Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai
<< Back
ዓገብ ንበል!
Posted by: Ghebrengus Mesmer
Date: Wednesday, 16 October 2024
ገለ ሰባት ዓዲ ይኸዱሞ ምስ ተመልሱ ብጀካ ጸገም፡ ሽግር፡ ስእነት፡ ስቓይ ዋላሓንቲ ጽቡቅ ነገር ከምዘየለ ከም ዘይተሰርሔ ከምዘይ ተደኽመ ጌሮም ክዛረቡ ይስምዑ። ኩሉ ወቐሳን መረረን ምጽላም ናብ መንግስቲ ብፍላይ ናብ ህግደፍ ይጥቅንዎ። ካብ ኣዛራርብኦም ብሰንኪ ሕመቖም ነቲ ኣብ ስድራ ቤቶም ዝጸንሖም ጸገም ኣብ መላእ ኤርትራ ከምዘሎ ጌሮም ይዛረቡ። ኣተሓሳስብኦም ኣሰማምዖ ኣረኣእይኦም ሙሉ ኣቕልብኦም ሕጽረታት ከዋህልል ይቓንይዎ። ኣብታ ቁሸት ዝኾነት ዓዲ መብራሕቲ እንተተቛረጸ ኤርትራ ብምልእታ ከም ዝጸልመተት የውርዩ። ከቢድ ደበና ንብርሃን ጸሓይ እንተከወለ ህግደፍ ጌሩዎ ምባልዩ ተሪፍዎም። ስለ ዝሓፍሩ እምበር ኮምኡ ይሓስቡ ይኾኑ። ዝሓለፈን ዝሓልፍ ዘሎ ታሪኽ ኤርትራ ዝፈልጡ ኣይመስለንን። ኤርትራ ዘሕለፈቶን ተሕልፎ ዘላ ብድሆታት ብሰንኪ ዘይቅኑዕ ቀናን ኣተሓሳስባኦም ኣይርኣዮምን'ዩ። መንግስት ናይ መላእ ኤርትራ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣካል ድኣንበር ናይ ሓደ ዞባ ወረዳ ከተማ ዓዲ ወይ ቑሸት ኣይኮነን። ብዛዕባ መብራህቲ ብዙሕ ምዕዝምዛማት ይስማዕ።
ለቐምቲ ሳነቲም ኣጋኒኖም ውን የጋውሕዎ። ስለምንታይ ኮምኡ ኮይኑ ኢሎም ግን ኣይሓቱን ኣይነግሩን። ንህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባ ረኺቡን ቀሲኑን ብምቾት ክነብር ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ጽቡቕ ዝምነየሉን ዝሰርሓሉን ዝደኽመሉን ካልእ ኣካል የለን። ኣብ ጉዳይ መብራህቲ መጺእና ክንዛረብ እንተኾና ሎሚ ኣብ ኤርትራ መስመር ኤለክትሪክ ዘይተዘርግሓሉ ከተማ፡ሓውሲ ከተማ፡ ዓዲ፡ ክሳብ ዝነኣሰ ቁሸት፡ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን። ይቋረጽ'ዶ? እወ ምክንያቱ ብዝሒ ተጠቃምነት ካብቲ ቀደም ጽቡቕ ኔሩ ንብሎ 100/100 ስለ ዝዓበየ። ነቲ ዘጋጥም ሕጽረታት ንምፍዋስ መንግስቲ ሰለም ኣቢሉ ኣይፈልጥን። እቲ ዘጋጥሞ ዕንቅፋታት ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ብፍላይ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ይፈልጦ'ዩ። እገዳታት ዘስዓቦ ምዃኑን ተረዲኡ ጸረ እገዳታት ካብ ምቅላስ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ካልእ እቶም ካብ ወጻኢ ንዓዲ ንገይሽ እሞ ብዛዕባ መብራህቲ ነማርር ሚእቲ ዶላር/ኢሮ ሂምና ንቤተሰብና ሶላር ካብ 2 ክሳብ 6 ኣምፑል ዘለዎ ዘይንገብረሎም? መማረርትን ተጸበይትን ካብ ምዃን ተሓጋገዝትን ኣመስገንትን ክንከውን ዘይንፍትን። እቲ ቅኑዕ ሰብ ዝበሃል ኣስተውዒሉ መምዩ ተረዲኡ ንፍታሕ ዝሓስብ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ዘበርክት፡ እንተወሓደ ጠመቲኡ ሚዛናዊ ክኸውን ከሎዩ። ኣብ ሃገርና ካብ ነጻነት ዝተጓናጸፍናሉ ክሳብ ሕጂ ብምክልኻል ሓይልታት፡ ህዝብን፡ መንግስትን ዝተሳላሰለን ዝሰላሰል ዘሎ ስርሓት ዘይምምስካር ክሕደት'ዩ። ሕጽረታት የለን ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዘሎ ጉድለታት ነብስና ሓራ ጌርና ናብ እቶም ንምህናጻ ለይትን መዓልትን ዝዋደቑላ ዘለዉ ምስንዳው ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ገበን ብሕጊ ዘሕትትዩ። ብዓቢኡ ሕልና ዘቕስን ኣይኮነን። ሕልናዊ ቅሳነት ዘይብሉ ሰብ ከም ብሕማም ዝተደነሰ ሂወት'ዩ ዘሕልፍ። ኤርትራዊ መንነት ሒዝካ ዘይኤርትራዊ ተግባር ምዝውታር፡ ካብቶም ንኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ ዝተቓለሱና ናይ ቀረባን ርሑቕን ጸላእትና ዊዲት ኣይፍለን። ገለ ሰባት ሃገራዊ ሓላፍነቶም ካብ ምግባር ዝሓንገዱ፡ ነቲ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክገብር ኣብ ውዳቤታት ተጠርኒፉ ዝንቀሳቐስ ኣካል ዘጸልሙ፡ ዓገብ ኣእሙሮኹም ሓጺብኩም ምስ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ኩኑ ይብል። ዘሕለፍኩሞ ረሳሕ ታሪኽ ቀቢርኩም፡ ብሓድሽ መንፈስ ሓድሽ ሃገራዊ ታሪኽ ስርሑ።
ሰማእታትና ወትሩ ኣብ ልብና፡
ዓወት ንሓፋሽ፡
Yahoo Mail: Search, Organize, Conquer
Back to Dehai
ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
The Only Way Democrats Might Win Back the White House
Eritrean Awet Aman beat his compatriot and teammate , Yafiet Mulugeta | La Prénessaye - La Croix de Dolo
Oil spill caused by Houthi sinking of Magic Seas/ Eternity C approaching Eritrea's coast
(Xinhua) Eritrea's Mulueberhan, XDS Astana win Tour of Magnificent Qinghai
Astana takes a raft of UCI points at Tour of Qinghai, as Mulubrhan wins overall
XDS Astana does very well in the Tour of Magnificent Qinghai in the relegation battle
Henok Mulubrhan emerges champion of the 2025 Tour of Qinghai
Both liberals and conservatives lie, HIDE the truth.
Israel’s Auschwitz for Palestinians: How It’s Being Carried Out Now
ዳንከራ ወራር ፕ/ሚ/ኢትዮጵያ