Dehai News

ዝተበደለ ንዝበደለ ሕድገት እንተገብረሉ ኣበሳ ድዩ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 17 October 2024

ኣብ ዝሓለፉ ሓያላት መድረኻት ጸረ ሃገርን መንግስትን ደው ኢሎም ናይ ጸላትና መሳርሒ ኮይኖም ዝተቓለሱ ሰባት፥ ሕጂ ተጋጊና ኔርና መንግስትናን ህዝብናን ዝሃበና ፍረዲ ንቕበል ኢሎም ተናሲሖም ዓዶም እንተኣተዉ መንግስቲ ሕድገት እንተገበረሎም ገበን'ድዩ? ገበናቶም መንግስትን ህዝብን ዝፈልጦ እንድዩ። ብጋህዲ ኣብ መርበብ ሓበረታታት ወጺኦም ብጽሑፍ ይኾን ብቪዲኦ እንድዮም ዝግዕሩ ኔሮም። ንገበናቶም ዝፈልጥን ዝምርምርን ዝፈርድን ልዕሊ ዝምልከቶ ኣካል ካልእ ኣሎድዩ? ዜጋታት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ትዕዝብቲ ምስ ንርእ ሓበረታ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከነመልክት ምስናይ ጭብጥታቱ ጉቡእናዩ። ግን ኣመልከቲ ድኣንበር ኣሰርቲ መርመርቲ ወይ ፈረዲ ከምዘይኮና ክንፈልጥ ኣሎና።  እነቕርቦ ክስታት ዝመዝኖምን ጉቡእ ውሳኔ ዝወስደሎምን እቲ ንዕኡ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣካል መንግስቲ እዩ። ዎዮ ድኣ ፖሎቲካ በዓላት ዘይዕረፈሉ፡ ሓጥያት ዘይፍርሓሉ፡ ሓሶትን ሓቅን ትደባልቐሉ፡ ክብሪ ዝግብኦም ሓለፍቲ ይኹን ዓበይቲ ዘይክበርሉ፡ ዝፈልጥን ዘይፈልጥን ጫውጫው ዝብለሉ ዓውዲ ኮይኑምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ እንኳንዶ እቶም ብመቦቆል(መንነት) ዜግኡ ዝኾኑ ይትረፍ፡ ብዜግነት ዘጋታቱ ዝኾኑ ከይተረፉ ማዕረ ዕድል ዝህብ መንግስቲ እዩ። 

ጥቕሲ! ምስ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ባህርያት ብምርእኣይ፥

• እቲ ጓሳ ኣባጊዕ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ውሑስ ቦታ ገዲፉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍኤት ክደሊ ከደ።

• መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ህዝቡ ኣውሒሱ፡ ነቶም ሰላም ዝተሓስሙ ኣብ ሰላም ክምለሱ ሕድገት ይገብር። 

* ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉ ኤርትራዊ እንታይ ጌጋ ወይ ገበን ገሩ ብዘየገድስ፡ ብጀካ ሃገሩ፡ ሃገር ዝኮነሉ የለን። ብጀካ ህዝቡ ህዝቢ ዝኾነሉ የለን። ሞት ትዕድልትና ካብ ኮነ ገበን ተገኒዝካ ካብ ምቕባር፡ ተናሲሕካ ክሳብ ዓለም ትፋነዋ ምንባር ይበልጽ። 



ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events