Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Feb 2, 2017 1:57 PM
148.184.174.61
ንኽብሪ ኩቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መበል 71 በዓል ልደት

Happy Birthday!!

ሕልሙ ደረት-ኣልቦ
ዓቕሊ ዝዓደሎ
ኩሉ ዘይእግሞ

ኣብ መትከል ጸኒዑ
ህዝቡ ተረዲኡ
ዝሰጉም ቅድሚኡ

ኣብ ሓቂ ረጊጹ
መደቡ ሓንጺጹ
ንጽባሕ ዘማዕዱ

ኣብ ስራሕ ኣሚኑ
ሃገር ክትለምዓሉ
ይሰርሕ ከም ሰቡ

ኣይፈቱን ዓማጺ
ዘይናቱ ኮላሲ
ንህዝቢ ዘሳቒ

ኣብ ዓቕሙ ዝሙርኮስ
ንዉሽጡ ዝዉከስ
ብጫውጫው ዘይርበሽ

ባህሊ ዝኾስኰሰ
ክስጉም ብማዕረ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ

ከማኻ ኣይተፈጥረን
ብህዝቡ ዝእመን
ሓፋሽ ዝከናኸን

መን'የ እሞ ክብለካ
ቃላት ሲኢነልካ
ዝገልጽ ንዓኻ

ቀጽሎ ጉዕዞኻ
ኣሎና ኣብ ጎንኻ!

============

ክነብር'ዩ !

ኣብ ነብሱ ዝኣምን 
ምስ ህዝቡ ዝሓንን 
ትኳቦ ዝፍንፍን

ክነብር'ዩ ዘልኣለም ብኽብሪ 
ሃልዩ ሓሊፉ ኣብ'ዛ ዓለም ምድሪ 
ክሙጎስ'ዩ ብሰብ ብፈጣሪ

ዉፉይ እንድዩ ንስራሕ ቅንዕና 
ዝወነነ ትግዕስቲ ትሕትና 
ዓይኒ ህዝቢ ቦሶላ ጉዕዞና

ንውልቃዊ ረብሓ ዘወገደ 
ዕድመ ንእስነቱ ዘወፈየ 
ንሃገር ንህዝቢ ዝመሓለ

ብሸርሒ ብዂናት ከይተዳህለ 
ብሕሰም መከራ ከይባህረረ 
ነጻ ኤርትራ ክውን ዝገበረ 
ንፍትሒ ነጻነት ደው ዝበለ

ጅግና'ዩ ትኩር በዓል ስረ 
ዘይርበሽ ዑሱብ ተሓንሓነ 
ኣማን ህዝቡ ብሓቂ ዝዳነ

ክዝከር'ዩ ዘልኣለም ብኽብሪ 
ሃልዩ ሓሊፉ ኣብ'ዛ ዓለም ምድሪ 
ክሙጎስ'ዩ ብታሪኽ ተንታኒ
ስእለ
Feb 1, 2017 10:16 PM
108.45.183.55
ተባሃጊ
====
ለዋህ ምጩው እቲ መዓር ኣፉ
ሰንሰሎማይ ዘጽረየ ጽያፉ
ድራር ዓይነይ ሸገ ኣካላቱ 
ስሓቕ ምስ ፍሽኽታ ሕላገቱ
ተሰኒፈ ብፍቕሩ ፍተቱ

ዘይዕበ ንሓቂ ዝፈቱ
ቅንዕናን ጸሎትን መኻይዱ
ወዲ እዝጊሄር ንጹህ በላዕ ናቱ

ኣፍካ ዘየኽድን ጸወታ ዕላሉ
ተባሃጊ ዋዛ ቁምነገሩ
ልዕሊ ነብሱ ዘኽብር ንኹሉ
ሑሩይ ልበይ ዉነይ ዝዓብደሉ


ተሃዊኸ ክረኽቦ ኣብ ሰዓቱ
ክጥምጠሞ ክስዕሞ ኣብ ኣፉ
ተጸጊዐ ከተንፍስ ኣብ ልቡ

ክረኽቦም’የ ኩቡራት ወለዱ
‘ቶም ፈተውቱ ብጾት መሓዙቱ
ኣብ ሰናይን ጸገምን መላዝብቱ
ከበስሮም ናቱ ከምዝኾንኩ

ኣይደልዮን ነቲ ጉዙእ ንዋይ
ብሃብቲ ዝትምን ፍቕሪ ጠባይ
ሕማም ርእሲ ዑቡይ ተጃሃራይ
ስእለ
Jan 31, 2017 10:08 PM
108.45.183.55
ኣይቅየር ኣይጽጸ
==========
ሓንሳብ’ሞ ኣብዚኣ
ሕቶ ‘ሎኒ ዘቕርባ
ኩሉ ሰብ ክሰምዓ

ኣበይ ‘ሎ ‘ቲ ለውጢ
ምርጫ ናይ ህዝቢ
ትርጉም ዲሞክራሲ፧

ኦባማ ኣልጊሱ
ትራምፕ መጺኡ
ዝዛረብ ድልየቱ
እታይ ተለዊጡ፧

ልቢ በል ሰማዒ
ተቕልብ ትሪኢ

ትኩር ኩን ኣስተውዕል
ዓቕሊ ኣይትሸኩል

‘ቲ ስርዓት ኣምብቦ
ስይስተም ዝኽተሎ
ወሲዱ ዘይኣኽሎ

ዝመጸ እንተመጸ
ብኣፍ ተወርጸጸ
‘ቲ ፖሊሲ ሓደ
ኣይቅየር ኣይጽጸ
 ቡዙሕ ከይትጸበ
ስእለ
Jan 30, 2017 9:40 PM
108.45.183.55
መን'ዩ፧

ብነብሰ ምትሓት ዝተጠቕዐ
ብንጉሁኡ ኣንፈቱ ዝሰሓተ
ማንታ ርእሱ ቅንኢ ዝተበልዐ
መን 'ዩ ትብሉ ሕንጻይ ዝተጸልአ፧

ዘይሓይሽ ካብ'ቶም ኣቦታቱ
ዝሓለፈ ካብ ሃይላት መንግስቱ
ብዓሌት ጎደቦ ዝመቓቕል ህዝቡ
መን'ዩ ትብሉ እስከ ተዓወቱ፧

ጸጋዕተኛ ኣብ ንብሱ ዘይኣምን
ፈላላዪ ካብ ባዕዲ ዝሓስም
ዘየሕፍሮ ክልምን ክኽድም
መን'ዩ ትብሉ ብጻዩ ዝጠልም፧

ሕጊ ዉዕል ፍጹም ዘይቅይዶ
ተላኣኺ ክኽድም ዝሰልጦ
ድንኪ ጊላ ዘይብሉ ትሕዝቶ
መን'ዩ ትብሉ ክዘምት ዘይዓጦ፧

ኣብ በረኻ ነቑጣታት መስሪቱ
መለመኒ ከኻዕብት እቶቱ
ዘታለለ ኣሽሓት ክፈልሱ
ዝጸዓረ ክጠፍኡ ክመቱ
መን'ዩ ትብሉ ከይሲ ጎረቤቱ፧

ክነግረኩም፧

ኣይትበሉ ላዕሊ ታሕቲ
ወያነ'ዩ እዚ ሓሳድ ጎርቢ
ስእለ
Jan 29, 2017 5:24 PM
108.45.183.55
ሰስሬኻ ኮይኑ
========
ኣንታ'ዛ ዓለምና 
እዛ ንነብረላ 
ማእከላ ወሰና 
ገሃነም ገሮማ 

ሓያላት ዓቢዶም 
ኣእምሮ ሲሒቶም 
በቲኾሞ ቀይዶም 
ሰላማ ሃዊኾም 

ብስስዐ ዒሮም 
ብትዒቢት ሰኺሮም 
ንፍትሒ ረጊጾም 
ፍጡራት ኣንጺቶም 

ነፈርቲ ብሰማይ 
መራክብ ብቓላይ 
ኣብ መሬት ሓባራይ 
የዕንዉ ብተላይ 

ቻርተር ተጣሒሱ 
ሓይሊ-ሕጊ ነጊሱ 
ድኹም ተረጊጹ 
ዶባቱ ፈሪሱ 

ሰስሬኻ ኮይኑ 
ህዝቢ ተበዲሉ 
ረዳኢ ሲኢኑ 
መን'ዩ ከውጋሓሉ፧
ስእለ
Jan 29, 2017 12:56 PM
108.45.183.55
“ምጽኣተ ዓለም/Doomsday”
=================
ወይ ሰብ ጉዳም
ፈታው ነብሱ ጨካን

“ምጽኣተ ዓለም” ቀሪቡ ኢሉ
ፈሪሑ ተዳሂሉ
ከይመዉት ተሻቒሉ
ይጽሊ ዓው ኢሉ

እቲ ሓቂ ግን፣
ኩሉ ሰብ ይፈልጥ
ዝተወልደላ ዕለት
ዝሞተላ ግን ዘበት

እታ ንሞተላ
ብንጽል ብጃምላ
መዓልታ ስዓታ
ቆጸራ ዘይብላ
“ምጽኣተ ዓለም’ያ”

ክንፈቱ ክንጸልእ
ክንሓጢ ክንጸድቕ
መወቲ ኢና ብርግጽ

ስለዚ

ኣይትበል ሸቐልቀል
“ብምጽኣተ ዓለም”
ዘየለ ዘይፍጸም

ወፊርካ እቶ
እቶትካ ኣበርክቶ
ኣይትኹን ናይ ፍርሒ ጅሆ

ተማሃር ተመራመር
ኣበርክት ዝርአ ዝዝከር
ስምካ ሒዝካ ከይትቕበር
ስእለ
Jan 28, 2017 10:26 PM
108.45.183.55
ዱዑል
===
ኣንታ እዚ ዱዑል ፈትሽዎ ርእሱ
ኣይጠዓየን ምጉናጽ ኣብዚሑ
ኣብ ቀረባ ሩሑቕ ሓሓሊፉ
ኣሳቕዩ ዕባራ ሱቡሑ

ተኣከቡ ሩኸቡሉ ፈውሱ
ተማህለሉ ጸሎትኩም ኣብጽሑ
ዉሕጅ መረብ ኮይኑ’ሎ ጉዕዙኡ
ለኪሙና ከይጠፍእ ምሱኡ
ስእለ
Jan 27, 2017 7:33 PM
108.45.183.55
መን'ዩ ትብሉ፧

እቲ ንኻሎኦት ዝርህጽ ዝነብር 
ጠቕሚ ሓፋሽ ሰሪዑ ዘቐድም 
ንህዝቢ'ምበር ንውልቀይ ዘይብል 

ንዓይን ንዓኻን ዝሓመልና 
ንሃገር ንህዝቢ ቅድሚት ዝቖመልና 
ነግ-ፈረግ ዘይብል ኣብ ዕላማ 

መን 'ዩ፧

ሂይወቱ ዕድሉ ዝወፈየ 
መዋእሉ ንፍትሒ ዝቖመ 
ወርቂ-ጥማዕ ብሓቂ ዝልለ 

ከደምቲ ወረርቲ ሕፍረት ዘጎልበበ 
ብዓሎቕ ብታህዲድ ዘይዳነ 
ህዝቢ ኤርትራ ዘሐበነ 

መን'ዩ፧

ኣብ ኲናት መከራ ዘይርበሽ መንፈሱ 
ኣብ ህዝቢ ዝኣምን ስራሕ ሕላገቱ 
ዓመጽትን ሰረቕትን ሕማም ርእሱ 

ተደሃዩ መን'ዩ ንሱ፧ 

ሓደራ ከይትረቑሑ -
ነቲ መንደልሓቒ ፈታው ነብሱ 
ተዛራባይ ዝሸጠ ክብረቱ 
ዕሱብ-ረብሓ ዘገልግል ጸላእቱ

ስእለ
Jan 27, 2017 3:33 AM
108.45.183.55
ከዋኽብቲ!

ኮዋኽብቲ ተወሊዶም
ሃብሮማት ብኹሎም
ኤርትራዊ ደሞም

ኮሪዖም ዘዅርዑ
ክብሪ ዝድርዑ

ዓለምና ኣዛሪቦም
ልዕሊ መዘንኦም
ኣብ ኑኡስ ዕድሚኦም

ኣብነት መንእሰያት
ኑፉዓት ዉፉያት

ተሓጒስና ኣሰይ ኣሰይ
ኣስሚኹማ ኤረይ

በሉ

ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም
ክንሪኢ ዓቢኹም ደሚቕኩም
ኣብ ደገ ኣብ ዓድኹም

“ክንድቅስ ክንትስእ፣ ኤርትራ ኣይንረስዕ።”  ኣቦይ ሓጂ ስራጅ መሓመድ

ስእለ
Jan 27, 2017 1:32 AM
108.45.183.55

ምዕንጅሉ
=====
ምዕንጅሉ - ልቡ ኣብ ደረቱ
ዘይርኢ ዘይሓስብ ኣዕሚቑ
ሃገር ምስ ውልቀ-ሰብ ዘማሓዙ
ቅድሚ ኹሉ ዝሰርዕ ረብሕኡ

ስሱዕ ወደል ከብዱ ማሕዝኡ 
ሓሶት ጽልኢ ዝበልዕ ሓፊሹ
ዘይዓቢ ዘይሓይሽ ካብ ዕንዱ

በቃ! 

ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ
ናይ ኣድጊ ምህልላ
ዘይብሉ ሕልና

ሰነፍ ዑቡይ ሃላይ
ዘይሓይሽ ካብ እንስሳ ብዕራይ
ብሃገር ዝጣልዕ
ናይ ረብሓታት ከዳዕ

ሃገር ናይ ትማሊ
ናይ ጽባሕ ናይ ሎሚ
ወልዶ ቀጻሊ
መንነት’ያ ክብሪ

ምዃና ረሲዑ
የላኽዕ ይሕሱ
ታሪኽ የባላሹ

ሕማቕ ዜጋ መጉሃዪ ወገኑ
ዝዓወነ ኣብ ሕልሚ ኣሚኑ
ውርደተኛ ዝጣላዕ ብኽብሩ
ስእለ
Jan 26, 2017 10:26 PM
108.45.183.55
እንታይ ትብሉ፧

ጽባሕ እንተዘይትህሉ
ጸልማትን ብርሃንን እንተዘይቀያየሩ
ምመቀረት ዶ ሂወት ንቐጸለት ትብሉ፧

ተዝንገር ሂወት መጻኢና
ተንፈልጥ እታ ንሞተላ
ንሰራሕና ዶ ንለመስና
ወይስ ንሞትና ሰምቢድና፧
ስእለ
Jan 25, 2017 11:51 PM
108.45.183.55
ገድሊ ህዝቢ
=======
ገድሊ ህዝቢ ገድሊ ኤርትራ
ገድሊ ጽንዓት ትብዓት እንኪሒራ
ኣንጻር ባዕዲ ምዝመዛ ጭቆና
ዝገጠመ መስተንከር ሰውራ

ገድሊ ሓበን ዝኸፈለ ኩሉ
ንሃገር ነጻነት ማዕርነት ማእከሉ
ጅግንነት መስዋእቲ መዘና ዘይብሉ

ገድሊ ህዝቢ ኣንጻር ኩሉ ሸርሒ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ብደገ ብውሽጢ
ዕንቅፋት ነጻነት ሰላም ዘየሳሲ
ተመኪቱ ዓመጽ ብዋጋ ብዓቕሊ

ተኸፊሉ ዋጋ ብወዲ ብጓሉ
ሓደ ንዓሰርተ መኪቱ ሲዒሩ

ተደምሲሱ ሓጺኑ ዓስከሩ
ኢዱ ሂቡ ወሽላኹ ዑስቡ
ክብሪ ኤረይ ደሚቑ ዓምቢቡ
ስእለ
Jan 24, 2017 11:59 PM
108.45.183.55
ቀታሊ ትምኒቱ
========
ዘጣመረ ኢዱ
ዝዓጸፈ ኣብራኹ
ቀታሊ ትምኒቱ

ክዛረብ ዝሰልጥ
ናይ ሕምየት መንጠቢት
ኣብ ስራሕ ዝዕሉቕ

ግነዖ ይምነ
ገለ ከይዓመመ
ረሃጽ ከይከዓወ

ሳላ ስንፍንኡ
ድኹም ሕልንኡ
ጸቢብ ኣእምሩኡ
ዘውሓሰ ሕመቑ
ይዕበ ብኾፉ
ስእለ
Jan 24, 2017 1:54 AM
108.45.183.55
ካላኣይ ዕድል
========
ድሕሪ ሞት ክነብር
ተዝዋሃበኒ ዕድል
እፈልጥ’የ ብርግጽ
እንታይ ከም ዝገብር

ኣይምደገምኩን ናይ ትማል ዕሽነት
ስኽራን ዕብዳን ቈልዓዊ ቀበጥበጥ
ንለበምኩ ነፍቀርኩዋ ሂወት

ንገስገስኩ ናብ ፍልጠት ትምህርቲ
ንጸዓርኩ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ክመራመር እጃመይ ከወፊ

ንለፋዕኩ ንሃገር ንህዝቢ
ንኸሓስኩ ጌጋ ናይ ትማሊ
ብተወፋይነት ብዘይ ሓደ ለግሚ
ንምዕባሌ ንናይ ሓባር ጠቕሚ

ነፍቀርኩ’ወ ንኹሉ ብማዕረ
ንእሽቶ ዓብዪ ጥቓይ ዝቐረበ
ኩሉ ወዲ ሃገር ብዓመጽ ዘይሕመ

ንቐረጽኩ ታሪኽ ናይ’ቲ ስዉእ
ሙዑት ጅግና ገጢሙ ዘኹርዕ
ንዓመጽቲ መጒቱ ዝረትዕ

ንነገርኩ ጽንዓቱ ትብዓቱ
ጂግንነቱ ሚስጢሩ ዕምቆቱ
ውድባዊ እምነት ተወፋይነቱ
ብጹሑፍ ብስእሊ ገሊጹ ዘዘንቱ

ድሕሪ ሞት ክነብር
ተዝዋሃበኒ ዕድል
እፈልጥ’የ ብርግጽ
እንታይ ከም ዝገብር
YHM
Jan 23, 2017 7:46 PM
50.156.45.134

Alexander Isak: Borussia Dortmund signs 'the next Zlatan Ibrahimovic'

http://edition.cnn.com/2017/01/23/football/alexander-isak-borussia-dortmund/index.html

ስእለ
Jan 22, 2017 11:12 PM
108.45.183.55
ውዳሰ ኣይኮነን 
=========
ኣገናዕ ተበልኩ ንበዓል እገለ
ተሞገስኩ ኣስማቶም ኣልዒለ
ስርሖም ዉዕለቶም ብግቡእ መዚነ
ኣበይ’ዩ ‘ቲ ጸገም ንሰባት ዘቕሓረ 

ንዝገበረልካ ክትገብረሉ ወይ ክትነግረሉ
ሰብን እዝግን ዝፈትዎ እንዳኣሉ

ኣነ ዘይገብሮ ኩሉ ‘ድዮም ገሮም
ክእለቶም ፍልጦቶም ኣተሓባቢሮም
ምዕባሌ ሃገርና ኣብ እዝንና ኣብጺሖም 

ቲቪ ኤረይ ኣብ ኣየር ዘብቅዑ
ድምጺ ህዝቢ ብሬድዮ ዘስምዑ
ለይቲ ምስ መዓልቲ ከይዘንግዑ
ምስጋና ይኹኖም ሃገሮም ዘኹሩዑ

ናይ ዉሽጢ ናይ ደገ ኣዕሚቖም ዝፈልጡ
ብብቕዓት ብወኒ ሓቂ ዘቃልሑ
ስፖርት ምስ ባህሊ ኣፍልጦ ዘስፍሑ

ዶክተር ኣብ ስቲድዮ ጥዕና ዘምህሩ
ንሓፋሽ ሰማዒ ኣብ ኩሉ ዘሕብሩ
ኩሎም ሃብሮማት’ዮም ሕቡናት ጀጋኑ

ኣብ ሩሑቕ ቀረባ ኰንኩም ትዕዘቡ
ዝነኣድ መድብ’ዩ እስኹም ‘ታይ ትብሉ
ኣነ ግን ዑጉብ’የ ቀልዓለም ዘይብሉ
ስእለ
Jan 22, 2017 12:07 PM
108.45.183.55
ዘበን መን ንበሎ፧
==========
እዚ ዘበን ዘበን መን ንበሎ፧
ብሰማይ ብመሬት ቦምባ ዝከዓዎ
ኣብ ክንዲ ማይ ጠያይት ዝዘንቦ

ሕጊ-ኣልቦ ፍትሒ ዝጎደሎ
ስሰዐ ዓመጽ ጭካነ ዝዓብለሎ
እዚ ዘበን ዘበን መን ንበሎ፧

ርዱኡኒ ኢልካ ሰማዒ ዘየልቦ
ተማህሊልካ ኣምላኽ ዘይቅበሎ
እዚ ዘበን ዘበን መን ንበሎ፧

ኲናት ግጭት ኣብ ኩሉ ሊሒሙ
ድኹም በኽዩ ዶባት ተጣሒሱ
ሰላም ተዘሪጉ ህዝብታት ፈሊሱ

መሬት ሓዊ ኮይና በረድ'ወን መኺኹ
ህቦብላ ባሕሪ ሂወት ኣናዊጹ
ዓለም ተናዊጻ ምባራ ኮርኲሑ

እዚ ዘበን ዘበን መን ንበሎ፧
ሕጊ-ዓሳ ፍትሒ ዝጎደሎ
ወዲ እዝጊሄር ጠፊእዎ ዝብሎ!
ስእለ
Jan 22, 2017 1:16 AM
108.45.183.55

ግብሩ ግብሪ ኣንጭዋ
============
ኦባማ ኣልጊሱ
‘ዚ መለጭ መልሓሱ
ዕግርግር ኣንጊሱ

ከይዱ ተዓዚሩ
መዓልቱ ኣኽሉ
ዓልሉ ዘምሩ

ቃሉን ግብሩን ዘይሳነ
ኣብ ዓመጽ ዘድሃበ
ሰላም እንዳበለ

ክልተ መልሓሱ
ተግባሩ መንፈሱ
ዘይርበሽ ክሕሱ

ንሕስያ ዘይብሉ
ወረራ መትከሉ
ሊብያ ፡ ሶርያ ፡ የመን ፡ ሶማልያ…
ምስክሩ

ኤርትራ በዲሉ
ተዛሪቡ ዓው ኢሉ
መንእሰያት ክሃድሙ
ዓዶም ክጥንጥኑ

ማዕቀብ’ውን ደጊሙ
ሓሶት ኣጎልቢቡ
ምስ ከዳሚ ኮይኑ

ግብሩ የሰንዮ
ታሪኽ ይመምዮ
እግዚሄር ይርኣዮ
ኩሉ ዝዓየዮ

ንሕና ‘ታይ ክንብል
ኣብ ሓቅና ነጽልል
ንጽሊ ንልምን
ዓመጾም ክኽትም
ስእለ
Jan 21, 2017 3:48 PM
108.45.183.55
“ዘመን ከም ንጉሱ፡ ዓውዲ ከም ንፋሱ”
====================
ተባሂሉ ቀደምምም! ንግዜ ክገልጹ
ኣብ ትሕቲ ገዛእቲ ሂወት መቓሬቱ
ከዋዳድሩ ‘ቲ ጣዕሙ ምረቱ

መራሕቲ ገዛእቲ መታን ከስትውዕሉ
ንህዝቢ ንሃገር ሸለል እንከይበሉ 
ብትኹረት ምስትውዓል ኣገልጉሎት ክቡ
ኣብ ግዜ ብግዜ ዝዝከር ኣሰሩ

ስእለ
Jan 20, 2017 5:08 AM
108.45.183.55
ክመርጾ ተኾይነ…
=========
ክመርጾ ተኾይነ እምነት ከምብረሉ
ክፈልጥ ኣለኒ ዕላማ መትከሉ

ይፈልጥ ዶ ስርዓት የጫብጥ ደፊሩ
የኽብር ዶ ሓፋሽ የፍቅር ሃገሩ
ቁሩብ ድዩ ዉፉይ ዘገልግል ሰጥ ኢሉ፧

ትኩር ድዩ በሊሕ ጒሒላ ዘለሊ
ለዋህ ድዩ ሩጉም ሰብ ከምኡ ዘንጣሊ
ወይስ ዓርኪ ሃካይ ለያቡ ኣፍቃሪ
ብዘይካ ስልጣኑ ዘይግደስ ከዐሪ
እንታይ ኢለ ክመርጾ ዕግበት ክይሃበኒ፧

ሰላም ድዩ ህውከት ማዕርነት ዘንግስ
የፋቕር ዶ የስምር የዋግእ የናኽስ
ድኻታት ዶ ይሓቁፍ ይረድእ ይሕንገር     
ወይስ ምዕባሌ ሓድነት ይጎትት ይቐትል
ብልጫኡ እንታይ’ዩ ክመርጾ’የ ክብል፧

ይኣምን ዶ ህዝቡ ይሰምዕ ጽን ኢሉ
የኽብር ዶ ቃሉ ይደግሞ ዓው ኢሉ
ይቐጽዕ ዶ ሌባ ይጸልእ ጉሓሉ
ኣድልዎ ስስዐ የወግድ ኣብ ኩሉ
ይምእዘዝ ዶ ሓቂ ይጸንዕ ኣብ ቃሉ፧

ይወፍር ዶ ይርኢ እንታይ ‘ሎ ኣብ ባይታ
የውጽእ ዶ መደብ ናይ ሩሑቕ ቀረባ
ኣለዎ ዶ ራኢ ይኣምን ወጋሕታ፧

ስኒ ዶ ይነክስ ኣብ’ቲ ዝጸንከረ
ወይስ ዓቕሊ የጽብብ ከም ማንም ዝኾነ
ከም’ቲ ዓዋን ናይ መድረኽ ዓጢኒ
ህዉኽ ፍርዲ ዝህብ ከየመዛዘነ

ክመርጾ ተኾይነ እምነት ከምብረሉ
ክፈልጥ ኣለኒ ዕላማ መትከሉ

ይፈልጥ ዶ ስርዓት የጫብጥ ደፊሩ
የኽብር ዶ ሓፋሽ የፍቅር ሃገሩ
ቁሩብ ድዩ ዉፉይ ከገልግል ሰጥ ኢሉ፧

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events