Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Mar 22, 2017 9:09 PM
173.73.175.84
ክሓጽር ስሃሮ
=======
ኩሉ እንሓልሞ - ንጽዕሮ ንገብሮ 
ኣብ ሓደ ንጥመሮ - ብዘይ ሓንሳብ’ሞ

ጉልበትና ዓቕምና
ኣብ ሓደ ወዲብና
ከምታ ናይ ቀደምና
ንበገስ ንዕዮ 
ኣብ ግብሪ ነርእዮ
ክንበጽሖ ንደልዮ

ንድገሞ ‘ቲ ታሪኽ 
ኣብ ኩሉ ብሰፊሕ
ክብርና ክብርኽ

ኣይንበል ሰንደልደል - ኣብ ሓድነት ንዕሰል
ጸላኢ ክኹምተር - ዓወትና ክኹመር!
New
Mar 21, 2017 9:12 PM
166.107.163.3
ስእለ, I just want to say thank you, and please keep writing.
ስእለ
Mar 20, 2017 9:15 PM
173.73.175.84
ንሓጐስ’ዩ
=====
እዚ ኹሉ ኮለል
ላዕሊ ታሕቲ ሕምበለል
ሸቐልቀል ጸለለል 
ኣብ’ዛ ኩርኳሕ ዓለም

ንሓጐስ’ዩ ደስታ
ንራህዋ እፎይታ
ክሳብ ሞት ስንብታ

ዘስደምም ጸደፍደፍ
ስስዐ ሃነፍነፍ
ንምጭባጥ ሓጐስ


መዓልቲ ሓጺሩ
ለይቲ ንውስኸሉ
ይኣኽለኒ ዘይብሉ
ስእለ
Mar 17, 2017 11:44 PM
108.45.183.55
ግዜና’ዶ ተሻምዮሞ፧
==========
በይንና፣ ሓቢርና፣ ዕላል ጸወታና 
ሓጺርን ሰፊሕን ትንታኔ ጽሑፉና
ፖለቲካ ኮይኑ ወግዒ ዘረባና

ኢዶም ኣይስኣኑ ጭፍራ ጎረቤትና
ዕላሞኦም ወራር፣ ቅንኢ፣ ሕስድና
ተሻምዮሞ ወርቃዊ ግዜና

ጃንዳ ክሕስዉ ንፍትሒ ክዓብጡ
መሬትና ወሪሮም ደቂሶም ክሓድሩ 
ሃገር መቓቒሎም ኣብ ስልጣን ክነብሩ
ኣይፈቐድናን ክንርእዮም ክዓብዱ
ተገዲድና ክነግሮም’ቲ ሓቁ

ብቕዓት-ኣልቦ ጊሓት ተደርበሹ
ጸቢብ ርእሶም ታሪኽ ዘራኽሱ
ፍጮ ትግራይ ኣብ ሓቂ ዝንእሱ 
ናይ ስርቂ ጉጂለ ካብ ባዕዲ ዘይሕሹ
ግዜና ሰሩቖም ናበይ ከይግስግሱ 

ስእለ
Mar 16, 2017 3:04 AM
108.45.183.55

ገናሒ ሲኢኑ
======
ኣንታ ‘ታይ ዘመኑ ‘ታይ እዋኑ
መፈጠርካ ከም ሰብ ትጸልኣሉ
ወዲ ኣዳም ሓሲሙ ጨኪኑ
ናብራ ዓሳ ሪዒምዎ ኩሉ

ማሃይም ሙሁሩ
ድኽኡ ሃብታሙ
ሓርገጽ ተቐይሩ

ሰብ ቀቲሉ ሓሪዱ ዘልዚሉ
ዕዳጋ የውርድ ኲሊቱ ኣካሉ
ክሽየጥ ክልወጥ ገንዘብ ክኸስበሉ

ሱሱዕ ዓሻ ንሕስያ ዘይብሉ
ተጸሊሉ ገናሒ ሲኢኑ
ረሲዕዎ ሓላፊ ምዃኑ
ስእለ
Mar 14, 2017 5:39 PM
108.45.183.55
ፎ በልዎ! 
===== 
ሰሚዐዮ 'ቲ ወይጦ ክምድር 
በጨቕ ክብሎ ዝነበሮ ሕዱር 
ዉዱቕ ዓንጃል ተበላጺ ምሁር

ሕማም ወገን ኣውራጃዊ ጠባይ 
ድሑር ባህሊ ናይ ሓድነት ተጻይ 
የኳማስዕ ንጹህ ንምግጋይ 

ሰነፍ ፍጥረት ኣርሒቑ ዘይጥምት 
ሕሉፍ ታሪኽ ዘይውከስ ዘይፈልጥ 
ኣብ ናይ ጥፍኣት ዓንኬል ንበይኑ ዝዕገሽግሽ 

ፎ በልዎ እዝኒ ኣይትሃብዎ 
ኣይትቕረቡ ፍጹም ረሓቕዎ 
ፌራ'ዩ ፈውሲ ዘይርከቦ 

ፈላላዪ ጸረ-መላግቦ 
ድሑር ፍጥረት መድረኽ ዝጠንጠኖ 
መኣዝን ዘጥፈአ ህውታትያ ዕዋኖ 

ዓኽ በልዎ ቀልቢ ኣይትሃብዎ 
ኣይትቕረቡ ፍጹም ረሓቕዎ 
ዓባይ-ስዓል ፈውሲ ዘይርከቦ
ስእለ
Mar 12, 2017 4:04 PM
108.45.183.55
ሃለውለው ማዕዶ የለን ዝፍይዶ
===============
መሸላ ኣይሕሎን ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ
ኣብ’ቲ ግራቱ’ዩ ኣብ’ቲ ዝሸወቶ
ብዋሪ ጨራሩ ከይብላዕ ህንኩቶ

ሃገር’ውን ኣይዓብን ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ
ኣብ ውሽጢ ኰንካ’ዩ ኣብ ርስቲ ዓደቦ
ራሃጽ እንዳፍሰስካ ‘ቲ ዕዮ ዝሓቶ

ቀለታ ኪዳነ፣ ተወልደብርሃን ገብረ
ናይ ሓሶት መሲሃን ናይ ጥፍኣት ወሓለ
ዓጀውጆው ግደፉ ብተግባር ዘይስነ

ኣብ ኢንተርነት ቡዙሕ ተለፍለፍኩም
ሰራሕ ቅያ እንተኣቋናጸብኩም 
ቃና “ትውጋሕ’ሞ” ተደገምኩም
ለውጢ ኣይመጽእን ገምቢ ተጸጊዕኩም  

ምዕባሌ ስልጣኔ ኣብ ባይታ ክትርእዩ
ኣብ ታሕቲ ወሪድኩም ምስ ሃብሮም ጉየዩ
ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ እዝኒ ኣይተጽሙሙ
መዝሙር ልኣኽትኹም ኣይትደጋግሙ
ቀደም’ዩ ፈሺሉ ሰማዒ ሲኢኑ

ስእለ
Mar 9, 2017 11:20 PM
108.45.183.55
ተወልደብርሃን ገብረ
===========
ብዙሕ’ዩ ዝዛረብ
ዝሕንጥጥ ወረቐት
ዝመለኦ ግለት

ኢዱ ዘይሕውስ
ኣብ ስራሕ ዝሕንክስ
ሃብሮማት ዘናእስ

ትዒቢት ዝሰርነቖ
ዓርኪ “ትውጋሕ’ሞ”
ይውርዚ ካብ ማዕዶ
ብስም ተቓውሞ

ናይ ደገ ናይ ውሽጢ
ተጻብኦ ጻዕቒ
ምዕባለ ዝቖጺ
ህዝብና ዘሳቒ
ደጊፉ ይፋጺ

ካብ መላእ ኣፍሪቃ
ሰላማ ዓቂባ
ንህዝባ ወዲባ
ትምርሽ እንተላ
ኤርትራ ጥራሕ’ያ

ግና ነዚ ኣናኢሱ
ምስ ጸላእቲ ደቂሱ
ሕልንኡ ሸይጡ
ሻዕብያ የናሹ

ገብረ፣
ቁምነገር ‘ተለካ
ልዕሊ’ቲ ዘረባ
ኣብ ታሕቲ ወሪድካ
እጂገ ሰብሲብካ
ኣበርክት ግዴኻ
ንዕብየት ንራህዋ

ዓጀውጆው ግደፎ 
ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ
ምሕንኳል ወፋሮ
እቶት ዘይርከቦ
ስእለ
Mar 8, 2017 4:17 PM
148.184.174.61
መርዓ ናበይ ከይከደኒ  
===========
ኩቡራት ወለደይ  
ሕያዎት ሓብሓብተይ  
ትምነዩ ጽቡቐይ  

ክንዲ መርዓ ገዝሚ  
ክንዲ ወርቂ ኩሕሊ  
ምምሃር ይሕሸኒ  

ዘይበርስ ሃብቲ  
ዘይጽንቀቕ ስንቂ  
ፍልጠት'ዩ ወርቂ  

ስለዚ ድልየተይ ስምዕዎ  
ሃየ ደግፍዎ  
ክቕጽል'የ ምህሮ  

ኣስፊሐ ክሓስብ  
ብፍልጠት ክደምቕ  
ሂወተይ ክምዕርግ  

እንተሓተትኹም ንሕጸ ንመርዓ  
ንገርዎም ይቕበጹ ብኣጋ  
ክመሃር’የ ክሳብ መወዳእታ 

ስእለ
Mar 5, 2017 1:20 PM
108.45.183.55
ነሞግሳ ዋዕሮ
========
‘ታ ሃርበኛ ኖሪት ፈታው ሪማ
ተቓለሰት ዕምሪ መዋእላ
ንሃገራ ነቲ ሓላል ህዝባ
ነሞግሳ Thank you ንበላ

ዋዕሮ ጅግና እወ ነመስግና
ንሃገር ንህዝቢ ብዙሕ’ያ ገራ
ዘይትመን ብወርቂ ገበራ

ከዳዕን ውራርን ዝሰዓረት
ሓዳስ ኤርትራ ዝሃነጸት
ሓድነት ሰላማ ዝዓቀበት

ትብዓትን ሲኒትን ዝመሃረት
ንዱሑር ባህልታት ዝበደሀት
ጸወታዊ ኣድልዎ ተቓወመት

ተዕልለና ንሕተታ ከይከደት
ንስማዓያ እንታይ ከምዘሕለፈት
Thank you ንበላ እንዳሰመዐት
ኣምበሳ’ያ ኣብ ዉዕሎ ዘኹርዐት 
ስእለ
Mar 3, 2017 11:16 PM
108.45.183.55

ንኽብሪ ኤርትራዊት ኖሪት ብምኽንያት በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት
================================================
ኤርትራዊት ኖሪት ትሰርሖ ትፈልጥ
ኣብ ሎሚ ነቢራ ንጽባሕ ትእምት
ርሃጻ ተፍስስ ትሰርሕ ትምክት
ብነብሳ ክትሓድር ድሕረት ከተወግድ 

ብድሎ ጨመተ ተኲሳ ተድምዕ
ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ትሰርዕ
ትኩርቲ ሃርበኛ ኮሪዓ ተዅርዕ

ከም ኩሉ ህዝብኺ ኤርትራ ትብሊ
ኣብ ሽግር መኸተ ትደምቂ ትሓኒ
ዓቃል ርግቢ-ሰላም ኣባይኪ ተድንኒ

ንሰላም ምዕባሌ ትጽዕቲ ትደኺሚ
ረብሪበ ዘይወጻ ሃገር ተገልግሊ
ዘይትሕለል ንህቢ ንዕረ ተምዕሪ

ኣብ ፍልጠት ምርምር ሂወትኪ ክዓቢ
ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝያዳ ክትዓሚ
ማርሻኺ ቀይሪ ኣብ ትምህርቲ ኣድህቢ

ኣቕልብሉ ፍልጠት ጠቕሚ ትምህርቲ
ኣስካላ ምዕባሌ እቲ ረቂቕ ሓይሊ
ጓልን ወድን ጸወታ ዘይፈሊ


ሃናጺ ኣእምሮ ድሕረት ዝቐበረ
ውቅያኖስ ባሕሪ ህዋ ዝበርበረ
ናይ ስልጣኔ ሓዲድ ንሩሑቕ ዘቅረበ
ትምህርቲ’ዩ ጨብጥዮ ሃየ

ቀልብኺ ዓቕምኺ
ሽውሃትኪ ፍቕሪኺ 
ይኹን ኣብ ትምህርቲ 
መንኮርኮር ስልጣኔ ዝድርዕ ሓይሊኺ
ስእለ
Mar 2, 2017 11:03 PM
108.45.183.55
ኤርትራዊ ኒሕ
========
ኒሕ ዓጢቑ ክምክት ዘንቀደ
ንተንኮል ጸላእቲ ሽዓ ዝፈለጠ
ብነብስኻ ምኽኣል ዕብየት ዝመረጸ

ንዕንቱር መከራ ጸኒዑ ዘውግሐ
ዉሑድ ህዝቢ ዕጽፊ ዝረብሐ
ኣብ ግብግብ ግጥም ክሳድ ዝበተኸ
ፈንቅል ምስክር’ዩ ወለዶ ዘኹረዐ

ከዳሚ ወራሪ ሓፍ-ሓፍ እንተበለ
ደመኛ ጸላኢ ፍትሒ ተቐበረ
ኤርትራዊ ኒሕ ፍጹም ነይጎደለ

ሓሶት ተጋለበ ዓሎቕ ተሸበበ
ተንኮል ተተኣልመ ዓመጽ ተጎተነ
ክበንን’ዩ ጽባሕ ግዜ ምስ ኣኸለ

ኣብ ነብሱ ኣሚኑ ህዝቢ ዝሓብሓበ
ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ብማዕረ
ኣይሰዓርን ኮቶ ዝኾነ እንተኾነ

ሓቀይ’የ ናይ ልቢ ፈትሹ’ዶ ሰነድ
ኣብዛ ሓላል ሃገር ናይ ሰማእታት መሬት
ኩሉ ‘ሎ ኣብ ውሽጣ ዝንገር ዝትረኽ

ራኣይዋ ኤረይ ብልቢ ኪድዋ
ንሽርክነት ስራሕ መርሓባ በልዋ
ንእሽቶ ምጭውቲ ዓብዪ’ዩ ሕልማ
ስእለ
Mar 1, 2017 5:20 PM
148.184.174.61
ግዜ ኣይምለስን 
=========
ግዜ ወርቂ’ዩ ክበሃል ሰሚዐ  
ኣይፈለጥኩን ሎሚ'የ ነቒሐ  
ምስ ዓረበ ዕድመ ምስ ተመጠ  
ጣዕሳ ትማል ምስ ተተራኣሰ  

ምስ ኣረግኩ ግደ ዕብየት ምስ ኮንኩ  
ዓይኒ ኣብዩ ድምበርበር ምስ በልኩ  
ብርኪ ኣቕቢጹ ምርኩስ ምስ ወሰኽኩ 
ፈሊጠዮ ግዜ መቐረቱ 
ምስ ሓለፈ ከም ንፋስ ነፊጹ 

ዝሞተ ኣይድበስ - ማዕበል ኣይቕለስ 
ግዜ ኣይምለስ - ጓህሪ ኣይኹለስ 
ኣቐዲምካ ሕሰብ - ኣብ ግዜ ዝኽሰብ  

ስእለ
Feb 28, 2017 12:44 AM
108.45.183.55
ወያነ ዕዋኖ
=======
“ሞታ ዝናፈቐት ኣንጭዋ: ኣፍንጫ ድሙ ተሸትት” 
“ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ”
“ጥፋእ ዝበሎ ሓሩጭ ምስ ንፋስ ይበኣስ” 

እሂ'ሞ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻኻ፧

መሲልካ ንገሮ ኣይክምስሎን ክመስሎ 
እንተተረደኦ ወያነ ዒንኪላሎ፡ ኢለ'የ። 

እስከ ኣብራሃዮ፧

ምስ ህዝቡ ዝተባእሰ 
ሻዕብያ ዝነኸሰ
ታሪኽ ዘራኸሰ 
ዝሕባእ ኣብ ሓሶት ብድዐ…
ምምባር ዝጸልአ ጥራሕ'ዩ። 

ማለትካ፧

ምስ ህዝቢ ምበኣስ 
ምግፋዕ ምክልባት 
ምእሳር ምቕታል 
ኮቶ ዕምሪ ስልጣንካ ምሕጻር እዩ። 

ቀጽል

ምስ ሻዕብያ ምበኣስ 
ሕግን ፍትሕን ምጥሓስ 
ካብ ሓቂ ምሕንካስ 
ውድቀትካ ምቅልጣፍ።

ስለዚ 
ወያነ ተበራበር 
ካብ ሓቂ ኣይትህደም 
ካብ መሬትና ዝበል
ንሰላም ተማህለል 
ኣይተምበድብድ ነገር
ሓላፊት’ያ ዓለም…. ኢኻ ትብሎ ዘለኻ።

እወ እንተተረዲእዎስ።

ስእለ
Feb 25, 2017 8:35 PM
108.45.183.55
መን’ዩ ጋዜጠኛ፧

እቲ ብልክዕ ንሓቂ ዘቃልሕ
ዓይኒ ህዝቢ ሚዛናዊ በሊሕ
ንሞያኡ ከተግብር ዘይፈርሕ

ትኩር፣ ሞራል ዝወነነ
ዘየዳሉ ካብ ሃይማኖት፣ ወገን፣ ሕብሪ፣ ዓሌት፣ ሓራ ዝኾነ
ንሓቂ ከገልግል ዝመሓለ
ብስነ-ምግባር ተመልመለ
እዚ’ዩ ጋዘጠኛ ዝብሎ ኣነ

ተሓታቲ ብሕጊ ዝግዛእ
ብኽብሪ ሃገሩ ዘይጣላዕ
ንሓድነት ህዝቢ ዝምክት ዝስዋእ
እዚ’ዩ ጋዜጠኛ ብኽብሪ ዝጽዋዕ።

እቲ ዝምቡዕ ንሓሶት ዘጉልሕ
ልኡኽ ዓመጽ ንገንዘብ ዝሰርሕ
ትዕቢተኛ ከናቑት ዝሃልኽ
ተራ ሓሳዊ’ዩ ንኸብዱ ዘስብሕ።

ተንኮለኛ ንኤረይ ዘጸልም
ዝደናደን ዘይሕብራ ክቕልም
ብስም ነጻ ፕረስ ከም ኣድጊ ዝሃልል
ቀይዲ በተኽ’ዩ ንፕረስ ዝቐትል።

ተልመዴን፣ ዘይኮነ ዘውሪ
ከየረገጋጸ ዝሕንጥጥ ብሃውሪ
ዘደናግር፣ መታለሊ ህዝቢ
ጭብጢ-ኣልቦ ንጭብጢ ቀባሪ
እዝስ ኣይምልከቶን ናይ ጋዜጣ ክብሪ።

ስእለ
Feb 25, 2017 2:54 PM
108.45.183.55

ሰይጣን እንታይ ይመስል፧ 
==============

ሰይጣን እንታይ ይመስል ሕብሩ 
ቁሞቱ መልክዑ 
ኩሉ ቁሞንኡ፧ 

ቀይሕ ድዩ ጻዕዳ 
ሰማያዊ ብጫ 
ጸሊም ኣበሱዳ፧ 

ነዊሕ ድዩ ሓጺር 
ዘፍጣጥ ዋላስ ቀጢን 
ዝኸይድ ዝነፍር 
ንመን'ዩ ዝመስል፧ 

መን ኣሎ ዝረኣዮ 
ረኺቡ ዝዕለሎ 
ብርግጽ ዝፈልጦ፧ 

እንታይ ‘ዩ ዕላምኡ 
ሕልሙ ይኹን ባህጉ 
መጻኢ ትምኒቱ፧

ኣበይ እዩ ዝነብር 
ደንቆሮ ድዩ ሙሁር 
ዘይመውት ዘይሓምም፧

መን'ዩ ናይ ቀረባ ዓርኩ 
ኣብ ኩሉ መኻይዱ 
ከንፈር መላዝብቱ፧ 

ክንደይ'ዩ ብዝሑ 
ሓደ ድዩ ንውልቁ 
ኣመንቲ ኣሰኪሑ
ስሙ እንዳረቑሑ፧ 

ስልጣኑ ግዝኣቱ 
ስፍሓቱ ዕሙቆቱ 
ኣበይ'ዩ ደረቱ፧ 

ካብ ሰብዶ ይስይጥን፧ 
ንፍትሒ ዝቐትል 
ኲናት ህውከት ዘሳውር 
ንዓይ ጥራሕ ዝብል፧

ሰባት ሰይጣን'ዮም ዝኸሱ 
ኲናቱ ዕንወቱ 
ኣብ ዓለም ዝወርዱ 

እሞ

ሃቡኒ 'ስከ ስእሉ 
ቦታ መደበሩ 
ዓገብ ክጽሕፈሉ
ክነግሮ ኣበሩ 
ንሱ አንተኾይኑ
ስእለ
Feb 24, 2017 12:43 AM
108.45.183.55

ነቐፌታ
====
ነቐፌታ ነፍሰ-ነቐፌታ
ወረጦ ጌጋታት ሽዓ ብዊዕይታ
ኣራሚት ሃናጺት ካብ ሕምየታ
ገጽ ንገጽ ብግልጺ ብዓውታ

ንስሓ ኑዛዜ ብዘይ ቀሺ፣ ሓለዋ ጸጥታ
ሙድርጓሕ ጠባያ ዘይብላ ስክፍታ
ትእረም ትእርም ከይሳዕረረ ጌጋ

ከይጽላእ እንታይ ገደሰኒ
ባዕሉ ‘ፈልጥ እንታይ ኣእተወኒ
ሸለልትነት ንዕንወት ዓዳሚ
ነቐፌታ ትገብረሉ ፈጽሚ

YHM
Feb 23, 2017 5:43 PM
50.156.45.134
Thank you Yared! ERI TV: Yared Tesfay Interview on Cultural Diplomacy!

https://www.youtube.com/watch?v=RhYwGQ3LCqY

YHM
Feb 23, 2017 9:35 AM
50.156.45.134
Joshua Hammer of the New York Times - Another “Fake News” on Eritrea

http://dehai.org/dehai/dehai-news/105469

ስእለ
Feb 23, 2017 12:31 AM
108.45.183.55
“ቡዙሕ ተማሂርና” (ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ)
=======================
ሪኢና ሰሚዕና “ቡዙሕ ተማሂርና” 
ሕማቕን ጽቡቕን ዝፈታተነና
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘሐንኩል ጉዕዞና

ሞትና ተመንዮም ክቐብሩ ሕልምና
ንሳቶም ዓሪቦም ንሕና ግን ኣሎና
ንቕድሚት ንስጉም ንኸዶ ፈሊጥና

በዓል ዕነ-ምነ ናይ ማዕዶ ወራዙት
ልኡኻት ሳጥናኤል ናይ ዘመና ኣፍዑት
ናይ ሳይበር ጀጋኑ ናይ ምንቛት ሰቡኡት

የዋቕዑ ሓሶት ንሓቂ ክቐብሩ
ምስ’ቲ ደመኛና ሓቢሮም ይስዕሉ
ንፍትሒ ጓዕጺጾም ጥፍኣት ይዝምሩ

ዉድቀቶም ፍሽለቶም ካብ ሰብ ክኽዉሉ
ነቲ ትኩር ንህቢ ይኸሱ ይውንጅሉ
ዑሩባት ሕልና ናይ ጥፍኣት መዛኑ

ኣብ ፈታኒ መድረኽ ስረ ዝፈትሑ
ኣብ ትሕቲ ወያነ ከም ከልቢ ዝነብሑ
መምለሲ ዘይብሎም ዕርበት ዝጠፍኡ

ታሪኽ ኤርትራ ፍጹም ዝዘንግዑ
ርሕቀት ኣፍንጭኦም ክኒኡ ዘይሪኡ
ዑቡያት ዕዋኖ ኣብ ሓሶት ዝበልሑ



ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events