Dehai

** ሰዓሪ ** ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ ካብ ከተማ ማንሃይም (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Thursday, 15 November 2018

ሰዓሪ

ናኹራ ዝሰበርካ ህዝቢ ኤርትራ
ሰዓሪ ገዚፍ ሃይሊ ኣምሓራ
ሰምበል ማሪያም ግቢ ተጻዊርካ
ማሕነቕቲ ብስልኪ ጎደናታት
ማዕጾ ከፈተ ኣዉያት ብኽያት
ነዚ ዘሕለፍካ ማሕነቖታት
ምረት ገድሊ ጽንካረ ወራራት
ብሓደ ዘይኮነ ከፊልካ ኣእላፋት
ነዝ ኩሉ ዝሰዓርካ መካት
ሰዓሪ ምሕደራ ሃጻይነት
ኣምበርካኺ ንደምበ ደስነት
በዳሂ ንስርዓተ ጽዮይነት
ሎሚ ኸኣ ንሕቡራት ሃገራት
መዋእላ ዝደቀሰት ዝሓንገደት
ንመሰልና ኣሕሊፋ ዝሃበት
ሎሚ ሪእያቶ ጽንዓት መኸተኻ
ኣፋ ከፊታ ተዛሪባ ብዛዕባኻ
ኣልዒላቶ ነቲ ዝይፍትሓዊ እገዳ
ከምት ናይ ትማሊ ዓሊላ ኣደ
ደቢሉ ንዓኻ ዝወለደ
ንፍትሒ ንዓለም ዘስገደደ
ኢዱ ከም ዘልዕል ገርዎ ንዝሓንገደ
ክብርን ሞጎስን ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ 

ወልዳይ ተኸስተ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events