Dehai News

ግዜ ከይቀደመና ንቐድሞ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 17 October 2024

ሓደሓደ  እዋን ንግዜ ንመልኮ ኮይኑዩ ዝመስለና። ከነቐድሞን ከነጽንሖን ስልጣን ዘሎና ኮይኑ ይስምዓና። ግዜ ዋና፡ ሓለቓ፡ ግበር ኣይትግበር ዝብሎ፡ ሓላፊ የብሉን።  ስለዚ ክትብሎ ወይ ክትገብሮ ወይ ክትነግሮ ወይ ከተተሓላልፎ ትደሊ እንተሎ ምስ ግዜ ትማኸረሉ ኣይኮነን።  እዚ ማለተይ ክውረስ ዘለዎ ታሪኽ ኣብ እዋኑ ክንገር ንምባል'የ። 
ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተሞርኲሰ ነዚ ኣብ ላዕሊ  ንግዜ ኣይንጸበ ዘበለኒ ምኽንያት ንምጥቃስ እየ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሜዳ ከሎኹ ኣብ ሓደ ዓዲ ህዝባዊ ኣኼባ ንገብር። እቲ ክንብሎ ዘሎና ነጊርና፡  ክንሰምዖ ዘሎና ኣመዝጊብና ኣኼባ ንውድእ።  ኣኼባኛታት ነናብ ውራዮም ይኸዱ። ንሕና ተጋደልቲ ድማ ተሰሪዕና ኣብ ቀጻሊ ስራሕና ክንከይድ እናተበገስና ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ የድህዩኑ'ሞ እሂ ኣቦ ኢለ ናብኦም ይቕረብ። ምስዞም ኣቦ ኣብ ዓዶም ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ጽቡቕ ኢና ነዕልል።  ሓደ ነገር ኣሎ ንበይኒኻ ክነግረካ ዝደሊ ምስ በሉኒ፡ ኣነ ብባህርያትይ ህንጡይ ስለ ዝኾንኩ  ሕራይ ሕጂ ንገሩኒ  ኢለ ነቶም ብጾተይ ሓንሳብ ክንጸንሕ ኢና የዕርፉ ክብሎም እናበልኩ ከሎኹ፡ ላላእ ላላእ ሕጂ ኣይኮንኩን ዝነግረካ። ምስ ተመለስኩም እየ ዝነግረካ በሉኒ።  ዘረብኦም ሰሚዔ ጉዕዞና ቀጸልና።  ድሕሪ ሓደ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ተመለስና። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቶም ኣቦ ብሂወት ኣይጸንሑንን። ብዕርፍቶም ብጣዕሚ ሓዚነ። ኣብርእሲኡ እታ ክነግረካ ዝበሉኒ ከይተነገርኩዋ ምስኦም ምቕባራ ድርብ ጓሂ ኮነኒ። እዚ ከኣዩ ምስ ግዜ ክንቋጸር ኣይንኽእልን፡ ኣይንውንኖን፡ ኣይንእዝዞን ዘበለኒ።  ኣነ ክሳብ ሕጂ ነታ ንበይንኻ እየ ክነግረካ ዝደሊ ዝበሉኒ እንታይ ኮን ትኸውን እናበልኩ ክዝክሮም ይነብር እሎኹ።  ስለዚ ብፍላይ ንታሪኽ ዝምልከት ግዜ ብቖጸራ ስለ ዘይመጽእ ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ዉሉዳትና ከነተሓላልፎን ከነውርሶምን ግደታናዩ።


ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events