Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai
<< Back
ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ
Posted by: Tesfamicael Yohannes
Date: Friday, 02 April 2021
ሃሞራቢ ዝብሃል (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) ፈላስፋ ኔሩ። ደቂ ተባዓትዮ 32 ሰኒ፣ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 30 ስኒ ኣለወን እንዳበለ ይምህር ኔሩ። ሕዝቢ ስዕብዎ። ብዓል ኣርሲቶቲል ምስ መጹ "ኣንታ እዚ ሃሞራቢስ (ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ) እንታይ ኮይኑ ሰበይቱ ኣብ ጥቕኡ እንዶ ኣይነበረትን ናይ ሰበይቱን ከምኡ ከኣ ናይ ጉሉ፣ ወረግ ናይ ጎሮባብቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣስናን እንዳቆጸረ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ 32 ኣስናን ከም ዘለወን መረጋገጸ ኔሩ" ኢሎም። ሕጂ ከኣ ንበዓል ዲና ሙፊቲ፣ ተኣምራት ነገራ፤ ማርቲን ፕላዉት፣ ዶክተር ዳቪድ ሽን፣ ዝኣመሳሰሉ ሃሞሪቢ ዝብል ሽም ኣጠሚቐዮም ኣሎኹ። ስለዚ ኣብ ክንዲ በብሓደ ሽምም እንደጠቐስና ግብረ-መልሲ ንህብ በዚ ሓባራዊ ናይ ኮድ ሽሞም ሃሞራቢ ንበሎም። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሕዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ኣረኣእያ ልክዕ ከምዚ ናይ ሃሞራቢ ጉጉይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። እንታይ ኮዮኖም ካብ ዉድቀት ሃጸይ ሃይለስላሰ ፤መንግስቱ ሃይለማርያም ፤ መለስ ዜናዊ፤ ከምኡ ከኣ ሕጂ ብዓብዩ ዉድቀት ወያኔ ዘይምሃሩ። ብዛዕባ ካብ ዉድቀት ትምህርቲ ዘይምርካብ ፈላስፋ ካንት ዝበሎ ይሰማማዓሉ ኢየ። ኣብ መጽሓፍ "A history of western phlosophy: Kant and the Nineteenth Century, second edition, revised, by W. T. Jones " ገጽ 43 ተመልከት። ካንት ዝብል "ሓደ ነገር ክትምሃረሉ ትኽእል ንነገራት ብስሩዕ ትዕዝብቲ ካብ ተሞክሮ ኢዩ"። ልክዕ ኣበሃህላ ኢዩ። ናይ እዚኦም ሃሞራቢ ጸገም ኡኮ ንነገራት ብስሩዕ ትዕዝብቲ ተሞክሮ ዘይምዉሳዶም ኢዪ። ኣብ 1991 ገድሊ ኤርትራ ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ኣረጋጊጹ፤ ኣብ 1993 ብረፈራንደም እወ ንነጻነት በ99.98 ኣድሚጹ ኣረጋጊጹ፤ ኣብ 2002 ብዉሳኔ ኮሚሽን ዶብ ልዕላዊነቱ ኣረጋጊጹ። ሓደ ውልቀ ሰብ እንተድኣ ብዛዕባ ነጻነትን ልዑላዊነትን ኤርትራ ተሞክሮ ክህልዎ ኮይኑ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስሩዕ ትዕዝብቲ ክህልዎ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ከምዚ ሃሞራቢ ኣብ ክንዲ ስሩዕ ትዕዝብቲ ብዛዕባ ኣስናን ደቂ ኣንስቲዮ ኣጽንዑ ዝዘረብ ከም ዝመጻሉ እንዳተዛረበ ንነዊሕ ግዝያት ንሰባት ኣእሚኑ ኣጋግዩ። እሞ ኸኣ ኣብ ጥቕኡ ሰበይቱ፣ ኣዋልዱ፣ ናይ መቕርቡ ኮነ ናይ ጎረባብቱ ደቂ ኣንስቲዮ እንዳሃለወ፤ ኣብ ክንዲ ስሩዕ ትዕዝብቲ ምዉሳድ ብመን ከማይ ትምክሕቲ ተነፊሑ ብግልጺ ሰባት ኣኪቡ ጌጋ ሓበሬታ ይምህር ኔሩ። ናይ ዘበና ሃሞራቢ ከኣ ኣብ ክንዲ ነዚ ስሩዕ ናይ ኤርትራ ነጻነትን ልዑላዊነትን ካብ ትዕዝብቲ ተሞክሮም ዝምሃሪሉ ብወጀ ሃላይ ወይ ከኣ በዘፈቀደ ከም ዝመጸሎም ይዛረቡ ኣለዉ። ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንየቱ ኣበሃህላ ሃሞራቢ ክሳብ ብዓል ኣሪስቶቲል ዝመጹ ንደቂ ሰባት ኣጋጊዩ ኢዩ። ሕጂ ከኣ ነዚኦም ናይ ዘበና ሃሞራቢ ካብ ስሩዕ ትዕዝብቲ ተሞክሮ ቀሲሞም ክመሃሩን ክፈልጡን መታን ስሩዕ ትዕዝብቲ ከም ዝወስዱ ምግባር ናትና ሓላፍነተ ኢዩ። መታን ኩሉ ክፈልጦ ሼር በልዎ።
Best regards
Tesfamicael Yohannes Teckle
Oslo, Norway
Tel: +4797013364
www.afronorway.com
Epost
tesfamicaelyohannes@gmail.com
Back to Dehai
ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
The Only Way Democrats Might Win Back the White House
Eritrean Awet Aman beat his compatriot and teammate , Yafiet Mulugeta | La Prénessaye - La Croix de Dolo
Oil spill caused by Houthi sinking of Magic Seas/ Eternity C approaching Eritrea's coast
(Xinhua) Eritrea's Mulueberhan, XDS Astana win Tour of Magnificent Qinghai
Astana takes a raft of UCI points at Tour of Qinghai, as Mulubrhan wins overall
XDS Astana does very well in the Tour of Magnificent Qinghai in the relegation battle
Henok Mulubrhan emerges champion of the 2025 Tour of Qinghai
Both liberals and conservatives lie, HIDE the truth.
Israel’s Auschwitz for Palestinians: How It’s Being Carried Out Now
ዳንከራ ወራር ፕ/ሚ/ኢትዮጵያ