Dehai News

(shabait.com) ‘መገዲ ሕውየት፡ ንግጭት ደጋዊ ምምሳል ወይ ንኤርትራ በጃ ምግባር ኣይኮነን፡’ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 20 February 2025

‘መገዲ ሕውየት፡ ንግጭት ደጋዊ ምምሳል ወይ ንኤርትራ በጃ ምግባር ኣይኮነን፡’ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ፡ ኤርትራ ‘ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ሓድሽ ግጭት ክትውልዕ’ ተዳልያ ምህላዋ ኣምሲሉ ዝኸስስ ኣደናጋሪ ናይ ሓሶት ጠቐነ ኣበጊሱ ኣሎ። እዚ ዓሻ ድፍረት ዝመልኦ ጠቐነ’ዚ፡ ብዘይ ሕብእብእ ነቲ ኲናት ዝቕስቅስ ሓደገኛ ዛዕባኦም ንምሽፋንን ርትዓዊ ንምምሳሉን ዝሃቀነ እዩ። የግዳ'ስ፡እዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ከም ሓቒቕ ማይ ንጹራት እዮም፦
  1. ብኣንጻር’ቲ ኣቶ ሙላቱ ተሾመ ከቕርቦ ዝፈተነ ዝንቡዕ ትረኻታት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ናብ ኲናት ክኣትዋ ዝኸኣላ፡ ብሕወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንኣህጉራዊ ግዝኣተ-ሕጊን ነቲ ‘መግዛእታዊ ዶባት ክኽበር ኣለዎ’ ዝብል መሰረታዊ መትከል ሕብረት ኣፍሪቃን ብቕሉዕ ግሂሱ፡ ልኡላዊ ግዝኣታት ኤርትራ – እንተላይ ንባድመ፡ ዓዲ-ምሩግን ካልኦት ቦታታትን ብሓይሊ ጐቢጡ ብምሓዙ እዩ።
  1. ድሕሪ’ቲ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለ ደማዊ ኲናት’ውን እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ሕጊ ረጊጻን፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቦ ውሳነ ነጺጋን፡ ን20 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ልኡላዊ ግዝኣታት ኤርትራ ኣራጢጣ እያ። ሙላቱ ከኣ፡ ዋላ’ኳ መዝነቱ ስማዊ ምንባሩ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን (2013-2018)፡ ስርዓት መለስ ንኣህጉራዊ ሕጊ ክጥሕስ እንከሎ ይኹን ‘ስርዓት ምቕያር’ (regime change) ዝብል ኣጀንዳታት ተሓንጊጡ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ክፈጥር እሎንከ ኣሳስዩ እዩ።
  1. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ 2002 ዝተዋህበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ-ኩነትን ብምልኣትን ተቐቢሉ ከተግብሮ ቃል ድሕሪ ምእታዉ፡ ኤርትራ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ርክባ ናብ ንቡር መሊሳቶ እያ። ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ’ውን ኣብ ሓባራዊ ምክብባር ዝሰረተ ጥዑይ ጉርብትናን ርክብን ንምሕያል ድማ ብትግሃትን ብቕኑዕ ልቦናን ሰሪሓትሉ።
  1. እንተኾነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሓንቲ ካብ ዞባታታ ዝኾነት ትግራይ ኣብ ግጭት ኣትያ። ኤርትራ ከኣ፡ ነቶም ብ3 ሕዳር 2020 ምሸት ብቓጻ ካብ ዝተፈነወሎም ዝተወሃሃደ ‘በርቃዊ’ መጥቃዕቲ ዘምለጡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘እዚ ሰሜን’ ዕቚባ ሂባቶም። ውጥን መጥቃዕቲ ሕወሓት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እውን መጠነ-ሰፊ ሕመጥቃዕቲ ዘጠቓለል’ዩ ነይሩ።
  1. ኤርትራ ኣብቲ ዝተወልዐ ኲናት ተገዲዳ ዝኣተወትሉ ምኽንያት እምበኣር፡ በዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያታትን ብወግዓዊ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያን እዩ። ዋላ’ኳ ጸኒሑ ክሕደት እንተተፈጸመ፡ ኣብ ግዜኡ ግን ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንሃገሮም ጸልማት ዝነበረ እዋን ኤርትራ ንዝተጻወተቶ ተራ ግቡእ ኣፍልጦቦ ሞሂን ሞጒሶሞን እዮም።
  1. ተደጋጊሙ ከምእተገልጸ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝምልከት እዩ። ኤርትራ ድማ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ምትእትታው ክትገብር ድሌት ይኹን ሸውሃት ፍጹም የብላ ን።
  1. ኤርትራ ሰራዊታ ናብቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ልኡላዊ ዶባታ ከም ዘውጽኣቶም ዝፍለጥ እዩ። ይኹን’ምበር፡ እቶም ንብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቅኑዕ መንፈስ ዘይተቐበልዎ፡ ወይ ግርጭታት ንምጽሕታር ድሌት ዘለዎም ወገናት፡ ብምስምስ ባድመን ካልኦት ተመሳሳሊ ከባቢታትን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ “ውሽጢ ዶብ” ኣለዉ እናበሉ፡ ጭብጢ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ጠቐነታት ክዝርግሑ ጸኒሖምን ኣለዉን።
  1. ኣንጻር ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ እኩይ ዝሃቐናኡ ተዅታዂ ተግባራት፡ ኣብ’ዞም ጠቐነታት-ሓሶት ጥራይ ዝተደረተ ኣይኮነን። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ከም ኣካል ጥጁእ ኣጀንዳኡ፡ ክትርድኦ ብዘጸገም ምኽንያታት፡ “እንተተኻኢሉ ብሕጋዊ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብወተሃደራዊ ሓይሊ” ኣፍደገ-ባሕርን ወደባትን ክንረክብ ኣለና ብዝብል ኣንጻር ኤርትራ፡ ጽዑቕን ዘይ ቅቡልን ዘመተ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።
  1. ኢትዮጵያ “ምስ ሶማሊላንድ” ዝገበረቶ ግሉጽ ዘይኮነ ስምምዓት እውን፡ ካልእ ዘየድሊ ሕንፍሽፍሽን ቅልውላውን ብምፍጣር ኣካል ዞባዊ ወጥሪ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተኸፈተ ውሽጣዊ ኲናት ጥሒላ ትርከብ።
  • 10 ብኣጠቓላሊ፡ ኣብዚ ዞባ’ዚ ዘለዉ ታእላው-ኣልቦ ብድሆታት መንቀሊኦም ካብ ካልእ ዘይኮነ፡ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝምንጭዉ እዮም። ክንዲ ዝኾነ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ጸገማት’ዚ ግቡእ ምላሽ ብምሃብ እምበር፡ ንኤርትራ ተረካብ ይዓድዮ ብምግባር ወይ ውሽጣዊ ግጭታት ኢትዮጵያ ደጋዊ መልክዕ ብምትሓዝ ዝመጽእ ፍታሕ የለን።




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events