World News

ሓምሳ ለሚን ንሓደ ጾር ንብዙሓት ጨና።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 21 October 2024

 ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 2025 ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ።

ፈስቲቫል ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተጀመር ቁዱስ ባህሊ፡ ንሰውራና ኣብ ፖሎቲካ፡ ውደባ፡ ቁጠባ፡ ባህሊ፡ ኮምኡውን ኣብ ዲፕሎማሲ፡ ዘይርሳዕ ታሪኽ ጉዙፍ ኣበርክቶ ዝገበረ ኣካል ናይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።  ከም ምጅማር ኣብ ዓዲ ጥልያን ቦሎኛ ኮይኑ፡ ከም ሳዕሪ ሮማዲ በብግዚኡ እናስፋሕፍሔ ሎሚ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤርትራውያን ዝነብሩለን፡ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ስካንዲነቭያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ካናዳ ወሲኻ ኣሽሓት ኤርትራውያንን ማሓዙት ኤርትራን ኣብ ነፍሲወከፍ ዓመት መጸት ክነግድዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።  እዚ ከከም ሃገሩ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ማዓልታት ዝንገድ ንዓሰርተታት ሓሽሓት ህዝቢ ዘሳትፍ ፈስቲቫል፡ ንምድላዉ ዝሓቶ ግዜ፡ ጉልበት፡ ገንዘብ፡ ንብረት፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ብቕሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።  ቁጽሪ ነጋድያን ነፍሲወከፍ ዓመት ዕቤቱ ብጋህዲ ዝርኤዩ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውራይ ከተዳሉ ብኹሉ ነገራቱ፡ ማለት ብጽሬቱ፡ብትሕዝቱኡ፡ ብጸጥትኡ፡ ዉሑስ ክኸውን ተሳትፎ ኣዳለውቲ እኹል ቁጽሪ ክህልዎ ይግባእ።  እዚ ኣብ ኣሜርካ ኣብ 2025 ዝግበር ንሙሉእ ህዝብናን መሓዙት ሃገርናን፡ ዓበይትን ነሓሽቱን ኣብ ኣሜርካ ዝነብሩን ካብ ኣሜርካ ወጻኢ ዝሳተፍዎ ስለ ዝኾነ ህዝቢ በይ-ኤርያ ብዝግባእ መታን ክዳሎ እቲ ሓበሬት ተዘርጊሑ ኣሎ።  ፈስቲቫል ናይ ሃገር ናይ ህዝቢ ድኣንበር፡ ከምቲ ሓደክልተ ዝብልዎ ናይ ህግደፍ ኣይኮነን።  ዘይክሓድ ሓቂ ግን ተወዲብካን ወዲብካን ዝስራሕ ስራሕ ስለ ዝኾነ ውዳቤታት ግንባር ምስ ኩሎም ሃገራውያን ብምዃን መሪሕ ቦታ ሒዞም ከማእክልዎን ከዋሃህድዎን ግዴታ ኣለዎም።  

እቲ ውራይ ናይ ኩልና ካብኮነ፡ ኣጋይሽና ተቐቢልና ብዝግባእ ከነኤንግድውን ሓላፍነትና  እዩ። ስለዚ ተቐማጦ በይ-ኤርያ ተግባራዊ ኣበርክቶና ክንገብር ኩልና ጾታ ከይፈለና ኣብ ከከተማና ኣብ ቤት ጽሕፈት ከድና/ከድክን ንስራሕ ንመዝገብ። ብኡ መሰረት ፈስቲቫልና ዕዉት ንሕና ብስራሕና ንዓግበሉ፡ ኣጋይሽና ብእንግዶትና ዝሕጎሱሉን ዘመስግንሉን ክኸውን። ጥምረትና ሓይልና።  ፍቕርና ሓድነትና። ኣብ ሃገራዊ ውራይ ምስታፍ ዕግበትና ምዃኑ ኣይንጠራጠርን።

መተሓሳሰቢ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኤርትራዊት ሃገራውያን ኣብ በይ-ኤርያን ከባብን እንርከብ ኣብ ስራሕ ክንሳተፍ ኣወሃሃቲ መደብ ጻዊዒቶም የቕርቡ። ኣብዚ ታሪኻዊ ውራይ ብምስታፍ ታሪኽ ንስራሕ።

ሕድሪ ሰማእታትና ብተግባር፡

ነባሪ ዝኽሪ ንዕኦም፡

ዓወት ንሓፋሽ።

ገብረንጉስ መስመር

10/21/2024

 



ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events