Dehai News

ንምዝንጋዕ ግን ከኣ ሓቀኛ ዕላል።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 13 November 2024

ንምዝንጋዕ ግን ከኣ ሓቀኛ ዕላል።
ሓደ ግዜ ኣብ 1975 መወዳእታ ኣብ ምሕላብ መንሳዕ ናይ ክልቲኡ ውድብ ክፍሊ ህዝቢ (ጀማሂር) ንተቐማጦ እታ ዓዲ ኣኼባ ይጽውዑ።  ህዝቢ ኣብ ተባህሎ ቦታን ግዜን ተረኺቡ ኣኼባ ተጀመረ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ክልተ ተጋደልቲ ካብ ክልቲኡ ውድብ ኣብ ቅድሚት ደው ብምባል ተልእኩኦም ከብጽሑ ማዕረ ማዕረ  ደው በሉ።  ዝበሃል ምስ በሉ፡ ናይ ህዝቢ ሕቶ ወይ ርእይቶ ክሰምዑ ሓተቱ። እንተኾነ እቶም ኣኼበኛታት ስቕ በሉሞ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ቁጥዕ ኢሉ ዝበልናዮ ሰሚዕኩምዶ በለ። ሕጂውን መልሲ ሰኣነ። ቀጺሉ እንብኣር ተረዲኡኩም ኣሎ ማለትዩ ኢሉ ስም ጠቂሱ ንሓደ ዓቢ ኣቦ ክታኸሱ ዝረኣዮም ስሞም ጸዊዑ ዝበልናዮ ሰሚዕኩምናዶ? ኢሉ ሓተቶም። ወዮም ኣቦ እወ ሰሚዕናኩም ኣብ ልብና የሕድሮ በልዎ። ቀጺሉ እንታየ ኢለ ኢሉ ሓተቶም። ዘይበልካዮ'ኸ እንታይ ኣሎ፡ ኩሉ ኢልካዮ በልዎ። ብመልሶም ስለ ዘይተሓጎሰ ካብቲ ኩሉ ዝበልክዎ ገለ ንገሩኒ በሎም። እቶም ኣቦ እቲ ኣኼባ ክካየድ ምስ ጀመረ ኣትሕዞም ተታኺሶም ስለ ዝነበሩ ዝሰምዕዎ ነገር ኣይነበሮምን። ኣይሰማዕኩን ክብሉ ኣይደለዩን ግን ክምልሱ ስለ ዘለዎም፡ ኣንታ ወደይ ሕጂ ሕጂ ዝበልካይ ጠፊኡካ ድዩ ንዓይ ትሓተኒ ዘሎኻ? ትሩፍ ኣምላኽ ዘይርስዕ ኣእሙሮ ይሃብካ ኢሎም መረቑዎሞ ወዮም ኣኼበኛታት ብስሓቕ ትዋሕ ኢሎም ሰሓቑ ንብለኩም።


ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events