Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Feb 7, 2017 11:05 PM
108.45.183.55
ኣብ ሶማልያ፣ ምርጫ ዶ ልግጫ፧
==================
ጠበንጃ ኣብ ናሕሲ 
ኣብ ቃታ ኣጻብዕቲ 
ምርጫ ብግዲ!

ሄሊኮፕተር ኣብ ላዕሊ 
ታንክታት ኣብ ታሕቲ 
ዝመለኦ ራዕዲ 
ምርጫ’ዶ ላግጺ፧

ግርም ጸወታ 
ናይ ሓሶት ምርጫ
ብስም ዲሞክራሲያ
ንበይንኻ ጉያ

ንህዝቢ ዓፊንካ
ወሪርካ ረጊጽካ
ምክያድ ምርጫ
ገበን'ዩ ኣብ ባይታ

ዶላራት ኣፍሲስካ 
ህዝቢ ኣታሊልካ 
ምድያብ ኮረቻ
ኣለዎ ሃየንታ

ዘሐፍር’ዩ!

ምርጫ ተኻይዱ 
ኩሉ ህዝቢ ኣድሚጹ 
ዲሞክራሲ ዓምቢቡ  
ኢልካ ከተዘንቱ
ስእለ
Feb 6, 2017 11:27 PM
108.45.183.55
ብልሳን ቃላቶም
=========
‘ታ ወሓለ ወይዘሮ ከሻኒት
ለጋስ ኢዳ ብልዑለይ ባሃሊት
ዘይትበቅቕ ጓሕጒሓ መጣዊት
ዘይመስላ በሊዕካ ትጸግብ

‘ቲ ጸሓፊ ሃያሲ ደራሲ
ዑቱብ ሙሁር ጽሑፋት ኣርታዒ 
ዘይበቅቕ ፍልጠቱ መጣዊ
ባሕሪ ፍልጠት ንኹሉ ዘርዊ

ጸውዮሙኒ ብልሳን ቃላቶም፣

“ዝኸሸንካዮ ተዝብላዓልካ
ዝደረስካዮ ኩሉ ከንብበልካ
ዝወለድካዮ ስዕም ከቡሉልካ
የሐጒሱ የተባባዓካ
ንዝያዳ ስራሕ ሓይሊ ይህበካ”

ኣማን ብኣማን - ኣገናዕ ኢለዮም
ሞጊሰዮም - ካብ ልቢ ኣድኒቐዮም
ክቕጽሉ - ተስፋ ኣስኒቐዮም

ተረዲአ፣

ልዕሊ ‘ቲ ኣምባቢ 
እቲ ጥሙይ ንመግቢ ሃጃሚ
ዝያዳ ዝሕጐስ - ሂይወት ዝፋላሰፍ
ደራሲ’ዩ 
‘ቲ ፍልጠት ዝሕለብ - ካብ ወዲ ሰብ መኽሰብ
ኣበደን
Feb 5, 2017 3:48 PM
71.232.143.114

ስእለ - you did it again my dear brother. A friend of mine calls Meskerem.net as "meakeb" as "ጎሓፍ መን ሽማ፧ መአከብ".

The problem with Meskerem is it posts anything and everything that is blown out of thin air regardless whether it has any merit or not, and that appears to be their way of generating what I call 'clicking' traffic.

While arguably they are better than the criminals at Assena, asmarino Awate and others, they need to be more discretionary in their selection of bogus 'news' items, which usually are spewed out from our enemy sources.

ስእለ
Feb 4, 2017 11:17 PM
108.45.183.55
መስከረም ኔት
========
መስከረም ኔት 
ናይ ኩሉ ሰኪዐት 
ቦሶላኣ ዘጥፍአት 

መዓስ ኢኺ ትዓብዪ 
ሃገራዊት ትኾኒ 
ሓፋሽ ተገልግሊ፧

ኣረጊት ኣርማኺ
በዚሑ ኩሕልኺ 
የዐርዪ ገጽኪ 
ኣንድነት ጨኒኺ

ተቛዋሚት'የ ትብሊ 
ኣብ ትማል ትነብሪ 
ዘይኮነ ተዕሊሊ 

ሙዉት ተአንግዲ
ንወይጦ ክሓዲ
ሃገሩ ዘድሚ

ይኣክል ማዕብሊ
ኣይተዳናግሪ
ሓቂ ተማሃሪ
ስእለ
Feb 4, 2017 4:45 PM
108.45.183.55
ክልተ ብዘይ ሓደ…
===========
ክልተ ብዘይ ሓደ
ኣይከውንን ክልተ

መርፍእ ብዘይ ፈትሊ 
እንታይ ምዓበሰ፧

ተማሂሩ እንተዘይማሃረ
ዘሪኡ እንተዘይሓጸረ
ወሊዱ እንተዘይሓብሓበ
ዋጋ የብሉን ካብ ካልእ ዝፍለ

ስኒ ብዘይ ከንፈር
ክብሪ ብዘይ ሃገር
የብሉን ቁምንገር
ኤርትራይ ድኣ በል
Henok Abraha
Feb 4, 2017 6:29 AM
196.200.104.139

ብዙሓት ኣብ መኣዲ ደሃይ ተኻፈልቲ ዝህብዎ ርእይቶታት ኣዝዩ ሓባርን መሃርን እዩ። ናይ ገሊኦም ድምጺ እኮ ቀስ ብቕስ ዝሃስስ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። ብዝኾነ ግን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝወሃብ ርእይቶታት ንኣብ ብዙሑነት ዘተኮረ ድሌታትን ሃንቀውታን ክምልስ ተኽእሎ ስለዘሎ ክድፍኣሉን ክዕቀብን ኣገዳሲ እዩ። ውሑድ እኹል እዩ ዝበሃል ኣዘራርባ ንኹሉ ገጻት ሂወት ዝውክል ብሂል ኮይኑ ግን ኣብ ደሃይ ዝቐርቡ ጽሑፋት ሓደ ኣንፈት ሒዞም ኣድከምቲ ከይኮኑ ኣዳለውቲ ደሃይ ኣስትብህሎ ክገብርሉሩ ብትሕትና ይላቦ።

ስእለ
Feb 2, 2017 1:57 PM
148.184.174.61
ንኽብሪ ኩቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መበል 71 በዓል ልደት

Happy Birthday!!

ሕልሙ ደረት-ኣልቦ
ዓቕሊ ዝዓደሎ
ኩሉ ዘይእግሞ

ኣብ መትከል ጸኒዑ
ህዝቡ ተረዲኡ
ዝሰጉም ቅድሚኡ

ኣብ ሓቂ ረጊጹ
መደቡ ሓንጺጹ
ንጽባሕ ዘማዕዱ

ኣብ ስራሕ ኣሚኑ
ሃገር ክትለምዓሉ
ይሰርሕ ከም ሰቡ

ኣይፈቱን ዓማጺ
ዘይናቱ ኮላሲ
ንህዝቢ ዘሳቒ

ኣብ ዓቕሙ ዝሙርኮስ
ንዉሽጡ ዝዉከስ
ብጫውጫው ዘይርበሽ

ባህሊ ዝኾስኰሰ
ክስጉም ብማዕረ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ

ከማኻ ኣይተፈጥረን
ብህዝቡ ዝእመን
ሓፋሽ ዝከናኸን

መን'የ እሞ ክብለካ
ቃላት ሲኢነልካ
ዝገልጽ ንዓኻ

ቀጽሎ ጉዕዞኻ
ኣሎና ኣብ ጎንኻ!

============

ክነብር'ዩ !

ኣብ ነብሱ ዝኣምን 
ምስ ህዝቡ ዝሓንን 
ትኳቦ ዝፍንፍን

ክነብር'ዩ ዘልኣለም ብኽብሪ 
ሃልዩ ሓሊፉ ኣብ'ዛ ዓለም ምድሪ 
ክሙጎስ'ዩ ብሰብ ብፈጣሪ

ዉፉይ እንድዩ ንስራሕ ቅንዕና 
ዝወነነ ትግዕስቲ ትሕትና 
ዓይኒ ህዝቢ ቦሶላ ጉዕዞና

ንውልቃዊ ረብሓ ዘወገደ 
ዕድመ ንእስነቱ ዘወፈየ 
ንሃገር ንህዝቢ ዝመሓለ

ብሸርሒ ብዂናት ከይተዳህለ 
ብሕሰም መከራ ከይባህረረ 
ነጻ ኤርትራ ክውን ዝገበረ 
ንፍትሒ ነጻነት ደው ዝበለ

ጅግና'ዩ ትኩር በዓል ስረ 
ዘይርበሽ ዑሱብ ተሓንሓነ 
ኣማን ህዝቡ ብሓቂ ዝዳነ

ክዝከር'ዩ ዘልኣለም ብኽብሪ 
ሃልዩ ሓሊፉ ኣብ'ዛ ዓለም ምድሪ 
ክሙጎስ'ዩ ብታሪኽ ተንታኒ
ስእለ
Feb 1, 2017 10:16 PM
108.45.183.55
ተባሃጊ
====
ለዋህ ምጩው እቲ መዓር ኣፉ
ሰንሰሎማይ ዘጽረየ ጽያፉ
ድራር ዓይነይ ሸገ ኣካላቱ 
ስሓቕ ምስ ፍሽኽታ ሕላገቱ
ተሰኒፈ ብፍቕሩ ፍተቱ

ዘይዕበ ንሓቂ ዝፈቱ
ቅንዕናን ጸሎትን መኻይዱ
ወዲ እዝጊሄር ንጹህ በላዕ ናቱ

ኣፍካ ዘየኽድን ጸወታ ዕላሉ
ተባሃጊ ዋዛ ቁምነገሩ
ልዕሊ ነብሱ ዘኽብር ንኹሉ
ሑሩይ ልበይ ዉነይ ዝዓብደሉ


ተሃዊኸ ክረኽቦ ኣብ ሰዓቱ
ክጥምጠሞ ክስዕሞ ኣብ ኣፉ
ተጸጊዐ ከተንፍስ ኣብ ልቡ

ክረኽቦም’የ ኩቡራት ወለዱ
‘ቶም ፈተውቱ ብጾት መሓዙቱ
ኣብ ሰናይን ጸገምን መላዝብቱ
ከበስሮም ናቱ ከምዝኾንኩ

ኣይደልዮን ነቲ ጉዙእ ንዋይ
ብሃብቲ ዝትምን ፍቕሪ ጠባይ
ሕማም ርእሲ ዑቡይ ተጃሃራይ
ስእለ
Jan 31, 2017 10:08 PM
108.45.183.55
ኣይቅየር ኣይጽጸ
==========
ሓንሳብ’ሞ ኣብዚኣ
ሕቶ ‘ሎኒ ዘቕርባ
ኩሉ ሰብ ክሰምዓ

ኣበይ ‘ሎ ‘ቲ ለውጢ
ምርጫ ናይ ህዝቢ
ትርጉም ዲሞክራሲ፧

ኦባማ ኣልጊሱ
ትራምፕ መጺኡ
ዝዛረብ ድልየቱ
እታይ ተለዊጡ፧

ልቢ በል ሰማዒ
ተቕልብ ትሪኢ

ትኩር ኩን ኣስተውዕል
ዓቕሊ ኣይትሸኩል

‘ቲ ስርዓት ኣምብቦ
ስይስተም ዝኽተሎ
ወሲዱ ዘይኣኽሎ

ዝመጸ እንተመጸ
ብኣፍ ተወርጸጸ
‘ቲ ፖሊሲ ሓደ
ኣይቅየር ኣይጽጸ
 ቡዙሕ ከይትጸበ
ስእለ
Jan 30, 2017 9:40 PM
108.45.183.55
መን'ዩ፧

ብነብሰ ምትሓት ዝተጠቕዐ
ብንጉሁኡ ኣንፈቱ ዝሰሓተ
ማንታ ርእሱ ቅንኢ ዝተበልዐ
መን 'ዩ ትብሉ ሕንጻይ ዝተጸልአ፧

ዘይሓይሽ ካብ'ቶም ኣቦታቱ
ዝሓለፈ ካብ ሃይላት መንግስቱ
ብዓሌት ጎደቦ ዝመቓቕል ህዝቡ
መን'ዩ ትብሉ እስከ ተዓወቱ፧

ጸጋዕተኛ ኣብ ንብሱ ዘይኣምን
ፈላላዪ ካብ ባዕዲ ዝሓስም
ዘየሕፍሮ ክልምን ክኽድም
መን'ዩ ትብሉ ብጻዩ ዝጠልም፧

ሕጊ ዉዕል ፍጹም ዘይቅይዶ
ተላኣኺ ክኽድም ዝሰልጦ
ድንኪ ጊላ ዘይብሉ ትሕዝቶ
መን'ዩ ትብሉ ክዘምት ዘይዓጦ፧

ኣብ በረኻ ነቑጣታት መስሪቱ
መለመኒ ከኻዕብት እቶቱ
ዘታለለ ኣሽሓት ክፈልሱ
ዝጸዓረ ክጠፍኡ ክመቱ
መን'ዩ ትብሉ ከይሲ ጎረቤቱ፧

ክነግረኩም፧

ኣይትበሉ ላዕሊ ታሕቲ
ወያነ'ዩ እዚ ሓሳድ ጎርቢ
ስእለ
Jan 29, 2017 5:24 PM
108.45.183.55
ሰስሬኻ ኮይኑ
========
ኣንታ'ዛ ዓለምና 
እዛ ንነብረላ 
ማእከላ ወሰና 
ገሃነም ገሮማ 

ሓያላት ዓቢዶም 
ኣእምሮ ሲሒቶም 
በቲኾሞ ቀይዶም 
ሰላማ ሃዊኾም 

ብስስዐ ዒሮም 
ብትዒቢት ሰኺሮም 
ንፍትሒ ረጊጾም 
ፍጡራት ኣንጺቶም 

ነፈርቲ ብሰማይ 
መራክብ ብቓላይ 
ኣብ መሬት ሓባራይ 
የዕንዉ ብተላይ 

ቻርተር ተጣሒሱ 
ሓይሊ-ሕጊ ነጊሱ 
ድኹም ተረጊጹ 
ዶባቱ ፈሪሱ 

ሰስሬኻ ኮይኑ 
ህዝቢ ተበዲሉ 
ረዳኢ ሲኢኑ 
መን'ዩ ከውጋሓሉ፧
ስእለ
Jan 29, 2017 12:56 PM
108.45.183.55
“ምጽኣተ ዓለም/Doomsday”
=================
ወይ ሰብ ጉዳም
ፈታው ነብሱ ጨካን

“ምጽኣተ ዓለም” ቀሪቡ ኢሉ
ፈሪሑ ተዳሂሉ
ከይመዉት ተሻቒሉ
ይጽሊ ዓው ኢሉ

እቲ ሓቂ ግን፣
ኩሉ ሰብ ይፈልጥ
ዝተወልደላ ዕለት
ዝሞተላ ግን ዘበት

እታ ንሞተላ
ብንጽል ብጃምላ
መዓልታ ስዓታ
ቆጸራ ዘይብላ
“ምጽኣተ ዓለም’ያ”

ክንፈቱ ክንጸልእ
ክንሓጢ ክንጸድቕ
መወቲ ኢና ብርግጽ

ስለዚ

ኣይትበል ሸቐልቀል
“ብምጽኣተ ዓለም”
ዘየለ ዘይፍጸም

ወፊርካ እቶ
እቶትካ ኣበርክቶ
ኣይትኹን ናይ ፍርሒ ጅሆ

ተማሃር ተመራመር
ኣበርክት ዝርአ ዝዝከር
ስምካ ሒዝካ ከይትቕበር
ስእለ
Jan 28, 2017 10:26 PM
108.45.183.55
ዱዑል
===
ኣንታ እዚ ዱዑል ፈትሽዎ ርእሱ
ኣይጠዓየን ምጉናጽ ኣብዚሑ
ኣብ ቀረባ ሩሑቕ ሓሓሊፉ
ኣሳቕዩ ዕባራ ሱቡሑ

ተኣከቡ ሩኸቡሉ ፈውሱ
ተማህለሉ ጸሎትኩም ኣብጽሑ
ዉሕጅ መረብ ኮይኑ’ሎ ጉዕዙኡ
ለኪሙና ከይጠፍእ ምሱኡ
ስእለ
Jan 27, 2017 7:33 PM
108.45.183.55
መን'ዩ ትብሉ፧

እቲ ንኻሎኦት ዝርህጽ ዝነብር 
ጠቕሚ ሓፋሽ ሰሪዑ ዘቐድም 
ንህዝቢ'ምበር ንውልቀይ ዘይብል 

ንዓይን ንዓኻን ዝሓመልና 
ንሃገር ንህዝቢ ቅድሚት ዝቖመልና 
ነግ-ፈረግ ዘይብል ኣብ ዕላማ 

መን 'ዩ፧

ሂይወቱ ዕድሉ ዝወፈየ 
መዋእሉ ንፍትሒ ዝቖመ 
ወርቂ-ጥማዕ ብሓቂ ዝልለ 

ከደምቲ ወረርቲ ሕፍረት ዘጎልበበ 
ብዓሎቕ ብታህዲድ ዘይዳነ 
ህዝቢ ኤርትራ ዘሐበነ 

መን'ዩ፧

ኣብ ኲናት መከራ ዘይርበሽ መንፈሱ 
ኣብ ህዝቢ ዝኣምን ስራሕ ሕላገቱ 
ዓመጽትን ሰረቕትን ሕማም ርእሱ 

ተደሃዩ መን'ዩ ንሱ፧ 

ሓደራ ከይትረቑሑ -
ነቲ መንደልሓቒ ፈታው ነብሱ 
ተዛራባይ ዝሸጠ ክብረቱ 
ዕሱብ-ረብሓ ዘገልግል ጸላእቱ

ስእለ
Jan 27, 2017 3:33 AM
108.45.183.55
ከዋኽብቲ!

ኮዋኽብቲ ተወሊዶም
ሃብሮማት ብኹሎም
ኤርትራዊ ደሞም

ኮሪዖም ዘዅርዑ
ክብሪ ዝድርዑ

ዓለምና ኣዛሪቦም
ልዕሊ መዘንኦም
ኣብ ኑኡስ ዕድሚኦም

ኣብነት መንእሰያት
ኑፉዓት ዉፉያት

ተሓጒስና ኣሰይ ኣሰይ
ኣስሚኹማ ኤረይ

በሉ

ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም
ክንሪኢ ዓቢኹም ደሚቕኩም
ኣብ ደገ ኣብ ዓድኹም

“ክንድቅስ ክንትስእ፣ ኤርትራ ኣይንረስዕ።”  ኣቦይ ሓጂ ስራጅ መሓመድ

ስእለ
Jan 27, 2017 1:32 AM
108.45.183.55

ምዕንጅሉ
=====
ምዕንጅሉ - ልቡ ኣብ ደረቱ
ዘይርኢ ዘይሓስብ ኣዕሚቑ
ሃገር ምስ ውልቀ-ሰብ ዘማሓዙ
ቅድሚ ኹሉ ዝሰርዕ ረብሕኡ

ስሱዕ ወደል ከብዱ ማሕዝኡ 
ሓሶት ጽልኢ ዝበልዕ ሓፊሹ
ዘይዓቢ ዘይሓይሽ ካብ ዕንዱ

በቃ! 

ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ
ናይ ኣድጊ ምህልላ
ዘይብሉ ሕልና

ሰነፍ ዑቡይ ሃላይ
ዘይሓይሽ ካብ እንስሳ ብዕራይ
ብሃገር ዝጣልዕ
ናይ ረብሓታት ከዳዕ

ሃገር ናይ ትማሊ
ናይ ጽባሕ ናይ ሎሚ
ወልዶ ቀጻሊ
መንነት’ያ ክብሪ

ምዃና ረሲዑ
የላኽዕ ይሕሱ
ታሪኽ የባላሹ

ሕማቕ ዜጋ መጉሃዪ ወገኑ
ዝዓወነ ኣብ ሕልሚ ኣሚኑ
ውርደተኛ ዝጣላዕ ብኽብሩ
ስእለ
Jan 26, 2017 10:26 PM
108.45.183.55
እንታይ ትብሉ፧

ጽባሕ እንተዘይትህሉ
ጸልማትን ብርሃንን እንተዘይቀያየሩ
ምመቀረት ዶ ሂወት ንቐጸለት ትብሉ፧

ተዝንገር ሂወት መጻኢና
ተንፈልጥ እታ ንሞተላ
ንሰራሕና ዶ ንለመስና
ወይስ ንሞትና ሰምቢድና፧
ስእለ
Jan 25, 2017 11:51 PM
108.45.183.55
ገድሊ ህዝቢ
=======
ገድሊ ህዝቢ ገድሊ ኤርትራ
ገድሊ ጽንዓት ትብዓት እንኪሒራ
ኣንጻር ባዕዲ ምዝመዛ ጭቆና
ዝገጠመ መስተንከር ሰውራ

ገድሊ ሓበን ዝኸፈለ ኩሉ
ንሃገር ነጻነት ማዕርነት ማእከሉ
ጅግንነት መስዋእቲ መዘና ዘይብሉ

ገድሊ ህዝቢ ኣንጻር ኩሉ ሸርሒ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ብደገ ብውሽጢ
ዕንቅፋት ነጻነት ሰላም ዘየሳሲ
ተመኪቱ ዓመጽ ብዋጋ ብዓቕሊ

ተኸፊሉ ዋጋ ብወዲ ብጓሉ
ሓደ ንዓሰርተ መኪቱ ሲዒሩ

ተደምሲሱ ሓጺኑ ዓስከሩ
ኢዱ ሂቡ ወሽላኹ ዑስቡ
ክብሪ ኤረይ ደሚቑ ዓምቢቡ
ስእለ
Jan 24, 2017 11:59 PM
108.45.183.55
ቀታሊ ትምኒቱ
========
ዘጣመረ ኢዱ
ዝዓጸፈ ኣብራኹ
ቀታሊ ትምኒቱ

ክዛረብ ዝሰልጥ
ናይ ሕምየት መንጠቢት
ኣብ ስራሕ ዝዕሉቕ

ግነዖ ይምነ
ገለ ከይዓመመ
ረሃጽ ከይከዓወ

ሳላ ስንፍንኡ
ድኹም ሕልንኡ
ጸቢብ ኣእምሩኡ
ዘውሓሰ ሕመቑ
ይዕበ ብኾፉ
ስእለ
Jan 24, 2017 1:54 AM
108.45.183.55
ካላኣይ ዕድል
========
ድሕሪ ሞት ክነብር
ተዝዋሃበኒ ዕድል
እፈልጥ’የ ብርግጽ
እንታይ ከም ዝገብር

ኣይምደገምኩን ናይ ትማል ዕሽነት
ስኽራን ዕብዳን ቈልዓዊ ቀበጥበጥ
ንለበምኩ ነፍቀርኩዋ ሂወት

ንገስገስኩ ናብ ፍልጠት ትምህርቲ
ንጸዓርኩ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ክመራመር እጃመይ ከወፊ

ንለፋዕኩ ንሃገር ንህዝቢ
ንኸሓስኩ ጌጋ ናይ ትማሊ
ብተወፋይነት ብዘይ ሓደ ለግሚ
ንምዕባሌ ንናይ ሓባር ጠቕሚ

ነፍቀርኩ’ወ ንኹሉ ብማዕረ
ንእሽቶ ዓብዪ ጥቓይ ዝቐረበ
ኩሉ ወዲ ሃገር ብዓመጽ ዘይሕመ

ንቐረጽኩ ታሪኽ ናይ’ቲ ስዉእ
ሙዑት ጅግና ገጢሙ ዘኹርዕ
ንዓመጽቲ መጒቱ ዝረትዕ

ንነገርኩ ጽንዓቱ ትብዓቱ
ጂግንነቱ ሚስጢሩ ዕምቆቱ
ውድባዊ እምነት ተወፋይነቱ
ብጹሑፍ ብስእሊ ገሊጹ ዘዘንቱ

ድሕሪ ሞት ክነብር
ተዝዋሃበኒ ዕድል
እፈልጥ’የ ብርግጽ
እንታይ ከም ዝገብር

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea