ጉጅለ ብልጽግና፣ ከም መቐጸልታ ናይ ምድንጋር ድራማታቱ፡ “መድሕን ውድቀት እንተኾነ” ብዝብል ዘይክዉንነታዊ ተስፋ፡ ‘ጉባኤ ምምኽኻር’ ኢሉ ኣብ ዝወደቦ ናይዚ ቅንያት’ዚ ድራማ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ “ብስንፍናኻ ኢኻ ባሕሪ ስኢንካ” ዝዓይነቱ ጸርፊ ኣዝኒቡሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ጉጅለ፡ ብሕርቃን ገጹ ተደዊኑ፡ ሰራውሩ እናተገታተረ ዘስመዖ ግዓር፣ ቅብጸተ-ተስፋን ዕርበተ ሕልናን ናይቲ ጉጅለ ኣበየናይ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዘግሃደ እዩ ነይሩ።
“ኢትዮጵያ ናይ ጂኦግራፍ እስርቲ ክትከውን ዝገበረ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይ ውሽጢ ስንፍናናን ድኻምናን እምበር፡ ኢትዮጵያ ጥቕማ ኣብ ምኽባር ዝዓግት ሓይሊ ስለዝነበረ፡ ስለዘሎ ወይ ስለ ዝህሉ ኣይኮነን።” ክብል እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ብስጭቱ ደርጒሑ።
ንዘመተ ባሕሪ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ቅሉዕ ጸርፊ ዘዕረገ ኩነት ርዱእ’ዩ። ብልጽግና፡ ከም ዝኸሰረ ነጋዳይ፡ ቀደም ዝተዓጽወ ፋይል ብምግንጻል፡ “ባሕሪ!” ዝብል መልቀስ ካብ ዘቃልሕ ሰለስተ ዓመቱ ሓሊፉ፡ ዛጊት ዘላቕሶ ኣይረኸበን።
ብዓል ነዊሕ ተመኩሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ብልጽግና ዝግምቶ ናይ ታሪኽ ደንቆሮ ኣይኮነን። ፖለቲካን ዓለማዊ ሕግን ዘይፈልጥ በሃም እውን ኣይኮነን። ዝያዳ ኩሉ ድማ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጉጀለ ብልጽግና፡ ጉዳይ ባሕሪ ዘልዓለሉ ምኽንያት፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ናብ ግዳም ብምቕናዕ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ጸቢብ ዕላማታቱ ሸፋፊኑ፡ ሃገራዊ ራእይን ኣተሓሳስባን ዘለዎ መሲሉ ንምርኣይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ንዕሸላዊ ዘመተ “ባሕሪ” እዝኒ ዘይሃቦ።
እዚ፡ ኣቦ ሓሶትን ምድንጋርን ዝኾነ ጸቢብ ዓሌታዊ ጉጅለ’ዚ፡ ዘመተ ባሕሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምምሳጥን ንምትላልን ዝተዋስኦ ድራማታትን ፕሮፖጋንዳን እውን ኣይሰርሐን።
-ጻድቕ፣ ልኡኽ ሰላምን ፍቕርን፣ መሲሉ ዝዋውዕ ክኣስር ሃቂኑ፣ እንተኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሓጺር ግዜ እምበር ነዊሕ ኣይተደናገረን። ግብራዊ ስርሑ ብምዕዛብ ሓቀኛ መንነቱ ከለልዮ ኣይኣገሞን።
-‘ምድማር’ ዝብል ዕሸላዊ ፋንታዝያ፡ ከም መርሓ ሓሳብ ኣልዒሉ፡ ሃገራዊ ዕላማታት ዘለዎ ንምምሳል ዘቕረቦ ድርሰት፡ ምስ ግብራዊ ስርሑ ስኒት ስኢኑ፣ ጸቢብነቱ ክቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን።
-ሃዋርያ ልምዓት መሲሉ ዘካየዶ ጽዑቕ ናይ ጃህራን ነብሰ ናእዳን ፕሮፖጋንዳ፡ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ክዉንነት እናተራጸመ፡ ኣቓልቦ ክስሕብ ኣይከኣለን።
-ወናኒ ሓያል ሰራዊትን ዝተራቐቐ ኣጽዋርን መሲሉ፡ ክህድድን ንህዝቢ ብድሮናት እናጨፍጨፈ ከርዕድን ፈቲኑ፡ መመሊሱ ዝሕርን ህዝቢ እምበር፡ ዝርዕድ ኣይረኸበን። ተቓውሞ ህዝብታት ኢትዮጵያ በብኸባቢኡ ዝያዳ እናተባራትዐ ይልብልቦ እዩ ዘሎ።
-ዓቕሚ ከምዘለዎ፡ በዚን በትን ዘይተኣደነ ወተሃደራዊ ወፍርታት እውን ክፈታትን ጸኒሑ። እንተኾነ፡ በቲ ዕጥቁ እናረከበ ብዕሰለ ዝማረኽ ሰራዊቱ፡ ዲኖ ሕፍረት ተኸዲኑ እምበር፡ ሓንቲ ፍረ ኣየጽዓየን።
-ብትእዛዝ ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ጦብሎቚሎቚ ኣብዚሑ፡ ዓስቢ ክሕደቱን ክድምናኡን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ።
-ኣብ መወዳእታ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ “ሃገር ክትበታተን’ያ! ርድኡና!” ብዝብል ኣውያት ንማሕበረሰብ ዓለምን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ምሽጋር ይርከብ።
ደጊም፡ ናብ ዘይምለሰሉ ቁልቁለት ኣቕኒዑ ዘሎ፡ ጉጅለ ብልጽግና፡ ውድቀቱ እናቐልጠፈ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ዝቘሰለ ኣራዊት፡ ነውጹ፡ ግዓሩን ብኽያቱን፡ መመሊሱ እንተገረረ እምበኣር፡ ዘገርም ኣይኮነን።