Dehai Message Board (DMB)

YHM
Jan 19, 2017 2:16 PM
50.156.45.134

Copyright, royalties and piracy in the Eritrean music industry Jan 17, 2017 • by Merhawie Woldezion

http://musicinafrica.net/copyright-royalties-and-piracy-eritrean-music-industry

Weygud
Jan 19, 2017 2:38 AM
70.54.107.137

Oh mother!! Yet another bloodthirsty thuggish dictator won't leave power even after being told by the people he oppressed and terrorised, enough of you. He still wants to cling to power by hook or crook. Unfortunately today's Africa has changed a little. Despite the fawning zombies who worship these shifta killers. More and more are waking up. And the ECOWA.S is ready to dislodge him from the seat of power he has abused for the last two decades. I hope he gets fettered and thrown in jail. All dictators deserve that. They have shown the contempt they have for their subjects. This buffoon and his likes have been supervising the emptying of their respective Countries young people dreaming for a better future only to end up lost in the high seas or became victims to ruthless traffickers. Which the dictators and their thugs are part of this barbaric syndicate. But time is running out for ol Jammeh. He will be either dead or captured come tomorrow. Good riddance. wishing for more to meet his fate.

ስእለ
Jan 18, 2017 10:01 PM
108.45.183.55

Dear ኣበደን, Thank you for the kind word. I really appreciated it. On top of that I am very pleased you liked the poems. Thanks again! ----------------------- In support to your poem on foreign name/s here is what I have said a long time ago here in Dehai/DMB.

ሕንቅል-ሕንቂልተይ

ኣቦይን ኣደይን ዝሃቡኒ ወርቂ መምበር: ወዲቓ ኣይትስበር፡ ሞይታ ኣይትቕበር ፍለጡለይ፧

ዝፈለጥኩማ ንፉዓት! 

ስም እያ። 


ኣታ ወዲ-ግዜ እንታይ ኮንካ ትጋገ 
ትህውትት ትዓብድ ብኣስማት ናይ ደገ 
እቲ ናይ ሃገርካ እንታይ ምስ ገበረ 

ኣስማት ወለዶታት ኣበይ'ዩ ኣበሩ 
መግለጺ ክብርና ባህሊ ዝዓቀቡ 
እምነት ልምድታትና ሰረት ዝገበሩ 

ስም ባዕዲ ክትወርስ ኣይኮነን ስልጣኔ 
ዕሽነት'ዩ ጌጋ ባዕልኻ ኩናኔ 
ልቢ ድኣ ግበር ጥፍኣት ኣይትመነ 

ባሕሪ-ዘለል ኣስማት ኣልዒልካ ምልባስ 
ነብሰ-ምትሓት'ዩ መንነትካ ምህሳስ 
ጓንጓ ዕብየት ክብርታትካ ምድቋስ 

ብኣስማት ጎደቦ ተጠሚቕካ ፈሳሕሳሕ 
ክትሰምዖ ዘሰክፍ ናይ ኣእዛና ኩርኳሕ 
ጣሕሳ ዝፈጥረልካ ምስ ጎራሕካ ጽባሕ 

ስለዚ

ብባህልና ንኹራዕ 
ኣስማትና ኣይንጽላእ 
ኣብ ደቅና ይኮላዕ 

ኣብ ኤስያ ኣመሪካ 
ኣውሮጳ ኣፍሪቃ 
ኣብ ዓለም ብምልእታ 
ንዓቅቦ ኤርትራዊ ኣስናማትና! 
__________________
* ኩሉ ይሓልፍ ስም ይተርፍ
ስእለ
Jan 17, 2017 11:47 PM
108.45.183.55

“ክትጽለል ተደሊኻ ንኹሉ ሰብ ከተሐጉስ ጽዓር”
========================
መን’ዩ ኣብዛ ምድሪ ንኹሉ ዘዕገበ
መን’ዩ ኸ ፈቲኑ ዝበለ ተዓዊተ
እግዝኣብሄር ድዩ ወዲ ሰብ ሓኾተ፧

እግዝኣብሄር ንዓና ፈጢሩ
ንሂወት ዘመቅር ኣተኣሳሲሩ
ኣይከኣለን ከሐጉስ ንኹሉ

ኣይሰማዕኩን ኣይረአኹን ኣነ
ንኣምላኹ ኩሉ ዘመስገነ
መራሒ ኮይኑ ዘምለጠ መረረ
ጅግና ኮይኑ ሰባት ዘየቕሓረ
ፍጡር የለን ንኹሉ ዘዕገበ

እቲ መምህር ፍልጠት ዝለገሰ
እቲ ሓኪም ጥዕና ዘውሓሰ
ሓረስታይ ሸቃላይ ረሃጹ ዘፍሰሰ
ብፍርያት ጻዕሩ ሂወት ዘሐደሰ
ይሓምይዎ ይብሉ ‘ታይ ዓበሰ

‘ታ ወላዲት ሓዚላ ዘዕበየት
ሲስተር ነርስ ሕሙም ዝኣለየት
ብዘይ ኣፈላላይ ልውሃት ዝመጠወት
ይብልዋ ጉቡኣ ገበረት

ስለዚ
ተረዲእካ ኩሉ ናይ ሰብ ነገር
ዓጊቡ ዘይፈልጥ ካብ ዝፍጠር
ዕሽሽ በሎ እቲ ጽቡቕ ግበር
ንዓኻ ዘዐግብ ዘየብሉ ኣበር

ኣበደን
Jan 17, 2017 7:11 PM
71.232.143.114

Dear ስእለ, I am impressed with your ability and eloquent poetic presentation in ትግርኛ, and please keep it up, now that you have us hooked up on your tasteful poems. Thank you!

ኣነስ ዝገርመኒ ናይዞም "ሰልጢንና" በሃልቲ
ናይ ፈረንጂ ኣስማት ዝወስድዎ ከም ትዕድልቲ
ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ከም ጸጋ ከም ሃብቲ
ንቡር ኣስማት ገዲፍካስ በዓል ሱዚ ካቲ!

ዓገብ፡ ነውሪ፡ ናትካ ገዲፍካስ እንዳማትካ
ዘሕብን ዘዂርዕ ባህሊ ኤርትራ ኰሎካ፧
እንታይ ኣምጽኦ ዘብህግ ኪኖ ዶብ ሰጊርካ፧
ያእ ኣይፋልካን ኣጽንዕ ደኣ ምልክት ሃገርካ!

ስእለ
Jan 16, 2017 2:39 PM
108.45.183.55

መን'ዩ ተሓታቲ፧ 
========
እቲ ሌባ ወይስ ኣቐባሊ ሌባ 
ኣጭበርባሪ ዓማጺ ጉቦኛ 
ወይስ ወሃብ ጉቦ ዓርኪ ልማደኛ፧ 

ዶስ እቲ 
ሕልና-ኣልቦ ስልጣን ተጠቒሙ 
ኣያ-በያ ዓንዲ ማእከል ገሩ 
ዝረሰዐ ስርሑ ማሕልኡ 
ከገልግሎ ዝወከሎ ህዝቡ፧ 

ወይስ እቲ

በዓል ዉራይ ስርሑ ዝዓጦ 
ብሕቡእ ዝምጡ ዘምጽኦ ክሰልጦ 
ሕጊ ዝጥሓሰ በካሊ ብጉቦ፧ 

መን'ዩ ተሓታቲ፧ 

እቲ ዘዕዘምዝም ተገልጋሊ ህዝቢ 
ነቲ ሌባ ሱቕ ኢሉ ዝርኢ 
ወይስ እቲ ቁርዲድ ደም ህዝቢ ዝመጺ 
ጸረ-ሕጊ ንዉልቁ ዘሳሲ፧ 

መን'ዩ፧ 

እቶም ደጎል-ዘለል መንግስቲ ዝኸሱ 
ንወልቃዊ ረብሓ ጸላኢ ዘፍቀሩ 
ሃገር ከይትስጉም ዕንቅፋት ዝኾኑ 
ህዝቢ ከይቐስን ሓሶታት ዝነዝሑ 
ገበነኛታት'ዮም ብደዎም ዝመቱ

ስእለ
Jan 15, 2017 8:46 PM
108.45.183.55
Dear Alexander Issac,

Consider this from Coach John Wooden:

ጥበብ ውህብቶ ኣምላኽ’ዩ - ትሑት ኩን

ዝና ኣድናቖት ሰባት’ዩ - ኣመስግን

ትዕቢት እስኻ ባዕልኻ ትፈጥሮ’ዩ - ተጠንቀቕ

Good luck in your endeavor.

ስእለ
Jan 15, 2017 3:56 PM
108.45.183.55
“ዘየደንግጽ ስጉምቲ”
===========
ገሪሙኒ እወ ደንጽዩኒ
እንታይ’ዩ ትርጉሙ “ዕድለይ ይርኢ”
ጠኒንካ ናብ ሞትስ ዕሽነት ድዩ ብልሂ፧

ኣብ ስደት ኣደራዕ ምድረበዳ ባሕሪ
ኣብ ስቓይ መከራ ነብስኻ ክትበሊ
መርገም ድዩ ዕድል እስከ ሓቡሩኒ
 
ዘይጭበጥ ጉዕዞ ዶባት ትሰግረሉ
ሂወትካ ዝልክም ውሕስነት ዘይብሉ
ዕድለይ ይርእስ እንታይ’ዩ ሚስጢሩ፧

ክትነብር ክትከብር እንዳተመነኻ
ሂወትካ ምቅላዕ ኣብ ሩኡይ ሓደጋ
ካብ እንስሳ ብዕራይ እንታይ ይፈልየካ፧

እቲ ጉዕዞ ጸልማት ዝኸበቦ
ባሕሪ ምድረበዳ ዘሰክፍ ክትሰግሮ
ዝቐዘፈ ኣሽሓት ኩሉ ዝምስክሮ
ድፍረት’ዶ ዕሽነት ከፊልካ ክትከዶ፧

እወ ንገሩኒ ብልሓቱ ሚስጢሩ
ሂወትካ መኒንካ ቃላይ ትኣትወሉ፧
ሃገርካ ጸሊእካ ሽግር ትሓፍሰሉ፧
ከርተት ኣብ ጎደቦ ሌባ ዝጎስዓሉ፧
ጥዕና’ዶ ዕብዳን ኣምላኽ’ዩ ረጊሙ፧

እቲ ዝቐደምስ መሲልዎ ገሩ
ናብ ሩሑቕ ቀረባ ጊዒዙ ሳጊሙ
ከይፈለጠ ሸርሒ ኣብ ባሕሪ ጢሒሉ

እቲ ዳሕረዋይ ከ ‘ታይ ኮይኑ ዓዊኑ
ኣይማሃርን ፡ ኣይሓስብን ፡ ኣይሓትትን እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ ኢሉ፧
---------------------------------------------------------------
* ሰብ ኣብ ዓዱ ክብረቱ ፡ እኽሊ ኣብ ዓውዱ በረኸቱ
* ክርኢ ዝሞተ ፡ ክሰምዕ ቅበሮ
* ‘ገ’ እንዳበሉኻ’ዶ ትጋገ
* መለበምን ኣይግበርካ ፡ መለበምን ኣይኽላእካ
* ብዕራይ ዝበልዖ’ምበር ዝረግጾ ኣይርእን
* መንገዲ ጥዕናኻ ዓመት ኪዳ
* ጥምየት ኣይቐትልን እንትርፎ ሸብዳዕዳዕ
* ዝብኢ ብዓጽሚ ዝተገድገደ ብስጋ ዝተሞርገ ኣሎ ምስ በልዎ ኣበይ ከይበለ ከደ
ስእለ
Jan 15, 2017 2:53 AM
108.45.183.55
ደሃይ ኦርግ (Dehai.org)
===============
ደሃይ ኦርግ ገለ’ዶ ክብለኪ
ክሓተኪ ጥዕና ውሽጥኺ
ተሻቒልና ደዊኑ መልክዕኪ 

ኢሎሙኒ ኦፐረሽን ገርኪ
ክትሕደሲ ክጽብቕ መልክዕኪ
ከተውሕሲ ድልየት ዓማዊልኪ
ኣብ ሩሑቕ ቀረባ ኩሉ ዝፈትወኪ

ምሕረት የውርድ ጥዕና ይሃብኪ
ሕወይልና ደንጒኺ ቀልጢፍኪ
ካልእ የለን ዝትክእ ንዓኺ

እወ

ድሃይ ሃቢ ኣቕስኒ ደቅኺ
ሓዲሸ በልና ግዜ ኣይትውሰዲ
ኣገልግሊ ከምቲ ናይ ትማሊ
ሓይልልና መግብና ሓቂ
“ኣረጊት ደሃይ” ከይሰወርኪ

ስእለ
Jan 14, 2017 8:50 PM
108.45.183.55
ፍቕሪ ፈለማ
=======
ፍቕሪ ፈላማ
ንሂወተይ ጣዕማ
ኣብ ኩሉ ሓኪማ

ኣቃባጥረለይ ከም ቈልዓ መብጽዓ
ስዓሞ ከንፈረይ ዓይንኻ ኣዓሚትካ 
አንተላይ ክሳደይ ከም ጠበቕ ለጊብካ

ኮበርታ ኩነኒ ኣብ ልበይ ደቂስካ
ፍትወትካ ግለጾ ብሽምጠይ ሓቚፍካ
ሕሹኽ ኣይትረስዕ ኣብ እዝነይ ልጊብካ

ኣቕልበሉ ዓይነይ ቁርጽርጽ ቃላተይ
ጽን በሎ ትንፋሰይ ትርግታ ናይ ልበይ
ቴርሞ መተር ኮንካ ዓቅኖ ሙቖተይ

ሓጐሰይ ኣድምቆ ከም ቀውዒ ዘራእቲ
ነባሪ ግበሮ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ዘይውላዕ ዘይጠፍእ ከም ጸሓይ መብራህቲ

ቀልበኒ ፍቕሪ ኣይደልን እንጀራ
ወርቂ ስልማቱ ይትረፈኒ ሓራ
ፍቕሪ ሰልመኒ ዘይብሉ መዘና
ስእለ
Jan 12, 2017 9:59 PM
108.45.183.55
“ጎለይ ሪኢኻ ሕለበኒ በለት ላም” 
==================
ኣታ ዘይጸዓድ፡ ለዋህ ጅግና ህዝቢ 
መዓስ በቒቐልካ፡ ትሕዝቶ ዘሎኒ 
ኣይረሃወን ገና፡ ኢድ'ዩ ሓጺሩኒ 

ዘይብላ ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ 
እንዳኣሉ ኮይንኒ  ኣንታ ለባም ቁቡእ 

ሽግርና ከይሓጽር፡ ከይምዕር ሂወትና 
ጸላኢ በዚሑ፡ ዘዐንቅፍ ጉዕዞና 
ወያነ ወሪሩ፡ ወኪል ጸላኢና
ማዕቀብ ተወሲኹ፡ ክሳዓር ንያትና 

ግና ኣይከኣሉን፡ መሊስና ሰዊድና 
ኤርትራ ዓዂዃ፡ ሸርሕታት ሲዒራ 
ክብሪ ተሓልዩ፡ ንምርሽ ኣሎና 

ገበተ ኣይዓረፈን፡ ደመኛ ጸላኢ 
ሸርሑ ይቐያይር፡ ሕሰምና ክርኢ 
ንቃሓሉ ድኣ፡ መኸተና ነዕቢ 

እቲ ሓፍ-ዞቕ ጉዕዞ፡ ክሓጽር ብተሎ 
ድኽነት መከራ፡ ኲዕትና ክንቀብሮ 
ንጠምት ውሽጥና፡ ቅልጽምና ነሕብሮ 

እንሆ'ኳ ድሮ:

ራህዋ ተቐልቂሉ፡ ልብና ዘረስርስ 
ረሃጽካ ዘፍረዮ፡ ንኹሉ ዘሓጉስ 
ህላዌ ሃገርና፡ መጻኢና ዘውሕስ 

ንስራሕ ጥራሕ!!
ስእለ
Jan 11, 2017 11:35 PM
108.45.183.55
ደርሆ ነቆ
======
ከመስግን ክዝክር
ነቲ ብነጻ ዘገልግል
ስዓታት ዝነግር

ተባዕታይ ደርሆና
ደወል ናይ ገዛና
ዘባራብረና
ዝዕየ ‘ተለና

ኣይተፈጥረን ከምኡ
ዝፈልጥ ስዓቱ
በሪሁ ጸልሚቱ

ስዓቱ ሓልዩ
ይንቊ ዓው ኢሉ
ይደግም ናይ ሓይሉ
ኩሉ ክሰምዓሉ
YHM
Jan 11, 2017 6:31 AM
50.156.45.134

Must listen interview

Eritrea-SA relationship has developed in leaps and bounds - Ambassador Iqbal Jhazbhay

https://soundcloud.com/salaamedia/eritrea-sa-relationship-has-developed-in-leaps-and-bounds-ambassador-iqbal-jhazbhay

ስእለ
Jan 10, 2017 11:25 PM
108.45.183.55
ኣይተባራቡሩኒ
========
ኣበይ ኣላ ኣበይ'የ ዝረኽባ
መልክዕ ጠባይ ውነይ ዝዓብደላ
ዕንቊ ባሕሪ ኩሉ ሰብ ዝሃድና

ቁሊሕ ኢለ ክረኽባ ጺዒረ
ተመንየ ጸልየ ኣንቃዕሪረ
ተኾነለይ ሕልመይ ተሰመረ

ለባም ሸገ ጎደሎ ዘይብላ
ካብ ፍጡራት ንሳ'ያ በይና
ኣብ ድቃሰይ ይረኽባ የዕልላ

ብር ተበልኩ ይሓርቕ ይጉሂ
ሕልሚ ፍቕረይ ዘይትፈቱ ጋህዲ
ዝመሓለት ጸሓይ ከይትርኢ

ወሲነ
ኣብ ድቃስ ክነብር ፍቕራ ክምገቦ
ኣይደልይን መግቢ በሊዕካ ትሸኖ
ከይተባራቡሩኒ ሕቑፎኣ ከይስእኖ
ስእለ
Jan 10, 2017 1:32 AM
108.45.183.55
ዝምነያ ሓዳር
=======
ሙውቕ ሓዳር ሓጐስ ዝመልኣ
ገዛ ኣምላኽ እሕሕ ዘይስምዓ
ስኒት ፍቕሪ ፍሽኽታ መልክዓ

ዘዛራበት ጐረቤት ጎደቦ
ኩሉ ሙሉእ እንጀራ ኣጂቦ
ናብራ ጻድቃን ህድኣት ዝመልኦ

ኣብ ጸሎቱ እዝጊ ዘይርስዓ
ብቐትሪ ብለይቲ ባዕሉ ዝባርኻ
ክትፈሪ ክትዕምብብ ቃሉ ዝቐብኣ

ሓቡሩኒ ኣበይ’የ ዝረኽባ
ንገሩኒ ከመይ’የ ዘቑማ
ሓዳር ትምኒት ክልተ ኣዕኑዳ
ባህጊ ልበይ ሕልመይ ዝቐረጻ
Dehai Admin
Jan 10, 2017 12:33 AM
100.36.57.208

Dear ኣበደን,

We are working on a password field to allow editing of posts. Unfortunately, the current reCAPTCHA is best tool available to prevent spam.

Dehai Admin

ኣበደን
Jan 9, 2017 11:24 PM
71.232.143.114
I couldn't locate the password field and I wish the anti Robot reCAPTCHA was easier than the less than clear pictorial pieces. Suggest use alpha numeric instead.
ኣበደን
Jan 9, 2017 3:17 PM
71.232.143.114

፩ይ "ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ጥራይ ነጽንዕ" ድምጻዊት ፍረሂወት በሪሁ ኣብ ዝኽሪ ምሕራር ባጽዕ 2011

፪ይ "ክንድቅስ ክንትንስእ ኤርትራ ኣይንረስዕ" ነፍሰሄር ኣቦይ ሓጂ ስራጅ መሓመድ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ዞባ ደቡብ ምስ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ 2007?

፫ይ "ኣስላማይ ክስታናይ ወሲ ቆላ ደጋ፡ ንምኽሪ ጸላኢ ኣይትሃቦ ዋጋ...ከይትኸውን ዕዳጋ" ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ኣብ ሓምሳታት/ሱሳታት?

The bottom line: love Eritrea, defend its existence and regardless on what you may think of the government, NEVER BETRAY your country and remember governments can be changed by the Eritrean people, but Eritrea is ALWAYS Eritrea and let's keep it that way!

ርሑስ ኣውድዋመትን Happy 2017!

ስእለ
Jan 9, 2017 12:21 AM
108.45.183.55
“The smallest good deed is better than the best intention.”

ተጨባጢት ንእሽቶ ሓገዝ
ካብ ጽቡቕ ተብግሶ እታ ዝበለጸት
ድምቕቲ’ያ ናይ ልቢ ዕጋበት
ካብ ወርቂ ትምዘን ዋላ ተናኣሰት

ስለዚ
ኣይትበል ዕግንግን
ብንእሽቶይ ጀምር
ኤርትራ ዘማዕብል
ጽቡቕካ ዝነግር
ሕልና ዘቕስን

ኣይትሰከፍ ርእስኻ ኣይተድንን
ጽቡቕ ግበር ሞራልካ ዘሐንን
ይንኣስ ይዕበ ኣብነት ዝኸውን
ኤርትራ ሃገርና ዘጎልብት ዘሐብን
ምስ ወዲ ሰብ ኣምላኽ ዘማሳግን
ኣብ መሬት ኣብ ሰማይ ንኹሉ ዘአምን
dehai-admin
Jan 8, 2017 1:49 PM
100.36.57.208

Dear ስእለ,

Thank you for your feedback. We will work on the items you suggested.

Dehai Admin


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events