Dehai

*** ጻማኻ እዩ'ሞ ኩራዕ*** ብገዲም ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 03 November 2018

 *** ጻማኻ እዩ'ሞ ኩራዕ***

ወዮ ዝጓህመመ ፥ዝወደኤ ኣስናኑ
ወዮ እከይ መንቅብ ፤ዝወጸ ዕርቃኑ
ወዮ ዓሎቕ ዓመጽ፣ እንበር ካን በርዒኑ
ጻማኻ እዩ ፥ኣንታ ጽኑዕ ኪዳኑ

     ምስልኻ ክብልሉ፣ ጻድቓት ክመስሉ
ሳጥናኤላውያን፥ዝዋውዕ ዝኣሰሩ ተዃሉ
ኣዛብእ ቀትሪ ሓሳዳት፥ተኸቢቦም ብታኼላ
ኣበይ ኣላ ደኣ ጃንዳፍሬዘር ፣ኣበይ ኣላ ሽላ
      
    እቶም ርራው ማሕዘልና፥ ነኸስቲ ጡብ መዕበያ
ብዋጋ ክብርኻ ዝዋገዩ፥ ንቖንጣሮ መሃያ
ህርፋን ስልጣን ዘዕበዶም፣ከብዶም ዝዘመዶም
ዙሮ ምሮ ይእቲኻሎም፥ህዝበይ ሽታ ማይ ዶ ኮይኖም

  ንሶም ክሕንክሩ ፣ንስኻን ክትምክት
ምህዞታት ቄናናት፥ ውዲት ኣብ ልዕሊ ውዲት
ኣብታ ንኽሰት ሓርቂምካ፤  ሓያላት እተረብርብ
ጠረብረብ ኣቢልካዮም ፣ጊንጢ እዋን ተብርድ

          ኣሜን ዘይበልካ ፣ከም ተብሎም  ስዩም
ሰጊርካዮ ቀውጢ ከም ሽሙ እቲ ሕሱም
እንቋዕ መጎሰካ፣ ኣንታ ሓላል ህዝቢ
ጻማ ጽማመኻ ረኺብካሉ ዓስቢ

      እንቢታኻ ከይተጻዕደ፥ድምጽኻ ስዒሩ
ኣበይ ኣለዉ ሕጂ ፥እቶም ኣርሆታት ገበታ ዘጉረሩ
ካባ ሕፍረት ጎልቢብካዮም ፣ዋጦት ከራሮ ዝመደሩ
መርድእ ይኹኖም ሕጂ፥ መዓንጣ ከብዶም   ይሕረሩ

        ያኢ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል፥ዓጀብ ጣቃ
እንታይ መለሳ ረኺቦም ደኣ ሕጂ? ቀይሮም  ቋንቋ
እቲ ቀደሙ ውን እኮ፣ ዘይምኳንካ ተመላኺ
ዝበሉኻ ዘይገበርካ ፣ዘይኮንካዮም ተለኣኣኺ

     እንበር ንስኻ ትእገድ፥ ንዓኻ ዶ ማዕቀብ
ባዕሎም ይኸሱ ፥ ባዕሎም ይፈርዱ፥ዝብል የለን ዓገብ
ክንዲ ደበስ ወጽዓኻ ፥ኣበሳ ኣብ ልዕሊ ኣበሳ
እንቋዕ ጻማ ጽንዓትካ ረኺብካሉ  ሞሳ

      ፈቲኖምኻ ፥መዓስ እሞ ትርዕድ ብፈተነ
ኣብ ወጥሪ እትስሓል፥ ከቶ ዘይትዳነ
እምባኻ ከሪኑ ፥እንብኦም ፈሪሱ
ረማዕ ኣቢልካዮም  ፥ኣላህሊካዮም ሓሞት የምልሱ

      ንሶም እከይ ክትትዑ ፥ተንኮል ክፍሕሱ
ኣረብሪብካዮም  ህዝበይ ፥ገጾም ክሳብ ዝምልሱ
ወይጦት ጸፍዮም ፣ መጋበርያ ሃሱሳት  ሃመማ  ቃርማ
ጸባ ዓጓ ስተ ሳላ ዝጸናዕካ፥ስዩም ኣቢልካያ ንኹላ

      ለፋዕ ዝበልካዮ ጉዕዞ ጀነቫ ፥እንቢታኻ ከተጋውሕአ
ኣማስይኡ ከም ትዕወት ፥ሰጊርካዮ ጽንኩር መስርሕ
ብጥሙይ ከብድኻ ፥ ኣድካሚ ጉዕዞ ትማሊ
ሰብ ሓንካስ ሰድያ ፥ማይ ኣቢልካዮም ሎሚ
          
   ኣበይ ኣላ እታ ሽሉ ሜሮን፥ኣበይ ተሸርበት ኤልሳ ጭሩም
ኣበይ ኣሎ ጉሒላ ዳፍላ፥ምስ ዶካትሩ ናብ ህጉም
ዘፍ ዶ ኣቢልካዮም መንክር፥መትከልካ ሲዒሩ
ሓታላት ኣድኒንካዮም፥ ከም ዘይ ሰሩ ንሓዋሩ
        
  ሳላ ዝጸናዕካ በጺሕካ፣ ናብ ራህዋ ሎሚ
ዋጋ ዓቕልኻ ጽማመኻ በጺሑ ናብ ፈጽሚ
እንቋዕ ተኻሻስካ ንምሸቱ፣ ዘርእኻ ሰጊኑ
ቀውዖም ሃጉጉ፣ኩራዕ ተሓበን ዘበንካ ኮይኑ  ዘበኑ

       ዓወት ንሓፋሽ 
ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
ጀርመን  2018

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events