Dehai

(ጸብጻብ ብሩራዊ ኢዮቤል ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዊኒፐግ )Eritrea's independence day in Winnipeg Canada and Environs concluded successfully with patriotic zeal...

Posted by: Eritrean Media

Date: Saturday, 04 June 2016


መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤል ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ፡ ብኣዋሃሃዲት ሽማግለ ባዓላት ብዝላዓለ ምድላዋትን ብሓያል ውዳቤን “ርብዒ ዘመን ኣብ ልምዓትን መኸተን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሓ ቅጽል ብዉዕዉዕ መንፈስ ከምዝተባዕለ ንሕብር።
ኣብቲ ብ22 ግንቦት 2016 ኣብ ዝተጸንበለ ድሙቕ ዝኾነ ኣዳራሽ ፡ ዝበዝሕ ትሕዝቶ ንታሪኽን ገድልን ኤርትራ ዝገልጽን ፡ ንህጻናት ካኣ ብኣውርኡ ልዑል ዛሳተፈ ኮይኑ ኣብ`ቲ ኣጋጣሚ ብሕጻናት ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ቛንቛን ባህልን ኤርትራ ናይ ከተማና ፡ ንሕሉፍ ታሪኻት ገድሊ ዘርኢ “ተወደብ” “ማኣዲ” ምርኢት ድሕሪ ምቅራቦም ፡ ብቛንቖኦም ብዝሕበኑሉ ኣገባብ ዝተፈላለየ “ኤርትራን ምስላን “ ባንዴራናን ትእምርትታቱን ንክብርን ትሕዝቶን ሒዛቶ ዘላ ሰንደቕ ዕላማ ሰፊሕ መግለጺ ንህጻናት ከምዝተዋህበ ፡ ቀጺሎም መንእሰያት ዊኒፐግ ብወገኖም ምዕሩግን ትሕዝቶ ዘለዎ ግጥምታትን፡ ከምኡ ክኣ “ባህልናን መንነትናን” ቃል እንኣትወላ እትብል ድራማ፡ ንመነባብሮ ባህሊ ስድራቤት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ እተንጸባርቕ ኣቕሪቦም።
ሃማዴኤ ከተማ ዊኒፐግ ብወገነን ፡ ነዚ ባዓል ንምድማቕ ከም`ቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘዕጠቓን ዝተቓለሳን ሎሚ`ውን ፡ ነዚ ባዓል ንምምዕራግን ንምዕዋትን ማዓርግ ሂበንኦ ኣምስየን። ብህቡባት ስነ-ጥበባውያን ታረቀ ተስፋሂወትን ፡ ውልዶ ድምጻዊት ሳሊና -ጸጋይን ምስ ጉጀልኦም ካብ ሚኒሶታ ኣሜሪካ ነዚ ባዓል ንምድማቕ ብባህላውን ዘመናውን ዋሓለ ዝኾነ ምርኢት ኣቕሪቦም።
ቀጺሉ ኣብ ዝዋዓለ መዓልቲ ግንቦት 24, 2016 ብዙሓት ኤርትራውያን ህጻናትን ዓበይትን ኣብ ዝተረኽብሉ ንመጀመርያ ግዜ ውቅብቲ ባንዴራና ፡ ኣብ ሲቲ-ሆል(ማዛጋጃ ቤት) ናይ ከተማ ዊኒፐግ ካናዳ ፡ ብከንቲባ ናይ`ቲ ከተማ ብራይን-ቦውሞን ተሰንዩ መስርሕ ምስቓል ባንዴራ ኤርትራ ተኻይዱ። ኣብ`ቲ ምስቓል ባንዴራ ብሕጽር ዝበለ መግሊጺ ፡ ብኣቶ ዮውሃንስ - ማሓሪ ንታሪኽን ባህልን መዋእል መግዛእትን ኤርትራ ፡ ድሕሪ ምቕራቡ ስምዒትን ሓበንን ርዝነትን ዘበረኸ ህሞት ብምንባሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ክዛሪ ተራእዩ። እዚ ታሪኻዊ ዕለት ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ፡ ንሃገሩን ንባንዴርኡን ዘለዎ ፍቕሪ ቀሊል ብዘይምዃኑ እዩ። ብቑጽሪ ልዕሊ 400 ብምንባሩ ሱታፌ ናይ ህጻናት ፡ መንእሰያት፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ካልኦት ማሓዙትን ልዑል ምንባሩ ንሕብር።

In The connection of Silver Jubilee the participants expressed assurance that the spirit of Eritrean globally commended and to further commit in the national building process.


Happy 25th Independence Anniversary of the State of Eritrea 
Quarter of Century of resilience and development


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events