Dehai

ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 22 November 2023

ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ሰላሓዲን ሑሴን     ሰሉስ ሕዳር 21, 2023




ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርያድ ኣብ ዝተቓንዐ ቀዳማይ ዋዕላ ስዑዲ- ዓረብን ኣፍሪቃን ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ምስ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ስዑዲን ምስ ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ርክባት ኣካይዱ ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ዋዕላን ዝነበረ ርክባትን ብዝምልከት ወኪል ሚኒስትሪ ዜና ብ13 ሕዳር ኣብ ሪያድ ብቋንቋ ዓረብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ብትግርኛ ተተርጒሙ ኣሎ።
ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፥ ዋዕላ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ኣፍሪቃን ኣብ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ዘለዎ ግደ፡ ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ-ዓረብን ንቕድሚት ንምድራኽ ዝተለዓሉ ኣርእስታትን ዝተበጽሑ ስምምዓትን፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪን ጸጋታቱ ንምምዝማዝ ምስ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ክህሉ ዘለዎ ምውህሃድን፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝተገብረ ርክባትን ትሕዝትኡን ኣመልኪቱ ዝርዝር ኣቕሪቡ ኣሎ።

 ምሉእ ትሕዝቶ  ናይቲ ብትግሪኛ ዝተተርጎመ ቃለ-መጠይቕ ይስዕብ፥

• ክቡር ፕረዚደንት፡ ዋዕላ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ኣህጉር ኣፍሪቃን፡ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ኣብ ምፍጣር ዝህልዎ ግደ ከመይ ትርእዮ?

ምስ’ዚ ዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ኣገዳስነት ናይ ከምዚ ዓይነት ዋዕላታት ርዱእ እዩ። እዚ ሕጂ ዝተኻየደ ናይ መራሕቲ ዋዕላ፡ ብትሕዝቶኡ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዋዕላታት ዝተፈልየ እዩ። ንሓልፎ ዘለና ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ምትሕግጋዝ፡ ሽርክነትን ምምልላእን ንምርግጋጽ ኣብ እዋኑ ዝቐረበ ዕድመ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ጸጋታት ቀሊል ኣይኮነን። ጸጋታታ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መቐይሮ ተራ ክህልዎን ንዕብየት ቊጠባ ካልኦት ሃገራት ክድርኽን እንተኾይኑ ዝሰፍሐ ባይታ ክፍጠረሉ የድሊ። ኣፍሪቃ እውን ገዚፍ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ማለት 60% ካብ ጸጋታት ዓለም እትውንን ኣዝያ ሃብታም ኣህጉር እያ። ይኹን እምበር፡ ገና ኣብ ቅልውላውን ሽግርን ትነብር ዘላ እያ። ኣፍሪቃ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኣህጉር ከም ምዃና መጠን፡ ዋላ’ካ ንግዜኡ ብድሆታት እንተለዋ ንመጻኢ ገዚፍ ዕቑር ዕድላት ኣለዋ። ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ህውከትን ቅልውላውን ከይፈታሕካ ግን ልምዓት ክህሉ ኣይክእልን። ህዝብታት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብልሸውናን ዝምታን መራሕቱን ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ጸጋታቱ ከይጥቀም ዓቢ ብድሆ ኮይኑዎ ኣሎ። ነዚ ክልተ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክፍጠር ዝኽእል ሽርክነትን ምምልላእን ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ንግስነት ስዑዲ- ዓረብ ንህልው ኩነታት ኣፍሪቃ ኣብ ምልዋጥ ኣበርክቶ እንተገይራ፡ ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ክትሳተፍ እንተኽኢላ ካብዚ ገዚፍ ዕቑር ጸጋታት ኣፍሪቃ ክትጥቀም ዕድል ክህልዋ እዩ። ነዚ ጸጋታት’ዚ ንምምዝማዝ ከኣ፡ ኣቐዲምካ ሓደ ንጹር መካኒዝም ምፍጣር የድሊ። ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ዓቕሚታታ ንምውፋር፡ ቅድም ቀዳድም ኣህጉር ኣፍሪቃን ህዝባን ጸጋታቱ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዕድል ኣብ ምፍጣርን ንመጻኢ ወለዶ ምቹእ ሃዋህው ኣብ ምጥጣሕን ኣበርክቶ ክትገብር ኣለዋ። ሽርክነታዊ ምምልላእ ኣፍሪቃን ስዑዲ-ዓረብን በዚ መንጽር’ዚ ርኢኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ንጹር ውጥናትን ስትራተጂን ዕላማን ከኣ የድልዮ። ኣብ ዝርዝራት ናይቲ ዋዕላ ከይኣቶና፡ እዚ ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ እዩ። ክቕጽል እንተኾይኑ፡ ግብራዊ ስጉምቲታትን ተወሳኺ ርክባትን ምምኽኻርን የድልዮ። ፈለማ ንሓፈሻዊ ርእይቶ ኣፍሪቃ ምስማርን ዓቕሚታቱ ድልው ምግባርን የድሊ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ድማ ናብ ግብራዊ ስራሕ ዘሰጋግር ብግሉጽነት ዝልለ መካኒዝም የድልያ። በዚ ኩሉ ዝተገልጸ ምኽንያታት እቲ ዋዕላ ኣብ እዋኑ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣፍሪቃን በብዞባታቱን ዞባዊ ውድባቱን ርክባትን ምምኽኻርን ግድን ክቕጽል ኣለዎ። በዚ ድማ ነዚ ህልዊ ብድሆታት ሰጊርካ ናብ ዝዓበየ ምትሕግጋዝ ዘሰጋግር መካኒዝም ክፍጠር ይኽእል።

• ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ-ዓረብን ክንምለስ፡ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲን ካልኦት ሚኒስተራት ንግስነት ስዑዲን ርክባት ተኻይዱ ነይሩ። ኣብ’ቲ ርክብ እንታይ ኣርእስቲታት ተላዒሎም? ዝምድና ኤርትራን ስዑዲን ንቕድሚት ንምድራኽን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ምትሕግጋዝ ሽርክነታዊ መደባት ኣብ ምንጥጣፍን’ከ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ነይሩ?

ብሰፊሑ ክንርእዮ ዘሎና እዩ። ኣብ መደባት ልምዓት ኣፍሪቃ ናይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣበርክቶ እንተድኣ ኣሎ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ዞባናን’ውን ባህርያውን ሃናጺን ዝምድና ክህሉ ግድን እዩ። ንሕና ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ስትራተጂያዊ መረዳእታ ኣሎና። ሕጂ ምስ’ዚ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ስዑዲ ዓረብን ዝመጽአ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን፡ ጂኦግራፊያዊ ክሊ ናይል፡ ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓረብን ዝፈጠሮ ናይ ቀረባ ርክባት ኣሎ። ክልተኣዊ ዝምድና፡ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ክሊ’ዚ ጂኦግራፊያዊ ክውንነት’ዚ ዝርአ እዩ። እንተኾነ፡ ብዛዕባ ልምዓት፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ዕደና፡ ጽዓት፡ ማይ፡ ቱሪዝም፡ ካልእን ናይ ምትሕግጋዝ መዳያት ክንዛረብ እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድም ቀዳድም እዚ ዞባ’ዚ ርግኣት ክረክብ ኣለዎ። ምስ ካልኦት ምምልላእ ክህሉ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተሓጋገዝን ዝደጋገፍን ርጉእ ዞባ ክኸውን ኣለዎ።

ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዞባና ርዱእ እዩ። ሰፊሕ ሽርክነትን ምምልላእን ንምርግጋጽ ዘኽእለና ኣህጉራዊ ማያዊ መስመርን ግዙፍ ዓቕሚታትን ኣሎና። ኣብ’ዚ ናብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምስግጋር ኣብ ቃራና መገዲ በጺሕናሉ ዘሎና እዋን፡ ኣፍሪቃ ጸጋታታ ተጠቒማ ኣብ ዓለማዊ ቊጠባ ኣበርክቶ ክትገብር እንተድኣ ኮይና፡ ግድን ካብ ታህሚሽ ክትወጽእ ኣለዋ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ብሓደ ወገን፡ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ከም መራኸቢ ቀለቤት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዘገልግል ዞባናን ድማ በቲ ካልእ ዝትግበር መደባት ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ጂኦግራፊያውን ሓባራዊ ታሪኽን ዝመሰረቱ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዝውንናኦ ዓቕሚታትን ጸጋታትን ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዞባ ክግበር ዝኽእል ሰፊሕ ናይ ወፍሪታትን ቊጠባን ምትሕግጋዝ ክንውስን ኣሎና። ንልምዓት ዝምችእ ሃዋሁው ንምፍጣርን ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕን ኣብ ጸጥታዊ መዳይ’ውን ክንትሓጋገዝ ኣሎና። ኣብ ኩለን’ተን ነዚ ዞባ ዘቚማ ሃገራት ርግኣት እንተዘይተፈጢሩ ብዛዕባ ልምዓት ክንዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘሎና ሽርክነት ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ዕቱብነትን ድልውነትን ድማ ኣሎ። ምስ ወራሲ ዓራትን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ስዑዲን ዝገበርናዮ ርክባት ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝቐንዐ እዩ ነይሩ። ሓድሽ ኣይኮነን። መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ዞባ ስትራተጂያዊ ዕላማታት ንምትግባር ዘኽእል ምቹእ ሃዋሁው ንምፍጣር እንገብሮ ምምኽኻር እዩ።

• ንኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ዘዳውብ ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ማያዊ መስመር ዓለምና እዩ። ጸጥታን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስን ጸጋታቱ ንምምዝማዝን ምስ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ክህሉ ዘለዎ ምውህሃድ ብዝምልከት ርእይቶ ኤርትራ. . .?

ኣብ ክሊ’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ዝርአ እዩ። ነዚ ዞባ ዘቚሙ ኣርባዕተ ረቛሒታት ነናቶም ፍሉይነታት ኣለዎም። ገማግም ናይል እንተወሲድና፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝሓቖፈ እዩ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ከወሃህደን ዝኽእል ስትራተጂያዊ ዕላማታት ክህልወን ኣለዎ። ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ንምትግባር ኣብ መንጐአን ስምምዕ ክህሉ ይግባእ። ሃገራት ቀርኒ-ኣፍሪቃ እውን ብተመሳሳሊ። ንቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት፡ ንሕና ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እማመና ኣቕሪብና ነይርና። እቲ እማመ ኣብ ክውንነት ዝተመርኮሰ እዩ። ብዛዕባ ውህደት ኣብዚ ኣገዳሲ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር ዝርከባ ሃገራት ክንዛረብ እንተዄንና፡ ብቐዳምነት ዝመጽእ ምርግጋጽ ጸጥታዊ ውሕስነት እዩ። ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ብዘይ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ባዕለን ወተሃደራውን ጸጥታውን ውሕስነት ናይ’ዚ ኣገዳሲ ማያዊ መስመር ከረጋግጻ ኣለወን ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለና። ብድሕሪኡ ጉዳይ ምትሕግጋዝ ኣብ መንጐአን ክመጽእ ይኽእል። ግብረ-ሽበራ፡ ንግዲ ምስግጋር ደቂ-ሰብን ካልእ ዘይሕጋዊ ንግዲን ንምምካት ንጹር ውጥንን ስትራተጂን ክህልወን ኣለዎ። ኣብዚ ኣገዳሲ ማያዊ መስመር ጸጥታን ርግኣትን ንምውሓስ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት ናይ ምትሕግጋዝ መካኒዝም ክህሉ ኣለዎ። ኩለን ኣብ ገማግም እዚ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓላፍነተን ክስከማ የድሊ። ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ከከም ዓቕማን ትሕዝቶኣን ኣበርክቶ ትገብር። ኣብ’ቲ ዘቕረብናዮ እማመ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ክህሉ ከምዘይግባእ ገሊጽና ኢና። ምኽንያቱ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ክኸውን ስለዝኽእል። ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ መንጎ ሃገራት’ቲ ዞባ ብዝግበር ምምኽኻር ዝፍጸም ይኸውን። ልኡላውነት ናይ’ዚ ማያዊ መስመር ዝዕቀብ ብሃገራት ናይዚ ዞባ እዩ። ነዚ ድማ መካኒዝምን ምትሕግጋዝን ክህሉ ኣለዎ። ቀይሕ ባሕሪ ልዑል ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ከባቢ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ናይዚ ዞባ ድልዱል ምትእስሳር ክህሉ የድሊ። ኣብ ክሊ’ዚ መረዳእታ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ዝህሉ ምትሕግጋዝ ብደረጃ ዞባ ንዝግበር ምትሕግጋዝ ኣብ ምዕዋት ደራኺ ተራ ክጻወት ዝኽእል እዩ።

• ክቡር ፕረዚደንት ብኣጋጣሚ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ስዑዲ ዓረብን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ርክባት ኣካይድካ ነይርካ። ንኣብነት ምስ መራሕቲ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ምስሪን። እዘን ሃገራት እዚኣተን ጐረባብቲ ናይ’ዛ ኣብ ጸገም እትርከብ ሱዳን እየን። ብዛዕባ ሽግር ሱዳንን ኣፈታትሓኡን ተዘራሪብኩምዶ?

ሽግር ሱዳን ዘለዎ ምትሕልላኽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንምፍትሑ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ምትሕግጋዝ ዝሓትት እዩ። ብዘሎና ተመኩሮ፡ ናይ ዘተ መድረኻት ምብዛሕ ንባዕሉ ብድሆ እዩ። ሱዳን ካብዚ ዘላቶ ክውንነት ክትወጽእ፡ እቲ ሽግርን ጠንቂታቱን ብዝግባእ ተረዲእካ መጻኢ ፍታሕ ዘረጋግጽ ምቹእ ሃዋሁውን ባይታን ምፍጣር የድሊ። እንተኾነ እቲ ዘሎ ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ኣጀንዳታቱን ኣብ ሱዳን ዝኸፍአ ምትሕልላኽ ብምፍጣር፡ ነቲ ሽግር ናብ መላእ ዞባ ከምዝልሕም ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዕቱብን ሓቀኛን ተበግሶ ጎረባብቲ ሃገራት የድሊ። የግዳስ ብዝሒ ተበግሶታት ንባዕሉ ብድሆ ይኸውን ኣሎ። ተበግሶ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝበሃል ኣሎ። ተበግሶ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ካልኦትን እውን ኣሎ። እዚ ነቶም መፍትሒ ከቕርቡ ዘይክእሉን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኣትዮም ርግኣት ዞባና ክህውኹ ዝደልዩን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምኽንያት ዝፈጥር እዩ። ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ፡ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ ጥራሕ ክህሉ ኣለዎ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ፡ ምስ ኣሕዋት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ምስሪ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንዘራረበሉ ኣለና። ጎረባብቲ ሃገራት ዝወሰዳኦ ናይ ካይሮ ተበግሶ ኣሎ። እዘን ሃገራት በቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ብቐጥታ ዝጽለዋ እየን። ስለዚ ሽግር ሱዳን ንምፍታሕ እቲ ዝበለጸ ናይ ዘተ መንበር ንሱ እዩ። ኣብ ናይ ካይሮ መንበር ስዑዲ ዓረብ ኣይተሳተፈትን። ዘይምስታፋ ጌጋ እዩ። ስለዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ተሳታፍነት ክህሉ ኣለዎ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ዞባውያን መሻርኸትና ንመያየጥ ኣሎና። ነዚ ባይታ’ዚ እንተድኣ ኣረጋጊጽና ምቹእ ሃዋህው ብምፍጣር ኣሕዋት ሱዳናውያን ሽግሮም ባዕሎም ንምፍታሕ ዕድል ክረኽቡ እዮም።

እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ዝተፈላለየ መናብር ዘተ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጽኢት ናይ ዝተፈላለየ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት እዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ሱዳን ዘሎ ክውንነት፡ ውጽኢት ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ጂኦ- ፖለቲካውን ረቛሒታት እዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ህዝቢ ሱዳን ናብ ፍኑው ናይ ተቓውሞ ምልዕዓል ክኸይድ ዝደረኸ እዩ። ስለዚ ሱዳን ናብ ርሁው መድረኽ ክትሰግር ሓደ ናይ መዛተዪ መንበር ጥራሕ እዩ ዘድሊ። ነቲ ሽግር ብቐንዱ ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ሱዳናውያን እዮም። ዕድሎም ንምውሳን ከኣ ግድን ክሳተፉ ኣለዎም። ምስ ኣሕዋት ምስራውያን ዝተዘራረብናሉ ጉዳይ ንሱ’ዩ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ኩሉ ተበግሶታት ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ ውሽጣዊ ኩነታት ምቹእ ስለዘየሎን ናይ ወጻኢ ምትእትታው ድማ ነቲ ሽግር ኣብ ምትሕልላኽ ኣስተዋጽኦ ይገብር ስለዘሎን።

• ክቡር ፕረዚደንት፡ ንኩነታትን ምዕባለታትን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝፍጸም ዘሎ ምቅይያራት ከመይ ትርእዮን ትከታተሎን? ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ’ውን ተራኺብካ ነይርካ?

ጉዳይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ነዊሕ ታሪኽን ብዙሕ ምትሕልላኽን ዘለዎ እዩ። ይኹን’ምበር መርገጺና ንጹር እዩ። እቲ ጉዳይ ከምቲ ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ወይ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝመጽኡ መንግስታት ዝተገብረ ዕልዋ ኣይኮነን። እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ክውንነት ከምኡ ኣይኮነን። ንባብና ኣብ ክውንነት ኣፍሪቃ ንሕሉፍ መድረኻት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ቅድሚ ሱሳታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝሰገሮ እዋን መግዛእቲ ነይሩ እዩ። ብድሕሪኡ ከኣ ዝተፈልየ መግዛእታዊ መልክዕ ዝነበሮ መድረኽ ዝሑል ኲናት መጺኡ። ቀጺሉ ድማ ንዓለም ክግብት ዝሃቀነ ኣሃዳዊ ቁጥባዊ ስርዓት ስዒቡ። እዚ እውን ዳርጋ ሓድሽ መግዛእቲ’ዩ። መግዛእታውያን ሓይልታት ንጸጋታትን ዕድላትን ሃገራት ኣፍሪቃ ንነዊሕ ተቖጻጺሮሞ ጸኒሖም እዮም። እቲ ኩነታት ከኣ እናኸፍአ ከይዱ። ዝሓለፉ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ፡ ዝበዝሑ ንመግዛእቲ ዘገልግሉ ወይ ወከልቲ እዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል። ምስ ሓይልታት መግዛእቲ ኮይኖም ከኣ ጸጋታት ኣፍሪቃ ይዘምቱ ነይሮም። ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ምልዕዓላት እምበኣር፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሕለፋኦን ዘሕልፍኦ ዘለዋን ጊላነት እዩ። ቀዳሞት ኣፍሪቃውያን ኣቦታት ንኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእን ባህርያዊ ጸጋታት ኣፍሪቃ ኣብ ረብሓ ኣፍሪቃውያን ንምውዓልን ዝነበሮም ባህጊ በቶም ዝሰዓቡ ስርዓታት ኣፍሪቃ በርዒኑ እዩ። እዚ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ከኣ’ዩ ነዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምልዕዓላት ዝፈጠረ። ካብ ጊላነትን ምዝመዛን ሓራ ንምውጻእ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ግድን ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዘድልየሉ መድረኽ እዩ።

የቐንየለይ ክቡር ፕረዚደንት ነዚ ዕድል’ዚ ዝሃብካኒ!!







WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events