Dehai

Shabait.com: ሓተታ: መጋቢት፡ ወርሒ ዓበይቲ ግጥማት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 20 March 2021

ሓተታ: መጋቢት፡ ወርሒ ዓበይቲ ግጥማት
Mar 20, 2021
============================================
(ሓርነት ናቕፋ፡ ምድምሳስ እዚታት “ውቃው”ን “ናደው”ን፡ ግጥም እግሪ መኸል)
 
መጋቢት፡ ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘካየዶ ሓርነታዊ ኲናት 30 ዓመት፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ድሕሪ ናጽነት – ልዑላውነቱ ንምቕልባስ ዝተሃቀነ ዳግማይ ድፍረት፡ ደሚቑ ዝዝከር ወተሃደራዊ ዓወታት ዝተሓፍሰላ ወርሒ’ያ።
 
ነታ ሓንሳብ ሓራ ምስ ወጸት ዳግም ብሰራዊት መግዛእቲ ዘይተደፍረት፡ ትእምርቲ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ናቕፋ ሓራ ዘውጽአ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ብ22 መጋቢት 1977 እዩ ተፈጺሙ። ሓርነት ናቕፋ፡ ኣብ ግዜኡ ፍናን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘዕረገ፡ “ሎሚ ናቕፋ፡ ጽባሕ ኣስመራ!” ዝብል ተስፋ ኣስኒቑ፡ ነቲ ስዒቡ ብልዑል ናህሪ ንሰፊሕ ከባቢታት ሃገር ሓራ ዝገበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት 1977-1978 ዓቢ ድርኺት ዝፈጠረ’ዩ ነይሩ።
 
ከምዝፍለጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ኲናት፡ ዘራያት እናተበራረይሉ፡ ብዘይዝኾነ ደገፍ፡ በይኑ ኣንጻር ናይ ምዕራብን ምብራቕን ሓያላት ዝገጠመ ህዝቢ’ዩ። ኣብ መወዳታ 70ታት፡ ሰውራ ኤርትራ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብርእሰ-ሓያል ኣመሪካ ዝድገፍ ዝነበረ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ስዒሩ፡ ናጽነት ከረጋግጽ ተቓሪቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ምስ’ቲ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኲናት ተገላባጢ ሽርክነት፡ ስርዓት ደርግ ንኣመሪካ ራሕሪሑ ናብ ሕብረት-ሶቭየት ብምጽጋዕ፡ ኣመና ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክሰንቕ ብምኽኣሉ፡ ሚዛን ሓይሊ ተቐዪሩ፡ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ብምግባር፡ ካብ ኣፍ-ደገ ኣስመራ ዳግም ንናቕፋ ተመሊሱ ክዓርድን ናብ ዝተናውሐ ቅዲ ኲናት ክኣቱን ተቐሲቡ። ኣብ’ቲ ዝሰዓበ ብጽንኩርነቱ ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ ናይ ኣኽራናት ሳሕል ከቢድ ምርብራብ ድማ፡ ወርሒ መጋቢት፡ ህዝባዊ ግንባር ዓበይትን ወሰንትን ወተሃደራዊ ዓወታት ዘመዝገበላ ወርሒ’ያ።
 
ኣብ መጋቢት 1984፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ግንባራት ናቕፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ባርካን ዓሪዱ ን5 ዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ ብርቱዕ ግጥማት፡ ነቲ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ካብ ቅሮራ ክሳብ ቀጣን 100 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ድልዱል ዕርድታት ሃኒጹ መግዛእቲ ንምውሓስ ዝተረባረበ “ውቃው እዝ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ 49 ሰዓታት ኣቃቢጹ፡ ንሰውራ ኤርትራ ካብ ምክልኻል ናብ መድረኽ ጃላነት ዘሰጋገረ ወሳኒ ዓወት ክሓፍስ በቒዑ።
 
ኣብ’ቲ ዝሰዓበ 4 ናይ ጃላነት ዓመታት፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ቀዋሚ ግንባርን ድሕሪ መስመር ጸላኢን ብኣማኢት ዝቑጸር ዓበይትን ንኣሽቱን ግጥማት ኣካዪዱ፡ ንሓይሊ ጸላኢ ኣጸቢቑ ድሕሪ ምርማስ፡ ናብ መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ’ዩ ሰጊሩ። ካብ 17 – 19 መጋቢት 1988 ድማ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት፡ ነቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ፡ ብዓይነቱ ብሉጽ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሰራዊት ደርግ – “ናደው እዝ” ኣኽቢቡ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓመድ ኣዳም ኣልቢስዎ። እዚ መስተንክር ስርሒት’ዚ፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ነቲ 20,000 ዝግመት ምኩር ሰራዊት በታቲኑ፡ ካብ ሕዳይ ክሳብ መስሓሊት ኣስታት 100 ኪሎ-ሜተር ንቕድሚት ብምግስጋስ፡ ኣብ ኣፍዓበት ዝጸንሕዎ ሶቭየታውያን ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ዝማረኸሉ፡ እልቢ ዘይብሉ ስትራተጂያዊ ኣጽዋራትን ተተኳሲን ዝመንዝዓሉ፡ ብተመራመርቲ ታሪኽ ዳግማይ “ድየን-ቤን-ፉ” ተባሂሉ ዝተገልጸ ስርሒት’ዩ ነይሩ።
 
መጋቢት፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ቅያ መዝጊባ’ያ። ወርሒ መጋቢት እትዝከረሉ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዝዓበየ ወተሃደራዊ ፍጻመ፡ እቲ ንወለዶ ገድሊ ተኪኡ፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝተረከበ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ልኡላውነት ሃገሩ ክደፍር ንዘንቀደ ሓመድ ሓፋሽ ወራሪ ሰራዊት ወያነ፡ ብመዳርግቲ ኣልቦ ጅግንነት ገጢሙ፡ ዓቢ ዓወት ዝሓፈሰሉ ግጥም እግሪ-መኸል’ዩ። እዚ ካብ 14 ክሳብ 16 መጋቢት 1999 ኣብ ግንባር ጸሮና ዝተኻየደ ውግእ፡ ልዕሊ 10 ኣጋር ክፍላተ-ሰራዊትን ኣስታት 100 ታንክታትን ወያነ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ብማዕበላት ዘጥቅዕሉ ብርቱዕ ግጥም’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ጥምጥም፡ እቲ ወራሪ ሓይሊ ተረዂሚሹ፡ ደሃይ ኩሎም ኣጽዋራት ምስ ሃጠመ ዝተጋህደ ውጽኢት ከኣ፡ ዓለም ብዓለሙ ዘስካሕክሓሉ መቕዘፍቲ ሰራዊት ወያነን መጋርያ ዝተሃሞኻ ታንክታትን ጥራይ’ዩ ነይሩ።
 
ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ወተሃደራዊ ግጥማት ኮነ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕ ኲናት፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጥፍእዎ ህይወት፡ ዘባኸንዎ ሃብቲ፡ ዝኸሰርዎ ግዜን ዕድላትን መግለጺ ኣይርከቦን። እዚ ታሪኽ’ዚ እምበኣር ብሓበን ጥራይ ዝዝከር ኣይኮነን። “እዚ ኹሉ ክሳራ ንምንታይ?” ዝብል ሕቶ እውን ሓቢሩ ክልዓል ዝግባእ እዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘናቚት ደምነት ኣይነበሮምን። ብዘይ ግጭት ብሰላም ተኸባቢሮም ክነብሩ ዘኽእሎም ባህልን ጭውነትን ዘለዎም’ዮም። ጠንቂ ናይ’ዚ ኣዕናዊ ኲናት’ዚ ብቐንዱ፡ “ናጽነት ኤርትራ ንረብሓና ኣየገልግልን’ዩ” ዝሰረቱ፡ ንስርዓታት ኢትዮጵያ መጋበርያ ተጠቒምካ ክትግበር ዝተሃቀነ ግሎባዊ ስትራተጂ’ዩ። እዚ ስትራተጂ’ዚ ብፍሽለት ተደምዲሙ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብረዚን መስዋእቲ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ድሕሪ ምርግጋጹ ከኣ፡ ዳግም ንወያነ ብምዕሳብ፡ ካብ ቅሉዕ ወራር ጀሚርካ ሕብረ-ብዙሕ ተጻብኦታት ቀጺሉ።
 
እዚ መሪር ተሞኩሮ’ዚ ሓሊፉ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ዝነበረ ኩነት-ተጻብኦ ሰጊሮም፡ ኣብ ሓምለ 2018 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋገር ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምኽታሞም እውን እንተኾነ፡ እዚ – ዞባዊ ሰላምን ቅሳነትን ክፈጥር ዝኽእል ልቦናን ንቕሓትን’ዚ ባይታ ረኺቡ፡ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ሰናይ ጉርብትናን ምትሕብባርን ከየምርሑ ዝፈጠሮ ሻቕሎት፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ በጨቕ ክብል ጸኒሑ’ሎ። ኣብ ሓመድ-ድበ ናይቲ መጋበርያ ጃንዳ ዝተራእየ ዓቐን ዘይብሉ ምዕልባጥ ከኣ፡ መርኣያ ዕርገት ናይ’ቲ ሻቕሎት’ዩ።
 
ከም’ዚ ናይ ወርሒ መጋቢት ዝኣመሰለ ድሙቕ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት እንዝክረሉ ኣጋጣሚታት እምበኣር፡ ንሓበን ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ካብ ሕሉፍ ተማሂርካ፡ 80 ዓመታት ነዚ ዞባ’ዚ ዝሓመሰ ግሎባዊ ጸወታ “ባዶ-ድምር” ዘብቅዓሉ ኩነት ብምፍጣር፡ ናብ ሓድሽን ዝተፈልየን ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ንምስጋር ዝሕተት ጻዕርን ስራሕን ንምግንዛብ እውን’ዩ።
 
20 መጋቢት 2021

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events