Dehai Message Board (DMB)

YHM
May 24, 2017 3:35 AM
50.156.45.134
Deki Ere!

Wishing you all - a Happy 26th Eritrea's Independence Day... May 24th...

Z'Elalemawi Zikri Nisuwuatna!

Wetru Awet Nihafash!

ስእለ
May 24, 2017 12:02 AM
108.48.36.197
በዲኖ
===
ኦይ ጉድ ገረ!
ዘይግንጸል ገንጺለ
ናይ ጉሓፍ በዲኖ
ወያነ ዝምውሎ
ዓወተ፣ ኣዝማሪኖ
ኣሰና መቐሊኖ
መስከረም ዕዋኖ…

ርእይ እንተበልኩ
ተዓጊሰ ተምበብኩ
ክትኣምኖ ዘደንጹ!

ጉዳም ዝሃድሃደ
ሕማቕ ዝሸተተ
ጸረ-ሃገር ጉድጉደ
ተለጢፉ በብሓደ
ወያንያዊ ዘመተ
ናይ ወይጦ “ቀለተ”
ዓርኩ “ንተወልደ…”

ዘይሓንኽ ወይጦ
ሓቂ ዝሓርበቶ
ተኾርባ ኳዂቶ

ርእሱ ዘይተጻህየ
ጥፍኣት ዝሓረየ
ለባማት ዘጉሃየ

መድረኽ ዝነውነዎ
ቀደም ብዓንቶቦ
ናብ ሩሑቕ ጎደቦ

ቁሩብ ዘየሕፍሮ
ዘናእስ ወፋሮ
ማሓዛ ሓንካሮ

ቀለታ ኪዳነ
ናይ እዋና ምነ
ነዊሕ ዝዓወነ
ግንዖ ዝመነ
ገለ ከይዓመመ
YHM
May 22, 2017 5:08 AM
50.156.45.134
Dehai-Admin, I see it and is working now. Thank you.
Dehai-Admin
May 21, 2017 12:34 PM
173.66.182.224
YHM,

Your links were not removed, only linked.

Note the difference between these two:

https://www.nytimes.com/2017/05/18/world/europe/sylvana-simons-netherlands-hate-speech.html?rref=collection%2Fsectioncollection%2Feurope

20 Are Convicted for Sexist and Racist Abuse of Dutch Politician

Dehai Admin
YHM
May 21, 2017 7:36 AM
50.156.45.134
Dehai Admin,

Apparently I did post some articles or posts with theirs titles and links. I'm not sure if you are aware that - the difference between these three posts that showed up on DMB is simple... their URL / Link/ or addresses are missing.

Why? what happened to them? I tried multiple times and they are all gone. Now you need to answer this... Why did you remove the links I already posted?

If it wasn't done intentional, please fix it.

ስእለ
May 20, 2017 7:14 PM
108.48.36.197
ነጻነት
====
ነጻነት፣ ዋጋ ቡሉጻት ዋጋ መስዋእትነት
ዋጋ ጀጋኑ ንሰላም ሓርነት
ዘውዲ ሓፋሽ መግለጺ መንነት
ትዘከር ነብዕላ ብሰላም ሓድነት

ቀይሕን ጸሊምን ኩሉ ዝወሰደት
ሙሁርን ዓዃይን ሂይወት ተመገበት
ፍራይት ጸጋይት መኻን ዝገበረት
ሁርኩትን በሊሕን ጉድጓድ ዝኸተተት
ዓብይን ጭልቅዕን ኣካሉ ዘጉደለት
ብደምን ረሃጽን ጸሓይና ዘብረቐት
ልዕሊ ሚዛን ወርቂ ኣልማዝ ዝኸበረት
ትጸምበል ትዘከር ብሓበን ብኽብረት

ህያብ ጀጋኑና ዕንቊ ዝኸበረት
ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሓደ ዘሕበረት
ዮሃና ንዘምር ብሓጐስ ብስምረት

ተኸፊሉ ዋጋ ይኽፈል’ውን ኣሎ
ክትድራዕ ነጻነት ወለዶ ክርህዎ
ምስጋና ንሕቡን ዋርሳይ ይከኣሎ
ዋሓስ ነጻነትና ፍጹም ዘይሕለሎ

ትዓምብብ ነጻነት ትምበር ንዘልኣለም
ክብሪ ወለዶታት ክሕፈር ከይድፈር
ኣብ ኩሉ ብኹሉ ነጻነት ይዘመር
ኣልፋ ዎ ኦሜጋ ኤርትራ ንበል!
YHM
May 19, 2017 12:51 AM
50.156.45.134

20 Are Convicted for Sexist and Racist Abuse of Dutch Politician

https://www.nytimes.com/2017/05/18/world/europe/sylvana-simons-netherlands-hate-speech.html?rref=collection%2Fsectioncollection%2Feurope

20 Are Convicted for Sexist and Racist Abuse of Dutch Politician
ስእለ
May 18, 2017 11:03 PM
108.48.36.197
ግዜ ኣይተማርር 
========
ግዜ እንታይ ገሩ ዝምረቕ ዝርገም
ረቂቕ ዘይጭበጥ ባዕሉ ዝመሓደር
ምድላው ዘይፈልጥ ዘየብሉ ኣበር
ጎይታ ባዕሉ ነባሪ ዘልኣለም

ክቡር ጸጋ ናይ ኩሉ ዉህብቶ
ተፈደል ብማዕረ ዓብዪ ንእሽቶ
ዘይቅይር ማርሽኡ ምሸት ይኹን ንጉሆ

ፍሬኖ የብሉን ከዐርፍ ክጽበ
ዘርከበ የርክብ’ዩ ኣይፈቱን ዝህከ
ኣጆኻ ኣይብልን ድኹም ዝተረፈ

ለመም ይበል ይንፈር ደንቆሮ ሙሁሩ
ዝዉለድ ዝመዉት ኣብ ግዜ’ዩ ኩሉ
ግዜ እጹብ ድንቂ እንታይ ተውጻኣሉ፧

ግዜ ኣይተማርር ስራሕ ዕየየሉ
ዝዝከር ዝንገር ገለ ኣፍርየሉ
ሓጺር’ዩ ዕምርኻ ብግዜ ዓቐኑ
ሁሩግ’ዩ ዝብል ቆጸራ ዘይብሉ


YHM
May 17, 2017 2:26 PM
50.156.45.134

A quarter century of resistance and development

http://50.7.16.234//hadas-eritrea/may%2024%202016/%E2%80%9CA%20quarter%20century%20of%20resistance%20and%20development%E2%80%9D/index.html

A quarter century of resistance and development
YHM
May 17, 2017 2:22 PM
50.156.45.134

Silencing Eritrea…

Wednesday, 17 May 2017 08:20 | Written by Sophia Tesfamariam

http://shabait.com/categoryblog/23996-silencing-eritrea

Silencing Eritrea
YHM
May 16, 2017 2:39 PM
50.156.45.134

Shabait.com

A quarter century of resistance and development

A quarter century of resistance and development

ስእለ
May 14, 2017 11:33 AM
108.48.36.197
ጸሊም ኮኾብ
======
ጸሊም ኮኾብ ዉላድ ክሳድ ዒቃ
ዞባ ደቡብ ማእከል ኤርትራ
ሓበን ሃገር ጐያዪ ኣምበሳ
ኩርዓት ህዝቡ ዘይብልካ መሰታ
ክበር ንበር ኣስቲኻና ጸባ

ኣብ በጂንግ ንዮርክ ማራቶን
ኣብ ሲዊስ ግራንድ ፕሪክስ በርን
ዝነኣስካ ካብ ጐየይቲ ኩሎም
ዝበረኽካ ብወርቂ ኣብ ማእከሎም
መን ከማኻ እስኻ ኮኾቦም

 

ግርማይ ሕቡን ዋርሳይ እሙን
ኣብ ማራቶን ትስዕር ትቕድም
መጻኢኻ ብርሃን’ዩ ፍጹም

ኤርትራ ተጸውዕ ሕድርኻ ተጽንዕ
ባንዴራኻ ተጉላዕልዕ ክብርና ትዅልዕ

ምስጋና ንዓኻ ይጽናዕ ‘ቲ ብርክኻ
ኮሪዕካ ኣዂሪዕካና ኣድሚቕካዮ ስምና 

ሰስን ዕበየልና ኣብነት ኩነልና
ኣሰርካ ክስዕቡ ደቅና ኣሕዋትና 
ስእለ
May 11, 2017 2:28 PM
148.184.174.62
ኣይሓሾን
=====
'ቲ ሕሙም ሓሚሙ
ኣይሓሾን ጸሚሙ
ልቡ ተደፊኑ
ይዛረብ ንበይኑ
ሰማዒ ዘይብሉ
እዝጊ ጸሊእሉ

ቡዙሕ'ዩ ዝዛረብ
ይህውትት ይጻረፍ
ኣብ መርበብ ኢንተርነት

ህውታትያ ደንቆሮ
ዓርኪ "ትውጋሕ'ሞ"
ሓሶት ዘይስቆሮ
ኣብ ስራሕ በሰሮ

ድሕሪት ተሓቢኡ
ዘይስሙ ጠቂዑ
ይህውትት ብብርዑ
ከሐጉስ ዘብልዑ

"ተወልደብርሃን ገብረ"
ናይ ምንቛት ጨለ
ነዊሕ ዝዓወነ
ናይ ሸርሒ ዓጢነ

ክብትን ዝርህጽ
ንሓቂ ዝጉዕጽጽ
ብሃገር ዘላግጽ
ኣርሒቑ ዘይጥምት
ናይ ዘመና ቅንፍዝ
ስ እለ
May 9, 2017 9:16 PM
108.48.36.197
ካብ ሰብ ሰነፍ
=======
ሕማቕ ዜጋ ሰነፍ ካብ ኣሕዋቱ
ዝዓወነ መንገዲ ሲሒቱ
ጸረ-ሃገር ካብ ማዕዶ ዝንቁ

ትዕቢተኛ ናይ ሕልና ድኹም
ሕድሪ ሱዉእ ጠሊሙ ዘዕገንግን
መጉሃይ ሰቡ ንኸብዱ ዝነብር

ክንዮ ጽባሕ ዘይርኢ ዘይትንትን
ካብ ሰብ ሰነፍ ደንቊሩ ዘደንቍር
ዓኽ ንበሎ ንጹሃት ከይልክም

ልጓም ኣልቦ ከም ኣድጊ ዝሃልል
ዝመሓለ ጸላኢ ከገልግል
ዑሱብ ረብሓ ሃብሮማት ዘሐንኩል
ስእለ
May 6, 2017 10:31 PM
108.48.36.197
ኣገናዕ ዳኒኤል!
=======
ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሰሜን ኣመሪካ
ኣብ ሩሑቕ ኤስያ ጸሊም ኣፍሪቃ
ኣብ'ቲ ጎቦ ሜዳ ዙራ ንኢጣልያ....
ህልኽ ዝመለኦ ቅድድም ሽግለታ

ዳኒኤል ሪአካ በሪኽካ ደሚቕካ
ክትሕምበብ ብጉያ ክረግጽ ዳኻ
ከተስሚ ጋንታ ክትጽዋዕ ሃገርካ

ኣብ ሚድያ ኹሉ ስምካ ጸብለል ኢሉ
ጋንታኻ ጸዊዖም ኤርትራ ይብሉ
ብድምጺ ብጽሑፍ ንስምካ ይደግሙ

ናትናኤል መርሃዊ ዳኒኤል ሓዃሪ
ሰኒድኩሞ ታሪኽ ስም ጸሊም ዘበርኽ
ኣፍሪኹም ረበዓት ኣሰርኩም ዝምርሽ

ኩሉኹም ሰብ ሕልሚ እስከ ንበሩልና
ከቢርኩም ኮሪዕና ኤርትራ ኣስሚኹማ
ኣብ መድረኽ ናይ ዓወት ከም ጸሓይ ደሚቕና
ስእለ
May 6, 2017 2:51 AM
108.48.36.197
መን’ዮም ዝዕወቱ፧
 
እቶም ሃብሮማት ክሰርሑ ዘንቀዱ
ንጌገኦም ካላኣይ ዘይደግሙ
ዝምርሹ ዓወት እንዳሓለሙ

ኣብ ስርሖም ፍጹም ዘይሕለሉ
ከይሰልከዩ ዊዒሎም ዝሓድሩ 
ጻማ ጻዕሮም ኩዉን ንኽገብሩ

ከይወደቕካ ሰንከልከል ከይበልካ
ከይደኸምካ ረሃጽ ከየፍሰስካ
ስቓይ ፍሽለት ከየጋጠመካ
ዓወት የለን መስፈሪ ጻዕርኻ
ስእለ
May 3, 2017 11:44 PM
108.48.36.197
ስኒ
== 
ስኒ ተጋግዩ
ጎረቤቱ ሃስዩ
ነኺሱ ኣድምዩ

ዘይግበር ገሩ
ንመልሓስ ቀርጢሙ
ንኸንፈር ደጊሙ
ምኽንያት ዘይብሉ

ከንፈር ተቖጢዑ
ካብ ዉሽጡ ሓሪቑ
መልሓስ’ውን ነቢዓ
ቃንዝኣ ኣስሚዓ

ከንፈር ‘ታይ ኣበሰ
ስኒ ዘጸበቐ
ብዉሽጢ ብደገ
ከይግየጽ ከይህሰ

መልሓስ’ከ ‘ታይ ገራ
ኣበይ’ዩ ኣበራ
ስኒ ዝሓምተላ፧
ስእለ
May 2, 2017 12:35 AM
108.48.36.197
ልቢ በል!
=====
ህዝቢ ኤርትራ ሃየ ኣስተውዕለሉ
ሸርሕታት ጸላእቲ ከይትህመለሉ
ሓድነትካ ኣትርር ቀልቢ ግበረሉ

ጉዳማት ጸላእቲ ናይ ዕግርግር ክርቢት
መብራህቲ ኣጥፊኦም ክኣትዉ ብድሕሪት
ሓረጋት ይመርጹ ንልቢ ዝሰልብ

ክትሰምዓ ተስልቹ እናሻዕ ትደጋገም
መዝሙር ጉሓላሉ "ዲክታተር" "ዲክታተር"
ሚስጢር ምዕራባውያን ክብቱኑ ሃገር

ህዝቢ'ዩ ‘ቲ ታርጌት ኣይኮነን "ዲክታተር"
መራሒ ሲኢኑ ክናቖት ክብተን
ሕልሚ ተጻባእቲ ሎሚ ይኹን ቀደም

ተቐንጺሎም መራሕቲ ተባሂሎም ዲክታተር
ኣገልግልቲ ባዕዲ ከይኮኑ ሓንጊዶም
ስለ ዝመከቱ ንኽብሪ ሃገሮም

ሳዳም ተቐንጺሉ ቀዛፊ ሲዒቡ
ኣሳድ ተሓቲቱ ክለቅቕ ስልጣኑ
እቲ ዝተረፈ መዓልቱ ክሕሉ

ኢራቕ ተወሪራ ልብያ ተደጊማ
ኣፍጋኒስታናን ዓንያ የመን'ውን ሲዒባ
ሶርያ ተደምሲሳ ሶማል ተበቲና
ማዕቀብ ተበይኑ ኣብ ራሻ ኣብ ኮርያ

ህዝበን ተሳቕዩ መይቱ ተሰዲዱ
ተሓሪሙ ሰላም መረበጡ ዓንዩ
ዲክታተር ሓሊፎም ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ

ሽጣራ ዓመጽቲ ብዙሕ'ዩ ስሩ
ምስ ዲክታተር ሽርካ ንጹህ ይወንጂሉ
ጥቕሞም ዘገልገለ ስሙ ኣየልዕሉ
በደሉ ሓጥያቱ ኣፎም ይለጉሙሉ
ስእለ
May 1, 2017 2:04 AM
108.48.36.197

መን ክብለካ፧
=======
ዝረኣኻዮ ምዃን
ረሲዕካ ምስትብሃል
ጥዕና’ዶ ሕማም፧

ዝሰማዕካዮ ምእማን
ከምዘልዎ ምድጋም
ኣብ ትማሊ ምንባር
ድንቁርና ወይስ ዕብዳን፧

ስለዚ
መቓልሕ ዶ ክብለካ
ጡሩሑ ታኒካ
ኣእምሮ ዘይብልካ፧

ወይስ፡ መሳርሒ ሙዚቃ
ትቃነ ትም ኢልካ
ዉሽጥኻ ደጌኻ፧

ኣድሂ ‘ወ መን ኢኻ፧

ሓሰማ ሃንጎሊማ
ትግፍጥ ሱቕ ኢልካ
ራኢ ዘየብልካ፧

ወይስ ፓፓጋሎ
ክደግም ደስ ዝብሎ
ዓቕምታት ዝሓጽሮ
ዝተዋጃበሮ፧

ዶስ፡ ጠበቕ ነፋሒቶ
ትቀያየር ኣብ ዝረገጸቶ
ምድንጋር ግርም ዝሓዘቶ፧

ምረጽ ካብ ድላይካ
ዝገልጽ ንዓኻ
ጠባይካ ስራሕካ
ኩሉ ክፈልጠካ
YHM
Apr 29, 2017 2:18 PM
50.156.45.134

Crocodile Tears: Cover for Real Threats in the Horn Region Friday, 28 April 2017 23:42 | Written by Sophia Tesfamariam

http://www.shabait.com/categoryblog/23890-crocodile-tears-cover-for-real-threats-in-the-horn-region-

http://www.shabait.com/categoryblog/23890-crocodile-tears-cover-for-real-threats-in-the-horn-region-


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events