Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Mar 9, 2017 11:20 PM
108.45.183.55
ተወልደብርሃን ገብረ
===========
ብዙሕ’ዩ ዝዛረብ
ዝሕንጥጥ ወረቐት
ዝመለኦ ግለት

ኢዱ ዘይሕውስ
ኣብ ስራሕ ዝሕንክስ
ሃብሮማት ዘናእስ

ትዒቢት ዝሰርነቖ
ዓርኪ “ትውጋሕ’ሞ”
ይውርዚ ካብ ማዕዶ
ብስም ተቓውሞ

ናይ ደገ ናይ ውሽጢ
ተጻብኦ ጻዕቒ
ምዕባለ ዝቖጺ
ህዝብና ዘሳቒ
ደጊፉ ይፋጺ

ካብ መላእ ኣፍሪቃ
ሰላማ ዓቂባ
ንህዝባ ወዲባ
ትምርሽ እንተላ
ኤርትራ ጥራሕ’ያ

ግና ነዚ ኣናኢሱ
ምስ ጸላእቲ ደቂሱ
ሕልንኡ ሸይጡ
ሻዕብያ የናሹ

ገብረ፣
ቁምነገር ‘ተለካ
ልዕሊ’ቲ ዘረባ
ኣብ ታሕቲ ወሪድካ
እጂገ ሰብሲብካ
ኣበርክት ግዴኻ
ንዕብየት ንራህዋ

ዓጀውጆው ግደፎ 
ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ
ምሕንኳል ወፋሮ
እቶት ዘይርከቦ
ስእለ
Mar 8, 2017 4:17 PM
148.184.174.61
መርዓ ናበይ ከይከደኒ  
===========
ኩቡራት ወለደይ  
ሕያዎት ሓብሓብተይ  
ትምነዩ ጽቡቐይ  

ክንዲ መርዓ ገዝሚ  
ክንዲ ወርቂ ኩሕሊ  
ምምሃር ይሕሸኒ  

ዘይበርስ ሃብቲ  
ዘይጽንቀቕ ስንቂ  
ፍልጠት'ዩ ወርቂ  

ስለዚ ድልየተይ ስምዕዎ  
ሃየ ደግፍዎ  
ክቕጽል'የ ምህሮ  

ኣስፊሐ ክሓስብ  
ብፍልጠት ክደምቕ  
ሂወተይ ክምዕርግ  

እንተሓተትኹም ንሕጸ ንመርዓ  
ንገርዎም ይቕበጹ ብኣጋ  
ክመሃር’የ ክሳብ መወዳእታ 

ስእለ
Mar 5, 2017 1:20 PM
108.45.183.55
ነሞግሳ ዋዕሮ
========
‘ታ ሃርበኛ ኖሪት ፈታው ሪማ
ተቓለሰት ዕምሪ መዋእላ
ንሃገራ ነቲ ሓላል ህዝባ
ነሞግሳ Thank you ንበላ

ዋዕሮ ጅግና እወ ነመስግና
ንሃገር ንህዝቢ ብዙሕ’ያ ገራ
ዘይትመን ብወርቂ ገበራ

ከዳዕን ውራርን ዝሰዓረት
ሓዳስ ኤርትራ ዝሃነጸት
ሓድነት ሰላማ ዝዓቀበት

ትብዓትን ሲኒትን ዝመሃረት
ንዱሑር ባህልታት ዝበደሀት
ጸወታዊ ኣድልዎ ተቓወመት

ተዕልለና ንሕተታ ከይከደት
ንስማዓያ እንታይ ከምዘሕለፈት
Thank you ንበላ እንዳሰመዐት
ኣምበሳ’ያ ኣብ ዉዕሎ ዘኹርዐት 
ስእለ
Mar 3, 2017 11:16 PM
108.45.183.55

ንኽብሪ ኤርትራዊት ኖሪት ብምኽንያት በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት
================================================
ኤርትራዊት ኖሪት ትሰርሖ ትፈልጥ
ኣብ ሎሚ ነቢራ ንጽባሕ ትእምት
ርሃጻ ተፍስስ ትሰርሕ ትምክት
ብነብሳ ክትሓድር ድሕረት ከተወግድ 

ብድሎ ጨመተ ተኲሳ ተድምዕ
ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ትሰርዕ
ትኩርቲ ሃርበኛ ኮሪዓ ተዅርዕ

ከም ኩሉ ህዝብኺ ኤርትራ ትብሊ
ኣብ ሽግር መኸተ ትደምቂ ትሓኒ
ዓቃል ርግቢ-ሰላም ኣባይኪ ተድንኒ

ንሰላም ምዕባሌ ትጽዕቲ ትደኺሚ
ረብሪበ ዘይወጻ ሃገር ተገልግሊ
ዘይትሕለል ንህቢ ንዕረ ተምዕሪ

ኣብ ፍልጠት ምርምር ሂወትኪ ክዓቢ
ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝያዳ ክትዓሚ
ማርሻኺ ቀይሪ ኣብ ትምህርቲ ኣድህቢ

ኣቕልብሉ ፍልጠት ጠቕሚ ትምህርቲ
ኣስካላ ምዕባሌ እቲ ረቂቕ ሓይሊ
ጓልን ወድን ጸወታ ዘይፈሊ


ሃናጺ ኣእምሮ ድሕረት ዝቐበረ
ውቅያኖስ ባሕሪ ህዋ ዝበርበረ
ናይ ስልጣኔ ሓዲድ ንሩሑቕ ዘቅረበ
ትምህርቲ’ዩ ጨብጥዮ ሃየ

ቀልብኺ ዓቕምኺ
ሽውሃትኪ ፍቕሪኺ 
ይኹን ኣብ ትምህርቲ 
መንኮርኮር ስልጣኔ ዝድርዕ ሓይሊኺ
ስእለ
Mar 2, 2017 11:03 PM
108.45.183.55
ኤርትራዊ ኒሕ
========
ኒሕ ዓጢቑ ክምክት ዘንቀደ
ንተንኮል ጸላእቲ ሽዓ ዝፈለጠ
ብነብስኻ ምኽኣል ዕብየት ዝመረጸ

ንዕንቱር መከራ ጸኒዑ ዘውግሐ
ዉሑድ ህዝቢ ዕጽፊ ዝረብሐ
ኣብ ግብግብ ግጥም ክሳድ ዝበተኸ
ፈንቅል ምስክር’ዩ ወለዶ ዘኹረዐ

ከዳሚ ወራሪ ሓፍ-ሓፍ እንተበለ
ደመኛ ጸላኢ ፍትሒ ተቐበረ
ኤርትራዊ ኒሕ ፍጹም ነይጎደለ

ሓሶት ተጋለበ ዓሎቕ ተሸበበ
ተንኮል ተተኣልመ ዓመጽ ተጎተነ
ክበንን’ዩ ጽባሕ ግዜ ምስ ኣኸለ

ኣብ ነብሱ ኣሚኑ ህዝቢ ዝሓብሓበ
ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ብማዕረ
ኣይሰዓርን ኮቶ ዝኾነ እንተኾነ

ሓቀይ’የ ናይ ልቢ ፈትሹ’ዶ ሰነድ
ኣብዛ ሓላል ሃገር ናይ ሰማእታት መሬት
ኩሉ ‘ሎ ኣብ ውሽጣ ዝንገር ዝትረኽ

ራኣይዋ ኤረይ ብልቢ ኪድዋ
ንሽርክነት ስራሕ መርሓባ በልዋ
ንእሽቶ ምጭውቲ ዓብዪ’ዩ ሕልማ
ስእለ
Mar 1, 2017 5:20 PM
148.184.174.61
ግዜ ኣይምለስን 
=========
ግዜ ወርቂ’ዩ ክበሃል ሰሚዐ  
ኣይፈለጥኩን ሎሚ'የ ነቒሐ  
ምስ ዓረበ ዕድመ ምስ ተመጠ  
ጣዕሳ ትማል ምስ ተተራኣሰ  

ምስ ኣረግኩ ግደ ዕብየት ምስ ኮንኩ  
ዓይኒ ኣብዩ ድምበርበር ምስ በልኩ  
ብርኪ ኣቕቢጹ ምርኩስ ምስ ወሰኽኩ 
ፈሊጠዮ ግዜ መቐረቱ 
ምስ ሓለፈ ከም ንፋስ ነፊጹ 

ዝሞተ ኣይድበስ - ማዕበል ኣይቕለስ 
ግዜ ኣይምለስ - ጓህሪ ኣይኹለስ 
ኣቐዲምካ ሕሰብ - ኣብ ግዜ ዝኽሰብ  

ስእለ
Feb 28, 2017 12:44 AM
108.45.183.55
ወያነ ዕዋኖ
=======
“ሞታ ዝናፈቐት ኣንጭዋ: ኣፍንጫ ድሙ ተሸትት” 
“ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ”
“ጥፋእ ዝበሎ ሓሩጭ ምስ ንፋስ ይበኣስ” 

እሂ'ሞ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻኻ፧

መሲልካ ንገሮ ኣይክምስሎን ክመስሎ 
እንተተረደኦ ወያነ ዒንኪላሎ፡ ኢለ'የ። 

እስከ ኣብራሃዮ፧

ምስ ህዝቡ ዝተባእሰ 
ሻዕብያ ዝነኸሰ
ታሪኽ ዘራኸሰ 
ዝሕባእ ኣብ ሓሶት ብድዐ…
ምምባር ዝጸልአ ጥራሕ'ዩ። 

ማለትካ፧

ምስ ህዝቢ ምበኣስ 
ምግፋዕ ምክልባት 
ምእሳር ምቕታል 
ኮቶ ዕምሪ ስልጣንካ ምሕጻር እዩ። 

ቀጽል

ምስ ሻዕብያ ምበኣስ 
ሕግን ፍትሕን ምጥሓስ 
ካብ ሓቂ ምሕንካስ 
ውድቀትካ ምቅልጣፍ።

ስለዚ 
ወያነ ተበራበር 
ካብ ሓቂ ኣይትህደም 
ካብ መሬትና ዝበል
ንሰላም ተማህለል 
ኣይተምበድብድ ነገር
ሓላፊት’ያ ዓለም…. ኢኻ ትብሎ ዘለኻ።

እወ እንተተረዲእዎስ።

ስእለ
Feb 25, 2017 8:35 PM
108.45.183.55
መን’ዩ ጋዜጠኛ፧

እቲ ብልክዕ ንሓቂ ዘቃልሕ
ዓይኒ ህዝቢ ሚዛናዊ በሊሕ
ንሞያኡ ከተግብር ዘይፈርሕ

ትኩር፣ ሞራል ዝወነነ
ዘየዳሉ ካብ ሃይማኖት፣ ወገን፣ ሕብሪ፣ ዓሌት፣ ሓራ ዝኾነ
ንሓቂ ከገልግል ዝመሓለ
ብስነ-ምግባር ተመልመለ
እዚ’ዩ ጋዘጠኛ ዝብሎ ኣነ

ተሓታቲ ብሕጊ ዝግዛእ
ብኽብሪ ሃገሩ ዘይጣላዕ
ንሓድነት ህዝቢ ዝምክት ዝስዋእ
እዚ’ዩ ጋዜጠኛ ብኽብሪ ዝጽዋዕ።

እቲ ዝምቡዕ ንሓሶት ዘጉልሕ
ልኡኽ ዓመጽ ንገንዘብ ዝሰርሕ
ትዕቢተኛ ከናቑት ዝሃልኽ
ተራ ሓሳዊ’ዩ ንኸብዱ ዘስብሕ።

ተንኮለኛ ንኤረይ ዘጸልም
ዝደናደን ዘይሕብራ ክቕልም
ብስም ነጻ ፕረስ ከም ኣድጊ ዝሃልል
ቀይዲ በተኽ’ዩ ንፕረስ ዝቐትል።

ተልመዴን፣ ዘይኮነ ዘውሪ
ከየረገጋጸ ዝሕንጥጥ ብሃውሪ
ዘደናግር፣ መታለሊ ህዝቢ
ጭብጢ-ኣልቦ ንጭብጢ ቀባሪ
እዝስ ኣይምልከቶን ናይ ጋዜጣ ክብሪ።

ስእለ
Feb 25, 2017 2:54 PM
108.45.183.55

ሰይጣን እንታይ ይመስል፧ 
==============

ሰይጣን እንታይ ይመስል ሕብሩ 
ቁሞቱ መልክዑ 
ኩሉ ቁሞንኡ፧ 

ቀይሕ ድዩ ጻዕዳ 
ሰማያዊ ብጫ 
ጸሊም ኣበሱዳ፧ 

ነዊሕ ድዩ ሓጺር 
ዘፍጣጥ ዋላስ ቀጢን 
ዝኸይድ ዝነፍር 
ንመን'ዩ ዝመስል፧ 

መን ኣሎ ዝረኣዮ 
ረኺቡ ዝዕለሎ 
ብርግጽ ዝፈልጦ፧ 

እንታይ ‘ዩ ዕላምኡ 
ሕልሙ ይኹን ባህጉ 
መጻኢ ትምኒቱ፧

ኣበይ እዩ ዝነብር 
ደንቆሮ ድዩ ሙሁር 
ዘይመውት ዘይሓምም፧

መን'ዩ ናይ ቀረባ ዓርኩ 
ኣብ ኩሉ መኻይዱ 
ከንፈር መላዝብቱ፧ 

ክንደይ'ዩ ብዝሑ 
ሓደ ድዩ ንውልቁ 
ኣመንቲ ኣሰኪሑ
ስሙ እንዳረቑሑ፧ 

ስልጣኑ ግዝኣቱ 
ስፍሓቱ ዕሙቆቱ 
ኣበይ'ዩ ደረቱ፧ 

ካብ ሰብዶ ይስይጥን፧ 
ንፍትሒ ዝቐትል 
ኲናት ህውከት ዘሳውር 
ንዓይ ጥራሕ ዝብል፧

ሰባት ሰይጣን'ዮም ዝኸሱ 
ኲናቱ ዕንወቱ 
ኣብ ዓለም ዝወርዱ 

እሞ

ሃቡኒ 'ስከ ስእሉ 
ቦታ መደበሩ 
ዓገብ ክጽሕፈሉ
ክነግሮ ኣበሩ 
ንሱ አንተኾይኑ
ስእለ
Feb 24, 2017 12:43 AM
108.45.183.55

ነቐፌታ
====
ነቐፌታ ነፍሰ-ነቐፌታ
ወረጦ ጌጋታት ሽዓ ብዊዕይታ
ኣራሚት ሃናጺት ካብ ሕምየታ
ገጽ ንገጽ ብግልጺ ብዓውታ

ንስሓ ኑዛዜ ብዘይ ቀሺ፣ ሓለዋ ጸጥታ
ሙድርጓሕ ጠባያ ዘይብላ ስክፍታ
ትእረም ትእርም ከይሳዕረረ ጌጋ

ከይጽላእ እንታይ ገደሰኒ
ባዕሉ ‘ፈልጥ እንታይ ኣእተወኒ
ሸለልትነት ንዕንወት ዓዳሚ
ነቐፌታ ትገብረሉ ፈጽሚ

YHM
Feb 23, 2017 5:43 PM
50.156.45.134
Thank you Yared! ERI TV: Yared Tesfay Interview on Cultural Diplomacy!

https://www.youtube.com/watch?v=RhYwGQ3LCqY

YHM
Feb 23, 2017 9:35 AM
50.156.45.134
Joshua Hammer of the New York Times - Another “Fake News” on Eritrea

http://dehai.org/dehai/dehai-news/105469

ስእለ
Feb 23, 2017 12:31 AM
108.45.183.55
“ቡዙሕ ተማሂርና” (ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ)
=======================
ሪኢና ሰሚዕና “ቡዙሕ ተማሂርና” 
ሕማቕን ጽቡቕን ዝፈታተነና
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘሐንኩል ጉዕዞና

ሞትና ተመንዮም ክቐብሩ ሕልምና
ንሳቶም ዓሪቦም ንሕና ግን ኣሎና
ንቕድሚት ንስጉም ንኸዶ ፈሊጥና

በዓል ዕነ-ምነ ናይ ማዕዶ ወራዙት
ልኡኻት ሳጥናኤል ናይ ዘመና ኣፍዑት
ናይ ሳይበር ጀጋኑ ናይ ምንቛት ሰቡኡት

የዋቕዑ ሓሶት ንሓቂ ክቐብሩ
ምስ’ቲ ደመኛና ሓቢሮም ይስዕሉ
ንፍትሒ ጓዕጺጾም ጥፍኣት ይዝምሩ

ዉድቀቶም ፍሽለቶም ካብ ሰብ ክኽዉሉ
ነቲ ትኩር ንህቢ ይኸሱ ይውንጅሉ
ዑሩባት ሕልና ናይ ጥፍኣት መዛኑ

ኣብ ፈታኒ መድረኽ ስረ ዝፈትሑ
ኣብ ትሕቲ ወያነ ከም ከልቢ ዝነብሑ
መምለሲ ዘይብሎም ዕርበት ዝጠፍኡ

ታሪኽ ኤርትራ ፍጹም ዝዘንግዑ
ርሕቀት ኣፍንጭኦም ክኒኡ ዘይሪኡ
ዑቡያት ዕዋኖ ኣብ ሓሶት ዝበልሑ


ስእለ
Feb 22, 2017 3:10 AM
108.45.183.55
ኩሉ ፍረ ኣይብላዕን
===========
ኩሉ ገረብ ፍረ ዘንጠልጠለ
ትሕቲ መሬት ሓመድ ዝተቐብረ
ቀይሕ ብጫ ጎጎም ዝበሰለ
ኣይብላዕን ብሓባር ብማዕረ

ብዙሕ ኣሎ ጥዕና ዝጎድእ
ዓንዴል ዕረ ሂወትካ ዘጥፍእ
ቀራጽ ከብዲ ሓፊስ ደም ዘትፍእ

ነለልዮም ዕንጉለ፣ ዓንዴል ዘይልከፉ 
ናይ ፍረታት መልክዕ ዝለበሱ
ጸረ-ሂይወት ብቋሕ-ሰም ዝቐዝፉ

ሰብ’ውን ኣሎ ሕያዋይ መሳሊ
ብመልክዕ ልሳኑ ኣዳህላሊ
ወያንያዊ ጠባይ ክፉእ ግብሪ
ጥንቅቕ ድኣ ንበል ንፍለዮም ኣትማን ርግቢ

ከም በዓል ኤልሳ ጭሩም
ንባዕዲ ትኽድም
ኣፋ ከተሐክም
ጁባ ከተሀጥር
ትሕሱ ትዓፍር
ንመክታ ጉሩህ ከይትልክም

ሰላም ኪዳነ 
ካብ ኣንስቲ ዕነ
መሃዚት ጠቐነ
ተውሪ ዘይኮነ
እቶታ ከይጉነ
ነጋልጻ 'ቲ ሕማቕ ተግባራ ንጹህ ከይለከመ

ሜሮን ኢስጢፋኖስ 
ናይ ዓመጽቲ መኾስ
ነጋዴ ደቂ ሰብ
ንዝላዓለ መኽሰብ
ናብ ኩሉ ትብል ዘብዘብ
ይኣኽለኪ ንበላ ብኤርትራዊ ስቓይ መኽሰብ

ሰነፋት ኣንስቲ
ናይ ጥፍኣት ከደምቲ
ወያንያዊ ስልቲ
ብኤርትራዊ መንእሰይ ነገድቲ
ብስቓዩ ሸቀጥቲ
እግዝኣብሄር ኣሎ ክህበክን ፍርዲ
ስእለ
Feb 21, 2017 3:13 AM
108.45.183.55

ገለ በሊ ልቢ 
========
ልቢ፡ ኣንቲ ልቢ 
እስከ ተዛረቢ፡ ኣውግዒ እቲ ሓቂ 

ስራሕኪ ንገሪ 
ኣብ ሳይንስ ረጊጽኪ 
እንታይ'ዩ ዕማምኪ፧ 

ኣነ ዝፈልጥ፡ ደም ክትጭንጒዒ 
ክትቅበሊ ከተመላልሲ 
ሞተር ሂወት፡ ዕረፍቲ ዘይብልኪ 

ሰሚዐዮ፡ ከዐልል ብኣኺ 
ክነግርልኪ፡ ስራሕኪ ጠባይኪ 
ዘይቃዶ፡ ዘይገልጽ ሞያኺ 

ብፍቕሪ ብፍትወት ዝተሳዕረ 
ተባሂሉ ልቡ ዝተዘንበ 

ብጭካነ ሕሰም፡ ዓለም ዘዛረበ 
ተባሂሉ ልቡ ዝተረረ 

እዋእ!

ገለ በሊ ልቢ: ደንጺዩኒ ኣነ!

ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ዝረሰዖ 
ልበይ ኣጥፊአ’ኸ፡ እንታይ ኣምጸኦ! 

ዝጠፈኦ ዝሕዞ ዝገብሮ 
ከመይ ኢላ ልቢ ትሕመሎ፧ 

እቲ ዝተማህረ፡ ሳይንስ ዘምበበ 
ዕድል ዘይረኸበ፡ መጽሓፍ ዘይገንጸለ 
ሓደ'ዮም ዘዕልሉ፡ ኣብ ልቢ ዝመጸ 

ነቲ ስሕዊ፡ ምስትውዓል ዝጎደሎ 
ዘይተማህረ፡ ማሃይም ደንቆሮ 
ዓሻ፡ ልቢ ዘየብሉ እዮም ዝብልዎ 

እዋእ!
ገለ በሊ ልቢ 
ንገሪ እቲ ሓቂ 
ስራሕኪ ዕማምኪ 
ምስ ዕሽነት ጭካኔ፡ እንታይ'ዩ ዘተኣሳስረኪ፧
ስእለ
Feb 21, 2017 1:38 AM
108.45.183.55
ኣብ ሕምየት የለን ዕብየት
================
ኣድሕነኒ ካብ ሕምየት በለካ-ለኻዓካ 
ምምንጫት ምንሻው ሰባት ዘይሰሙዑኻ
ቁምነገር ዘይብሉ ድሕሪት ዝጎተካ

ሰውረኒ ካብ’ቲ ድኹም ክሓሚ ዝህንጠ
ቤላቤለው ጫፍ ሒዙ ዘውሪ ከየረጋገጸ
ዘገማድሕ ሓሶት፣ ቦኹቧዅ ዝበስበሰ

ኣርሕቐለይ ’ቲ ሓማዪ ከውሪ ዝዓርቦ
ቀታል ግዜ ኩሉ ሰብ ዝሃድሞ
ሓቂ ሓሶት ዝተደናገሮ

ንዮው በሎ ሰነፍ ሕማቕ ኣመል
ዝበኾረ ካብ ስራሕ ቁምነገር
ዓጀው ክብል ሰሪሑ ዘይድረር

ንሕና ብሰብ፣ ሰብ ብኣና
ኣይንግበሮ ባህልና ልምድና
ከይንተርፍ ድሕሪት ተጎቲትና

ኣይትጽልኣኒ ብወረ ብጀካ ብተነጸረ
ሓማዪ ሰሚዕካ ዘይተባህለ
ዝሓዋውስ ዘይኮነ ዘይተገብረ
 
ካብ ሕምየት በሉ፣ ካብ ሓምሊ ጊደበሉ
የጥፍእ ‘ኳ ቀደም ተባሂሉ
ንርሓቕ ድኣ ሕማቕ’ዩ ሰበቡ
ቀታል ዕብየት ዘይንቀስ ኣበሩ
ስእለ
Feb 20, 2017 4:50 PM
108.45.183.55

ጓል እግዚሄር
========
ብሌን ዓይነይ - ክብረተይ ኵርዓተይ
መናብርተይ - ፍርቂ ኣካላተይ
ተኣማኒት - በዓልቲ ቃል ኪዳነይ

ኮኾብ ጽባሕ - ንግሆ ጸሓይ በርቂ
ረዛን ሚዛን - ግርማ ፍርቂ ለይቲ
ዘይትስርነቕ - ብጢጥ ቀንጠ-መንጢ

የዋህ ፍጥረት - ኳዕናን ርግቢ ሰላም
ካብ ሂዋናት - ንስኺ ኣደይ ማርያም
ጓል እግዝሄር - ኣደ ፍቕሪ ልዋም

ዕምበባ መስከረም - መዓር ናይ ጽገናይ 
ባህታ ሂወት - ከም መግቢ እኽለማይ
ጡዑም ሽቶ - ተናፋቒ ጠባይ

ደስታ ልበይ - ቅሳነት ሂወተይ
ኣይትርሓቒ - ንበሪ ኣብ ውሽጠይ
ትንፋስ ኢኺ - ሰራውር ናይ ደመይ
ፍቕሪ ኪዳን - ሒማ ኣደ ደቀይ
ስእለ
Feb 19, 2017 1:06 AM
108.45.183.55
ኣስተውዕል!

ህዝቢ ኤርትራ - ሃየ ኣስተውዕለሉ
ሸርሕታት ጸላእቲ - ከይትህመለሉ
ሓድነትካ ኣትርር - ቀልቢ ግበረሉ

ጉዳማት ጸላእቲ - ናይ ዕግርግር ክርቢት
መብራህቲ ኣጥፊኦም - ክኣትዉ ብድሕሪት
ሓረጋት ይመርጹ - ንልቢ ዝሰልብ

ክትሰምዓ ተስልቹ - እናሻዕ ትደጋገም
መዝሙር ጉሓላሉ - "ዲክታተር" "ዲክታተር"
ሚስጢር ምዕራባውያን - ክብቱኑ ሃገር

ህዝቢ'ዩ ‘ቲ ታርጌት - ኣይኮነን "ዲክታተር"
መራሒ ሲኢኑ - ክናቖት ክብተን
ሕልሚ ተጻባእቲ - ሎሚ ይኹን ቀደም

መራሕቲ ተቐንጺሎም - ተባሂሎም ዲክታተር
ኣገልጋሊ ባዕዲ - ከይኮኑ ሓንጊዶም
ስለ ዝመከቱ - ከገልግሉ ህዝቦም

ሳዳም ተቐንጺሉ - ቀዛፊ ሲዒቡ
ኣሳድ ተሓቲቱ - ክለቅቕ ስልጣኑ
እቲ ዝተረፈ - መዓልቱ ክሕሉ

ኢራቕ ተወሪራ - ልብያ ተደጊማ
ኣፍጋኒስታናን ዓንያ - የመን'ውን ሲዒባ
ሶርያ ተደምሲሳ - ሶማል ተበቲና

ህዝበን ተሳቕዩ - መይቱ ተሰዲዱ
ተሓሪሙ ሰላም - መረበጡ ዓንዩ
ዲክታተር ሓሊፎም - ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ

ሽጣራ ዓመጽቲ - ብዙሕ'ዩ ስሩ
ምስ ዲክታተር ሽርካ - ንጹህ ይወንጂሉ
ጥቕሞም ዘገልገለ - ስሙ ኣየልዕሉ
በደሉ ሓጥያቱ - ኣፎም ይለጉሙሉ

ስእለ
Feb 17, 2017 2:52 AM
108.45.183.55
እርጋን ፈውሲ-ኣልቦ
============
እነብር ኣለኹ ካብ ሕማቕ ሪሒቐ
ካብ ሽጋራ ኣልኮላዊ መስተ
ዕጸ-ፋርስ ቆጽሊ ዝረኸሰ 
ንእርጋን ከይርኢ ክነብር ጎቢዘ

ዝምገቦ ኣጽኒዐ መርሚረ
ምዉስዋስ ይገብር ዓቲበ
ንጥዕናይ ክብረይ ዝሓለወ

ዘሐድስ ኣእምሮይ ይርኢ የንብብ
ፍሽኽታ ይምጡ ንኹሉ ዘዐግብ
ሰላም፣ከመይ ኣለኹም የስዕብ

ተጸገመ እሕግዝ ብተግባር ብምኽሪ
ምስ ኩሉ ይዋሳእ ብቕንዕና ፍቕሪ
ይጽሊ ይሰግድ ኣምላኽ ዝበለኒ
ኣብ መሬት ኣብ ሰማይ መታን ክጥዕመኒ

ነዊሕ ተጓዒዘ ንኹሉ ሲዒረ
ንስስዐ ተንኮል ሰላም ዝደወነ
ንዓመጽ ቅርሕንቲ እግዚሄር ዘቕሓረ

ግና
ኣይከኣልኩን ክወግድ ንእርጋን
ኣእዛነይ ጸኒዑ ኢሎሙኒ ጸማም
ዓይነይ ተዳኺሙ ቀሪቡ ምዕዋር
ሓይለይ ብሊዓቶ ሲኢነ ምስጓም
ፉሑኽ እንዳበለት ከም ሰላሕታ ሕማም

ገና ኣለኹ ጎበዝ'የ እንዳበልኩ
ብርኪ ኣብዩ ኣዒንቲ ፈዚዙ
ክዝክር ክርስዕ ናይ ደቓይቕ ኮይኑ
ፈውሲ-ኣልቦ እርጋን ተማሕጸኑ

እርጋን ኮንክኒ'ኮ ትዃን!
ስእለ
Feb 16, 2017 2:13 AM
108.45.183.55
እንዳዃሓሉ ዘንቁሩ ብዓል መን’ዮም ትብሉ፧

ወይ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ!
ብዉሑዳት ግብዝ ንሓቂ ደዋኖ
ጸረ-ሃገር በዓል “ትውጋሕ’ሞ”
ተናኸስቲ ቃርማ ጉጂለ ዕዋኖ

እንዳረኣየ ዓይኖም ዝዓወረ
ብጽልኢ ቅርሕንቲ ርእሶም ዝተኮነ
ብንሕና ንፈልጥ ዉሽጦም ዝማህመነ
ዱኹማት ኣእምሮ ጭልቅዕ ዘይበሰለ

መን ከማይ ባሃልቲ ናይ ጥፍኣት ሃወርያ
ሰብ-መሰል ቁሩሓት ዝቐትሉ ኣርኣያ
ዝጉዕጽጹ ሓቂ ብግልጺ ብድብያ

ንሓቂ ኣንቊሮም ንሓሶት ዝኹሕሉ
ብዕራይ ወሊዱ ኢሎም ከእምኑ ዝጽዕሩ
መሃንዲስ ምትላል ዝነብዑ ከምስሉ

ቀለታ ኪዳነ፣ ተወልደብርሃን ገብረ
እንታይ’ዩ ‘ዚ ዓጭዓጭ ጠገለ ዝሰኣነ
ምንሻው መጸጸጽ ጣዕሙ ዝመጭቆረ
ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ ‘ዚ ኹሉ ጸለመ
ገምቢ ተጸጊዕካስ እንታይ’ዩ ክዕረ፧

ንዑንቱር ሸርሕታት ብትብዓት ዘምከነ
ብሓድነት ሰላም ንህዝቡ ዘቕሰነ
ወሰና ማእከላ ሃገሩ ዘውሓሰ
ንናይ ጽባሕ ራህዋ ረሃጹ ዘፍሰሰ
ምጽላም ምንሻው ናበይ ዝኣንፈተ፧

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events