Dehai

እንታዩ ዝበለ ስነ-ጥበባዊ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 27 January 2024

እዚ ህዝቢ እንተ-ዘይህሉ እንታይ ምኾነት እዛ ሃገር ድዩ ዝበለ ስነ-ጥበባዊ? ሓቁዩ እዚ ሓያል ጽኑዕ ተባዕ ለጋስ ዉፉይ ፈታው ሰላም ህዝቢ እንተ-ዘይነብር እንታይ ምኾነት ሃገርና ኤርትራ? ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን።  ህዝባዊ ግንባር እንተዘይህሉ'ኸ እንታይ ምኾነ እዚ ህዝቢ? መን ምጠርነፎ? መን ምወደቦ? መን መንቅሖ? መን መዕጠቖ? መን መቃለሶ? መን መሪሑ ኣብ ዓወት መብጽሖ? ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ሰራዊት እንተ ዘይህሉ እዛ ሃገር ልእላውነታ መን ምተኻላኸለላ? መን ነብሱ ኣሕሲሩ ክብራ ከምዘይትድፈር ምገበራ? መን ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ሰለም ከየበለ ምሓደረላ? መን ተሰይፉ በጃ ምኾነላ? ስምረት መንግድትን፡ ህዝብን፡ሰራዊትን ኤርትራ ክትሕፈር ኪኢላ።


ዕድመን ጥዕናንን

ንመንግስትና ንሰራዊትና ንህዝብና

ዓወት ንሓፋሽ

ገ/ንጉስ መስመር



WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events