Dehai

ሓርበኛ ስዉእ ጅግና ገብረሂወት ሓምቢር [ወዲ ሓምቢር] መን እዩ?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 July 2021

ሓርበኛ ስዉእ "ገብርሂወት ሓምቢር" [ወዲ ሓምቢር]
================================
ገብርሂወት ሓምቢር (ወዲ ሓምቢር) :ኣብ 1949 ኣብ ኳዜን ካርነሽም :ካብ ኣቡኡ ሓምቢር፣ ኣድሓኖም:ካብ ኣዲኡ ሓረጉ ገብረክርስቶስ ተወሊዱ።

4ተ ኣሕዋት ድማ ኣለዎ። ወዲ ሓምቢር ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ እንከሎኢዩ ብ1971ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ኣብ ንእስነቱ ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸበን። ግን ብተፈጥርኡ በሊሕን መስተውዓልን ኢዩ ነይሩ። ዓመጽ ክር ኢ ዘይደሊይ ኣፍቃሪ ፍትሒ ስለ ዝነበረ ጉዳይ ሃገር ቀልጢፉ ኢዩ ተረዲእዎ። እዚ ባህሪያቱ'ዚ ደሪኽዎ ድማ ነቶም ዓመጽትን ቀተልትን ካብ ሃገር ንምጽራግ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ እጃሙ ከበርክትምስቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንበረ።

 ወዲ ሓምቢር ናይ ውግእ ህይወቱ ብኩናት ሓድሕድ እዩ ጀሚርዎ። ኣብ ገርግር ሱዳን ገህተብ  ቀብርኦት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ጅግንነቱ ዘመስከረ ወዲ ሓምቢር፣ ኣብ 1973 ውግእ ግልዓን ግራት ኣውልዕን ድማ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገጢሙ። ካብኡ ንደ፣ ሓር ወዲ ሓምቢር ዝተሳተፎ ውግኣት ቆጺርካ ኣይውዳእን ኢዪ። ሙሉእ ህይወቱ ኣብ ውግ እ'ዩ የ ሕሊፍዎ። ታሪኽ ህይወቱ ከኣ ታሪኽ ኩናት ኢዪ። ኣብ 1975 ውግእ ርእሲ ዓዲ፣ ኣብ 1977/78 ኣብ ምሕራር ከተማታት፣ ካብ ናቅፋ ክሳብ ባጽዕ፣ ኣብ እዋን ስተራተጂያዊ ምዝላቅ ኣብ ኩሉ ወረራትን ግንባራትን ኣብ ግጥማት ድሕሪ መስመር ጸላኢ  እንኮላይ ዶብ ሰጊሩ ክሳብ ትግራይ ኣብ ቡዙሓት ዓበይትን ነኣሽቱን ግጥማት'ዩ ተሳቲፉ። 

ካብ ተራ ተዋግኣይ ደረጃ-ብደረጃ ክሳብ ኣዛዚ ብርጌድ ዝበጽሐ። ወዲ ሓምቢር ዝንኡ ኣብ ተጋደልትን ህዝብን ከይተሓጽረ እንኮላይ ኣብ እዝኒ ሰራዊት ጸላኢ ውን ዝበጽሕ ዝና ነበሮ። ኣመና ፉሉጥ ተቃላሳይ ተዋዛያይ ኢዩ ኔሩ። ወዲ ሓምቢር ንመውጋእቲ ከም ክታበት ጸረ ሕማም መግዛእቲ ኢዩ ዝቖጽሮ ኔሩ። ሓደ ብጥይት ዘይተተንከፈ ተጋዳላይ እንተ ረኺቡ "ኣታ ወዲ እንድዕልካ አዚ ክታበት ስቕ ኢልካ ተሕልፎ ኣለኻ፣ መጨርሽትኡ ለኻኺሙካ ክኸይድ እዩ፣ መሐለዊ ፣ማ ዘይትገብር" እናበለ ይጨርቀሉ ነበረ። ኣብ ኩናት ንዝተወግኤ ተጋዳላይ ከኣ "ተኸቲብካ ደጊም ሕማም ዝባሃል ኣይቀርበካን ኢዩ" እናበለ በቲ። መለለይኡ ዝኾነ ዋዛን ጭርቃንን የስሕቆ። ወዲ ሓምቢር ብውሕዱ ልዕሊ 10 ግዜ ተወጊኡ። እታ ዝበርትዔት መውጋእቲ ኣብ 1975 ኣብ ውግእ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘጋጠምቶ ምፍሳስ የማነይቲ ዓይኑ ኢያ። ሽዑ ወዲ ሓምቢር ሕንሕነ!!! "ደሓን'--- ክሳብ ሎሚ ዝቐተልክዎም ወተሃደራት፣ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ኢዮም። ካብ ሕጂ ዝቀትሎም ግን ሕነ ናይዛ ዝፈሰሰት ብሌን ዓይነይ ኢዮም፡ካላኣይቲ ዓይነይ ተደጊማ ወይ ተሰዊኤ ዓዲ እንተዘይ ዊዕለ ድማ፣ ናጽነት ከይመጸት ምውጋእ ኣቋረጽኩ ማለት ዘበት!

ከምታ ቃል ዝኣተዋ ከኣ ን 20 ዓመት ዝኣክል ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሰ፡ ኩሉ እቲ ዝኸፍኤ ምረት ናይ ገድሊ ኤርትራ የሕሊፉ፡ ናጽነት ኤርትራ 3 መዓልቲ ጥራይ ምስ ተረፎ ኣብ ኲናት ብ ዕለት 21 ግንቦት 1991 ናብቶም ቀዲሞሞ ስለ ናጽነት ኤርትራ ዝሓለፉ ብጾቱ ስዒቡ።

ብሰላም ዕረፍ ጂግና!
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!

Credit eyobel gebrhiwet
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°
•√ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

•√ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

•√ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

•√ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4092300694158273&id=100001351497949

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events