Basic

ናይ ጉጅለ ሴንትሪ ዘየቋርጽ ናይ ሓሶትን ጸለመን ዘመተታት ኣንጻር ኤርትራ | ናቕፋ ፕረስ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 04 July 2025

ናይ ጉጅለ ሴንትሪ ዘየቋርጽ ናይ ሓሶትን ጸለመን ዘመተታት ኣንጻር ኤርትራ 

ብንስናሶ ማይ ዕግትኡ ዝለምስ ዶሮና ሓሶት—-
ኣብ ዋሺንግተን-ዲሲ ዝመደበራ ብስም ዘይመንግስታውያን ኣካላት ኣብ ሕቡራትመንግስታት ኣሜሪካ ብሕቡእ ምስ ወኪል ስለያ ኣሜሪካ ሲኣይኤ ብውሽጢ ውሽጢ ዝሰርሕ ትካል፣ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዘንቀደ ናይ ሓሶት “ወረ” ብዛዕባ ኤርትራ ከጋውሓ
ቀንየን። እዚ ትካል ከም’ዚ ዝበለ ዝደጋገም ሕሱር ዘመተን ውንጀላን ኣንጻርኤርትራ ከካይዳ፡እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።
ጉጅለ ሴንትሪ ብጆርጅ ክሉኒ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንፕሮጀክት ሳተላይት ሴንቲነል፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝፍጸም ምዕባለታት ዝከታተል ናይ ስለያ ተበግሶ ንምምዋል ዝሓገዘ፣ ከምኡ’ውን ጆን ፕረንደርጋስት፡ ምስ ስለያን ዲፕሎማስያዊ ዓንኬላት ኣመሪካ ብዕምቆት ዝሰርሕ ሰብን እዩ።

ፕረንደርጋስት ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍሉይ ኣማኻሪ ሱዛን ራይስ ኮይኑ ዘገልገል ካብ ኣባላት ገናዞ ዋሺንግተን'ዩ።
ኣብ እዋን ስልጣኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ እዋን ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ሕድገታት ክትገብር ጸቕጢ ንምግባር ኣብ መወዳእታ ዘይተዓወተ ጻዕሪ ማእከላይ ተራ ተጻዊቱ’ዩ፣ እዚ ድሕረ ባይታ’ዚ ንኣረኣእያን ድርኺትን ዘ ሴንትሪ ኣብ ምርዳእ ወሳኒ’ዩ።
ሴንትሪ ብምዕራባውያን ዝምወል ትካል ኮይኑ፡ ብቐንዱ ብመንግስታትን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝድገፍ ኮይኑ፡ ፈጠራዉነትን ተበላሕነትን እዘን ትካላት፡ ብዙሕ ዘደንጹ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ እዚ በዛ ትካል ስለያ ምዕራብ ዝቐረበ ክሲ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ገበን ተፈጺሙ'ዩ ዝበል ኮይኑ፡ ብጀካ በዞም ትካላት እዚኣቶም፡ ብኻልእ ነጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ኣይኮነን። ኣብ ባይታ ብምኻድ ዘረጋገጾ ዘይኮነስ፡ ካብ ማርቲን ፕላዉትንህዝባዊ ርክባት ስርዓት ብልጽግና ዝኣኻኸቦ'ዩ። እዚ ድማ ኰነ ኢሉ ዝተገብረ፡ ቅሉዕን ነውራምን ሸፈጥ’ዩ።
እሞ'ድኣ እዚ ኣብ ባይታ ብምኻድ ዘይተረጋገጸ ክሲ፡ ክሳብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምዉጻእ፡ ሓያላት ሃገራት ብምጉስጓስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትላል፡ ንኤርትራ ጌና ሓቃዉነቱ ኣብ ባይታ ከይተረጋገጸ፡ ከም ገበነኛ ምፍራድ፡ እንታይ'ዩ ቑንቁኝኡ?
ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝገጠምዎ መሰናኽላት፣ ሎሚ ልዕሊ ማንም ህዝቢ በሊሕን ተሪርን ክኸዉን ኣኽኢሉዎ ይርከብ። እቲ ምንታይ'ሲ፣ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ መጻወቲ ባዕዳዉያን ሓይልታት ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ'ግን ብኣንጻሩ ድርኩኺት ቤታ ከየድፈረት ተኸቢራን ተሓፊራን እትነብር ዘላ እንኮ ሃገር ስለ ዝኾነት።
ኣብ መደምደምታ፣ እዚ እንርእዮ ዘሎና ‘‘ካብን ናብን‘‘፡ ጌና ክቕጽል ሙዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ። እዚ በዘን ትካላት ስለያ ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ጸቕጥታት'ዉን ክቕጽል'ዩ። እቲ ምንታይ፡ ህ/ግ ዘማሓድራ ኤርትራ፡ ኩሉ ጊዜ፡ ነቲ ንሳቶም ‘‘ዘርብሓና ዞባ‘‘ ዝብልዎ ቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓደጋ ከም ዝፈጥር፡ ኣርጢቦም ስለ ዝርድኡ።
ጉጅለ ሴንትሪ ብድሕሪ መጋረጃ ናይ’ዚ ዘንቀደ ናይ ጸለመ ዘመተ ኣንጻር ኤርትራ፣በቲ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ሰላምን ዕርቂን ዝተሰናበዳ’የን። ናይ ሓሶት ዘመተአን ኣንጻር ኤርትራ ድማ፡ ነቲ ሓዲርወን ዘሎ ስግኣት ዘጒልሕ ጥራይ’ዩ።
ናቕፋ ፕረስ
Inline image


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events