World News

BBC.com: ኣብ ኢትዮጵያ "ትምህርቲ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሓደ መዓልቲ"

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 10 November 2017

ኣብ ኢትዮጵያ "ትምህርቲ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሓደ መዓልቲ"

Nov. 10, 2017
 
ንተምሃሮ ዘሕረቐ ፖሊሲ ሚኒስትር ትምህርቲImage copyrightCHRISTOPHER FURLONG

ኣብ ክፍልታት ትምህርትን ሕክምናን፡ ተግባራዊ እናኾነ ዝመጽአ ፈተና መምዘኒ መረጋገፂ ብቕዓት፡ ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲታትን ኣብ ኩሎም ዓይነታት ትምህርትን ተግባራዊ ንክኸውን ተወሲኑ እዩ።

እዚ ውሳነ ኣብ ተምሃሮ ልዑል ስምባደ ዝፈጠረ እንትኸውን፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ቅድም ኢሉ ወፅዩ ዝነበረ ፖሊሲ ተግባራዊ ናይ ምግባር ጉዳይ እምበር፡ ሓድሸ ነገር ከምዘይኮነ ይገልፅ።

"ትምህርቲ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሓደ መዓልቲ"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተምሃራይ ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪነግ ዝኾነ ጌታሁን (ንውሕስነቱ ክበሃል ሽሙ ዝተቐየረ)፤ " ብቕዓት ተምሃሮ፡ ኣብ መወዳእታ ግዜ ምረቓ ብዝወሃብ ፈተና ኣይረጋገፅን" ይብል።

"ቀዳማይ ነገር ዝሐሸ ትምህርቲ ኣየምህሩን፡ ክምዘኑ ዝግበኦም ተምሃሮ ጥራሕ ኣይኮኑን። መማህራን ፅቡቕ ገይሮም እንከየምሃሩ፡ ተማሃራይ ተመዘነ ኣይተመዘነ እንታይ ለውጢ ይገብር?" ብምባል ይሓትት።

ጌታሁን ከምዝብሎ፡ ንብዙሕ ዓመታት ለፊዑ፡ ፅቡቕ ውፅኢት ሒዙ ንዝምረቕ ተምሃሪ፡ መንግስቲ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዓመታት ተፀብዩ፡ ብቕዓት የብልካን እንተበሎ ኣግባብ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ንተምሃሮ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝወሃብ ሓፈሻዊ ምዘና፡ የካትዕ ምንባሩ ምፅብፃብና ይዝከር። ጌታሁን ኣብቲ ዝተኻየደ ምዘና ዋላ እኳ እንተሓለፈ፤ ብዙሓት መሓዙቱ፡ ብፍላይ ድማ 3.8ን ልዕሊኡን ዘምፅኡ ንፉዓት ተምሃሮ ወዲቕኹም ከምዝተብሃሉ ከም ኣብነት ይገልፅ።

" ናይ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዓመታት ትምህርቲ ብኸመይ ብሓንቲ መዓልቲ ምምዛን ይከኣል?" ብምባል ርእይቶኡ ይህብ።

ኣፍ ደገ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባImage copyrightGETTY IMAGES

ካልእ፡ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ኮምፒዩተር ኢንጅነሪንግ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ሲሳይ (ስሙ ዝተቐየረ) ብወገኑ፡ " ኣይኮነን ሓሙሽተ ዓመት ተፀቢና ሕዚ ዝተምሃርናዮ እውን ኣይምጥነናን" ይብል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ተግባር ተኮር ትምህርቲ (ኣፕረንትሽፕ) ወፅዩ ዝርከብ እዚ ተምሃሪ፡ ነዚ መምዘኒ ፈተና ዝቃወመሉ ምኽንያት ኣለዎ።

" ምኽንያቱ፡ ፅሬት ትምህርቲ ዝረጋገፅ ብፈተና ዘይኮነስ፡ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ብኸመይ ኩነታት እዩ ዝወሃብ? ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢናኽ ንመሃር ዘለና? ዝብል ክረኣይ ይግባእ? ይብል።

"ሎሚ ዓመት ብዝተመረቐን፡ ካባና ብዘይሓይሽን መምህር ኢና ንመሃር ዘለና። ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኮይና ኢና ንመሃር ዘለና፤ ዋላ ሓደ ካልእ መማረፂ የብልናን" ብምባል መረርኡ ይገልፅ።

እዚ ርእይቶ'ዚ ናይ ብዙሓት ተምሃሮ ምዃኑ ዝገልፅ ሲሳይ፡ " እዚ ሓድሽ መምርሒ ምስውጽአ፡ ኩሉ ተምሃራይ 'እንታይ'ዮም ሓሲቦም፡ እንታይ እዮም ደልዮም' ብምባል እናዕጎምጎመ እዩ" ብምባል ተምሃሮ ብጥርጣረ ከምዝረኣይዎ ይዛረብ።

"ብሓፈሻ እቲ ተምሃራይ ሕጉስ ኣይመስለንን" ይብል።

"ክንዲ እቲ ንዓና ንምፍታን ዝጓየዩዎ፥ ብዝተኽኣለ መጠን ናብ ውሽጦም ዘወር ኢሎም እንተዝሪኡ ምሐሸ" ድማ ይብል።

"ኣብ ምመሃርን ምስትምሃርን ዘሎ ፀገም ፈቲሾም እንትዝፈትሑዎ፥ ተመሃራይ ናይ ምፍታን ፀገም ኣይምሃለዎን። ብስርዓት ዝተማህረ ተምሃራይ ፈተና ዝፈርሐሉ ምኽንያት 'ውን እይህሉን" ድማ ይብል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተመሃራይ ሳልሳይ ዓመት ጋዜጠኝነት ሰለሞን በርሀ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ ኣለዎ። ሰለሞን ከምዝብሎ፥ ኣብ ዩኒቨርሲታት፡ ቀዲሕካን ኣደናጊርካን ከይፀዓርካ ምሕላፍ ከም ባህሊ እናተለመደ ዝመፀ ብምዃኑ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ከምዚ ዓይነት መምዝኒ ፈተና ምሃብ ከም ሓደ መፍትሒ ክረአ ከምዝኽእል ይኣምን።

"ከም ደወል፡ መጠንቀቕታን መሐለውታን ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ። ቀዲሙ ጥንቁቕን ብዓርሱ ዝተኣማመን ምረቕ ንምፍራይ ፅቡቕ መማረፂ እዩ" ድማ ይብል።

ጽሬት ትምህርቲ ብምዘና ይመሓየሽ'ዶ?

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ መንግስቲ ንዓውዲ ትምህርቲ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃቡ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ ዝኣትው ቁጽሪ ወሲኹ እዩ።

ኣብ 2004-05ዓ/ፈ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነበሩ 8ተ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ 36 ዓብዩ። ካብዚኦም እቶም 33 ብቐጥታ 12 ክፍሊ ዝዛዘሙ ተምሃሮ ዝቕበሉ ምዃኖም መረዳእታ ሚኒስትር ትምህርቲ የመልክት። ካብዚ ብዝሰገረ 98 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ይርከቡ።

ስለዝኾነ፡ ቁጸሪ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝኣትው ተምሃሮ ኣብ 2010-11 ካብ ዝነበሮ 447ሽሕን 693 ኣብ 2013-14 ናብ 593ሽሕን 571 ክብ ክብል ኽኢሉ ኣሎ።

ተመራቒ ተምሃራይImage copyrightGETTY IMAGES

ይኹን'ምበር ብርክት ዝበሉ ተመረቕቲ፡ ጽፈት ዘለዎ ትምህርቲ ሒዞም ከምዘይወጹኡን፡ ሓደሽቲ ሙሩቓት፡ ስራሕ ከምዘይረኽቡን፡ ብኡ ልክዕ ስእነት ስራሕ እናዛየደ ምምጸኡ መረዳእታታት የገንዝቡ።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር ጠላይ ግና "እቲ ሚኒስቴር ቅድም ክብል ተምሃሮ ሕጊ፥ መምሃራንን ተምሃሮ ሕክምናን ይምዝን ከምዝነበረ ይገልጹሞ፤ ሐዚ እቲ ዝነበረ ናብ ኻልኦት ከምዝቐጸለ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ መምርሒ ቅዲሚ 3ተ ዓመት ዝወጸአ ፖሊሲ ተግባራዊ ምግባር እዩ ይብሉ። እቲ ፕሮግራም ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2011 ኣብ ኹሎም ክፍልታት ትምህርቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

''ኻልኦት እውን ቀጸልቲ ስለዝኾኑ ምድላው ንኽገብሩ እዩ ዳግም ምጽሓፍ ኣድልዩ'' ይብሉ ዘይተርፍን ፖሊሲ መንግስቲ ከምዝኾነን ብምግላጽ። ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ዓመት ዝኾኑ መምሃራን ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ፡ ብተመሳሳሊ መስርሕ ምዘና ከምዝሓልፉ'ውን ገሊፆም።

"በቲ ምዘና ዘይሓለፈ፡ መምህር ክኸውን ኣይኽእልን። ዳኛ ኮነ በዓል-ሞያ ሕጊ ክኸውን ኣይኽእልን። 'ላይሰንስ' እውን ኣይረክብን" ኢሎም።

ከም እምነት ዶክተር ጠላይ፡ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ፡ እቲ ዝተዘርግሐ ስርዓት ምዘና ወሳኒ እዩ። "ቴክኒካውን ስነ-ልቦናውን ምድላው ስለዘድልዮ፡ እቲ መምርሒ ብግቡእ ንኽፍጸም ዝተመሓላለፈ 'ሰርኩላር' እዩ" ይብሉ።

ኣይተ ታፈረ ቢጠና ኣብ ኤጄንሲ ፅሬት ምርግጋፅ ላዕለዎት ትከላት ትምህርቲ ላዕለዋይ ኤክስፐርት እዮም። ንሶም ከምዝብሉዎ፡ እቲ ኣብ ምትእትታው ዘሎ ሓደ አሰራርሓ፡ ኣብ ዘዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተለምደን ብዙሕ ተሞክሮ ዝተቐሰመሉን እዩ። "ብኣግባቡ እንተተግቢሩ ከኣ እቲ አሰራርሓ ብጣዕሚ ጠቓሚ እዩ ክኸውን"ይብሉ።

"ሓደ ተምሃራይ ወረቐት ጥራሕ ሒዙ ከይወፅእን ፍልጠት ኣኻዕቢቱ ምውጽኡን ጽቡቐ መመሳኸሪ ከኸውን ይኽእል እዩ። መምህራን ድማ፡ እዚ ዕላማ ኣብ ግምት አእትዮም ከምዝሰርሑ ይገብሮም" ይብሉ።

ሓደ ተምሃሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ እንትወፅእ መንነቱ ዝርእየሉን ኣብ መንጎ ኮሌጃትን ዩኒቨርስቲታን ውን ዝተቐራረበ ብርኪ ትምህርቲ ንክህሉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ መምህራንን ኣብ መንጎ ተምሃሮን ብሃገርለኸ ውድድር ከፈጥሩን ይሕግዝ ዝብል አረኣእያ አለዎም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events