Dehai News

"ኽበልዑዋ ዝደለዩ ኣባጉምባሕ'ሲ ዛግራ ይብሉዋ" ዝበሃል ረዚን ምስላ በላሕቲ ኣቦታትና የዘኻኽረኒ!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 26 February 2021

ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ዛዕባ ሓጺር ርእይቶይ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
 
ሓያላት ባዕዳውያን ሓይልታትን ናይ'ቲ ዞባ ግልያታቶምን ከደምቶምን እምበኣር ንኤርትራ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልስን ድሕሪ ናጽነትን ስጋብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ምስሩሕ ወረን [Fake News] ሸርሕታትን ተጻብኦታትን፥ ሃገርና ሰላም ረኺባ ንቲ እኹልን ብዙሕን ውሽጣዊ ጸጋታታን ሃብታን ብደቃ ተመስሪሑ ህዝባ ብፍትሓዊ ምክፍፋል ንኸይጥቀም ዝግበር ዝነበረን ዘሎን ምጽላም፣ ኤርትራ ብዓቕሚ ሰባን ትሕተን ላዕልን ባህርያዊ ጸጋታታ ኣዝያ ሃብታም ስለ ዝኾነት እያ። ነዚ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ሸርሕታትን ተጻብኦታትን ኩናትን ዘካይድዎ ዝነበሩን ዘለዉን ነውራም ተግባራት ምኽንያት ድማ፣ ንኤርትራ ኣዳኺሞም ርእሳ ከም ዘይትከላኸልን ርምስትን ልምስትን ብምግባር ከምተን ካልኦት ሓያሎ ሃገራት ለመንቲን ተመጽወትን ብምጽንባር፣ ብኣታቶም ተመወልትን ተተኮብትን ለመንቲን ኣእወይትን ስማውያን "ግብረ-ሰናያት ማሕበራት ዓለም" ግን ዲቕ ዝበሉ ናታቶም ሰለይትን ተልእኮ ኣሳለጥትን ተበለጽትን ብስቓይን ሞትን ደቂ ሰባት ክሽቅጡ ዝነብሩ ማሕፉዳኦም [ቁራብሻኦም] ከሕብጡ [ክመልኡ] ፍጹም ዘይሓንኩ [ዘይሓፍሩ] ሰረቕቲ፣ ጠንቂ ምብትታን ሕብረተሰባት ዝኾኑን [UNCHR, WFI, AI, HR, NGOs, corrupt Lobysts.....extra] ተበለጽቲ ሕልና ዘይብሎም "ውሩያት ውልቀ-ሰባት" ንኽመሓደር፣ ንሳቶም ብሕጓ [ክትራ] ሸነን እናበሉ ኣትዮም ጸጋታትና ክጎብጡን ክግብቱን ክዘምቱን ስለ ዝደለዩ እዩ። ብባህልናን ታሪኽናን ግን ነዚ ዘፍቅድ ህዝብን መንግስትን ከቶ የብልናን። ስለምንታይ'ሲ ኤርትራ ህያብን ውጽኢትን መሰረትን ኩለንትናዊ ከቢድ ኽቡር መስዋእትን ዋጋ ስውኣትን ሰማእታትን ስለ ዝኾነት! እዚ ኹሉ ኣደራዕ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ክዓልብ ንርኢናዮ ዘሎና ድማ ውጽኢት ናይ ባዕዳውያን ሓይልታትን ከደምቶምን ሃርጓም ሸውሃት ኣብ ባህርያዊ ጸጋታትና እዩ።
 
እዚ ኹሉ ብተጻያት [ጸላእቲ] ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝተሃንደሰ ውግእን ጸለመን፣ ብፍልሰት ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከብርሱን ክትዘቁን ብሃይማኖትን ኣውራጃን ቀቢላን ስጋብ ዓዲ ከይተረፈ ወሪዶም ፈላልዮም ነንሓድሕዱ ብጽልኢ ከባልዑን፣ ንወሎዶታት ዝተፈተነን ቀጻሊ ምስሩሕ ኣዕናዊ ጎስጓስን እኩይን ምትሩስን [ ብስ ነሓስብ ድኹም] ተጻብኦታት እምበኣር፣ ጠፊሹን [ከሲሩ] ፈሺሉን እኳ እንተ በልኩ፣ ጉድኣት ኣይገበረን ስምብራት ኣይገደፈን ማለተይ ግን ኣይኮንኩን። ቀንዲ ምኽንያት ግን ኣብ'ቲ ላዕሊ ብሕጸር ዝበለ ኣገባብ ዝገለጽክዎ እዩ።
 
ይኹን እምበር፡ ምቲ ዝሃደስዎን ዝሓሰብዎን ኣዝዮም ዝደኸምሉን ዝሰርሑሉን ዘይኮነ፣ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ነዚ ኹሉ ግብራዊ ተጻብኦን ሸርሕታትን ብኸቢድ ኩለንትናዊ ኽቡር መስዋእቲ ከፊላን ብጠንቁ ድማ ዝተለመቶ ዳግመ-ህንጻ ብምሉኡ ዘይኮነስ ማዕረ ማዕሪኡ ዝከኣላ እንሰርሐትን፣ ንኹሉ ተጻብኦታት ኣፍሺላ ጥራይ ዘይኮነት'ሲ ንምክልኻሉ ብቓልሳ ተዓዊታን ርእሳ ኣቕኒዓን ትርከብ!!!
 
እምበእርከስ ኤርትራውያን ነዝን ካልእን ተረዲእና፣ ኣብ ክሊ ሃገርና ብሓባር ቔምና ንቑሓትን ውዱባትን ዘውትር ዕጡቓትን ኴና፣ ሃገርና ካብ ዓይኒ ተጻባእቲ ሓሳዳት ባዕዳውያን ሓይልታት ክንሕልዋን ክንኸላኸለላን ለበዋ ዘድልዮ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ነፍስ-ወከፍና ግዴታ'ውን እዩ!!!
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
≠====≠=============================================================================
In Africa, there is two main Global Scale Gold Mineralisation potential Zones; Weast Africa(Man-Shield) and East Africa(Nubian-Sheild).
 
The West African potential rocks is known as Man-Sheild and it is found in Ghana, Ivory cost, Mali , Côtedivare and Senegal: with Ghana and Mali in the lead.
 
While The East African potenial rocks is known as Nubian-Sheild and it is found in Eritrea, Sudan, Egypt and partly in Ethiopia: with Eritrea and Egypt in the lead.
 
It is due to this fact, that Eritrea was called "The Hotspot in the Arabian-Nubian Sheild"
 
https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3644717545583259/3646202182101462
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events