Dehai News

ምቕስቃስ ቁስሊ፡ ስኑፍ ፖለቲካ መናውሒ ዕምሪ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 23 October 2026

ምቕስቃስ ቁስሊ፡ ስኑፍ ፖለቲካ መናውሒ ዕምሪ

22 ጥቅምቲ 2026
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ
ምንጪ ስእሊ,EBC
መራሒ ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብቋንቋ ትግርኛ፡ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝቐንዐ፡ ኣጸቢቑ ዘይተሸምደደ ድራማ ዝመስል ድኹም ቃለ-መጠይቕ ኣካዪዱ። እቲ ቃለ-መጠይቕ፡ ሰራዊት ብልጽግና፡ ብውጥን መሃይማን ኲናት ተመሪሑ፡ ኣብ ትግራይ ወራር ብምፍጻም፡ ኣብ ዘይወጾ ሰልሚ ድሕሪ ምድቕዳቑ ዝተኻየደ ብምንባሩ፡ ኣብ ገጽ’ቲ መራሒ፡ ከቢድ ጭንቀት ይንጸባረቕ ነበረ።
ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ እልቢ ዘይብሉ ኲናት ኣባሪዑ፡ ኣበየ ከባቢኡ ብዝኣጎዶ ሓዊ እናተለብለበ፡ ናብ ጉሓፍ ታሪኽ ዝሃጽጽ ዘሎ ስርዓት ብልጽግና፡ መናውሒ ዕምሪ ስልጣን ገይሩ ካብ ዝወሰዶ ሜላታት ሓደ ምቕስቃስ ቁስሊ እዩ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ከካይዶ ዝጸንሐ ቂምን ቅርሕንትን ናይ ምትዅታዅ ዘመተ ድማ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ቃለ- መጠይቑ፡ ንህዝቢ ትግራይ፡ ‘ምስቶም ንሃጸይ ዮሃንስ ዝቐተሉ፡ ምስቶም ንራእሲ ኣሉላ ክጸርፉ ዝውዕሉ ኢኻ ምሕዝነት ፈጢርካ’ ክብል ኣባጭዩሉ። ንህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን ማለቱ እዩ።
መራሒ ብልጽግና፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ጐጃም ደብረማርቆስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ምድሪ ጎጃም ዝፈጸሞ ዕንወት ዝርሳዕ ኣይኮነን” ክብል ንህዝቢ ኣምሓራ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ከለዓዕል ምፍታኑ ኣይርሳዕን። ኦሮሞ ኣብ ዝተኣኻኸቡሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ፡ “ሰሜናውያን ከጥፍኡኻ ይመጽኡ ኣለዉ፣ ንዓይ ኢልካ ዘይኮነ ንነብስኻ ኢልካ ተለዓል፣ ኣነ ካብ ስልጣን ክእለ እኽእል እየ፣ ኦሮሞ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ዝረኸቦ ስልጣን ግን ክምንጠል የብሉን” እናበለ ደጋጊሙ ንህዝቢ ኦሮሞ ኣንጻር ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ከረሳስን ተሰሚዑ’ዩ።
መራሕ ሃገር ዝኣክል ከምዚ ዓይነት ህዝብታት ናይ ምንቛት ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ከይተሰከፈ ክነዝሕ ምስማዕ፡ እቲ ስርዓት ኣበየናይ ደረጃ ቅብጸተ-ተስፋ ወሪዱ ከምዘሎ ኣጉሊሑ ዘርኢ እዩ።
ጉጅለ ብልጽግና፡ በዚ ዝተጠቕሰን ካልእን ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድሕድ ከተሃናዅቶ እናጸዓረ፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንምንቛቱ፡ “ታሪኻውያን ጸላእትና” ዝብል ቁዘማ ዕለታዊ መልቀሱ ገይሩዎ ይርከብ። ብልጽግና ‘ታሪኻውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ ዝብሎም፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልን እዮም።
ይኹን’ምበር ብሰፊሕ ኣእምሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸላኢ የብሉን። ከም ኣገላልጻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ጉርብትና ምርቓ እምበር መርገም ኣይኮነን።” ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ኩሎም ህዝብታት ንሓድሕዱ ኮነ ምስ ጎረባብቱ ብስኒትን ምክብባርን ክነባበር ዘሸግሮ ኣይኮነን። ሽግር ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ዘደናግር ዘይብሉ ኣዝዩ ንጹር እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ምስ ጎረባብቲ ጸገም ዝፈጠረ ብልጽግና ዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲታት’ዩ። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥቢታት ምጥማሩ ይከኣል፦
1) ኣብ ውሽጢ’ታ ኣደ ብዙሓት ብሄራት ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ዕብለላ ሓደ ንኡስ ጉጅለ ንምርግጋጽ ዝተኸተሎ ዘርኣዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ከፋፋሊን ኣናጻዪን ፖለቲካ፣
2) ንዘቤታዊ ጸገማት ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንዳይ፡ ብጠበንጃ ናይ ምድቋስ ከንቱ ሃቐነ።
3) ብደረጃ ዞባ ኣብ ክንዲ ናብ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ዕብየትን ምቁማት፣ ብቁንጣሮ ግንዖ ተዓሲብካ፡ ንረብሓ ሓይልታት ግዳም ምኽዳም፣ ተልእኾኦም ንምፍጻም፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ምጽራድ፣
4) ሒደት ትኳቦ ንምርካብ ዝተኣታተወ ግጉይ ቁጠባዊ ፖሊሲታትን ብልሽው ምሕደራን፣ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈጢሩዎ ዘሎ ከቢድ ጾር መነባብሮ።
እቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምበኣር ብልጽግና ባዕሉ’ዩ። ኢትዮጵያ ብሰሪ’ዚ ዘይብቑዕ መንግስቲ፡ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩዋ ኣሎ። ብኩነታት ሃገሮም ዝተሻቐሉ ኢትዮጵያውያን ከኣ፡ ‘ኪዳን ንህልውና’ ዝብል ጥምረት ፈጢሮም፡ ሃገር ካብ ምብትታን ንምድሓን ይጓየዩ ኣለዉ። ብርግጽ ምጉያይ ዘድልዮ ግዜ’ዩ። ምኽንያቱ ብልጽግና፡ ነቲ ብኹሉ ሸነኻት ተባሪዑን ተደጒሉን ዘሎ ሓደጋ ክቆጻጸሮ ዘኽእል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቁመና የብሉን። ኣብ ርእሲኡ፡ በቶም ንሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ጽልዋኦም ብምእታው፡ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ሚልዮናት ዶላራት ከፍስሱ ዝጸንሑ ሓይልታት ግዳም ስለ ዝእዘዝ ብናቱ ሓሳብ ዝምራሕ ኣይኮነን። ንሳቶም ከኣ፡ ዝርገት ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባ ‘ንረብሓና’ዩ’ ኢሎም ስለዝኣምኑ፡ ስቓይ ህዝብታት ዞባና ዝዓጦም ኣይኮኑን።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

My vision for Eritrea: using the power of mathematics to inspire innovation, education, and nation-building. Let’s build a stronger future together.

Dehai Events