Date: Tuesday, 16 September 2025
ወለድና ክምስሉ፡ “ጽንብላሊዕሲ፡ መቐመጫኣ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ይብሉ። እዚ ነቲ ብወገን ስርዓት ብልጽግና (PP) ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክስማዕ ዝጸንሐ፣ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ድማ ብጻዕቂ ዝቐጸለ ሕልሚ ምውናን “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ” ብልክዕ ዝገልጽ’ዩ።
እዚ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ካድረታት፡ ዕሱባት ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልኦት ኣካላትን – ብመገዲ ማዕከናት ዜና፡ መደረታት፡ ድግሳትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝደጋገም ዘሎ ጽዑቕ ዜናዊ ዘመተ፡ ነቲ ዘይሕጋውን ሃዋኽን እከይ ኣጀንዳ፡ “ሕጋዊ ሃገራዊ ባህጊ” ንምምሳል ዝግበር ምውስዋስ’ዩ። ብመርዚ ሓሶትን ጽውጽዋይን ዝተላዕጠጠ ጽዋ/ ትረኻ ብምዃኑ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝሰፍሐ ዞባና ጠንቂ ዘይምርግጋእ ክኸውን ዝኽእል ዕንደራ’ዩ።
ሰበ-ስልጣን ብልጽግና ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ነቲ ብዓሎቕን ምጉዕጻጽ ኣህጉራዊ ሕግን፡ ከምኡ’ውን ብታህዲድን ሓይልን ንዘመናት ክሰምር ዘይከኣለን ተኸታተልቲ ወለዶታት ኢትዮጵያ ዝበልዐን ሕልሚ ምውናን ዘይናትካ መስኮት ባሕሪ፡ ከም ተፈጥሮኣውን ዘይተርፍን ገይሮም ብጉራ ክዛረቡ ይስምዑ’ለዉ። “እንተኾነ ብዲፕሎማሲ፣ እንተዘይኮነ ብሓይሊ” ክሳብ ምባል’ውን በጺሖም’ዮም። ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት – ምስ ምምራቕ ሓጽቢ ሕዳሰ ተተሓሒዙ ከኣ፡ “ሕልሚ ሽሕ ዓመት ፈለግ ኒል መዕለቢ ረኺቡ’ሎ፣ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ”፣ “ቀይሕ ባሕሪ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣካል ኢትዮጵያ’ዩ ነይሩ። ናይ ትማሊ ጌጋ ኸኣ ጽባሕ ክእረም’ዩ።”፣ ከምኡ’ውን “ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ዋንነት ወደብ ዓሰብን ታሪኻዊ መሰል ኣለዋ” ክብሉ ተሰሚዖም። ካባ ጂኦፖለቲካዊ ቁማር ተጐልቢቦም፡ ነዚ ዓጀውጀው’ዚ ርትዓዊ ሃገራዊ ፖሊሲ ንምምሳሉ ከኣ፡ ብጽዑቕን ሰፊሕን ሸፈነ ማዕከናት ዜና ዝተሰነየ ጻዕርታት ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ። እቲ ዕላማ ንጹር’ዩ – ነዚ ሓደገኛ ዕንደራ ተቐባልነት ንምርካብ፣ ነቲ ዘይንቡር ንቡር ንምምሳል፣ ከምኡ’ውን ነቲ ዘይሕጋዊ ጉዳይ ግዝኣታዊ እጀታ ሕጋዊ መልክዕ ንምትሓዝ’ዩ።
እዞም ቅንጣብ ሕንከት ዘይብሎም ሰበ- ስልጣን፡ ንዝፈጠርዎ ጽዋ/ትረኻ ንምርጓድ፡ ነቲ ዝጸልመተ ምዕራፋት ዘመናዊ ታሪኽ ናይዚ ዞባ ዝኾነ እዋን ምልሓቕ (annexation) ክጠቕሱ ይስምዑ እዮም። ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባርን ግናይ ሕሉፍን ብምግናን’ውን፡ ታሪኽ ክጥምዝዙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዓንድታት ዞባዊ ምርግጋእ ዝኾነ መትከላት ልኡላውነትን ኣህጉራዊ ሕግን ንምጉዕጻጽ ክመጣጠሩ ይርኣዩ። ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምልሓቕ ዝግበር ወደሳ ድማ፡ ካብ ምርኻስ ፖለቲካ ሓሊፉ፡ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ዝከኣል ኣይኮነን። ንቅሉዕ ወራር ሕጋውነት ንምልባስ ዝደናደን፡ ንኢትዮጵያን ጎረባብታን ከቢድ ሳዕቤናት ዘለዎ – ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መ ብራህቲ’ዩ።
ህልው ኩነታትን ክውንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ፡ ዕንደራ ሰበ-ስልጣን ብልጽግና ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ይኸውን። ቁጠባ ናይ’ታ ሃገር ብዘይ ግዳማዊ ትኳቦ ወይ መግደፍ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ዓለማዊ ባንክን ካልኦትን ጠጠው ክብል ዘይክእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ክብሪ መነባብሮ ድማ ብደረጃ ዓለም ካብቶም ዝለዓሉ’ዩ። በብከባቢኡ ዝተላዕለን እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎን ውሽጣዊ ግጭታት’ውን፡ ጠንቂ ቅዝፈት፡ ምምዝባል፡ ዕንወትን ድኽነትን ኮይኑ’ሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ስርዓት ብልጽግና ቀንዲ ኣተኩሮኡ ኣብዚ ቅልውላዋት’ዚ ብምግባር ንምፍዋሱ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ ነቲ መርዛም መብጽዓ “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ” ኣብ ምግዋሕ ተጸሚዱ ምርኣይ፡ ምስቲ ዓበይቲ ዋዕላታት ብምእንጋድ “ጽቡቕ ኣለና” ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝገብሮ ተዋስኦታት ተደሚሩ፡ ኣተኩሮ ንምጥምዛዝ ዘካይዶ ፈተነ ህድማ ንቕድሚት ጥራይ’ዩ። እዚ ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ደገፍ ህዝቢ ዘይብሎም መራሕቲ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ብምስምሳት “ግዳማዊ ስግኣት” ብምጉልባብ፡ “ንክብሪ ሰንደቕና ንዕሰል” ብዝብል ጣቋ ደገፍ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝገብርዎ ከንቱ ፈንጠርጠር’ዩ።
ኣብዚ ደጊምካ ክንጸር ዘለዎ፡ ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ክትተሓባበር ጸገም ከምዘይብላ፡ ብኣንጻሩ – ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተሰረተ፡ ብግሉጽነት ዝዝተየሉን ብግቡእ ቅጥዕታት ዝትግበርን ስምምዓት ንኽህሉ፡ ብዘይ ምስልካይ ክትሰርሕ ጸኒሓ’ላ። ይኹን’ምበር፡ ሓቀኛ ምትሕግጋዝ – ብበይናዊ ዕንደራን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዘይኮነ፣ ብምክብባር፡ ሕጋዊ ንጹርነትን ሓባራዊ መብጽዓ ንምርግጋእን ጥራይ’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።
ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዘላ “ብሓይሊ ዘይናትካ ክትውንን” ናይ ምድላይ ስትራተጂ፡ ክንዮ ዶባታ ዝኸይድ ሓደገኛ ክስተት’ዩ። ብቕልውላዋት ክሕመስ ንዝጸንሐ ተነቃፊ ዞባ ንካልእ ሓደጋ ዘቃልዕ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት’ዚ ዞባ ዘይምትእምማን ዘስፍን፣ ከምኡ’ውን ዕድላት ምትሕግጋዝ ዘማህምን’ዩ። ስለዝኾነ፡ ድሮ ብተግባራት ኢትዮጵያ ምትእምማን ዘጥፋኣ ጎረባብታ፡ ንዘይሕጋውን ዘይክውንነታውን ጥሙሕ ከሳስያ ትጽቢት ክንበረለን ኣይከኣልን። ሳዕቤኑ ከቢድ ከምዝኸውን ብኣጋኡ ዝተፈልጠ ስለዝኾነ።
እዚ ብቐንዱ ናብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን ስግኣታት፡ ን“ሃናጺ ውዕል ኣፍሪቃዊ ሕብረት”፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ንቐንዲ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ’ዩ። ነዚ ጽዋ’ዚ ሕጋውነት ምሃብ ኮነ ምጽዋር (ዕሽሽ ምባል)፡ ንልኡላዊ መሰላት ኤርትራ ዘናሹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ግጭታት ንምክልኻል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝምርኮሰሉ መጻውር ዘማህምን’ዩ።