Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Feb 25, 2017 8:35 PM
108.45.183.55
መን’ዩ ጋዜጠኛ፧

እቲ ብልክዕ ንሓቂ ዘቃልሕ
ዓይኒ ህዝቢ ሚዛናዊ በሊሕ
ንሞያኡ ከተግብር ዘይፈርሕ

ትኩር፣ ሞራል ዝወነነ
ዘየዳሉ ካብ ሃይማኖት፣ ወገን፣ ሕብሪ፣ ዓሌት፣ ሓራ ዝኾነ
ንሓቂ ከገልግል ዝመሓለ
ብስነ-ምግባር ተመልመለ
እዚ’ዩ ጋዘጠኛ ዝብሎ ኣነ

ተሓታቲ ብሕጊ ዝግዛእ
ብኽብሪ ሃገሩ ዘይጣላዕ
ንሓድነት ህዝቢ ዝምክት ዝስዋእ
እዚ’ዩ ጋዜጠኛ ብኽብሪ ዝጽዋዕ።

እቲ ዝምቡዕ ንሓሶት ዘጉልሕ
ልኡኽ ዓመጽ ንገንዘብ ዝሰርሕ
ትዕቢተኛ ከናቑት ዝሃልኽ
ተራ ሓሳዊ’ዩ ንኸብዱ ዘስብሕ።

ተንኮለኛ ንኤረይ ዘጸልም
ዝደናደን ዘይሕብራ ክቕልም
ብስም ነጻ ፕረስ ከም ኣድጊ ዝሃልል
ቀይዲ በተኽ’ዩ ንፕረስ ዝቐትል።

ተልመዴን፣ ዘይኮነ ዘውሪ
ከየረገጋጸ ዝሕንጥጥ ብሃውሪ
ዘደናግር፣ መታለሊ ህዝቢ
ጭብጢ-ኣልቦ ንጭብጢ ቀባሪ
እዝስ ኣይምልከቶን ናይ ጋዜጣ ክብሪ።

ስእለ
Feb 25, 2017 2:54 PM
108.45.183.55

ሰይጣን እንታይ ይመስል፧ 
==============

ሰይጣን እንታይ ይመስል ሕብሩ 
ቁሞቱ መልክዑ 
ኩሉ ቁሞንኡ፧ 

ቀይሕ ድዩ ጻዕዳ 
ሰማያዊ ብጫ 
ጸሊም ኣበሱዳ፧ 

ነዊሕ ድዩ ሓጺር 
ዘፍጣጥ ዋላስ ቀጢን 
ዝኸይድ ዝነፍር 
ንመን'ዩ ዝመስል፧ 

መን ኣሎ ዝረኣዮ 
ረኺቡ ዝዕለሎ 
ብርግጽ ዝፈልጦ፧ 

እንታይ ‘ዩ ዕላምኡ 
ሕልሙ ይኹን ባህጉ 
መጻኢ ትምኒቱ፧

ኣበይ እዩ ዝነብር 
ደንቆሮ ድዩ ሙሁር 
ዘይመውት ዘይሓምም፧

መን'ዩ ናይ ቀረባ ዓርኩ 
ኣብ ኩሉ መኻይዱ 
ከንፈር መላዝብቱ፧ 

ክንደይ'ዩ ብዝሑ 
ሓደ ድዩ ንውልቁ 
ኣመንቲ ኣሰኪሑ
ስሙ እንዳረቑሑ፧ 

ስልጣኑ ግዝኣቱ 
ስፍሓቱ ዕሙቆቱ 
ኣበይ'ዩ ደረቱ፧ 

ካብ ሰብዶ ይስይጥን፧ 
ንፍትሒ ዝቐትል 
ኲናት ህውከት ዘሳውር 
ንዓይ ጥራሕ ዝብል፧

ሰባት ሰይጣን'ዮም ዝኸሱ 
ኲናቱ ዕንወቱ 
ኣብ ዓለም ዝወርዱ 

እሞ

ሃቡኒ 'ስከ ስእሉ 
ቦታ መደበሩ 
ዓገብ ክጽሕፈሉ
ክነግሮ ኣበሩ 
ንሱ አንተኾይኑ
ስእለ
Feb 24, 2017 12:43 AM
108.45.183.55

ነቐፌታ
====
ነቐፌታ ነፍሰ-ነቐፌታ
ወረጦ ጌጋታት ሽዓ ብዊዕይታ
ኣራሚት ሃናጺት ካብ ሕምየታ
ገጽ ንገጽ ብግልጺ ብዓውታ

ንስሓ ኑዛዜ ብዘይ ቀሺ፣ ሓለዋ ጸጥታ
ሙድርጓሕ ጠባያ ዘይብላ ስክፍታ
ትእረም ትእርም ከይሳዕረረ ጌጋ

ከይጽላእ እንታይ ገደሰኒ
ባዕሉ ‘ፈልጥ እንታይ ኣእተወኒ
ሸለልትነት ንዕንወት ዓዳሚ
ነቐፌታ ትገብረሉ ፈጽሚ

YHM
Feb 23, 2017 5:43 PM
50.156.45.134
Thank you Yared! ERI TV: Yared Tesfay Interview on Cultural Diplomacy!

https://www.youtube.com/watch?v=RhYwGQ3LCqY

YHM
Feb 23, 2017 9:35 AM
50.156.45.134
Joshua Hammer of the New York Times - Another “Fake News” on Eritrea

http://dehai.org/dehai/dehai-news/105469

ስእለ
Feb 23, 2017 12:31 AM
108.45.183.55
“ቡዙሕ ተማሂርና” (ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ)
=======================
ሪኢና ሰሚዕና “ቡዙሕ ተማሂርና” 
ሕማቕን ጽቡቕን ዝፈታተነና
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘሐንኩል ጉዕዞና

ሞትና ተመንዮም ክቐብሩ ሕልምና
ንሳቶም ዓሪቦም ንሕና ግን ኣሎና
ንቕድሚት ንስጉም ንኸዶ ፈሊጥና

በዓል ዕነ-ምነ ናይ ማዕዶ ወራዙት
ልኡኻት ሳጥናኤል ናይ ዘመና ኣፍዑት
ናይ ሳይበር ጀጋኑ ናይ ምንቛት ሰቡኡት

የዋቕዑ ሓሶት ንሓቂ ክቐብሩ
ምስ’ቲ ደመኛና ሓቢሮም ይስዕሉ
ንፍትሒ ጓዕጺጾም ጥፍኣት ይዝምሩ

ዉድቀቶም ፍሽለቶም ካብ ሰብ ክኽዉሉ
ነቲ ትኩር ንህቢ ይኸሱ ይውንጅሉ
ዑሩባት ሕልና ናይ ጥፍኣት መዛኑ

ኣብ ፈታኒ መድረኽ ስረ ዝፈትሑ
ኣብ ትሕቲ ወያነ ከም ከልቢ ዝነብሑ
መምለሲ ዘይብሎም ዕርበት ዝጠፍኡ

ታሪኽ ኤርትራ ፍጹም ዝዘንግዑ
ርሕቀት ኣፍንጭኦም ክኒኡ ዘይሪኡ
ዑቡያት ዕዋኖ ኣብ ሓሶት ዝበልሑ


ስእለ
Feb 22, 2017 3:10 AM
108.45.183.55
ኩሉ ፍረ ኣይብላዕን
===========
ኩሉ ገረብ ፍረ ዘንጠልጠለ
ትሕቲ መሬት ሓመድ ዝተቐብረ
ቀይሕ ብጫ ጎጎም ዝበሰለ
ኣይብላዕን ብሓባር ብማዕረ

ብዙሕ ኣሎ ጥዕና ዝጎድእ
ዓንዴል ዕረ ሂወትካ ዘጥፍእ
ቀራጽ ከብዲ ሓፊስ ደም ዘትፍእ

ነለልዮም ዕንጉለ፣ ዓንዴል ዘይልከፉ 
ናይ ፍረታት መልክዕ ዝለበሱ
ጸረ-ሂይወት ብቋሕ-ሰም ዝቐዝፉ

ሰብ’ውን ኣሎ ሕያዋይ መሳሊ
ብመልክዕ ልሳኑ ኣዳህላሊ
ወያንያዊ ጠባይ ክፉእ ግብሪ
ጥንቅቕ ድኣ ንበል ንፍለዮም ኣትማን ርግቢ

ከም በዓል ኤልሳ ጭሩም
ንባዕዲ ትኽድም
ኣፋ ከተሐክም
ጁባ ከተሀጥር
ትሕሱ ትዓፍር
ንመክታ ጉሩህ ከይትልክም

ሰላም ኪዳነ 
ካብ ኣንስቲ ዕነ
መሃዚት ጠቐነ
ተውሪ ዘይኮነ
እቶታ ከይጉነ
ነጋልጻ 'ቲ ሕማቕ ተግባራ ንጹህ ከይለከመ

ሜሮን ኢስጢፋኖስ 
ናይ ዓመጽቲ መኾስ
ነጋዴ ደቂ ሰብ
ንዝላዓለ መኽሰብ
ናብ ኩሉ ትብል ዘብዘብ
ይኣኽለኪ ንበላ ብኤርትራዊ ስቓይ መኽሰብ

ሰነፋት ኣንስቲ
ናይ ጥፍኣት ከደምቲ
ወያንያዊ ስልቲ
ብኤርትራዊ መንእሰይ ነገድቲ
ብስቓዩ ሸቀጥቲ
እግዝኣብሄር ኣሎ ክህበክን ፍርዲ
ስእለ
Feb 21, 2017 3:13 AM
108.45.183.55

ገለ በሊ ልቢ 
========
ልቢ፡ ኣንቲ ልቢ 
እስከ ተዛረቢ፡ ኣውግዒ እቲ ሓቂ 

ስራሕኪ ንገሪ 
ኣብ ሳይንስ ረጊጽኪ 
እንታይ'ዩ ዕማምኪ፧ 

ኣነ ዝፈልጥ፡ ደም ክትጭንጒዒ 
ክትቅበሊ ከተመላልሲ 
ሞተር ሂወት፡ ዕረፍቲ ዘይብልኪ 

ሰሚዐዮ፡ ከዐልል ብኣኺ 
ክነግርልኪ፡ ስራሕኪ ጠባይኪ 
ዘይቃዶ፡ ዘይገልጽ ሞያኺ 

ብፍቕሪ ብፍትወት ዝተሳዕረ 
ተባሂሉ ልቡ ዝተዘንበ 

ብጭካነ ሕሰም፡ ዓለም ዘዛረበ 
ተባሂሉ ልቡ ዝተረረ 

እዋእ!

ገለ በሊ ልቢ: ደንጺዩኒ ኣነ!

ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ዝረሰዖ 
ልበይ ኣጥፊአ’ኸ፡ እንታይ ኣምጸኦ! 

ዝጠፈኦ ዝሕዞ ዝገብሮ 
ከመይ ኢላ ልቢ ትሕመሎ፧ 

እቲ ዝተማህረ፡ ሳይንስ ዘምበበ 
ዕድል ዘይረኸበ፡ መጽሓፍ ዘይገንጸለ 
ሓደ'ዮም ዘዕልሉ፡ ኣብ ልቢ ዝመጸ 

ነቲ ስሕዊ፡ ምስትውዓል ዝጎደሎ 
ዘይተማህረ፡ ማሃይም ደንቆሮ 
ዓሻ፡ ልቢ ዘየብሉ እዮም ዝብልዎ 

እዋእ!
ገለ በሊ ልቢ 
ንገሪ እቲ ሓቂ 
ስራሕኪ ዕማምኪ 
ምስ ዕሽነት ጭካኔ፡ እንታይ'ዩ ዘተኣሳስረኪ፧
ስእለ
Feb 21, 2017 1:38 AM
108.45.183.55
ኣብ ሕምየት የለን ዕብየት
================
ኣድሕነኒ ካብ ሕምየት በለካ-ለኻዓካ 
ምምንጫት ምንሻው ሰባት ዘይሰሙዑኻ
ቁምነገር ዘይብሉ ድሕሪት ዝጎተካ

ሰውረኒ ካብ’ቲ ድኹም ክሓሚ ዝህንጠ
ቤላቤለው ጫፍ ሒዙ ዘውሪ ከየረጋገጸ
ዘገማድሕ ሓሶት፣ ቦኹቧዅ ዝበስበሰ

ኣርሕቐለይ ’ቲ ሓማዪ ከውሪ ዝዓርቦ
ቀታል ግዜ ኩሉ ሰብ ዝሃድሞ
ሓቂ ሓሶት ዝተደናገሮ

ንዮው በሎ ሰነፍ ሕማቕ ኣመል
ዝበኾረ ካብ ስራሕ ቁምነገር
ዓጀው ክብል ሰሪሑ ዘይድረር

ንሕና ብሰብ፣ ሰብ ብኣና
ኣይንግበሮ ባህልና ልምድና
ከይንተርፍ ድሕሪት ተጎቲትና

ኣይትጽልኣኒ ብወረ ብጀካ ብተነጸረ
ሓማዪ ሰሚዕካ ዘይተባህለ
ዝሓዋውስ ዘይኮነ ዘይተገብረ
 
ካብ ሕምየት በሉ፣ ካብ ሓምሊ ጊደበሉ
የጥፍእ ‘ኳ ቀደም ተባሂሉ
ንርሓቕ ድኣ ሕማቕ’ዩ ሰበቡ
ቀታል ዕብየት ዘይንቀስ ኣበሩ
ስእለ
Feb 20, 2017 4:50 PM
108.45.183.55

ጓል እግዚሄር
========
ብሌን ዓይነይ - ክብረተይ ኵርዓተይ
መናብርተይ - ፍርቂ ኣካላተይ
ተኣማኒት - በዓልቲ ቃል ኪዳነይ

ኮኾብ ጽባሕ - ንግሆ ጸሓይ በርቂ
ረዛን ሚዛን - ግርማ ፍርቂ ለይቲ
ዘይትስርነቕ - ብጢጥ ቀንጠ-መንጢ

የዋህ ፍጥረት - ኳዕናን ርግቢ ሰላም
ካብ ሂዋናት - ንስኺ ኣደይ ማርያም
ጓል እግዝሄር - ኣደ ፍቕሪ ልዋም

ዕምበባ መስከረም - መዓር ናይ ጽገናይ 
ባህታ ሂወት - ከም መግቢ እኽለማይ
ጡዑም ሽቶ - ተናፋቒ ጠባይ

ደስታ ልበይ - ቅሳነት ሂወተይ
ኣይትርሓቒ - ንበሪ ኣብ ውሽጠይ
ትንፋስ ኢኺ - ሰራውር ናይ ደመይ
ፍቕሪ ኪዳን - ሒማ ኣደ ደቀይ
ስእለ
Feb 19, 2017 1:06 AM
108.45.183.55
ኣስተውዕል!

ህዝቢ ኤርትራ - ሃየ ኣስተውዕለሉ
ሸርሕታት ጸላእቲ - ከይትህመለሉ
ሓድነትካ ኣትርር - ቀልቢ ግበረሉ

ጉዳማት ጸላእቲ - ናይ ዕግርግር ክርቢት
መብራህቲ ኣጥፊኦም - ክኣትዉ ብድሕሪት
ሓረጋት ይመርጹ - ንልቢ ዝሰልብ

ክትሰምዓ ተስልቹ - እናሻዕ ትደጋገም
መዝሙር ጉሓላሉ - "ዲክታተር" "ዲክታተር"
ሚስጢር ምዕራባውያን - ክብቱኑ ሃገር

ህዝቢ'ዩ ‘ቲ ታርጌት - ኣይኮነን "ዲክታተር"
መራሒ ሲኢኑ - ክናቖት ክብተን
ሕልሚ ተጻባእቲ - ሎሚ ይኹን ቀደም

መራሕቲ ተቐንጺሎም - ተባሂሎም ዲክታተር
ኣገልጋሊ ባዕዲ - ከይኮኑ ሓንጊዶም
ስለ ዝመከቱ - ከገልግሉ ህዝቦም

ሳዳም ተቐንጺሉ - ቀዛፊ ሲዒቡ
ኣሳድ ተሓቲቱ - ክለቅቕ ስልጣኑ
እቲ ዝተረፈ - መዓልቱ ክሕሉ

ኢራቕ ተወሪራ - ልብያ ተደጊማ
ኣፍጋኒስታናን ዓንያ - የመን'ውን ሲዒባ
ሶርያ ተደምሲሳ - ሶማል ተበቲና

ህዝበን ተሳቕዩ - መይቱ ተሰዲዱ
ተሓሪሙ ሰላም - መረበጡ ዓንዩ
ዲክታተር ሓሊፎም - ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ

ሽጣራ ዓመጽቲ - ብዙሕ'ዩ ስሩ
ምስ ዲክታተር ሽርካ - ንጹህ ይወንጂሉ
ጥቕሞም ዘገልገለ - ስሙ ኣየልዕሉ
በደሉ ሓጥያቱ - ኣፎም ይለጉሙሉ

ስእለ
Feb 17, 2017 2:52 AM
108.45.183.55
እርጋን ፈውሲ-ኣልቦ
============
እነብር ኣለኹ ካብ ሕማቕ ሪሒቐ
ካብ ሽጋራ ኣልኮላዊ መስተ
ዕጸ-ፋርስ ቆጽሊ ዝረኸሰ 
ንእርጋን ከይርኢ ክነብር ጎቢዘ

ዝምገቦ ኣጽኒዐ መርሚረ
ምዉስዋስ ይገብር ዓቲበ
ንጥዕናይ ክብረይ ዝሓለወ

ዘሐድስ ኣእምሮይ ይርኢ የንብብ
ፍሽኽታ ይምጡ ንኹሉ ዘዐግብ
ሰላም፣ከመይ ኣለኹም የስዕብ

ተጸገመ እሕግዝ ብተግባር ብምኽሪ
ምስ ኩሉ ይዋሳእ ብቕንዕና ፍቕሪ
ይጽሊ ይሰግድ ኣምላኽ ዝበለኒ
ኣብ መሬት ኣብ ሰማይ መታን ክጥዕመኒ

ነዊሕ ተጓዒዘ ንኹሉ ሲዒረ
ንስስዐ ተንኮል ሰላም ዝደወነ
ንዓመጽ ቅርሕንቲ እግዚሄር ዘቕሓረ

ግና
ኣይከኣልኩን ክወግድ ንእርጋን
ኣእዛነይ ጸኒዑ ኢሎሙኒ ጸማም
ዓይነይ ተዳኺሙ ቀሪቡ ምዕዋር
ሓይለይ ብሊዓቶ ሲኢነ ምስጓም
ፉሑኽ እንዳበለት ከም ሰላሕታ ሕማም

ገና ኣለኹ ጎበዝ'የ እንዳበልኩ
ብርኪ ኣብዩ ኣዒንቲ ፈዚዙ
ክዝክር ክርስዕ ናይ ደቓይቕ ኮይኑ
ፈውሲ-ኣልቦ እርጋን ተማሕጸኑ

እርጋን ኮንክኒ'ኮ ትዃን!
ስእለ
Feb 16, 2017 2:13 AM
108.45.183.55
እንዳዃሓሉ ዘንቁሩ ብዓል መን’ዮም ትብሉ፧

ወይ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ!
ብዉሑዳት ግብዝ ንሓቂ ደዋኖ
ጸረ-ሃገር በዓል “ትውጋሕ’ሞ”
ተናኸስቲ ቃርማ ጉጂለ ዕዋኖ

እንዳረኣየ ዓይኖም ዝዓወረ
ብጽልኢ ቅርሕንቲ ርእሶም ዝተኮነ
ብንሕና ንፈልጥ ዉሽጦም ዝማህመነ
ዱኹማት ኣእምሮ ጭልቅዕ ዘይበሰለ

መን ከማይ ባሃልቲ ናይ ጥፍኣት ሃወርያ
ሰብ-መሰል ቁሩሓት ዝቐትሉ ኣርኣያ
ዝጉዕጽጹ ሓቂ ብግልጺ ብድብያ

ንሓቂ ኣንቊሮም ንሓሶት ዝኹሕሉ
ብዕራይ ወሊዱ ኢሎም ከእምኑ ዝጽዕሩ
መሃንዲስ ምትላል ዝነብዑ ከምስሉ

ቀለታ ኪዳነ፣ ተወልደብርሃን ገብረ
እንታይ’ዩ ‘ዚ ዓጭዓጭ ጠገለ ዝሰኣነ
ምንሻው መጸጸጽ ጣዕሙ ዝመጭቆረ
ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ ‘ዚ ኹሉ ጸለመ
ገምቢ ተጸጊዕካስ እንታይ’ዩ ክዕረ፧

ንዑንቱር ሸርሕታት ብትብዓት ዘምከነ
ብሓድነት ሰላም ንህዝቡ ዘቕሰነ
ወሰና ማእከላ ሃገሩ ዘውሓሰ
ንናይ ጽባሕ ራህዋ ረሃጹ ዘፍሰሰ
ምጽላም ምንሻው ናበይ ዝኣንፈተ፧
ስእለ
Feb 14, 2017 9:57 PM
108.45.183.55
ሰምብረ…

ኣገናዕ ሃብሮማት
ሰብ ቅያ ሕቡናት
ሰምብረ ቡሉጻት
ኣብ ግብጺ ዕዉታት

ሉኡኻት ሃገር ሉኡኻት ህዝቢ
ትፍጽሙ ዝተዋህበ ሕድሪ
ይበል ስራሕ ንኡድ ጻዕሪ
ዘይርሳዕ ዘልኣለም ተዘካሪ

ልዕሊ ኮፓ ልዕሊ’ቲ ወርቂ
ክንዮ’ቲ ሻምፓኝ ምትኳስ ርቺ
ስምካን ስም ሃገርካን ምጽዋዕ’ዩ እቲ ዝዓበየ ክብሪ
ባንዴራኻ ምውልብላብ ኣብ’ቲ ቀጢን ዘንጊ
ኣብ ታሪኽ መዝግብ ወርትግ ተነባቢ

ኮሪዕና ብኣኹም
ቀጽሉ ኣጆኹም
ኣበርኹ ስምኩም
ኣጸዉዑ ኤርትራ ሃገርኩም
ደቂ ፈንቅል፣ ዉላድ እግሪ መኸል ኢኹም!
ስእለ
Feb 14, 2017 3:38 AM
108.45.183.55
ኤረይ

ዓማጺ በዚሑ - ዝሃርፍ ጸጋኺ
ካብ ርሑቕ ቀረባ - ዓይኑ ዘውድቐልኪ
ሽሻይኪ ክዘምት - ወርቂ ምዓድንኪ
ውጥም ቅልቅል ይብል - የጸልሞ ስምኪ

ጥሙር እሙን ሓፋሽ - ድርዒ ህላዌኺ
ሰምቢዶም ሪዒዶም - ብናህሪ ጉዕዞኺ
ምዕንቃፍ መሪጾም - ከይሰልጥ ሕልምኺ

ኣመሉ'ዩ ቀንጠብጠብ - ምርሳይ ዘይናቱ
ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ - ዉርሻ ኣቦታቱ
ኣይትተሃመሊ - ቀርስምዮ ኢዱ

መኸተ ባህልኺ - እስኺ ደቅኺ
ኣብነት ሓኾተ - ትኣምኒ ነብስኺ
ብናይ ጽባሕ ተስፋ - ትዓዪ በርቲዕኪ

ናይ ዉጹዓት ሓበን - ሓቂ ሕላገትኪ
ሃየ ቀጽልዮ - ሕነኒ መክቲ
ኣብ ሓዲድ ምዕባሌ - ረጊጽኪ ጸኒዕኪ
ስእለ
Feb 13, 2017 10:56 PM
108.45.183.55
መጽሓፋውያን፣

ኣምቢቦም ሸምዲዶም
ካብ ሓቂ ሪሒቖም
ነቲ ሓፋሽ ጎስዮም
ይምድሩ በይኖም

ከምዚ’ባ ከምቲ’ባ
በጥቊልካ ዘረባ
ካብ መጽሓፍ ቀዲሕካ

ዘይትርጎም ዛዕባ
ዘየውጽእ ጸባ
ይልፍልፉ ኣብ ህዋ

ርእስኻ ዘሕብጡ
ተጸፊኦም ዝሃንጹ ዘፍርሱ
ሓሳብን ተግባርን ዘየዋሃህዱ

ባህልን ልምድን ጨሪሶም ዝጥሕሱ
ሩቡጻት ኣእምሮ ኢሂን ዘይፈልጡ
መናፍቕቲ ብሕልሚ ዝነግሱ

ተዛረብቲ ስራሕ ዝጽይፉ
ኣብ ህጸት መኸተ ኢዶም ዘይሕዉሱ
ጸረ ዕብየት ብኾፎም ዝርህጹ
ብዘረባ ዝመስሎም ዝዓጽዱ
መጽሓፋውያን ካብ ንፋስ ዘይሕሹ
ስእለ
Feb 13, 2017 4:21 AM
108.45.183.55
መን ከምዚ ህዝቢ! 
=========== 
እዚ ዓቃል ህዝቢ ዝገብሮ ዝፈልጥ 
ኣብ ሎሚ ነቢሩ ንጽባሕ ዝእምት 
ረሃጹ የፍስስ ይሰርሕ ይምክት 
ብነብሱ ክሓድር ምጽዋት ከይጥምት 

ኮረኔል ጀረናል ተማሃራይ መምህር 
ንሰላም ምዕባለ ዝጽዕት ዝደክም 
ደኺመ ዘይወጾ ሃገሩ ዘገልግል 
ዘይሕለሎ ንህቢ ንዕረ'ዩ ዘምዕር 

ብድሎ ብቓጻ መጒቱ ዝረትዕ 
ሃገራዊ ረብሓ ቀዳማይ ዝሰርዕ 
ትኩር ሃርበኛዊ ኮሪዑ ዘዂርዕ 

ንእሽቶ ዓብዪ ኤርትራ ይብል 
ኣብ ሽግር መኸተ ኣብ ሓደ ዝሰጥም 
ህዱእ ርግቢ-ሰላም ንሓቂ ዘኽብር
ስእለ
Feb 11, 2017 1:43 PM
108.45.183.55
“ዘይሰርሕ ሰማይ ቀረቡኡ”
=============
ኣቶ “ገብረ” ሕልና ዘዕረበ
መልሓሱን ተግባሩን ፍጹም ዘይሳነ
ዝህውትት ዝውርዚ እንዳቆናጨለ
እዚ ኣይተገብረን ከም’ዚ እባ ተኾነ
ናይ ላግጺ ኪኢላ ነዊሕ ዝዓወነ 

ሕፍረት-ኣልቦ ወረጃ ማዕዶ
ተረፊዑ ዝምነ ግንዖ
ዑቡይ ዝማጻደቕ ዝጠፈአ ኣብ ጉዕዞ

መንፈሱ ሓሳቡ ትዕቢት ዝበሓቶ
መን ከማይ በሃሊ ክነቅፍ ዘይዓጦ
ድኽመቱ ረሲዑ ከናሹ ዝሰልጦ 

ሓሰር ንፋይ እቲ ኩሉ ዝብሎ
ፈሲሱ ዘይበቁል ፍረ ዘይርከቦ
መኸተ ሻዕብያ ከናእስ ዝዓርቦ

ተማሃር ኣስተውዕል ዓለምና ኣምብባ
ናይ ትማል ናይ ሎሚ ኩሉ ፖለቲካ
ከም ሃገር ከም ህዝቢ መስትያት ክበካ
ምስ ሓፋሽ ክትውግን እንተሓገዘካ

ቅድሚት ከይንስጉም ዝኾነ ማሕለኻ
ክንሰግሮ ክሰዓር ኣበርክት ግዴኻ
ላንጊ-ላንጋ ጉዕዞ ፍረ ነይህበካ
ዓጀውጆው ግደፎ ፍለጥ ጸላኢኻ
ስእለ
Feb 10, 2017 12:10 AM
108.45.183.55
ጀሚረልኩም...

ፒሮ ኣልዒለ - ወረቐት ገቲረ
ኣጣጢሐ - ኣብ ሰዲያ ኮፍ ኢለ
ገለ ክብል - ንፈንቅል ዘኪረ

ሓደ ኢለ - ክልተ ምስ በልኩ
ሰገጥ ኢለ - ከንፈረይ ረምጠጥኩ
ከይቕጽል እንዳተሰከፍኩ

እወ ተሰኪፈ - ሓሳበይ ቀይረ
ከይጽይቖ - ውዕሎ'ቶም ሰብ ስረ
ኤርትራዊ ቅያ - ዓለም ዘዛረበ

ኣይደፈርኩን - ክጽሕፍ ከዐልል
ፈንቅል ኢለ - ሓሳበይ ክዝርዝር
ተሰኪፈ - ታሪኽ ከየጉድል

ከይቁጡዑ - እቶም ዝወዓሉ
መራኽብ ጸላኢ - ኣብ ባሕሪ ዘስጠሙ
ታንክታት መድፍዑ - ኩሉ ዝቐረሙ
ንሽሾ ጸላኢ - ዝዘረጉ ሕልሙ

ግና 

ይመስገኑ - ምስጋና ይብጻሓዮም
ንውሉድ ወለዶ - ፈንቅል ምስናዶም
ኤርትራዊ ክኸውን - ኩዉን ብምግባሮ
ስእለ
Feb 9, 2017 2:27 AM
108.45.183.55
ፈንቅል ጸዉዑለይ
==========
ጸዉዑለይ ፈንቅል፣ ፈንቅል ዝወዓለ
ብታንኪ ብመድፍዕ ቅድሚት ዝደበለ
ንዑሱብ ሰራዊት ምሕረት ዘለመነ
ንኽብሪ ኤርትራ ግምባሩ ዝሃበ

ኣድህዩ ሃርበኛ ፈንቅል ዝሰነደ
ንዓይነይ ክሪኦ ከዐርፍ ቁዛመ
ተራእዩኒ ጅግና የዒተይ ነቢዐ
ናፍቖት መሪሩ ነዊሕ ተጸብየ

ከመይ ኣሎ፧

ጥዕንኡ ቀልቡ መምበሪኡ
ብሓፈሻ ናብራ ሃለዋቱ
ይጸግብ’ዶ፣ ይጠሚ’ሎ ከብዱ፧

ክሳብ ዝጽመሮ ዝመስል ንዕኡ
ኣብ መቓብር ዝሓብሮ ናብርኡ
ለኣኸለይ ጉድጓድ ክሪኦ ‘ዛ ገጹ

ክጭብጦ ክሪኦ ብጋህዲ
ክድህስሶ ስዕም ከብለኒ
ተለመን መቓብር ደንግጽ ሓግዘኒ

ሙዉት ዝናፈቐን እምኒ ዝጠጠቐን ሓደ’ዩ ኣይትበሉኒ
ናፊቐ’የ ካብ ውሽጢ ካብ ልቢ
ስደደለይ ጅግና ከመስግን ፈጣሪ

ጸዉዑለይ ወደይ ክሪኦ ክስዕሞ
ክነግረኒ ድሕሪ ሞት ዝኾኖ
ንደቓይቕ ኮፍ ኢለ ከዕልሎ

ኣዲኡ’የ ሓዚለ ዘዕበኹ
ድራር ዓይነይ ዝተኻናኸንኩ
በዅሪ ወድይ ርአ ዘይጸገብኩ
ራህሩሁለይ ሰሚዕኩም መልሱ

ኤረ!

ንመን’የ ክኹንን
ክጸልእ ክረግም፧

ነቲ ባዕዲ ወድይ ዝመንከለ
ወይስ ንግዝኣብሄር ዑምሩ ዘይለቀበ፧

ጸዉዑለይ ጅግና ምስ ኩሉም ብጾቱ
ኣብ ምሕራር ባጽዕ ፈንቅል ዝወዓሉ
ይከኣሎ ዋርሳይ ሂወቶም ዝሃቡ
ነጻ ኤርትራ ክዉን ዝገበሩ
ክሕጐሱ ህንጸታ ክሪኡ

እወ ዓድምዎም - ኩሎም ይጸዉዑ
ክሕጐሱ ኤርትራ ክሪኡ
ማእከላ ወሰና ኣዋርቕ ነቲዑ
ሕድሪ ስዉእ ኣጒሙ ፍሪኡ
ኣነ ኣዲኦም ከም ዝተሓበንኩ

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea