Dehai

ምስጢር ዓወትና ስኒት'ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 20 January 2024

ሃገራት ነናተን ህዝቢ መንግስቲ ባንደራ ሰራዊት ኣለወን። ዜጋታተን ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዝኣምኑ፡ ዝተፈላለዩ ብሄራት ቋንቋታት ባህልታት ኣለዎም። ኤርትራን ህዝባን ምስ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ከነረኣእዮ ከሎና ኣዝዩ ዓቢ ፍልልይ እሎና። ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ርግኣት የብለንን። ምስ ሃብታም ባህርያዊ ዑቑር ሃብተን ከለዋ ብድኽነት ሕማም ድንቁርና ይሳቐያ። ዝገደደ ከኣ ጸጥታዊ ኩነታተን ኣዝዩ ዘሕዝን።  " ስነ-ጥበባውያን ዝደርፍዎ  ንመንፍዓት ህዝብና ዝገልጽ ብዙሕ ዘኹርዕ  ደሪፎም። ምስዚ ክገልጾ ደልየ ዘሎኹ ሓሳብ ትሳነ ደርፊ * እዚ ህዝቢ እንተ-ዘይህሉስ እንታይ ምኾነት እዛ ሃር* ትብልያ። ብሓቂ ተባዕ ተሳንዩን ተኸባቢሩን ዝነብር ህዝቢ።  ግን ህዝቢ ዝኣልዮ ዘማእዝኖ ዘንቅሖ ዝመርሖ ዝውድቦ እንተዘይረኺቡ ከምዞም ንርእዮም ዘሎና ህዝቢ ጎረባብትና ክንከውን ተኽእሎ ኣይምተሳእነን።  ሕማም ጎረቤት ተላጋቢ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ሃልዩ እዚ መንግስቲ እንተዘይህሉ'ኸ ህዝቢ ብዘይ ቅኑዕ መሪሕነት ምተዓወተ'ዶ? ስለዚ "እዚ መንግስትን ህዝብን እንተዘይሳነ እዛ ኤርትራ እንታይ ኮን ምኾነት"? ኢልና ክንሓስብ ኣገዳሲ እዩ። ሃገርና ከም ኣብ ምድረበዳ ዝቦቖለት ሰቲ'ያ።  ብጀካ ተሳኒና ምንባር ካልእ ምርጫ የብልናን። ኣብ ኩሉ ውዳቤትስትና ማሕበረ- ኮማትና ቤተ-እምነትና መደባትና ስኒት ዓወትና፡ ስኒት ግርማና፡ ስኒት እምነትና፡ ስኒት ረብሓና።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገ/ንጉስ መስመር


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events