ቢንያም ግርማይ ንሓሙሻይ ግዜኡ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ
30 ሕዳር 2025
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ
ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ክሽለም እንከሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ'ውን ዝበለጸት ሃገራዊት ጋንታ ኣፍሪቃ ተባሂላ ዓብላልነታ ኣረጋጊጻ።
ኣብቲ 29 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ብሓዲሽ ኣወዳድባ 'Africa Cycling Excellence Award' ዝብል ሽም ሒዙ'ዩ ቀሪቡ።
ቢንያም ግርማይ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ብምኽንያት ኣብ ስጵኛ ዝገብሮ ዘሎ ጽዑቕ ልምምድ ብኣካል ክርከብ ከምዘይክኣለ ብምግላጽ፡ ንኹሎም ኣሰናዳእቲ እቲ ሽልማት ኣመስጊኑ።
ኣብ ክንድኡ ከኣ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ተመስገን ረዳእ (ወዲ ሸቃ) ሽልማቱ ተቐቢልሉ።
ድሕሪ ምጽራይ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ምሕጻዮም፡ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዓብላልነት ዘጉልሕ'ዩ።
ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዓመተ 2025፡ 21 መድረኻት ዘለዎ ዙር ፈረንሳ ዝርከቦ ን60 መዓልታት ኣብ ውድድር ብምጽማድ፡ 10 ሽሕን 466 ኪሎሜተር ብምዝዋር ንዕኡ ነታ ብዓርቢ ብወግዒ ዝተፈዳነዋ ጋንታ ኢንተርማርቸን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን 1646 ነጥቢ ብምውህላል፡ ካብ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ጸብለል ዘብሎ ነጥቢ ከዋህልለላ ዝኸኣለ ዓመት'ዩ ኣሕሊፉ።
እቲ ካብታ ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ዝተቐዳደመላ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ብዓርቢ ብወግዒ ዝተፋነወ ቢንያም ግርማይ፡ ናብታ ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ናብ ኔቨር ሰይ ኔቨር ሳይክሊንግ ቲም ዝብል ሽም ዝቐየረት ጋንታ ክጽንበር ከምዝኽእል ብሰፊሑ ይግለጽ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ዝበለጸት ሃገራዊት ጋንታ
ንዝበለጸ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዝውሃብ ሽልማት ከኣ፡ ኤርትራ፡ ሞሪሽየስን ርዋንዳን'የን እተን ተጻርየን ናብ ሰለስተ ዝጸረያ ሑጽያት ኮይነን'የን ቀሪበን።
እታ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ብዘይምብታኽ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዘፍረየት ኤርትራ ከኣ ብገፊሕ ፍልልይ ተዓዋቲት ኮይና ሽልማት ብመንገዲ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ ኣቶ ተመስገን ረዳእ ተቐቢላ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያውያን ጽገ ካሕሳይን ሰላም እማሃ ገራፊልን ፡ ተወላዲት ሞሪሽየስ ሊ ኮርት ኪም ናብ ሰለሰተ ዝጸረያ ሕጹያት ኮይነን ክቀርባ እንከለዋ፡ ካብአን ሊ ኮርት ኪም ዝበለጸት ኣፈሪቃዊት ተቐዳዳሚት ዓመተ 2025 ኮይና ተሸሊማ።
ጽገ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም 2025 ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ሻውዓይቲ ብምውጻእ፡ ኣብቲ ውድድር ኣፍሪቃውያን ካብ ዘመዝገብዎ ውጽኢት እቲ ዝበለጸ ናታ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ነዚ ብቕዓታ ዝርኣየት ጀርመናዊት ጋንታ ካንዮን ስራም ዛንዳክሪፕቶ ክሳብ 2028 ከተፈርማ ምኽኣላ ኸኣ ቅኑዕ ምርጫ'ዩ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል'ዩ።
ዝበለጸት ኣፍሪቃዊት ተቐዳዳሚት ዓመተ 2025 ኮይና ዝተሸለመት ተወላዲት ሞሪሽየስ ሊ ኮርት ኪም ኣብ ዓመት 2025 ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓመት 2025 ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ እንከላ፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክትውን ክኢላ'ያ።
ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘመዝገበቶ ናይ መድረኽ ዓወትን፡ ኣብቲ ውድድር ንብጫ ማልያ'ውን ንኣርባዕተ መዓልታት ክትውንና ክኢላ ምንባራን፡ ነቲ ሽልማት ክትዕወተሉ ከምእትኽእል ብሰፊሒ ክግመት ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ውድድር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጋቦን'ኳ ይውሃብ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖሎቲካዊ ሕንፍሽፍሽ፡ ሎሚ ዓመት ኣብታ እንኮ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ዙር ዘለዋን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ንሻምፕዮና ዓለም ዘአንገደትን ርዋንዳ'ዩ ተኻይዱ።
ሽልማት ዝበለጹ ተቐዳደደምትን ሃገራዊት ጋንታን ዓመተ 2026'ውን ኣብ ርዋንዳ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ፡ ኣብ 2027 ግን ኣብ ካልእ ሃገር ክካየድ ምዃኑ ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ካልእ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ካብ ዝተኣታተወ ሽልማታት፡ ዝበለጸት ርዋንዳዊት ኢሊት ተቐዳዳሚት ኔረረ ዛቨሪን፡ ዝበለጸ ርዋንዳዊ ኢሊት ተቐዳዳማይ ማሰንጊሾ ቫንኮር፡ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኡጋንዳዊ ቻርለስ ካጊሙ፡ ዝበለጸት ተቐዳዳሚት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሩንዳዊት ንሰንጊዩምቫ ኦደት ኮይኖም ተሸሊሞም።
እዚ ሽልማት ኣብ ዓመተ 2012 ንመጀርታ ግዜ ክውሃብ ምስ ጀመረ ካብ ኤርትራውያን ናትናኤል ብርሃነ ነቲ ቦኽሪ ሽልማት ክዕወተለኩ እንከሎ፡ ኣብ 2014 መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣብ 2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 2016 ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ኣብ 2023 ሄኖክ ሙሉእ ብርሃን፡ ኣብ 2020፡ 2021፡ 2022፡ 2024 ከምኡ ከኣ 2025 ከኣ ቢንያም ግርማይ ተዓዊተሙሉ።
ነቲ ዝተረፈ ኣብ 2013 ከምኡ ከኣ 2017 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ፡ ኣብ 2018 ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ፡ ኣብ 2019 ከኣ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳርልይ ኢምፐይ ተዓዊተሙሉ።
ቅድሚ ሕጂ ዝበለጹ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተባሂሎም ዝተረቑሑ
- 2012 : ናትናኤል ብርሃን [ኤርትራ]
- 2013 : ለዊስ መንትጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
- 2014 : መኽሰብ ደበሳይ [ኤርትራ]
- 2015 : ዳንኤል ተኽለሃይማኖት [ኤርትራ]
- 2016 : ተስፎም ዑቕባማርያም [ኤርትራ]
- 2017 : ለዊስ መንትጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
- 2018 : ጆሴፍ ኣረሩያ [ርዋንዳ]
- 2019 : ዳርልይ ኢምፐይ [ደቡብ ኣፍሪቃ]
- 2020 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
- 2021 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
- 2022 : ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
- 2023 : ሄኖክ ሙሉብርሃን [ኤርትራ]
- 2024፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
- 2025፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]