Dehai

ዕንደራ ኣቤይ ኣሕመድ

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 27 November 2023

ታሪኽ ከም ቡሑቕ ለዊስካ፡

ሓቂ ከተምስል ብዙሕ ለፍሊፍካ፡

ክልተ ግዜ ሕሰብ ኣርሞ ቃላትካ፡

ዓሰብ ደምዩ ፈሱስዎ ዋዛ ከይመስለካ።


ቆልዓ'ኳ ዝረኣዮ ዘይብል ይብጽሓኒ፡

እንትርፎ ብትሕትና ምሳኻ ኣጻውተኒ፡

ናይ ኣቢይ ግን ብጣዕሚ ገሪሙኒ፡

ነቲ ናተይሲ ናትካ ኣይኮነን ክብለኒ፡


ሰላም ዘይደሊ ካብ ቀረቡና፡

ናይ ውሽጥን ደገን ተሓባቢርና፡

ንድሕነት ሃገር ድሕነት ህዝብና፡

ኣብ ዝኾነ እዋን ድሉዋት ኣሎና።


ዎዮድኣ ምኽሓድ ኮይኑ ባህርያቶም፡

ሕማቕ ዝፈድዩ ነድሓንቶም፡

ንጽባሕ ዘይጥምታ ቀንኣት ኣዒንቶም፡

ዘይናትካ ምጥማት ኮይኑ እምነቶም።


ዝብሉዎ እንበር ዝብሃሎም ዘይሰምዑ፡

ፍትሒ ረጊጾም ዓመጽ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዑ፡

 ሕጂኸ እንታዮም ክደግሙ ኣጽኒቶም ቆልዑ?

ኣልሚዖም ግዳ ህዝቦም ዘየብልዑ።


ናይ ኣቢይስ ጉድዩ ዓይኒ የብሉ ስኒ፡

ቆልዓኳ ዘይብል ዘይናቱ ሃበኒ፡

ባርላማ ኣኪብካ ባሕሪ ይብጽሓኒ፡

እንተ ዘይሂብኩኒ ይበሃልድዩ ዝገብሮ ኣሎኒ።


ሰሚዕናዮ ኣሎና ዘይእሰር ዘረባ፡

ፍረ ዘይህብ ዝቐምሰለ ዕንባባ፡

ፈራዕራዕ ኮፍ ኣኢልካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡

ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዓሰብ ነይትረኽባ።


ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡

ዓወት ንሓፋሽ፡

ገ/ንጉስ መስመር፡



WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events