Dehai News

ECSS-Online.com: (* መኣረምታ) ምዕራፍ 4. – ናይ ምስክር መርትዖ-6ይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 14 October 2017

ምዕራፍ 4. – ናይ ምስክር መርትዖ-6ይ ክፋል

ጥቅምቲ 14, 2017 ዓም ፈረንጂ
*መላግቦ ሕጥበ-ጽሑፍ 6ይ-ክፋል ቅድም ስለ ዘይሰደድኩዎ እንሆ ሕጂ መኣረምታ ምስ ይቕሬታ ዳግም ይሰዶ።
*ብርሃነ ሃብተማርያም

Part VI

ዓንቀጽ 221. – መሰኻኽር ዚህቡዎ መርትዖ

(1) ብመሰኻኽር ዚወሃብ መርትዖ ብሕጊ ፍቑድ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት፣ ቤት ፍርዲ፣ ሓደ ካብ ተኸራኸርቲ ወገናት መሰኻኽር ኪምርመሩ ምስ ዘመልክት፣ እቲ ብመርትዖ ኪረጋገጽ ዚድለ ዘሎ ክውንቶታት ኣከራኻሪ ምስ ዚኸውን እሞ፣ ኣብቲ ጕዳይ ንዚወሃብ ውሳነ ዚመርሕ ምስ ዚኸውንን፣ መሰኻኽር ኪምስክሩ ይእዝዝ። ቤት ፍርዲ ብገዛእ ስልጣንውን ከምኡ ኪገብር ይኸእል።
(2) እቲ ቤት ፍርዲ ዚህቦ ትእዛዝ፣ ኣየናይ ወገን መርትዖ ኸቕርብ ከም ዝሕተት፣ መርትዖ ኪቐርበሎም ዚድለዩ ክውንቶታት፣ ከምኡውን መሰኻኽር ዚምስክሩሉ ቦታን ዕለትን ግዜን ይገልጽ። መሰኻኽር ዚምስክሩሉ ቦታን ግዜን ቤት ፍርዲ ቐጺሉ ኣብ ዝህቦ ትእዛዝ ኪወስን ይኽእል።......................

.........................ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ቀጽልዎ።

ብርሃነመስቀል  ሃብተማርያም

ዝሓለፉ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ራብዓይን ከምኡ`ውን ሓሙሻይ ሕታማት፣


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events