Dehai

ግጥሚ *** ሓሻካ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Thursday, 23 August 2018

********ሓሻካ ********

ከብድኻ ይበልዑ፥ ዕንጓሮም  ዘይጸረጉ
ጽያፎም ዘይከተቱ ፤ኣብ ሓንካስ  ሰድያ ዝዓጉ
መደንገጻት! ሰላም ህዝቦም ዝተሓሰሙ
መዋሊቶም ክትግነዝ ፥ንሶም ዝሓሙ

        ንቑንጣሮ ዕስበት ፤ ዘብዘብ ንጀነቫ
ካብ ጸባ ዘይተረኽበ፣ ያኢ ካብ ማይ ጨባ
ጊዒራ ፈኪራ ዘፍ ፥ዝበለት እታ ሓሳድ
ሕጂ ደሞ ገመድ፤ ኣውጺእኩምላ  ካብ ክሳድ

        ኣመል ከይተርፍ ኮይኑ 
ዘበነ ወያነ ፥ዝጸመሙ 
ማለሊት ክብሉ ፤ኣብ ሞታ ክቑዝሙ
ሓሻካ ክሰናበትዋ ፥ንጀነቫ ማምኦም ክቕብሩ

          ሓንቲ እያ እታ መልቀስ፤ ኣብ መልሓሶም ዝሰመረታ
ዳውን ዳውን  ቁዘማ  ፥ንቑንጣሮ ሞቕሽሽ ምጽወታ
መለሳ እንተኾነቶም  ከኣ ባ ፤ዲክታተር ይውስኹላ
ሓሻካ ሕሉቓት  ፥ ሰራዊት ኣረጋይ ሰራዊት  ዳፍላ

        ብቕጥፈት ዝልለዩ ፥ብግዕዘይ መልሓሶም
ጀነራላት ግንባር ጀነቫ ፤ኢንተርነት ሞባይል ኣጽዋሮም
ዝርገት ሰላም  ህውከት፥ መሕብኢ በዓቶም
ሓሻካ ዕሩባት፥ ወይን ኣዲኦም ኣብ ኢዶም ዓሪፋቶም

        ብወገን ዓሌት ብኣውራጃ፣ብቕልውላው መንነት ዝተሓመሱ
ንጉንዖ  ዕስበት ፥ኣሶሳ ደብረዘይቲ ዝመላለሱ
ኣይተረኽበን ሎምስ ፤መሸጎጢ መሐከሊ በዓቲ
ዕምሮም ሓጺራ እያ ፥ኣዛብእ ቀትሪ ለኣኽትኹም ወየንቲ

     ሓሻካ ወናጭል ገደና፣ዓፋሮ ገዓርቲ
ትፈኦም ዝልሕሱ፣ ነዳያት ተቓመርቲ
ዕረ ደኣ ይጥዓምኩም እንበር ፥እታ ዝበሃግናያ
ዋጋ ዝኸፈልናላ፣ ሰላም ሲ ካብ መንጋጋ ኣዛብእ ተመንዚዓ እያ

     ኪነው ምውጫጭ፥ ኪነው መልቀስ ቁዘማ
ኣልባ ነይትኸፍቱ ጽንጽያ፣ተኣኪብኩም ቃርማ
ዝተጸፈኹሙሉ ጀቕጀቕ ፣ታኼላ ክድዓት ነጺፉ
ሓሻካ ዕጹፋት ኣብራኽ፣ ጽላልኩም ዓጋም ቆጽሉ ረጊፉ

     ኣቱም ወኻሩ ጽብሓት፥ራረውትኩም ኣዛብእ ቀትሪ
ረሲኣን ሳጥናኤላት፥ በዓል ማንቲለ ኣውሊ
ኳናኹም ፈሪሱ ፥ጊድጊዳ ማለሊትኩም ሃሚሙ
ሓሻካ ቅቡጻት፣ዘበነ ጉማታን ዘበነ ወያነ ዝጸመሙ

 ሓሻካ
         ዓወት ንሓፋሽ
      ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
ጀርመን
20/8/2018

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events