Dehai News

ህዝባዊ መኸተ ንዕንደራ ብልጽግና።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 23 October 2026

ነቶም ታሪኽ ህዝብን ገድልን ኤርትራ ዘይፈልጡ ወይ ደምሲሶም ፈጠራዊ ዛንታ ዝነግሩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም ኣይኮነን መልክዕና። ኣብ ሓደ ገጽ፡ ኣብ ሓደ ሓሳብ፡ ኣብ ሓደ መትከል፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ እምነት፡ ኣብ ሓደ ዓላማ እንነብር ሕብረተሰብ ኢና። ኤርትራውያን ሓደ እሾኽ ክወግኦ ከሎ ኩልና ንቑንዞ። ስለምንታይ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ሓደ ኣካል ስለ ዝኾና ።  ብሓባር ንምክት፡ ብሓባር ንዕወት፡  ብሓባር ንጽሊ፡ ብሓባር ሃገራውያን ይኹን ሃይማኖታውያን በዓላትና ነኽብር። ኮምኡ ስለ ዝኾና ኢና ብሓባር ሓሪስና ብሓባር ንሓፍስ፡ ብሓባር መኪትና ብሓባር ጸላእትና ሲዒርና ዓወታት ንድረር።  ሕጂውን ነቶም ደቂሶም ይኹን ከይደቀሱ ዝሓልሙ ሓለምቲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዶንጎላ እንተ ወደቕካዮ ትደሚ፡ እንተ ወደቐካ ትደሚ ኢና።  ክዋጋኣና ዝመጸ ተጨልጊሙ ይምለስ፡ ነገርና ዝደለ ተደሪዑ ይዕገስ።  ብልጽግና ደንቆሮ ምዃና ወደብ ኤርትራ ወይ ብእንካን ሃባን፡ ወይ ድማ ብሓይሊ ክወስዶ እየ ምባሉ ንዓና ንኤርትራውያን ክንዳሎ ሓጊዙና እዩ። ዓሻ ጸላኢ ክህልወካ ዓቢ ዕድል እዩ።  ሻዕብያ ድኣ እንኳንዶ ሓደ ነገር ከይተፈጸመ ክነግርስ ይትረፍ ምስ ተፈጸመ እኳ ዘይህወኽ።  ከምዚ ናይ ብልጽግና ዶሮና እናዶረነ ዝኸይድ ኔሩ እንተ ዝኸውንዶ ምተዓወተ ይመስለኩም? ንህሉዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ንምፍላጥ ኣብዘን ሳነቲም ክኣርያ ዝሓድራን ዝውዕላን ፋብሪካታትን ዩቱብን ካልኦትን ግዜና ከይነሕልፍ። ኣብዚ ሕጂ ክተት ዝበሃለሉ ዘሎ መድረኽ እዘን ፋብሪካታት እዚኤን ኣጋጣሚ መኻዕበቲ እቶተን ገረን ኣምሱሉ ሓበረታታት ከቃልሓ ስለ ዝኾና ካብ ምስምዔንን ምስዓበንን ክንሕየብ (ክንጥቀቕ) ኣሎና። ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ኣብተን ዕላውያን ሚድያታት ሃገርና (ሓዳስ ኤርትራ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ኤርትራ ሓዲሳ፡ ትቪ ኤረ፡ ኤክስ ክፍሊ ዜና ---) ክንሙርኮስ ኣሎና። እንሰምዕን እነውርዮን ሓበረታታት ካብ ሓቀኛ ምንጪ ዝተበገሰ ክኸውን ስለ ዝግባኣ ጽባሕ ዘይድገም ሓበረታ ካብ ምስማዕን ምሃብን ንቆጠብ። ሓንቲ ናይ ኣምሓርኛ ምሳሌ " የገበያ ግርግር ለሌባ ይመቻል" ትብል ልክዕ ነዞም ናይ ዩቱበራት ትገልጽ ኣላ።  ሃገር ኣብ ክተት ኣብ ትኾነሉ እዋን ሓለይቲ ዝመስሉ መደናገርቲ ስለ ዘለዉ ዓማዊሎም ከይገብሩና ንጠንቀቕ።
ዝመጸ ይምጻእ ወራራ ብመኸተ ሓይልታት ኤርትራ ሓራሪ።
ጽንዓት ቃልስና ሕድሪ ሰማእታትና ምዃኑ ወትሩ ኣብ ልብና ይኹን።

My vision for Eritrea: using the power of mathematics to inspire innovation, education, and nation-building. Let’s build a stronger future together.

Dehai Events