ኣብ ሃገርና ዘሎ ቅሳነት ንሓሳዳት ስለ ዘየቅሰን፡ ኣብ ዞባና ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ጥዕና ዘለዎ ኣይመስልን። ንዕኡ መንግስትና ብዕቱብ ከም ዝሕዞ ሚእቲ ብሚእቲ ኣምን። ንሕና ኣብ ወጻኢ ዘሎና ንመንግስታዊ ትካላትና ማለት ኤባሲታትናን ኣባላቱን ልክዕ ከምቲ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ከይትድፈር ዝሕልዋ ዘሎ ክንሕሉን ክንካላኸልን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ሓላፍነት ኣሎና። ኤምባሲና ቤት ጽሕፈቱን ኣባላቱን ክዝለፉን ክጽረፉን ከለዉ ስቕ ምባል ሓላፍነትካ ዘይምፍጻም ስለ ዝቑጸር ትኽረትና ዕቱብ ክኸውን ግድንዩ። ኤምባሲ ወኪል ሃገርን መንግስትን እዩ።