ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እንከለኩ እየ፤ ንዓዲ ስደት ዘምራኩ ምስ ሰብኣይ ሓፍተይ ስድራ ቤት።
ሰብኣይ ሓፍተይ ብጣዕሚ እዩ ትምህርቲ ዝፈቱ ዝነበረ። ንሱ ኣብ ዝመጻሉ ገዛ መጽሓፍተይ ኣሊዒለ እየ ዘንብ ዝነበርኩ ንፉዕ ንክቁጸርን መታን ምስ ደቁ ንወጻኢ ክማላኣኒን።
ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ንሱ ንሕክምና ንጀርመን ኣነ ድማ ምስ ደቁን ሓፍተይን ንሱዳን ኣምራሕና። ንወጻኢ ምስ ኣም ክማሉ ኡኒ ምስ ተወሰነ ብጣሚ ተሓጎስኩ እንተ ኮነ ግን ድሕሪ ሰለስተ
ማዓልቲ በረካን ስንጭሮን ምካድ ምስ ጀመርኩ ብቀሊሉ ናብ ኣደይ ክምለስ ምስ ተሰቆረኒ ኡይ እንተ በልኩ ናብ ገዛይን ናብ ኣደይን ክምልስኒ፤ እቲ ብዘይ ሕጊ ደቂ ሰባት ዘሳጋግርን ዝመርሓና ዝነበረ መንገዲ፤ ብበትሪ ጌሩ ስልዕ ስልዕ ምስ ኣበለኒ ብክያተይ ኣቃሪጽ ንስደት ድማ ኣምራኩ። ነደይ ግን ቡዙሕ ይፈትዋ ከም ዝነበርኩ ሽዑ ተሰቆረኒ።
ሽሕ እኳ ንሃገረይን ባህለይን ጽቡቅ ጌረ ከማኩም እንተዘይ ኣስተማቀርኩዎን ግን ካብ ዓዲ ጀጋኑን ሃብታም ባህልን ክብርታትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ከምዝምጻኩ ከኣ ስለ ዝፈልጥኩሉሻዕ ብውሽጠይ ሓበን ይስማዓኒ ምካኑ ከፍልጠኩም እፈቱ።
ብዓቢኡ ድማ ንባህለይን ቋንቋየን ከምኡ ድማ ንሃገርና ካባኩም ንላዕሊ ክፈልጦ ዘይሕሰብ እዩ ን፬፪ ዓመታት ኣብ ስደት ዝነበርኩ ሰብ እሞ ዳርጋ ፍርቂ ዘመን ኣብ ስደት ተቀሚጠ ኣብ ጀርመን ኣመሪካን::
እዚ ኩሉ ዓመታት ኣብ ስደት ነቢረ እንታይ ቁምነገር ሒዘልኩም ክመጽእ ኢልኩም ትሓስቡ ትግምቱ፤ ገንዘብ እዶ ዋላስ ሞያ፧
ጥበብ እየ ሒዘልኩም ክመጽእ። እዚ ኩሉ ዓመታት ከይተሓለልኩ ለይትን መዓልትን ናይቶም ሊቃዉንቶም መጽሓፍቶም ኣንቢበዮን ተማራሚሮሉን እየ:
እቲ ጥበቦም ኣበይ ከምዘሎን እንታይ ምካኑን ንምፍላጥ። ካብኡ ሓደ ዘገርም ነገር ፈለጥኩን ኣስተውዓልኩን እቲ ሕምረቱ /መሰረታዊ ዝኮነ ጥበብ ዝብልዎ
ንሱ ተሰቆረንን ብገምሪ ደማ ተረድኣኒን: ብሓጎስ ድማ ፍንጭሕ በልኩ። በቲ ጥበብ ቡዙሕ ዕድላትን ስራሕን ክከፍተልናን ክፈጥረልናን ስለ ተረድ ኣኒ እሞ መሊሰ ተሓጎስኩን ፈራሕኩን።