Dehai News

ኣምር ብዘይስሩዕ ትዕዝብቲ ባዶሽ ኢዩ

Posted by: Tesfamicael Yohannes

Date: Sunday, 04 April 2021

ኣምር ብዘይስሩዕ ትዕዝብቲ ባዶሽ ኢዩ

ክንዛረብ ኮሎና ኣኣምሮና ብዘፋልፍሎ ሓሳባት ኢና ነቲ ነውጻኦ ቃላት ከም ወሕዚ ነፍስሶ። አሩም ዘረባ ኣሎ። ዘይእሩም ዘረባ ከኣ ኣሎ። መንቀሊኡ ነዚ እርሙን ዘያእርሙን ዘረባ ኣብ ኣእምሮና ብዝዳለው ኣምር ኢዩ። ኣእምሮና ንኣምር ካብ ስሩዕ ትዕዝብቲ ዘዋህለሎ ተመክሮ ንልሳና እሩም ዘረባ ክዛረብ ይሕግዞ። እንድሕሪ ኣኣምሮና ብስሩዕ ትዕዝብቲ ዘዋህለሎ ኣምር ዘይብሉ ኮይኑ ዝተሓዋወሰ ዘይስሩዕ ትዕዝብቲ ወሲዱ ዝተሓዋወሰ ኣምር የማዕብል እሞ ንልሳና ዘይእሩም ዘረባ ከም ዘድለየና ከምንዝረብ ይገብር። ካብዚ ቀጺለ ሓደሓደ ኣብነታት ኽጠቅስ ኢየ። ኤርትራ ኣብ 1993 ረፈራንደም፣ እወዶ ወይስ ኣይፋል፣ ዝብል ኣካይዳ ኔራ። እቲ ዉጽእት ኣብ ግዚኡ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ተገሊጹ ኢዩ። እንተኾነ ገሊኡ ስሩዕ ትዕዝብቲ ዝወሰደ 99.83% እወ ንነጻነት ኣድሚጹ፣ ዝተረፈ 0.17% ከኣ ኣይፋል ንነጻነት ኣድሚጹ ይብል። ነዚ ብመርትዖ ዝተደገፈ መከራኸሪ ነጥቢ የቕርቡ። ገሌና ኸእ ስሩዕ ትዕዝብቲ ዘይወሰድና ብየመስለኒ 99.98% አወ ንነጻነት ኣድሚጹ ኢልና ጽሕፍና። ገሊኡ ኣብ ፌስ ቡክ ክጽሕፈ ከሎ ኣነ ኸኣ  ድሃይ ጽሒፈ። ናተይ ዝገደደ ኢዩ። ምኽንያቱ ንኻልኦት አንዳወቐስኩ ንባዕለይ ነቲ ጌጋ ምድጋመይ ኢዩ። ብኸመይ ግን ኣነ ነቲ ጊጋ ፈጺመዮ። ነቲ ኣሓዝ ኣብ ጎጉል ኣትየ ኸረጋግጾ እኽል ኔረ። ኮይኑ ግን ዝዓበኽሉ ኣከባቢ በዲሉኒ ኢዩ። ኣብ ፌስ ቡክ ብተደጋጋሚ 99.98% ምስ ረኤኹ፣ እሞ ኸኣ ነቲ ብቕኑዕ አወ ንነጻነት 99.83% ኢዩ ዝበለ ዉልቀሰብ እቲኦም 99.98% ኢዩ ኢሎም ዝምጉቱ ዝነበሩ ስለዝዓብለልዎ መስቲኦም ብዙሓት ሙዃን መሪጸ። ምስ ሕዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት ዲዩ ዝብሃል፣ ከምኡ መሪጸ። እዚ ሕጂ ዘጽሕፈኒ ዘሎ ምኽንያት ናተይ ጌጋ ክልተ ጌጋ ስለዝኾነ ንኽልቲኡ ጊጋታት ኣሪመ ናብቲ ቅኑዕ መስመር ካኣቱ ስለዝድለኹ ኢየ። እቲ ቐዳማይ ጌጋ ክእረም ዘለዎ ኣብ ክንዲ ዘይስሩዕ ትዕዝብቲ ወሲደ አወ ንነጻነት ዘድመጽ 99.98% ኢዩ ዝበልክዎ (ኣብ ድሃይ ብዕለት 02 ኣፕሪል 2021 ኣርእስቲ ‘’ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ’’ ) ተመልከት። በዚ ሕጂ ስሩዕ ትዕዝብቲ ወሲደ ዘማዕበልክዎ ኣምር አወ ንነጻነት ዝድመጸ 99.83% ኢዩ ተባሂሉ ክእረመለይ እደሊ። እቲ ካልእይ ጌጋ ነቲ ዘዕበየኒ ኣካባቢ ብዙሓት ዝበልዎ ሱቕ ኢልካ ስዓብ ዝብል እቲ ትዕዝብቲ ስሩዕ ዲዩ ዘይስሩዕ ኣረጋጊጸ ነቲ ስሩዕ ትዕዝብቲ ጥራሕ ክኽተል ከምዘሎኒ ኢዩ። ነዚ 99.98% ዝብል ብዙሓት ኣብ ፌስ ቡክ ዝጸሓፍዎ ምንም ጨብጢ ዘይብሉ ዘይስሩዕ ትዕዝብቲ ኣወጊደ ነቲ ሓደ ዉልቀ ሰብ 99.83% ኢዩ ኢሉ ምስ ጨብጢ ዘቕረበ ስሩዕ ትዕዝብቲ ከም ኣምር ወሲደ ጌጋይ ይእርም ኣሎኹ። ሰለዚ ኣምር ብዘይስሩዕ ትዕዝብቲ ባዶሽ ኢዩ። ብዝኾነ ኤልያስ ኣማረ ብዉህሉል ኣገባብ ኣቕርብዎ ስለዘሎ ስዒቡ ዝቐርብ ጽሑፍ ተወከሱ።

#መኣረምታ_ብዛዕባ_ረፈረንዱም_ኤርትራ

#ታሪኽ_ታሪኽ_ስለዝዀነ – 99.8% እዩ "እወ ንናጽነት" ዘድመጸ

ዝኸበርኩም ደቂ ኤረይ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ታሪኻዊ ናይ 1993 ረፈረንዱም ኤርትራ፡ እቲ "እወ ንናጽነት" ዘድመጸ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ 99.8% ዘይኰነስ 99.98% እዩ ኔሩ ተባሂሉ ብገለ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን ከም መኣረምታ ክቐርብ ተዓዚበ። ጽጕሪ ምስንጣቕ ድኣ ከይመስል እምበር፡ ታሪኽ በቲ ልክዕን ሓቀኛን መልክዑ ክቐርብ ኣገዳሲ ስለዝዀነ፡ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ኣብ ወግዓዊ ሰነዳት ኮሚሽን ረፈረንዱም ኰነ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓዛባይ ጉጅለ United Nations Observer Mission to Verify the Referendum in Eritrea (UNOVER) ሰፊሩ ዝተመዝገበን፡ ክቡር ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ መደረኡ ከም ዝገለጾን፡ እቲ እወ ንናጽነት ዘድመጸ ክፋል ሃዝቢ ኤርትራ 99.83% እዩ ኔሩ እቲ "ኣይፋል ንናጽነት" ዘድመጸ ድማ 0.17% ምንም' እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ 99.83% 99.98% ዓቢ እንተዘይመሰለ፡ እቲ ሓቂ ግን፡ እቲ "እወ ንናጽነት" ኢሉ ዘድመጸ ሚእታዊት ናይቲ ኣድማጺ 99.83% እዩ ነይሩ።

እዚ ኣሃዝ ብዝርዝር ኣብቲ ኮሚሽን ረፈረንዱም ኤርትራ ብወግዒ ዘቕረቦ ናይ መጠረሽታ ወግዓዊ ጸብጻቡ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ ድማ ብቛንቋታት ትግርኛን ዓረብን እንግሊዝን ተሓቲሙ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐን ሰፊሩ ይርከብ። ከምኡ ድማ ኣብታ ብእንግሊዝኛ ዝተዳለወት፡ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ «Eritrea: Birth of A Nation», published in 1993 by the Government of Eritrea, Dept. of External Affairs, Asmara. ዘርእስታ ፍልይቲ መጽሔት ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባ ረፈረንዱም ኤርትራን፡ መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብኣጋጣሚ ምዝዛም ረፈረንዱምን፡ ንመወከሲ ካብታ መጽሔት ዝወሰድኩዎ እዩ። ሰናይ ንባብ።

Best regards
Tesfamicael Yohannes Teckle
Oslo, Norway

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events