Dehai News

መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 01 April 2020

መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

ሓደገኛነት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብምግንዛብ፣ ለበድኡ ምሉእ ብምሉእ ንምግታእ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣገደስቲ እዋናውያን መምርሒታት ከውጽእን ስጉሚታት ክውሰድን ጸኒሑ’ሎ። እንተኾነ፣ ኣብ ትግባሬ ዝወጹ መምርሒታት ዝርኤ ዘሎ ጥሕሰታትን ሃጓፋትን ኣብ ግምት ብምእታውን ቁጽሪ ናይቶም ክሳብ ሎሚ በዚ ሕማም’ዚ ተለኺፎም ዘለዉ ዜጋታት 18 ብምብጽሑን - ሓንቲ ካብኦም ንወጻኢ ንመገሻ ዘይተጓዕዘት፣ እቲ ኩነታት ኣሻቓልን ዝለዓለ ናይ ጥንቃቐ ስጉሚታት ክውሰደሉ ዝግባእን ህሞት ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ እዚ ዝስዕብ ተሪር ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።

በዚ መሰረት፣ እዚ ዝስዕብ ካብ ጽባሕ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2020 ሰዓት 6፣00 ንግሆ ጀሚሩ፣ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንዕ መምርሒ ኣዊጁ’ሎ፦

1. ኩሉ ሰብ፣ ኣብ ቤቱ ኮፍ ክብል ይግደድ። እዚ፣ ነቶም ክውንዘፍ ኣብ ዘይክእል ልምዓታውን ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ዕማማት ዝጽመዱ ኣይምልከትን።

2. ካብ ነብስ-ወከፍ ስድራ-ቤት፣ መዓልታዊ መግቢ ንምግዛእ፣ ወይ ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ እንተበዝሐ ክልተ ሰባት፣ ሓንሳብ ንመዓልቲ ክወጹ ይፍቀደሎም።

3. ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዘሎ ሰሙናዊ ዕዳጋታት ደው ኢሉ ክጸንሕ’ዩ። ምስ ቀረብን ምምስራሕ መግብን ዝተኣሳሰሩ ትካላት (ድኳናት፣ ፎርኖታት፣ ዕዳጋታት እኽልን ኣሕምልትን ፍረታትን) ከምኡ’ውን ፋርማሲታትን ባንክታትን ግን ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽሉ’ዮም። እዞም ትካላት እዚኣቶም ክሳብ ሰዓት 8፣00 ምሸት ጥራይ ክፉታት ይጸንሑ።

4. ኩሉ ትካላት መንግስቲ፣ ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፣ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ፣ ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ከብል’ዩ። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣብ ቤቶም ይጸንሑ።

5. ናይ ውልቂ (ናእሽቱ) መካይን፣ ብዘይካ’ተን ንፍሉይ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህበን፣ ደው ክብላ’የን፣ ናይ ጽዕነት መካይን ግን ስርሐን ክቕጽላ’የን።

6. ቀንዲ ኣፍረይትን ኣገልግሎት ወሃብትን ትካላት (ትካላት ምስናዕ፣ ሕርሻ፣ ሕርሻዊ ምምስራሕ፣ ህንጻ፣ ኣገልግሎት ናይ ጽዕነት መጓዓዝያ. . . ወዘተ) ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

7. ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምፍራይ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፣ ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

8. ምሉእነት ትግባረ ናይ’ዚ መምርሒ’ዚ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ርእሲ-ቲ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋን ስድራ-ቤትን ዝገብርዎ ነብሰ-ግትኣት፣ ዞባዊ ምምሕዳራት፣ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን፣ ከምኡ’ውን በብከባቢኡ ዝቘማ ናይ ነበርቲ ኮሚተታት ጥቡቕ ምክትታል ክገብሩ’ዮም። ነዚ መምርሒ’ዚ ዝጥሕሱ ዜጋታት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም’ዩ።

9. ኣብ ኩሉ ዝፍቀድ ስራሕን ምንቅስቓስን፣ እቲ ዝግባእ ምፍንታትን ካልእ ብሚኒስትሪ ጥዕና እተሓበረ ቅጥዕታትን ምትግባር ግዴታ ስለዝዀነ፣ ዝምልከቶም ትካላት፣ ሰራሕተኛታትን ተገልገልትን ብጥብቂ ክኽተልዎ ኣለዎም።

10. ብመሰረት’ዚ መምርሒ’ዚ ንኽንቀሳቐሱን ክነጥፉን ዝፍቀደሎም ሰባት፣ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ወረቐት ፍቓድ ይወሃቦም።

11. እዚ መምርሒ’ዚ፣ ንኹሎም ቅድሚ ሕጂ ዝወጹ መምርሒታት ይምልእን ይትክእን።

12. እዚ መምርሒ’ዚ፣ ወሰንቲ ዝኾኑ ልምዓታውን ኣገልግሎታውን መደባት ከምዝቕጽሉ ዘውሕስ’ኳ እንተዀነ፣ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ተሪርን ንመነባብሮ ዜጋታት ዝጸሉን’ዩ። ኣብ ቅድመና፣ ከም ሃገርን ህዝብን ኣንጸላልዩ ንዘሎ ከቢድ ሓደጋ ግን፣ ከም ቀደምና፣ ብሓያል ምጽማምን ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ጥራይ ክንሰግሮ ስለንኽእል፣ ኩላትና ነዚ ኣገዳሲ እዋናዊ መምርሒ ብንቕሓትን ብጥብቂን ነተግብሮ።

ዓወትንሓፋሽ!

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም
ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ

1 ሚያዝያ 2020




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events