World News

ህዝባዊ ግንባር እንታውነቱን ባህርያቱን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 15 September 2025

ኣብ 2016 ብዛዕባ እንታውነትን ባህርያትን ህዝባዊ ግንባር ሓንቲ ጽሕፍቲ ኣቕሪበ ኔረ። ንምውዳስ ዘይኮነስ እቲ ሓቀኛ ህዝባዊ ግንባር ንምግላጽ እየ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣንበብቲ ኣዎንታዊ መልስታቶምን ርእይትኦምን ኣስፊሮም።  ኣዝዮም ቁንጣሮ ብዑረት ኣተሓሳስባን ድሑር ዝንባለን ንሓቂ ኣሉታዊ ርእይቶ ክህቡሉ ንቡር ተርእዮ ስለ ዝኾነ ኣብ ፖሎቶካዊ ጭቃ ተቛማጢዖም ዝወደቑ ጥፉሻት ኣይተሳእኑን።  ህዝባዊ ግንባር ክብል ከሎኹ ነቲ ብመንፈስን ዓላማን ተቓሊሱ ንህዝቢ ኤርትራ ነጻ ዘውጽኤ ፖሎቲካዊ መስመር ማለተይ እየ። ቅኑዕ ፖሎካዊ መስመር ካብ ቁኑ ራኢ ዘለዎም ሰባት ስለ ዝርከብ፣ ነቶም ንህዝባዊ ግንባር ዕዉት ክኸውን ዝገበሩ መራሕትን ተቓለስትን ምስጋና ብሓፈሽኡ ኣብ ቃልሲ ኣበርክትኦም ዝገበሩ ማለተይ እየ። ልዕሊ ኩሉ ነቲ መስመር ህዝባዊ ግንባር ተኸቲሉ መስዋእትነት ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎን ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ።  ኣብዛ ትሒታ ትስዕብ ጽሕፍተይ ንህዝባዊ ግንባር በቲ ትሑት ዓቕመይ ልክዕ ገሊጸዮ ባሃላይ እየ። 
ህዝባዊ ግንባር ልዕሊቲ ኣነ ክገልጾ ዝፈተንኩ ክግለጽ ከም ዝኽእል እምንቶ ኣሎና።  ነዛ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት (9) ዝተጻሕፈት ምስዚ ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ቁንጣሮ ዕሱባት ኤርትራውያን (ብርጌድ ንሓመዱን) ዝገብሮ ዘሎ መሬት ኤርትራ ጎቢጥካ ዋንነት ወደብ ዓሰብ ንምካብ  ፖሎቲካዊ ዶሮና ንህዝባዊ ግንባር ሕሊፍን ህልውን ታሪኹ ብዝግባእ ከንብቦን ክማሃረሉን ዘይምኽኣል እዩ።  ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ እቲ ዱኹም ኣተሓሳስብኡ ዕሱባት ኣፍደገ ክኸፍቱሉ፣ ኤርትራ መንእሰያታ ካብ ሃገር ተጸንቂቖም ተሰዲዶም እዮም ዝብል ዝንቡዕ ሓሳብ ተበጊሱ፣ በቲ ካልእ ወገን ራኢ ህዝባዊ ግንባር (ህዝቢ ኤርትራ) ምስ ዕድመ ሰብ ዝመውት ዝመስሎ ዕሸል ፖሎቲካውን ዲፕሎማሲያውን ብስለት ዘይብሉ መራሒ እዩ።  ራኢ ህዝባዊ ግንባር (ራኢ ህዝቢ ኤርትራ) ነባሪ ሰባት ክሓልፉ ከለዉ ምስ ዘለዉ ዝነብር መተካእታ ዘይብሉ ኣግእዞ እዩ።  ህዝባዊ ግንባር ሎሚ ተነዲቑ ዝባሕ ዝፈርስ መንደቕ ኣይኮነን ዝሃንጽ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ብሃሰስ ዝረኸቦ ኣይኮነን። ካብ ቀዳሞት ኣቦታት እናተወራረሰ ኣብ ደሙን ጅማውቱን ከም ሓደ ኣካል ሰብነቱ ዝተሰርጸ እዩ።  ሃገር ልእላውነታ ክትድፈር ኣማዕድዩ ዝዕዘብ ኣይኮነን።  ኣብታ ናይ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ጽሕፍቲ ንቕቐጽል። 
ህዝብዊ ግንባር መን እዩ?                                                                                                        ህዝባዊ ግንባር እንታይ እዩ ባህርያቱ?   
 ኩብራት ኤርትራውያን፡ ምስዚ በብእዋኑ ዘጋጥመና ዘሎ ተጻብኦታት ንምምካቱ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ዝነኣድ ምዃኑ ተጻባእትና ዋላኳ ብኣፎም ኣግሂዶም ኣይዛረብሉ እምበር ንኹሎም ፈተውትና ይኹኑ ጸላእትና ጽንዓትናን ሓድነትናን ከየገረሞም ኣይተረፈን።  ሳላ ዝጸናዕናን ብዙሓት ግን ከኣ ከም ሓደ ስለ ዝኾናን ኢና ጸላእትና ኣብ ዘዝፈሸሉሉ ብኻልእ መልክዕን ክስታትን ዝመጹና ዘለዉ።  ጽንዓትን ሓድነትን እንተዘይነብረና፡ ከም ሃገር ንእሽቶ፡ ከም ህዝቢ ውሑዳት፡ ብኣጽዋር ትሕዝቶና ትሑታት፡ ብምጣኔ ሃብቲ ድኻታት፡ ክንስና ጸላእትና ቀደም መንነትና ደምሲሶም፡ ሃገርና ዎሪሶም፡ ህዝብና ኣባሳቢሶም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ከብሉና እዩ ነይሩ እቲ ትምኒቶምን ተግባራቶምን። ከምቲ ጀጋኑ “ ብረት ኣይኮነን ዝዋጋእ እንታይድኣ ሰብ እዩ” ዝበልዎ ኣማን ብኣማን ሰብ እዩ ተዋጊኡ።  ሰብ ከም ዝኾነ ዝዋጋእ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ሰውራና ተመስኪሩ እዩ።  ብካላሽን ታንክታት ክማረኻ።  ብሲማንኦፍ ሰራዊት ደርጊ ኢደን ክህባ።  ቃልስና ፍትሓዊ ቃልሲ ምዃኑ ኣብ  ኣርባዓታት፡ ሓሙሳታ ዝተኣምነሉ እዩ ኔሩ።  ህዝቢ ኤርትራ ሃገር ክህልዎን ሃገሩ ከማሓድር ከምዝኽእልን ብቕዓት ከምዝነበሮ እዘን ክሳብ ሕጂ ድሕሪ ነጻነት ክርምሳና ዝሓስባ ዘለዋ ሓያላን ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ መንግስቲ ኣሜሪካ ትእምኖ ዝነበረት ሓቂ እዩ።       ኣቦ ሓጎታትና ብሓደ ከይተፋላለዩ ስለ ዝመከቱ፡ ናብ ኣቦታትና ጅግንነት ስለ ዘተሓላለፉ፡ ኣቦታትና ከኣ ነትቲ ካብ ኣቦታቶም ዝወረሱዎ ምስ ግዚኦም ዘመሓይሹዎ ናባና ኣተሓላሊፎሞ።  እዚ ናትና ዎሎዶ ነቲ ሕድሪ ተረኪቡ ናብ ነጻነት ሃገር ኣብጺሕዎ።  ሃገር ከኣ ይሃንጽ ኣሎ።  ናትና ዎሎዶ’ውን እቲ ዘይተርፍ ባህሪያዊ ዕድመ ዝውስኖ ዕዳ ከርክቦ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መንእሰይ ዎሎዶ መታን ኣቦሓጎታትናን እቦታትናን ዘሕለፉዎ፡ ሕጂ ንሕና ነሕልፎ ዘሎና ሂወት ከየሕልፍ መንገዱ ከነጠጣሓሉን ኣብ ቅኑዕ መንፈስን ባህልን ከነርግጾ ንገብር እሎና።  ብኣንጻሩ ጸላእትና ነዚ ነዊሕ ዘመናት ዝተጓዕዘ ሓድነትናን ባህልናን ምትሑቑቛፍና ክበትኩ፡ ንመንግስትና (መራሕትና) ብሓሶት ክውንጅሉ፡ ንመንእሰያትና ከኾብሉሉን ጸረ መንግስቶምን ሃገሮምን ህዝቦምን ምክልኻል ሃይልታቶምን ከምዝስለፉ እናገበሩ፡ ሎሚ ክንደይ ወጹ፡ ጽባሕከ ክንደይ ይመጹ ወዘተ....እናበሉ ክድሙሩን ክመቕሉን ክዓስቡ ድቃስ ሲኢኖም ይሓድሩ እሎዉ። እሞ ኽኣ ፍረ ዘይረኽቡሉ።       ቁጽሪ በየናይ ቋንቋ ተጻሒፉ ወይ ተነቢቡ ወይ ተዘሪቡ ብዘየገድስ ውጸኢቱ ሓደ ዓለም ለኻዊ ኣገባብ (Universal Method) ኣጠቓቕማ ኣለዎ።  ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ተመጸ ግን ኣብ ክንዲ 1x1=1 ዝኸውን፡ 1x1= 4000 ጌሮም እዮም ዘምጽእዎ። ኮምኡ ጌረኦም ስለ ዘራብሑ ካኣዮም COI (Commission Of Inquiry) እቲ ናይ ፈጠራ ቁጽሪ ሓቂ ከምሱሉ ዘቕርቡ። በዚ ናቶም ኣቆጻጽራ ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ምስቲ ቅድሚ ነጻነት ዝተሰደ ደሚርካ፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ኣቢሉ (2,000,000 ምዃኑ እዩ።  ስለዚ ሃገር መራሕታ ምስ እግሪ ዘይተኸሉ ህጻናትን ሙርኩስ ዝድገፉ ኣረጋውያንን ተሪፋ ማለት እዩ። ( ብካልእ ኣረባብሓ ካብ 1991 ኣትሒዝካ ክሳብ ሎሚ ኣብ ወርሒ 5000 መንእሰያት እንተተሰዲዶም፣ 5000 x 12 ኣዋርህ x 25 ዓመታት= 1,500,000 + 600,000 ቅድሚ ነጻነት ዝተሰዱ ድምር 2,100,000 ማለት እዩ)።  ነዚ ናይ ሓሶት ኣረባብሓን ኣደማምራን ብብዓል ኣሜርካ A+ ነጥቢ (Grade) እዩ ዝወሃቦ። ህዝቢ ዓለም በዚኦም ተታሊሉን ኣፉ ተዓጽዩ ኣስቂጡ ክነብር,ብጣዕሚ ዘገርምን ዘሕዝንን እዩ። ክሳብ መዓስ’ከ ክቕጽል እዩ? እንድዒ። ኣፍሪቃውያን’ከ ክሳዕ መዓስ ኢና ግዙኣት ኮና ክንነብር?  
     መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዓማጺ በደል ኣብ ሊዕሊ በደል ዝፍጽም ሓይልታት ኣይምብርከኽን ስለ ዝበለ ድኣንበር በደል ስለ ዝፈጸመ ኣይኮነን እዚ ኩሉ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ።  
 
ህዝባዊ ግንባር መን እዩ? ንዝብል ሕቶ በዚ ዝስዕብ ነጥብታት ብዓቕመይ ክገልጾ ክፍትን።                         1. ህዝባዊ ግንባር ውላድ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። 
2. ህዝባዊ ግንባር ንነጻነት ኤርትራ ዝተቓለሰ ሰውራ እዩ። 
3. ህዝባዊ ግንባር ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ተመልሚሉ ዝዓበ ገድሊ እዩ። 
4. ህዝባዊ ግንባር መሪሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዩ። 
5. ህዝባዊ ግንባር ንዘይተኣደነ ብሜርካን ሶቭየት ሕበርትን ዝድገፍ ሓይሊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ደምሲሱ       ዝተዓወተ ገድሊ እዩ። 
6. ህዝባዊ ግንባር ምእንቲ ራህዋን ነጻነትን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ጥዑም ገዲፉ ሕሰም ዝመረጸ፡ ተሸጊሩ      ሽግር ዝፈትሔ  መሪር መሰዋእትነት ዝኸፈለ ሰውራ እዩ። 
7. ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ጠፍኤ (ኣሮማይ) ዝተባህለሉ ግዜ ከም በርቂ ማሕታ ከም ሰማይ ነጎዳ ኮይኑ       ንጸላእቱ ብርኮም ወለል ወለል ዘበለ ኣኣሙሮም ዘናወጸ ዕርበት ተስፋ ዘስነቖም ግንባር እዩ።                                8. ህዝባዊ ግንባር ጻዊዒቱ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ፡ መሰል ህዝቡ ዝተገፎ፡ ወኪል ሓፋሽ ዝኾነ ግንባር’ዩ። 9 ህዝባዊ ግንባር ነቶም ኣብኲናት ዝገጠምዎ ዝሰዓረ፡ ነቶም ብማዕዶ ዝረኣዩዎ ዘስተንከረ፡ ነቶም ኣብ     ሕጊ ዝሞጎቶም ዝረትዔ ግንባር እዩ። 
10. ህዝባዊ ግንባር ትሕዝቱኡ፡ ቁጽሩ፡ ዓቐኑ፡ ብዘየገድስ ንጭቁናት ኣህዛብ ዓለም ጽቡቅ ኣብነት፡ ንገዛእቲ፡      ዓመጽቲ፡ ጨቆንቲ መንግስታትን ሓይልታትን ሕማቕ ኣብነት ዝኾነ ግንባር እዩ።   
11. ህዝባዊ ግንባር ንማዕርነት ዜጋታቱ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ዓዲ፡ ኣውራጃ ቀቢላ ወዘተ... ዝኣምን ኣብ ቁኑዕ መንፈስ ዝተመስረተ ግንባር እዩ።   
12. ህዝባዊ ግንባር ስሙ ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ህዝቡ ግንባሩ ዝህብ፡ ዝውፈ፡ ግንባር እዩ።  
13. ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጫፍ ንጫፍ ወዲቡ ኣንቂሑ ዘሰለፈ ግንባር እዩ። 
 
ባህርያት ህዝባዊ ግንባር’ከ እንታይ ይመስል? 
1. ኣብ ብሕታዊ ጥቕሚ ዘይኣምን። 
2. ብሕታዊ ንብረት ዘይውንን። 
3. ሊዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ዘይርኤ። 
4. ከም ትሑት ናብራ ዜጋታቱ ዝነብር። 
5. ትሑት ዶሞዝ ወይ ብዘይ ዶሞዝ ዘገልግል። 
6. ጃህራን ሓሶትን ዘይፎቱ። 
7. ብጥቕሚ ዘይታለል። 
8. ንሎሚ ክጥዕሞ ንጽባሕ ዘይብድል። 
9. ንዝመጽእ ዎሎዶ ዕዳ ዘየሰክም። 
10. ዓቕሙን ዓቐኑን ዝፈልጥ። 
11. ህዱእ ነገራት ከየጽንዔን ከይመርመረን ሃንደፍ ኢሉ ስጉምቲ ዘይወስድ። 
12. ብዝኾነ ምግቡዕባዕ ዘይደሃል። 
13. ንስድራ ቤቱ ልዕሊ ሓፋሽ ዘይሰርዕ። 
14. ኣብ ትኳቦ (ምጽወታ) ዘይኣምን። 
15. ንሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ። 
16. ፈተውቱን ጸላእቱን ኣነጺሩ ዝፈልጥ። 
17. ከም ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሳትፍ። 
18. ኣብ ነሓፍነት ዘይኣምን። 
19. ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ዘኽብር። 
20. ታሪኽ ክሰርሕ ድኣምበር ውልቃዊ ታሪኹ ክንገረሉ ዘይደሊ። 
21. ኣብ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ሞሳ (ክፍሊት) ንኹሉ ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ። 
22. ሃብቲ ሃገር ንኹሉ ብማዕረ ምምቕራሕ ዝኣምን። 
23. ኣብ ሞንጎ ሩኹብን ስኡንን (ሃብታምን ድኻን) ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ዝኣምንን ዝሰርሕን። 
24. ንመሰልን ማዕርነትን ጻማን ደቀንስትዮ ብቐዳምነት ዝሰርዕን ዘኽብር ዝሰርሕን። 
25. ንኹሉ ዜጋ ብነጻ ብፍልጠት ዘዕጥቕ። 
26. ንፍቕርን ስኒትን ባህልን ሕብረተሰቡ ዝዕቅብ፡ ዝከላኸልን። 
27. ህዝቢ ጥዕንኡ ክሕሎ ዘረጋግጽ። 
28. ህጻናት ብዝግባእ ተኾስኲሶም ክዓብዩን ጥዕንኦም ክሕሎን ዝሰርሕ። 
29. ንሱሱዓት ቦታ ዘይህብ። 
30. ንጉጉያት ዘቃልዕን ዝእርምን ዝምህርን። 
31. ብዕርክነት ሽርክነት ስጋነት ረብሓ ህዝቢ ክጉሰ ዘየፍቕድ። 
32. ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ምዃኑ ዝኣምንን ዘተግብርን። ተጎስዩ ምስ ዝርከብ ጉቡእ መኣረምታ ዝወስድን። 
33. ሓሳባት ሓፋሽ ዝሰምዕን ዝቕበልን ዘኽብርን፣ ከከም ግዚኡን ኣድላይነቱን ኩነታቱን ቦታኡን መልሲ ዝህብ። 
34. ድኹም ዘሳሊ፡ ቆልዓ ዘታቲ፡ ኣረገውቲ ዘተስፉ። 
35. ምስጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ብሰላም ክነብር ዝደልን ዝሰርሕን። 
36. ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ዘይኣምንን፡ ሕድገ ዝገብር። 
37. ንራኢ ብስራህ ዘመስክር፡ ጽባሕ ድህሪ ጽባሕ የርክበሉ ዘይብል። 
38. ኣንጊሁ ኣብ ስራሕ ዝጽመድ፡ ካብ ጉቡእ ሰዓታት ንላዕሊ ዝሰርሕ። 
39. ካብ ጌጋኡ ዝመሃርን ጌጋኡ ዘይደግምን። 
40. ሃብቲ ሃገሩ ብባዕዳውያን ክገሓጥ ዘየፍቕድ። 
41. መምስ ዝነፈሰ ኩነት ዘይህውትት፡ንግዜን ኩነታትን ቦታ ዝህብ። 
 
ካብዚ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ተበጊስና ምስ እንዕዘብ ጸላእትና ሓቆም’ዮም ብፍላይ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣንጻርና ንመዋእል ክጻብኡና።  ምክንያቱ ዘሎና መርገጽን መትከልን፡ መትከል ርእሰ ሙርኮሳ፡ ርእስኻ  ምኽኣል ስለ ዝኾነ።  ብኻልእ ወገን ከኣ ነተን እሺ ኢለን ተንበርኪኸን ብትኳቦ ዝነብራ ሃገራት፡ ብፍላይ ጃንዳ ውያኔ ህዝበን ካባና ኣብነት ቀሲሙ ኣንጻር ረብሓ ኣሜሪካ ንኸትስእ ዓቢ ስግኣት ስለ ዘለዋ ብዝተኻእለ መጠን  ንዓና ግዳይ እገዳን ሰላም ምስኣንን ክገብሩና ዝመርጹ።   
 
ኣሜርካ ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ክትዛረብ ኣየምሕረላን’ዩ።   ኣብ ዓለም ዝበዝሔ ሰብኣዊ መሰሉ 
 ዝተገፈ  ህዝቢ  ኣብ  ኣሜሪካ  እዩ  ዘሎ።                   
1. ደቂ መሬት ቀያሕቲ ህንዳውያን ከም ከብቲ ኣብዛረባ ተዳጉኖም ኣብ ምድረበዳዳት ይነብሩ ኣለዉ።   2. ጸለምቲ ኣሜርካውያን ካብቲ ዓለም ዝፈልጦ ባርነት ዝኸፍኤ ባርነት ይሕልፉ ኣሎዉ። ብድኽነት ዝኣክል ኣብ ዘይተደለየ ንሂወቶም ዘዕኑ ልምድታት ክዋፈሩ ኣገዲዱዎም ኣሎ። 
3. ወተሃደራት ኣሜርካ ካብ ናይ ቬትናም ውግእ ክሳብ እዚ ሕጂ ተዋፊሮምሉ ዘለዉ እከይ ወፈራ ዝሰንከሉ ኣብ ፍቖዶ ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ጎደና ክልምኑ ይነብሩ ዘለዉ። 
2. ብልሽውና እንተኾነ’ውን ሃብቲ ኣሜሪካ ብ9% ካብ ህዝባ ዝውንንዎ ዓቢ ክፍለዓለም ዝኸፍእ ኣበየናይ ካልእ ዓለም ኣሎ ብጀካ ኣብ ኣሜርካ።  
4. ዓመጽ ደቀንስትዮ እንተኾነ’ውን ኣብ ኣሜርካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ጓል ኣንስተይቲ ትዕመጽ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ተለቭዥናቶም ዝዛረቡሉ ከንደይ ወተሃደራ ደቀንስትዮ ከም ዝዕመጻ ዓለም ብሙሉኡ ዝፈልጦ እንድዩ። 
5. ብዛዕባ እሱራት እንተኾነ ክንዲ ኣሜርካ ዝበዝሑ እሱራት ዘለዉዋ ሃገርያ የላን።  ኣብታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈለጥ ፍርዲ ኣብ ኣሜሪካ ትሰምዖ።   እሱር ንክልተ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ዝፍረድ።  ካብኡ ሓሊፉ ብዘይ ተገብረ ገበን ተኣሲሮም ብሞት ምስተቐጽዑ ድሕሪ ምማቶም ገለ ዓመታት ንጹህ እዩ ኔሩ፡ እቲ ገበን ብኡ ኣይኮነን ተፈጺሙ ተባሂሉ ንሙዉት ዳግመ ፍርዲ ዝገብር ሃገር ብጀካ ኣሜሪካ ካልእ ሰሚዔ ኣይፈልጥን።  ቤት ማእሰርቲ ኣዕለቕሊቑ፡ ገበነኛ ብገበኑ ከይኣረመ ዝፍኑ ሃገር ኣሜርካ ጥራሕ’ዩ። 
6. ኣሜርካ ብኩሉ ሸነኻት ንኤርትራ ክትወቅስን ክትከስስን መሰል የብላን፡ ጥራሕ ናይ ጥቕሚ ሕቶ’ዩ። ካብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለምን  ኣሜርካን ፡ ኤርትራ ጥራይ እያ ነጻ ትምህርትን ሕክምናን ንህዝባ ትህብ።  7. ብቕሳነትን ሰላም መነባብሮ ዝምልከት ከም ኤርትራ የለን።  ንሕና ወይ መንግስትና ዝብሎ ዘይኮነስ ወጻኣተኛታት በጻሕቲ ዝምስኩሩዎ ዘለዉ እዩ። ምናልባት ውሑዳት ሃገራት ኣይሰኣናን ይኾና፡ ግን ክንዲ ኤርትራ ኣይመጻን። 
8. ኣብ ኣሜሪካ እንኳንዶ ጸልማት ብቀትሪ ብርሃን ክትከዶ ዘፍርህ ቦታታት ኣሎ። እሞኽኣ ኣብቲ ዓበይቲ ከተማታት በጻሕቲ ካብ መላእ ዓለም ዝመጽዎ።  ስርቂ ማኣለያ የብሉን።  ብዘይ ሓለዋ ሰኩሪቲ ዝኽፈታ ዱካናት ውሑድ እየን። 
9. ብዛዕባ ግዳም ሓደር፡ ጎደናታት ከተማ ኣሜርካ ተንዳታት ወይ ኣንሶላታት ኣጽሊሎም ብፖሊስ እናተሃድኑ ዝነብሩ ማእለያ የብሎም። ውልቀ ሰባት ጥራሕ ዘኮኑስ ስድራቤታት ኣለዋ።  ብዛዕባ እዚ ከይሓነኹ ንዓና ይኸሱ።  ንዓና ግዳ እቲ ጽቡቕና ክዛረቡሉ ስለ ዘይደልዩ እዮም እምበር ጽፈትናን ባህልናን ሓልዮትና ነንሕድሕድና መዓስ ጠፊኡዎም ኮይኑ። 
10. ኣሜርካ ዶባ ሰጊራ ባሕሪ ቆሪጻ ተህልቆ  ዘላ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝብን፡ ተዕኑዎ ዘላ ሃገራት ግህሰት ሰብኣዊ ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት እንዶ ኣይኮነን? Commission Of Inquiry እንታይ የጣቡ ኣሎ? 
11. መንግስቲ ኤርትራ ተዂስካ ቅተል ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ዝብል ክሲ ዕላል ዓንጃላት።  ኣብ ኣሜርካ ብቐትሪ መንእሰያት ከይተረፉ ብፖሊስ ብጥይት ክቕተሉ ይረኣዩ ኣለዉ እንዶ። እሞኽኣ ኣብ ዝተፈልዩ ዓሌትን ቆርበትን ዘተኮረ።  ዝገደደ ከኣ ዝበዝሑ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኦባማ ዝተቐትሉ።  ኣብ ኤርትራ መዓስዩ ተጌሩ? መን ርእዩዎ ኣበይ ቦታ ምስከር ኣሎዶ ተባሂሉ እንተተሓተተ ዎዮኸ መልሲ።  ንድሕነቶምን ድሕነት ስድራቤቶምን ኣይንነግርን ኢና ዝበሃል መልሲ ኣይኮነን። ክምልሱ’ውን ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ስለ ዘይተገብረ።   
 
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፡ ነዚ እንምክቶ ዘሎና መኸተ ኣንጻር እዚ ብሓሶታት ዝተፈብረኸ ክስታት Commission Of Inquiry ኣብ ምምካቱን ሓሶቱ ኣጸቢቕና ፈሊጥናዮ ከምዘሎናን ንዘሎና ኣፍልጦ ድርዒ ንምውሳኽ ወይ ንምዝኽኻር ድኣንበር ዘይትፈልጦዎ ኣቕሪበ ማለት ኣይኮንኩን። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጸለመታት ሓፋሽ ካብ መሪሕነቱ ነጺልካ፡ ሃሱሳት ብዕርቂ ኣምሲልካ ኣብ ስልጣን ንምምጻእን፡ ኤርትራ ኣብ ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ግዝኣት ባዕዳውያን ንምውዳቕ እዩ። እቶም ሃሱሳት ክንገብር ኢና እናበሉ ንመወልቶም’ውን ኣህሲሶም ስለ ዘለዉ ዓኽ ትፎእ ክብልዎን ቀሪቦም ኣለዉ።  መኸተና ይቐጽል፡ ሓድነትና ይትረር፡ ርኽክብና ብኹሉ መዳያት ይቐጽል፡ ዓወት ተፍፈልዩና ኣይፈልጥን። 
 
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና። ዓወት ንሓፍሽ። 
ገብረንጉስ መስመር።  
06/09/2016

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events