Dehai

መግለጺታት ዝኽሪ 23 ዓመት ስምምዕ ኣልጀርስ | "ነታ ገመልን ነታ ሕዋርን ዘንጊዕካ ብዛዕባ ዕዋል ምዝራብ!!!"

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 15 December 2023

መግለጺታት ዝኽሪ 23 ዓመት ስምምዕ ኣልጀርስ | "ነታ ገመልን ነታ ሕዋርን ዘንጊዕካ ብዛዕባ ዕዋል ምዝራብ!!!"

ብዓብዱልሓይ ሃሽም ዓርቢ 15 ታሕሳስ 2023

ፈረምቲ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡታፍሊቓን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን
ብዶባዊ ግጭት ተሳቢቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኣወጀ ኲናት፤ ኣብ ሰናይ ዕላማ ንሃገራውን ዞባውን ረብሓ ክውዕል ዝነበሮ ግዜን ጸጋታትን፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ህይወት ብሉጻት ጀጋኑን ኣኽፊሉና ደኣ’ምበር፤ ብዓወትና ከም'ዝዛዘም ጥርጣረ ኣይነበረናን። ከመይ'ሲ፤ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንመሬቱ ክከላኸልን ክብሪ ልኡላውነቱ ከሕሉን ኢዩ ናብ ዘየድሊ ኲናት ተጸሚዱ።
ብወያነ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን (ድሒሩ ብኣህጉራዊ ዳንነት’ውን ከም ዝተረጋገጸ) ዘይመሬቱ ክግብት ዶብ ኣመኽኒዩ ናይ ባዕዲ ኣጀንዳ ከሳሲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ኣህላቒ ኲናት ኣእቲይዎ። ኤርትራውያን፤ ተገዲድና ኣብ ዝኣቶናዮ ኲናት ንሰለስተ መንግስታት ኢትዮጵያ ስዒርና፤ ሓቂ ዝሓዘ ወትሩ ከም ዝዕወት ኣመስኪርና ኢና።
መጋጥምትና እቶም ዘይሓላፍነታውያን መንግስታት ጎረቤትና ሃገር ጥራይ ብዘይምዃኖም፤ እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ኢዩ። ብዓወትና ከም ዝዛዘም ድማ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ይኸውን። እቶም ካብ ግዜ ምዝዛም ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣትሒዞም፤ መሰልን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሰንኮፍ ፈደረሽን ክንቁረን ዝገበሩ፤ ኢትዮጵያ ነቲ ብቐደሙ ብርዑን ፌደረሽን ኣፍሪሳ ንሃገርና ክትጎብጥ ዝባረኹ፤ ድሕሪ ነዊሕ ሰውራዊ ቃልሲ ዓወትና ብቕልጽምና ንምርጋጽ ምስ ተቓረብና ናጽነትና ንምቑጻይ ዝተጓየዩ ምኩሓት ተጻባእትና፤ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምስ ኮነት’ውን ካብ ታሪኽ ክመሃሩ ኣይከኣሉን።
እዚ ዳሕረዋይ ናይ ወያነ ኲናት ሃንዲሶም፤ ኣብ ኲናት ምስ ተኣተወ ድማ ንጸላእትና ብምዕጣቕን ንናይ ኲናት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ሓገዛት ኣመኻኒዮም ብምዱጓምን ንጥፍኣትና ብስዉርን ብግሁድን ሰሪሖም። ምስላጥ ምስ ኣበዮም፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ሰፊሕ እገዳታት ብምንባር፤ ዓያዪን ተኸላኻልን መንእሰይ ራሕሪሕዋ ጥርሓ ተሪፋ ኣብ ጽምዋ ክትመውት ብሂጎም ኩሉ ዝከኣሎም ሽርሕታት ኣተግቢሮም። እዚ’ውን መሐየሊና ኮይኑ፤ ብዓወት ሰጊርናዮ።
ኣብ ከም'ዚ ዝበለ መድረኽ ኢዩ እምበኣር፤ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብዘዳፋንቕ ዝኽሪ ን23 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ፤ ነቲ ብስም ዶብ ተመሳሚሱ ዝተወለዐ ኲናት ንምዝዛም ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ ደገፉ ገሊጹ ዘሎ። ኣብቲ ካብ ሓሙሽተ መስመር ዘይበዝሕ መግለጺ፤ እቲ መልእኽቲ፤ ካብ ዓመተ 2000 ክሳብ 2018 ዝነበረ ግዜ ብሓንቲ መስመር ነጢሩ ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም 2018 ይዛረብ። ሕመረት መልእኽቱ ድማ “ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፤ መሬታዊ ግዝኣትን ልኡላውነትን ናይ ክልቲአን ሃገራ ክኽበር ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ” ይብል። እዚ ድማ ኢዩ ትንታነ ዘድልዮ።
ፈለማ፤ ክልተ ዕቑድ ደንጒዩ ወላ ተመጸ፤ ስምምዕ ኣልጀርስ ጠቒሱ ደገፉ ዝገልጽ ብምዃኑ እቲ መግለጺ ከም ኣወንታዊ ተርእዮ ክውስድ ምተኻእለ። ይኹን እምበር ስምምዕ ኣልጀሪስ ጠቒስካ፤ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎሲኻ ምሕላፍ፤ ነታ ገመል ሓዲግካ ብዛዕባ ሕዋር ምዝራብ ኢዩ። እቲ መግለጺ ግን፤ ጥር ኢሉ ነቲ ናይ 2018 ስምምዕ ኣልዒሉ፤ ብዛዕባ ግዝኣት መሬትን ልኡላውነትን ምዝራቡ፤ ነቲ ሕዋር’ውን ገዲፉ ብዛዕባ ሓድሽ ውልዶ ዕዋል ክዛረብ ዝደለየ ይመስል።
ኣብ መንጎ ውላድ ገመልን ውላድ ድሙን ዘሎ ፍልልይ ንምዝኽኻር ዝኣክል ገለ ክንብል። ነቲ ናይ ግዜ ምልኦ ፍልልይ፤ ነቲ ናይ ኣካላዊ ግዝፊ ፍልልይን ካልእ ዝርዝራትን ከም ውሁብ ወሲድና፡ ናብ ሓደ ወሳኒ ናይ ባህሪ ፍልልይ ከነመልክት። ሕዋር ፍሩይን ንቑሕን ዓይኒ ሒዙ ኢዩ ዝውለድ። ዕዋል ድማ ዓይኑ ክሳብ ዝኖቁሕ ብውሑዱ ሓደ ሰሙን ኢዩ ዘድልዮ። ንሰሙን መመላእታ ዓንደፍደፍ ይብል።
ናብ ዛዕባና ክንምለስ። ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ክርአ ከሎ፡ ኲናት ደው ክብል፡ ጠንቂ እቲ ኲናት ክጽናዕ፡ ሕቶ ዶባ ብቤት ፍርዲ ክዳነ፡ እቲ ዝወሃብ ፍርዲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ኢዩ ዝብል። ነዚ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን መንግስቲ ኣሜሪካን ኣውሓስቲ ክኾኑ። እዚ ማለት ብመንፈስን ቃልን ናይቲ ስምምዕ ተገዚኡ ነቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውጽኢት ፍርዲ ዘይቅበል ኣካል፡ ማሕበረሰብ ዓላም ብዓቢኡ እቶም ኣውሓስቲ ድማ ብፍላይ ከስገድድዎ ኢዮም ማለት ኢዩ።
ኮይኑ ድማ፡ ናብ ፍርዲ ተኸይዱ። እቲ ካብ ፈለማኡ’ውን ግዱይ ዶብን ሕቶ እጄታ መሬትን እንተ’ሎ ብዳንነትን ሽምግልናን ክርአ ዝጽውዕ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ስምምዕ ብቃልን መንስፈስ ተቐቢሉ ንምዕዋቱ ሰሪሑ። ውጽኢት ፍርዲ ምስ ተነገረ ድማ ከም ቃሉ፡ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልዎ።
ብወያነ ዝምረሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ውጽኢት ነጺጉ፡ ካብቲ “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ዝብል ጠማሪ ነጥቢ ብምውጻእ ሓንጊዱ። ን18 ዓመታት፡ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ክሳብ ዝባረር፡ ነቲ ትግባረ ስምምዕ ኣልጀርስን ንውሳነ ኮሚሽን ዶብን ንውጽኢት ቤት ፍርድን ረጊጹ፡ ንክልቲአን ሃገራት ጅሆ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁው ጌርወን።
ኣብ'ዚ መስርሕ እዚ፡ እዞም ሎሚ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ ሃንደበት ዝርድኦም ዘሎ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ብሪጣንያን፡ ነቲ ሓንጋዲ ካብ ምግናሕ በዂሮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ፍርዲ ንምልዋጥ ዘከኣሎም ጌሮም። ኣብ ጽሑፋት ገዛእ ኣምባሳደራቶምን ኣብ ልሒኹ ዝወጸ ሰነዳት ዊኪሊክስን ከም ዝተረጋገጸ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምልዋጥ ብዕቱብ ሰሪሖም ኢዮም። ኩሉ ፈተነታቶም ብጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ እናተበደሀ ምስ ከደ ድማ፡ እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝወስድዎ ስጉምታት ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ኣብ'ኣስዎ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ ጽንዓቶምን መኸቲኦምን ኣሓየልዎ።
ኣብ'ቲ መድረኽ እቲ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ እቲ ብሕጋዊ ፍርዲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋጸ ግዝኣተ መሬት ክኽበር ዘዘኻኽር መግለጺታት ከውጽእ ኣይሰማዕናን። ኣብ ኲናት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉን ጸኒሑ ብሕጊ ዝተፈርደልናን ልኡላዊ መሬትና ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፡ ግዝኣት መሬትን ልኡላውነት ክልቲአን ሃገራት ኣገዳስነት ኣይነበሮን፡ ሎሚ ድሕሪ 23 ዓመት “ልዕሊ ዝኾነ እዋን” ኣገዳሲ ዝገብሮ ደኣ እንታይ ኢዩ?
ስምምዕ ኣልጀርስ ካብ ዝኽተም ንደሓር ዝመጸ ለውጢ እንተ’ሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓውደ ኲናት፡ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ሜዳን ምዕዋቱ ኢዩ። እቲ ናይ ኣጽዋር፡ ስለያዊ ሓበሬታ፡ ቁጠባዊ ድጉማን ዲፕሎማስያዊ ምቅንጃውን ዝተገበረሉ ወያነ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቅድሚ ጽንዓት ኤርትራውያን ብውርደት ተኣልዩ። እቲ ዝተከኦ መንግስቲ ድማ ኣማራጺ ስለ'ዘይነበሮ ንስምምዕ ኣልጀርስን ፍርዲ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢለ ኣለኹ ኢሉ ኣዊጁ። ወያነን እቶም ብቐደሙ’ውን ኣብዚ ናይ ኩናት ጣጣ ዘደፍእዎ ለኣኽቱን ግን ነቲ ብ2018 ዝተፈጥረ ዕድል ክጥቀሙሉ ኣይከኣሉን። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ በቲ ዘስምዕዎ ቋንቋ ኣዛሪቦምዎም፡ ልኡላዊ ግዝኣቶም ኣምሊሶም።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ወያነ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ለኣኽታ ድማ ኣብ ፖለቲካ ዞባና ኣገዳስነቶም ጥቓ ዜሮ ወሪዱ። ኣብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ኢዮም እምበኣር፡ ንምንቅስቓስ ውልዶ ዕዋል ዘዘኻኽር ናይ ዕሙታት ፖለቲካ ዘስምዑና ዘለዉ። “ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ይውጻእ!” “ካርታ ክልል ትግራይ ናብቲ ናይ ቅድሚ ኲናት ቦታኡ ይመለስ!” “ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበረ ቦታታት ሕጂ’ውን ምምሕዳር ትግራይ የመለሶ!” ክበሃል ተሓጊዩ ተኸሪሙ።
ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ጸኒሕና ኣሎና። መሬት ትግራይ፡ ምምሕዳር ትግራይ ምባል ተሪፉ፡ “ልኡላዊ ግዝኣት” ክልቲአን ሃገራት ይበሃል ኣሎ። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳይት ኣሜሪካ ንዝሓለፈ 22 ዓመታት ብዛዕባ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ተሻቒሉን ተዛሪብን ስለ'ዘይፈልጥ፡ ብዛዕባ ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ይዛረብ ከም'ዘሎ መብርሂ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
ኤርትራውያን ልኡላዊ መሬትና ኣውሒስና ኢና። ነቶም ብሕጋዊ ፍርዲ ኣይንግዛእን ዝበሎ በቲ ዝመረጽዎ ኣገባብ ኣስሚዕናዮም ኢና። ሕጂ ክልል ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ናይ መሬት ጸገም እንተ’ለዋ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬቱ ናይ ምውሓስ ሽግር እንተ’ለዎ፡ ወይ ድማ “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ” ኣብ ሓደጋ ዝወደቀ ኮይኑ ዝስምዖም ወገናት እንተ’ለዉ፡ ናትና ጉዳይ ኣይኮነን።
መግለጺታት መንግስታት ምዕራብ፡ እቶም ዝምልከቶም ይሻቀሉሉ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ዞባዊ ርግኣትን ሰላምን ንምውሓስ ክኸተሎ ዝጸንሐ ስትራቴጂ፡ ውጻኢቱ ናብ ግብሪ ፍረ ክህብ ጀሚሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ነታ ገመልን ሕዋራን ሓዲግና ብዛዕባ ዓይኒ ዘይንቖሐ ዕዋል ንሻቀለሉ ምኽንያት የለን።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events