Dehai

ሃገራዊ ጥልመትን ኽድዓትን፣ ቀደም ኔሩ'ዩ ሕጂ ኣሎ ድሕሪ ሕጂ'ውን ክህሉ እዩ!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 19 February 2022

ሃገራዊ ጥልመትን ኽድዓትን፣ ቀደም ኔሩ'ዩ ሕጂ ኣሎ ድሕሪ ሕጂ'ውን ክህሉ እዩ!!!
÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷
ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ድምር ክልቲኡ?-1
22.12.2018

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=2096627183725644&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
~~~~~~~
   ኣብ ግዜ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቓልሲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ፣ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ ግምባር ከም በዓል ተኽላይ ዓደንን ተክኤ ወዲ ቐሽን መሰልቶምን ገለ ተጋደልትን ንጻላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከዲዖም ኢዶም ሂቦምን ምስኡ ኮይኖም'ውን ኣንጻር ንገለ ዓመታት ዝተቓለሱሉ ዕላማ ሰሪሖም እዮም። 

   ድሕሪ ናጽነት'ውን ገለ ውሑዳት ብሃይለ ወልደትንሳኤ [ድሩዕ] ዝምራሕ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ህዝባዊ ባይቶን ግምባርን ነበር፣ ኣብቲ ኣንጻር ወራሪት መስፍናዊት ስርዓት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር  ልኡላውነት ንምውሓስ ዝተኻየደ ውግእን ዝኽፈል ዝነበረ ኸቢድ ኽቡር መስዋእቲን፣ ንሰበ-ስልጣን ስርዓት ወያነ ነበር ንሸምገልቲ ኣሜርካውያንን ኮቦጃ ምስሉያት ኤውሮጳውያንን [ኣነ ንዕኦም ሰለልትን መዛናጋዕትን ንወያነ ብዓቕሚ ሰብን ሸመታ ኣጽዋርን ስጋብ ዝዳሎ መንዛህለልትን ተዋሳእትን ምስሉያት እየ ዝብሎም]  ካብ መትከል መንግስቲ ወጻኢ፣ ኣብቲ እዋን ወጻኢ ተልእኮ ሓላፊ ዝነበረ ሓርበኛ ሃይለ ድሩዕ፣ ብኢደ-ዋኒኑ ክግበርን ክፍጸምን ዘይግብኦን ምስጢራት ብጽሑፍ ብምትሕልላፍ፣ ብሓዉ ሰንጋል ወልደትንሳአ | ትግራይ ትዕወት | ብድምጺ ቅድሚ ገለ ዓመታት ገሊጹዎ እዩ።

   እቲ ፍልልዩ፣ እቶም ቀዳሞት ከድዓት ብኣካልን መንፈስን ንጸላኢ ኢዶም ሂቦም፣ ንህ•ግ•ሓ•ኤ• ንምጥፋእ ኣብ ጐኒ መግዛእታዊት ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኔሮም። እዞም ዳሕረዎት ግን ኣብ ውሽጢ'ቲ መንግስትን ግንባርን ህዝባዊ ባይቶን ኮይኖም፣ ብኣካል  ኣብ ኤርትራ ብውሽጢ ውሽጢ ድማ ብምስጢር ምስ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ተልእኮ ኮቦጃን [Ambasadors] ሰለይቲ መጽሔተኛታት | ንምሳለ ከም በዓል ዳን ኮነልን መስልቱን | ኣብ ውሻጠ ገዛውቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተሓቢኦም፣ ኣካይዳን  ምስጢራትን ሰውራን ንባዕዳውያን ክንገር ዘይግብኦ ናይ'ቲ እዋን ውግእ ኩነታት ንግፍ ኣቢሎም መጥዮምሎም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቦታን ኣደራሻቶም ጉጅለ-15ን ንወርሓት ተሓቢኦም ዘካየዱዎ ምስጢራዊ ሕቡእ ኣኼባታት፣ ዳን ኮነል ኩሉ ዝተባህለ ሓንቲ ከይገደፈ ብቃለ-መሕትት ኣገባብ ጽሒፉን ሰኒዱን ጠሪዙን ዘርጊሑዎን፣ ብመሸጣ መጽሓፉ ድማ ካዕበት ኣቕራሽ'ውን [Lot of thousands Dollars] ብመሸጣ'ቲ ጥራዝ ከሲቡሉ እዩ። 

   እምበኣርከስ እንታይ ንምባል እየ፣ ሃገራዊ ኽድዓት'ሲ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ነንበይኑን ተመሳሳሊን መልክዓት ዝሓዘ ኾይኑ፣ ቀደም ኔሩ'ዩ ሕጂ'ሎ ድሕሪ ሕጂ'ውን ክህሉ'ዩ!

ስለዚ በዝን ወዲ ኸምዝን ዝኽሰትን ውልዕ ጥፍእ ዝብል ኣጋጣሚታትን ተርእዮታትን፣ ንኸምዚኢታት ዝኣመሰለ ኣሉታውን ኣዕናውን ጽዩፍ ተግባራት ንምክልኻሉን ምብድሁን ምፍሻሉን ምስዓሩን ንቑሓትን ብሃገራዊ መርሓ-መትከል ጽኑዓት ክንከውን እምበር፣ ከም ሓድሽ ክንግረምን ክንሳናበድን ፍጹም የብልናን።

እዚ ዎ'ደሓንኩም  ኽቡራት ኤርትራውያን....

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
•> "ኸዳዕ ተኽላይ ዓደን ንውፍይቲ ማና ሓጎስ ረሹንዋ!" 

ኽቡር ኣቦይ ተስፋዝጊ ኣባይ

=> ከዳዕ ተኽላይ ዓደን |ሓደ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት  ህ•ግ•ሓ•ኤ•/ሻዕብያ ነበር'ሞ ናብ መግዛእታዊ ደርጋዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነበር ኢዱ ሂቡ ዝኸድዐን፣ ስጋብ ኣብ 1991 ዓመተ-ምሕረት ኮቦጅ መግዛእታዊ ደርጊ ብህ•ግ•ሓ•ኤ•/ሻዕብያ ኣብ ኤርትራ ተሳዒሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባው' ካብ መግዛእቱ ተዓልዩ ስጋብ ዝውገድ፣ ምስቲ ጸላኢ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ደሓር ብኬንያ ጌሩ ናብ ሆላንድ ስጋብ ዕለተ-ሞቱ ዝነብር ዝነበረ ባእታ እዩ።

ኣዳላዊ መጽሔተኛ ኤፍረም ግደ
ተሌፎን #: 00291 7 205024

[Eritrean Media Net Asmara=> EMNA]
https://youtu.be/JzNuwoYhxvAብ
,~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4764575640264105&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
* "

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events