Dehai News

(ቢቢሲ) ኤርትራ፡ መንግስቲ ብኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንዝተጽሓፈ ደብዳበ ምላሽ ሂቡ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 14 June 2019

ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂGETTY IMAGES

ኤርትራ፡ መንግስቲ ብኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንዝተጽሓፈ ደብዳበ ምላሽ ሂቡ

ሰነ 13, 2019

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ዝተጻሕፈ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጥታት ከተታኣታቱ፡ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ "ግዚኡን ኣገባቡን ዘይሓለወ'ዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ።

ኣብዚ ሰሙን፡ 103 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍታሕ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ለውጢ ክትገብር ዝጠልብ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጽሒፎም ነይሮም።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ደሞክራስያዊ ጎደና ኣብ ዝግስግሳሉ፡ ህዝብታተን ድማ ብልጽግና ኣብ ዝጎናጸፍሉን ዘለዉ እዋን፡ ኤርትራ እዚ ጸጋዚ ተሓሪምዋ "ዕጽውቲ" ምዃና ከም ዘተሓሳሰቦም ተዛሪቦም።

ወከልቶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ መንግስቲ፣ ህዝብን ምስቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ክራኸቡ ክፍቀደሎም'ውን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠለብ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ሎሚ ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ ሓተታ፡ እቲ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብቲ ኤርትራ ስውኣታ እትዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ ምጽሓፉ "ግዜ ዘይሓለወ" ምዃኑ ነቒፉ።

"በቲ ዝተጠቕሙሉ ዘይቅኑዕ ኣገባብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክራኸቡ ምምራጾም'ውን ንሃቐንኦምን ዕላማኦምን ዓቢ ሕቶ ከልዕል ዝገብር'ዩ" ይብል።

"ምሉእ ኣድህቦኣ ናብ ምህናጽ ሃገር ክትገብር ዘላቒ ሰላም ዘስተማቐረትሉ እዋን፡ እተን ካብ 1991 ክሳብ 1998 ዝነበራ ሓጸርቲ ዓመታት ናጽነት ጥራይ'የን ነይረን።"

ኤርትራ ካብ 1961-1991 ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ 65 000 ስውኣት ከፊላ፣ ኣብ ዶባዊ ኲናት 1998-2000ን ኣብቲ ድሕሪኡ ዝቐለ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ዝተኻየደ "ስርዓት ንምቕያር" ዝዓለመ ወፍርታት ድማ 20 000 ስውአት ከም ዝኸፈለት ጠቒሱ።

ነዚ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝውርዳ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ነገራት፡ ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃውያን ብወግዒ ይኹን ስቱር ትም ክብሉ እዮም መሪጾም ክብል ነቒፉ።

ብኻልእ ወገን፡ ንዝሓለፈ 16 ዓመት ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት፡ ኢትዮጵያ ጎቢጣቶ እንከላ ብጭቕ ዝበለ ኣፍሪቃዊ ኣይነበረን ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ 57 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ውሑዳት ዓመታት ሩፍታ ከም ዝረኸበ ብምሕባር፡ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም እተተግብር ብምግላጻ፡ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰን ብ5 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኤርትራ ንዝተኸሰሩ ዕድላት ኣብ ምምላስ ቀዳምነታት ንእትህቦም ጉዳያት ሰሪዓ ትሰርሕ ከም ዘላ ሓቢሩ።
ናይጀርያዊ ፕሮፌሰር ዎሌ ሾኒካ፣ ግብጻዊት ደራሲትን ጋዜጤኛን ሞና ኢልታህዋይ፣ ኬንያዊ ተሓላቂ ዴሞክራሲ ቦኒፌስ ሙዋንጊGETTY IMAGES

እዞም ኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈርወቂ ኣብ ዝጽሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ ብዛዕባ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሓቲቶም'ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኤርትራ ኣብ ጽንኩርን ወጣርን ዶባዊ ኩናት ኣብ ዝነበረትሉ ናዕቢ ንምልዕዓል ከም ዝሰርሁ ህዝቢ ዝፈልጦን ዝተደብተረን መርትዖ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ሓቂ ሰጊርካ ዝግበር፡ ክፍኣትን ዘይሓላፍነታውን'ዩ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ ካብዞም ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፉ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንኤርትራ በጺሑ ዝፈልጥን ከም ዘይብሎምን ቀዳማይ ምንጪ ዘይብሎም ወይ'ውን እታ ሃገር ርእዮምዋ ዘይፈልጡ'ዮም ኢሉዎም።

ስለ ዝኾነ፡ 'ምጽኡ፤ ርኣዩ' ፈላማይ ጭርሖ መንግስቲ ኤርትራ'ዩ ብምባል፡ ኹሉ ነታ ሃገር፡ ህዝባን መሪሕነታን ክፈልጥ ንዝደሊ፡ ኤርትራ ክፍትቲ ምዃና ይሕብር።



ኤርትራ፡ መንግስቲ ብኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንዝተጽሓፈ ደብዳበ ...





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events