Dehai News

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ሓቲቱ | ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 24 July 2024

 በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ሓቲቱ


ሓምለ 24, 2024

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ- ፋይል
ዋሽንግተን — 

በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም ጀሚራ ናብ ኣስመራ እትገብሮ በረራታት ደው ከተብል ምዃን ኣፍሊጡ። እቲ በዓልመዚ ኣብ ዝዘርግሖ ህዝባዊ ምልክታ፡ ነቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝደረኸ ምኽንያት ዘይቅቡል ዝበሎ ክብሪ ዋጋታት፡ ምድንጓያት፡ ስርቂ ንብረትን ካልእ ምጕስቓል ተጓዓዝቲን ምዃኑ ይጠቅስ።

ካብ 30 መስከረም እቲ ስሩዕ በረራታት ከቋርጽ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ንተጓዓዝቲ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ጸዊዑ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ካብ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንምቁራጽ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝምልከት ደብዳበ ብ21 ሓምለ 2024 ከምዝበጽሖ ገሊጹ። እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዝወጸ መግለጺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ንምቁራጽ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝበጽሖ ደብዳበ ናብዚ ውሳነ ዘብጽሐ ምኽንያት ከምዘይገልጽን ነቲ ጉዳይ ብቕልጡፍን ብሕውነትን ንምፍታሕ ከምኡ'ውን ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብን ይሰርሕ ምህላው ሓቢሩ።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ ክልተኡ ወገናት ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይተዓወተን።

ኣቐዲሙ ብዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ኣቋሪጹ ዝነበረ ስሩዕ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ፡ ድሒሩ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ካብ ሓምለ 2018 ጀሚሩ ስሩዕ በረራታት ምጅማሩ ይዝከር።




Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea

Dehai Events