Dehai

ቆርበት ብርሑሱ ቆልዓ ብንኡሱ!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 27 January 2024

ሃገር ዎሎዶታት እናተቐባበሉላ እያ ትነብር። እቲ ዘሎ ኣረኪቡ ይሓልፍ፡ እቲ ዝተረከበ ክሳብ ዝሓልፍ ሰሪሑ የረክብ። መስርሕ ምርኽካብ ከም ዛሪዩ ዘይውዳእ ወሓዚ ማይ ይቕጽል።  እቲ ነውርሶ ውርሻ ቅኑዕ ፖሎቲካዊ ሓቅነት፡ ታሪኽ ጅግንነት፡ ታሪኽ ገድልን መስገደልን ዓወትን ዕቃቢኡ ኣብ ቀጻልነትን ክኸውን ይግባእ።  ታሪኽ ካብ ፍጻሜ እንበር ካብ ፈጠራ ኣይኮነን።  ቆርበት ብርሕሱ ቆልዓ ብንእሱ መልክዕ እንተ ዘየትሒዝካዮ እቲ ጎባት እቲ ከኣ ቆርባዕ ይኽውን።

ክልተ ተማሃሮ መበቆሎም ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ቤት ትምህርት ምስ ብዙሓት ዝተፈላለየ መቦቆል ዘለዎም ህጻውንቲ ይመሃሩ።  እዚ ኣብ ኣሜርካ'ዩ።  ቅንያቱ ናይ ኣሜርካ ማልቲ ነጻነት ዝበዓለሉ ስለ ዝነበረ፡ እታ መምህር ናይቶም ህጻውንቲ ነናይ ሃገሮም ባንደራ ሒዞም ክመጹ ነገረቶም። እተን ክልተ ኤርትራውያን ሓንቲ ነታ ናይ ፈደረሽን፡ እታ ሓንቲ ድማ ነታ ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእትነቱ ዘንበልበላ ባንድራ ሒዘን ይመጻ። እታ መምህር ተገሪማ ክልተ ሃገራዊ ባንደራ ዘለዋ ሃገር የላን ትብለን። ሰስድርኤን ክጽውዓ ክኣ ነገረተን። ኣቦ ናይታ ባንደራና እዚኣያ 🇪🇷  ዝበለት መጺኡ ነታ መምህር ገለጸላ።  ኣብ ሕቡራት መንግስታት (UN) ኤርትራ በየነይቲ ባንደራ ከም ትውከል ክትውከስ ድማ ሓበራ።  እዘን ክልተ ህጻናት ካብ ወለደን ዝተማህርኦ እየን ኣቕሪበን። ደቅና ታሪክ ሃገሮም ብልክዕ ክንገሮም ኣለዎ።   ሰማያዊት ባንደራ ብኸመይ መጺኣ? ክሳብ መዓስ ጸኒሓ? ስለ ምንታይ? እዛ 🇪🇷 መዓስ መጺኣ? ስለምንታይ ተመሪጻ? ትርጉም ሕብርታታ እንታይ እዩ? ብቅኑ ክንምህሮም ኣሎና።


ሰማእታትና ውርትሩ ይዘከሩ፡

ዓወት ንሓፋሽ፡

ገ/ንጉስ መስመር፡



WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events