Dehai

ምግጋይ ነውሪ ኣይኮነን፡ ዘይምእራም ግን ነውሪ'ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 20 January 2024

ስቕ ኢልካ ፍረ ዘይምፍራይ ሞት'ዩ።  ዘይኮነ ከም ዝኾነ        ጌርካ ምውራይ ሕስረት'ዩ።  ጃህራ ምልክት ውድቀት'ዩ። ኣንነት ዘዘውትር ንዑቕ ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።  ጌጋ ኣይገብርን እየ ዝብል ቀዳማይ ጌግኡ ንሱ'ዩ። ከይጋገ ፈሪሁ ስቕ ዝብል ሒማቕ'ዩ።* ጌግኡ ኣሪሙ ዘይቅጽል ዉዱቕ'ዩ።* ካብ ጌጋ ምምሃር ብልሒ'ዩ። ዘይ ምፍላጥ ድንቁርና ኣይኮነን፡ ዘይትፈልጥ ፈላጥ  ምምሳል ግን ድንቁርና ጥራሕ ዘይኮነ ንክትፈልጥ'ውን ኣይሕግዘካን'ዩ። ምሳኻ ዘሎ መሳርሕትኻ ገዲፍካ ምስ ንዮው ዘሎ ክትሰርሕ ምሕሳብ ቅንዕና ኣይኾነን። ሳዕበኑ ምትእምማን ምግዳል'ዩ። ውጺኢቱ ስራሕ ምብዳል ይኸውን። ዘጋንኑ ሰባት ቅኑዕ ገምጋም ዘይብሎም'ዮም። ቅኑዕ ገምጋም ምስ ዘይህሉ ግጉይ ጸብጻብ ይቐርብ። ድኽመት ንምሽፋን ዝግበር ግጉይ ጽገና መኣረምታ ኣይኮነን፡ መሊስካ ድኽመታት ምብዛሕዩ። ኣብ መወዳእታ ውድቀት ይኸውን። ቅኑዓት ሰባት ጉድለትካ ዝነግሩኻ እዮም። እቶም ንጉድለትካ መዕለልን መሕመይን ዝጥቀሙሉ ግን ጸላእትኻ ውድቀትካ ዝምነዩ እዮም።

ሰማእታትና ክዝከሩ ይንበሩ
ዓወት ንሓፋሽ
ገ/ንጉስ መስመር


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events