕሊ ተኽሊጥ (ዳግመ ምደባ) ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ ብርጌድ 44 ተራኺብና። ኣነ ካብ ብርጌድ 23 መጺአ። ቅድሚኡ’ውን ኣብ ድፋዕ ዝሰራሕናሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ካብታ ኣብ ብርጌድ 44 ዝተመደብናላ እዋን ግን ክሳብ መወዳእታ ኣይተፈላለናን። ኣብ ተለቪዥን ኵሉ ግዜ ትርኣይ ምእታው ናብ ናቫል ቤዝ ስርሒት ፈንቅል ኣላ። ኣብ ማእከል ታንክታት ኰይኑ ብኣብነት ክመርሕን ክእዝዝን ከኣ ኢዩ ዝርኣይ። እንታይ ንምባል እየ፣ ካብ ውግእ ዘይተፈለየ ተጋዳላይ ኢዩ። ካብ ሰላሕታ ክሳብ ምክልኻልን ምጥቃዕን ዛዛሚ ኲናት ግንባር ደቀምሓረ ሰሪሕና ኢና። ብኣብነት ዝመርሕ ጅግና ኢዩ ነይሩ። ከም ፍሉይ ባህርያት’ውን ሕዉስ ኢዩ። ጨዓይ ኣብ ግዜ ሰላም ተዋዛያይ ተጻዋታይ ንስፖርትን ባህልን ንምዕባይ ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ኣብ እዋን ኲናት ከኣ ዝለዓለ ብቕዓትን ክእለትን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ብሓጺሩ ሓደ ካብቶም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣለዉ ዝብሃሉ ተዋጊኦም ዘዋግኡ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝመርሑ ኣብነታውያን ተጋደልቲ ኢዩ።

ኮሎኔል ኢሳቕ ገብሩ

ተጋዳላይ ዘርኣይ ፍሰሃየ

 =ካብ ንፋለጥ 40 ዓመት ኮይኑ። ካብታ ፈለማ መራሒ ቦጦሎኒ ኮይኑ ዝመጻና ግዜ፡ ኣብ ምሉእ ጉዕዞ ቃልሲ ተፈላሊና’ውን ኣይፈልጥን። ብሓቂ ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፍና። ከም ተጋዳላይ ኣዝዩ ክኢላን ብሉጽነት ዝነበንሮ መራሒ ኢዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ግጥማት ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ውግእ ህዱእ፡ ዓቃል፡ ፍታሕ ሒዙ ዝመጽእን ተበላሓትን ኢዩ። ንመሳርሕቱ ዝሰምዕ፡ ዓቕሞምን ክእለቶምን ብናጻ ክሰርሑ ናጽነት ዝህብ፡ ኮታ ብዅልንትናኡ ብሉጽን ክኢላን መራሒ ኢዩ ነይሩ። ጨዓይ ኣቦ ብዙሓት ኢዩ ነይሩ። ጅግና ክነብረልካ ትምነ። ሕጊ ተፈጥሮ ግን ዝቕይሮ የለን። ዘዅርዕ ታሪኽ ገዲፉ ስለ ዝሓለፈ ግን ነባሪ ኢዩ።

ተጋዳላይ ዘርኣይ ፍስሃየ

ተጋዳሊት ፍዮሪ መሓሪ

 =ድሕሪ ተኽሊጥ ኢዩ – 1983 ከም መራሒ ቦጦሎኒና ኰይኑ ተመዲቡ። ካብታ ግዜ ክሳብ ምሉእ ሓርነት ኣይተፈላለናን። ምስ ዓቢ ዓቢ ምስ መንእሰይ መንእሰይ ኰይኑ ዝሰርሕን ዘስርሕን ተጋዳላይ ኢዩ። እቲ ናይ መሪሕነት ብቕዓት ከም ኵሉ ተጋዳላይ ጅግና ኢዩ። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ዘተባብዕ ሞራል ዝህብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝነበሮ ልዑል ተገዳስነትን ሓልዮትን ፍሉይ ይገብሮ። ኣነ ከም ኵላተን ብጾተይ “ኣቦ እየ” ዝብሎ። ናይ ብሓቂ ከኣ ኣቦና ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኲናትን ሰላምን ብዙሕ ብዛዕብኡ ክዛረብ እኽእል እየ። ኣቦና ከሲርና እየ ዝብል። ግን ዘሐብን ታሪኽ ፈጺሙ ብምሕላፉ ከኣ ህያው ኢዩ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events