Dehai

ዘበንያ ግርምቢጥ ፥ ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ ማንሃይም (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 07 April 2019

ዘበንያ  ግርምቢጥ
መን ንመንዩ  ይኣክል ዝብለና
ንጎድኒ ገዲፉ  ዕድመ ቃልስና
ዘበንያ ግርምቢጥ  ማይ ንዓቐብ
ኣቱም ሰባት   ገንጽሉባ መዝገብ
ሓተላ ታሪኽኩም  መመሊሱ ዝእከብ
ንሕናባ ንብለኩም  ዓገብ ዓገብ

መንዩ ንመን  ይኣክል ዝብሎ
ነቲ ንምረት  ብምረት ዝተጻወረ
ነቲ ንህዝቡ  ትሕቲ መረት ዝሰፈረ
ንህዝባዊ ግምባር  ንናጽነት ዘበሰረ
ነዚ ተጻዋሪ ኩሉ ሽግር ዝሰገረ
ዝደክም ዘሎ  ንህንጸት ሃገረ
ንህዝቢ ኤርትራ  ንጸገም ዝተጻወረ
ንድሕነት ሃገር  ፈቐድኡ ዝወፈረ
መን  መንዩታ-----
ህዝቢ ኤርትራዩ  ይእክል ክብል ዘለዎ
ነዞም ብመዲያ  ተዉደኽድኹ
ንሕሰሙ ካዕካዕ  ኢልኩም ትስሕቁ
ንእገዳ ሃገርኩም  ተዕስዑ ተኽድዱ
ንመንዮም ይእክል ዝብልዎ------
እዞም ንዱያት  ገደል ዝእተዉ ዘይወጽዎ
ዕሱባት ጠላማት  ማሕፉዳ ማለሊት
ንጥፍእት መንእሰያት  ዝሕተቱ ብመሸጣ ኩሊት
መሳርሒ ገባብል  ሰብ መሰል ስቡሓት
ልኡኻቶም ገሮመም  ከኻዕብቱ ዶላራት
ንመንዮም ይእክል ዝብልዎ፤፤፤
ንህዝባዊ ግምባር  መምህር ሓድበት
ንህዝባዊ ግምባር  መምህር ፍልጠት
ንህዝባዊ ግምባር  ሓኾተ ህንጸት
ንህዝባዊ ግምባር  ጸረ ተበላጽነት
ንህዝባዊ ግምባር  ጸረ ኣዉራጃነት
ንህዝባዊ ግምባር  ጸር ቀቢላዉነት
መን  ንመንዩ"""""""
ዝበደልካ በዲልካ  ስግረ ዶብ ሰጊርካ
ነቲ መሪር  ዘሕልፍ  ዝተረፈ ድሕረኻ
ሃገር እናሃነጸ  ንስኻ እናዉረኻ
ንሱ ኣብ በረኻ  ዘይሃደመ ከማኻ
ንሱዩ ይእክል  ዝብል ንዓኻ
ንእከኣሎ ነዚ ኩሉ ዝኸኣሎ
ጎደሎ ኣልቦ  ንሱ ዝወዓሎ
ዘየዕረፈ ንህንጸት  ዝጽዕር ዘሎ
ከማኻ ዘይመኸነ  እናበርከተ ዝኽእሎ
ንዝሓለፈ ዘበነ ቃልሱ  ዓስቢ ዘይሓተተ
ከማኻ ተሰዲዱ  ማሕፍድኡ ዘየኻዕበተ
መን ንመንዩ ይኣክል ዝብሎ""""""
ትማሊ መደመር  ኢሉ ክትብሉ
ዓሰብ ሸይጥዋ  ኢልኩም ክትግዕሩ
ዶብ ዘይተሓንጸጸ  እናበልኩም ክትሓብሉ
ሕጂ ኸኣ ይእክል ክትብሉ ዘይትሓፍሩ
ንዓኩም ክሕሸኩም  ኣደብ ግበሩ
ሱዳን ቐጠር ትሩኪ ተኣኻኺበን
ዓያሹ ቀልቢ ዘይብለን
ንዓለም ብዓለማ ከምዝሰዓርና መዓስ ጠፊእወን 
ምህትፍታፍዩ ከኣኹም  ስለ ዘይተዕሰብናየን
ኣብ ጽኑዕ ርእሰ ምርኮሳ ስለ ዝዓገትናየን 
ከማኹም ህዝብናን ሃገርነኣ ኣሕሊፋን ዘይሃብናየን
ንዝሞተ ኣይንፍሕርን ካብ መቓብሩ
መሊስና ሓመድ ክንዉስኸልኩም ኢና ከይትዝምሩ
ንዓኹም ክሕሸኩም  ኣደብ ግበሩ
ክብርን መጎስን ንሰማታትና 
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ  ተኸስተ
ማንሃይም (ጀርመን)

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events