Dehai Message Board (DMB)

YHM
May 17, 2017 2:26 PM
50.156.45.134

A quarter century of resistance and development

http://50.7.16.234//hadas-eritrea/may%2024%202016/%E2%80%9CA%20quarter%20century%20of%20resistance%20and%20development%E2%80%9D/index.html

A quarter century of resistance and development
YHM
May 17, 2017 2:22 PM
50.156.45.134

Silencing Eritrea…

Wednesday, 17 May 2017 08:20 | Written by Sophia Tesfamariam

http://shabait.com/categoryblog/23996-silencing-eritrea

Silencing Eritrea
YHM
May 16, 2017 2:39 PM
50.156.45.134

Shabait.com

A quarter century of resistance and development

A quarter century of resistance and development

ስእለ
May 14, 2017 11:33 AM
108.48.36.197
ጸሊም ኮኾብ
======
ጸሊም ኮኾብ ዉላድ ክሳድ ዒቃ
ዞባ ደቡብ ማእከል ኤርትራ
ሓበን ሃገር ጐያዪ ኣምበሳ
ኩርዓት ህዝቡ ዘይብልካ መሰታ
ክበር ንበር ኣስቲኻና ጸባ

ኣብ በጂንግ ንዮርክ ማራቶን
ኣብ ሲዊስ ግራንድ ፕሪክስ በርን
ዝነኣስካ ካብ ጐየይቲ ኩሎም
ዝበረኽካ ብወርቂ ኣብ ማእከሎም
መን ከማኻ እስኻ ኮኾቦም

 

ግርማይ ሕቡን ዋርሳይ እሙን
ኣብ ማራቶን ትስዕር ትቕድም
መጻኢኻ ብርሃን’ዩ ፍጹም

ኤርትራ ተጸውዕ ሕድርኻ ተጽንዕ
ባንዴራኻ ተጉላዕልዕ ክብርና ትዅልዕ

ምስጋና ንዓኻ ይጽናዕ ‘ቲ ብርክኻ
ኮሪዕካ ኣዂሪዕካና ኣድሚቕካዮ ስምና 

ሰስን ዕበየልና ኣብነት ኩነልና
ኣሰርካ ክስዕቡ ደቅና ኣሕዋትና 
ስእለ
May 11, 2017 2:28 PM
148.184.174.62
ኣይሓሾን
=====
'ቲ ሕሙም ሓሚሙ
ኣይሓሾን ጸሚሙ
ልቡ ተደፊኑ
ይዛረብ ንበይኑ
ሰማዒ ዘይብሉ
እዝጊ ጸሊእሉ

ቡዙሕ'ዩ ዝዛረብ
ይህውትት ይጻረፍ
ኣብ መርበብ ኢንተርነት

ህውታትያ ደንቆሮ
ዓርኪ "ትውጋሕ'ሞ"
ሓሶት ዘይስቆሮ
ኣብ ስራሕ በሰሮ

ድሕሪት ተሓቢኡ
ዘይስሙ ጠቂዑ
ይህውትት ብብርዑ
ከሐጉስ ዘብልዑ

"ተወልደብርሃን ገብረ"
ናይ ምንቛት ጨለ
ነዊሕ ዝዓወነ
ናይ ሸርሒ ዓጢነ

ክብትን ዝርህጽ
ንሓቂ ዝጉዕጽጽ
ብሃገር ዘላግጽ
ኣርሒቑ ዘይጥምት
ናይ ዘመና ቅንፍዝ
ስ እለ
May 9, 2017 9:16 PM
108.48.36.197
ካብ ሰብ ሰነፍ
=======
ሕማቕ ዜጋ ሰነፍ ካብ ኣሕዋቱ
ዝዓወነ መንገዲ ሲሒቱ
ጸረ-ሃገር ካብ ማዕዶ ዝንቁ

ትዕቢተኛ ናይ ሕልና ድኹም
ሕድሪ ሱዉእ ጠሊሙ ዘዕገንግን
መጉሃይ ሰቡ ንኸብዱ ዝነብር

ክንዮ ጽባሕ ዘይርኢ ዘይትንትን
ካብ ሰብ ሰነፍ ደንቊሩ ዘደንቍር
ዓኽ ንበሎ ንጹሃት ከይልክም

ልጓም ኣልቦ ከም ኣድጊ ዝሃልል
ዝመሓለ ጸላኢ ከገልግል
ዑሱብ ረብሓ ሃብሮማት ዘሐንኩል
ስእለ
May 6, 2017 10:31 PM
108.48.36.197
ኣገናዕ ዳኒኤል!
=======
ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሰሜን ኣመሪካ
ኣብ ሩሑቕ ኤስያ ጸሊም ኣፍሪቃ
ኣብ'ቲ ጎቦ ሜዳ ዙራ ንኢጣልያ....
ህልኽ ዝመለኦ ቅድድም ሽግለታ

ዳኒኤል ሪአካ በሪኽካ ደሚቕካ
ክትሕምበብ ብጉያ ክረግጽ ዳኻ
ከተስሚ ጋንታ ክትጽዋዕ ሃገርካ

ኣብ ሚድያ ኹሉ ስምካ ጸብለል ኢሉ
ጋንታኻ ጸዊዖም ኤርትራ ይብሉ
ብድምጺ ብጽሑፍ ንስምካ ይደግሙ

ናትናኤል መርሃዊ ዳኒኤል ሓዃሪ
ሰኒድኩሞ ታሪኽ ስም ጸሊም ዘበርኽ
ኣፍሪኹም ረበዓት ኣሰርኩም ዝምርሽ

ኩሉኹም ሰብ ሕልሚ እስከ ንበሩልና
ከቢርኩም ኮሪዕና ኤርትራ ኣስሚኹማ
ኣብ መድረኽ ናይ ዓወት ከም ጸሓይ ደሚቕና
ስእለ
May 6, 2017 2:51 AM
108.48.36.197
መን’ዮም ዝዕወቱ፧
 
እቶም ሃብሮማት ክሰርሑ ዘንቀዱ
ንጌገኦም ካላኣይ ዘይደግሙ
ዝምርሹ ዓወት እንዳሓለሙ

ኣብ ስርሖም ፍጹም ዘይሕለሉ
ከይሰልከዩ ዊዒሎም ዝሓድሩ 
ጻማ ጻዕሮም ኩዉን ንኽገብሩ

ከይወደቕካ ሰንከልከል ከይበልካ
ከይደኸምካ ረሃጽ ከየፍሰስካ
ስቓይ ፍሽለት ከየጋጠመካ
ዓወት የለን መስፈሪ ጻዕርኻ
ስእለ
May 3, 2017 11:44 PM
108.48.36.197
ስኒ
== 
ስኒ ተጋግዩ
ጎረቤቱ ሃስዩ
ነኺሱ ኣድምዩ

ዘይግበር ገሩ
ንመልሓስ ቀርጢሙ
ንኸንፈር ደጊሙ
ምኽንያት ዘይብሉ

ከንፈር ተቖጢዑ
ካብ ዉሽጡ ሓሪቑ
መልሓስ’ውን ነቢዓ
ቃንዝኣ ኣስሚዓ

ከንፈር ‘ታይ ኣበሰ
ስኒ ዘጸበቐ
ብዉሽጢ ብደገ
ከይግየጽ ከይህሰ

መልሓስ’ከ ‘ታይ ገራ
ኣበይ’ዩ ኣበራ
ስኒ ዝሓምተላ፧
ስእለ
May 2, 2017 12:35 AM
108.48.36.197
ልቢ በል!
=====
ህዝቢ ኤርትራ ሃየ ኣስተውዕለሉ
ሸርሕታት ጸላእቲ ከይትህመለሉ
ሓድነትካ ኣትርር ቀልቢ ግበረሉ

ጉዳማት ጸላእቲ ናይ ዕግርግር ክርቢት
መብራህቲ ኣጥፊኦም ክኣትዉ ብድሕሪት
ሓረጋት ይመርጹ ንልቢ ዝሰልብ

ክትሰምዓ ተስልቹ እናሻዕ ትደጋገም
መዝሙር ጉሓላሉ "ዲክታተር" "ዲክታተር"
ሚስጢር ምዕራባውያን ክብቱኑ ሃገር

ህዝቢ'ዩ ‘ቲ ታርጌት ኣይኮነን "ዲክታተር"
መራሒ ሲኢኑ ክናቖት ክብተን
ሕልሚ ተጻባእቲ ሎሚ ይኹን ቀደም

ተቐንጺሎም መራሕቲ ተባሂሎም ዲክታተር
ኣገልግልቲ ባዕዲ ከይኮኑ ሓንጊዶም
ስለ ዝመከቱ ንኽብሪ ሃገሮም

ሳዳም ተቐንጺሉ ቀዛፊ ሲዒቡ
ኣሳድ ተሓቲቱ ክለቅቕ ስልጣኑ
እቲ ዝተረፈ መዓልቱ ክሕሉ

ኢራቕ ተወሪራ ልብያ ተደጊማ
ኣፍጋኒስታናን ዓንያ የመን'ውን ሲዒባ
ሶርያ ተደምሲሳ ሶማል ተበቲና
ማዕቀብ ተበይኑ ኣብ ራሻ ኣብ ኮርያ

ህዝበን ተሳቕዩ መይቱ ተሰዲዱ
ተሓሪሙ ሰላም መረበጡ ዓንዩ
ዲክታተር ሓሊፎም ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ

ሽጣራ ዓመጽቲ ብዙሕ'ዩ ስሩ
ምስ ዲክታተር ሽርካ ንጹህ ይወንጂሉ
ጥቕሞም ዘገልገለ ስሙ ኣየልዕሉ
በደሉ ሓጥያቱ ኣፎም ይለጉሙሉ
ስእለ
May 1, 2017 2:04 AM
108.48.36.197

መን ክብለካ፧
=======
ዝረኣኻዮ ምዃን
ረሲዕካ ምስትብሃል
ጥዕና’ዶ ሕማም፧

ዝሰማዕካዮ ምእማን
ከምዘልዎ ምድጋም
ኣብ ትማሊ ምንባር
ድንቁርና ወይስ ዕብዳን፧

ስለዚ
መቓልሕ ዶ ክብለካ
ጡሩሑ ታኒካ
ኣእምሮ ዘይብልካ፧

ወይስ፡ መሳርሒ ሙዚቃ
ትቃነ ትም ኢልካ
ዉሽጥኻ ደጌኻ፧

ኣድሂ ‘ወ መን ኢኻ፧

ሓሰማ ሃንጎሊማ
ትግፍጥ ሱቕ ኢልካ
ራኢ ዘየብልካ፧

ወይስ ፓፓጋሎ
ክደግም ደስ ዝብሎ
ዓቕምታት ዝሓጽሮ
ዝተዋጃበሮ፧

ዶስ፡ ጠበቕ ነፋሒቶ
ትቀያየር ኣብ ዝረገጸቶ
ምድንጋር ግርም ዝሓዘቶ፧

ምረጽ ካብ ድላይካ
ዝገልጽ ንዓኻ
ጠባይካ ስራሕካ
ኩሉ ክፈልጠካ
YHM
Apr 29, 2017 2:18 PM
50.156.45.134

Crocodile Tears: Cover for Real Threats in the Horn Region Friday, 28 April 2017 23:42 | Written by Sophia Tesfamariam

http://www.shabait.com/categoryblog/23890-crocodile-tears-cover-for-real-threats-in-the-horn-region-

http://www.shabait.com/categoryblog/23890-crocodile-tears-cover-for-real-threats-in-the-horn-region-

ስእለ
Apr 29, 2017 12:57 PM
108.48.36.197
ዝደጋገም ዓመጽ
========
ኣባ ጓይላ ህውከት ስርዓት ኣመሪካ
ደም ንጹህ ተፍስስ ንገባቲ ረብሓ
ዝደጋገም ዓመጽ ዘይብሉ እፎይታ 

ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ ብቐረባ ትሕዞ
ብሓሶት ብዓሎቕ እዝጊ ዝጸየፎ
ኣህሊቓቶ ፍጡር ብስዉር ብግህዶ

መሾንጎጋ ቦምባ ካብ መሬት ካብ ባሕሪ
ካብ ድሮን መራክብ ብኣድራጋ ሃውሪ
ዓለም ኣናዊጻ ብለይቲ ብቐትሪ

ፍትሒ ተረጊጹ ብሓይልኻ ኮይኑ
ሰላም ተዘሪጉ ከተማታት ዓንዩ
ህዝቢ ተሸጊሩ ምፍጣሩ ኮኒኑ
ብሰማይ ብምድሪ መፍትሒ ሲኢኑ

ተዳነዪ ሓያል ንሰላም ንራህዋ
ዕንደራ ይኣክል መቕዘፍቲ ብጃምላ
ታሪኽ ምስክር’ዩ ሓያላት ‘ታይ ኮይና
ትምክሕቲ መን ከማይ ኣመሪካ ነይጠቕማ
ሳሙኤል ቱኩእ
Apr 28, 2017 11:59 PM
92.232.184.57

This is hilarious poem from a friend of mine written very quickly. I couldn’t resist not to share it with fellow Eritreans.

ደለይቲ ፍትሒ

በዓል ማዕዶ ብማዕዶ ሓለምቲ
በዓል ማዕዶ ብማዕዶ ተመነይቲ
በዓል ማዕዶ ብማዕዶ ሓለይቲ
ብማዕዶ ኣብቲ ስግር ጎዶቦ
ብማዕዶ ተኻላኸልቲ መሬት ዓደቦ
ብማዕዶ ጵርግያ ሰሪሕኩም ኣብቲ ጎቦ
ብማዕዶ መሬት ኣልሚዕኩም ሰብ ሓቦ
ዘረባኹም ተሓቁኑ በሊዕና ኣጅቦ
ወይ ብዓል ማዕዶ ሓንጎልኩም ባዶ ሕልናኹም ባዶ
እቲ ሓጸልጸል ዝብል ዘሎ ጅግና
እቲ ጹሩይ ድኽነት ዘኣመነ ጅግና
እቲ ኣብ ስራሕ ዘኣመነ ጅግና
ትሕቲ ባዶ ጀሚሩ ዝኽፈተ ማና
እቲ ንሃገር ዝደኸመ ንድሕነት ኩልና
መዓስ ተቐኒቱ ከምቲ ናትኩም ሕልና
ደጀንኩም ጎቦታት ጀነቫ
ተቀኒትኩም ሕልና ዘረባ
ወይ ብዓል ማዕዶ በዓል ትካቦ
ንስኻትኩምሲ ያኢ ተገዲስኩም ብመሬት ዓደቦ
በዓል ማዕዶ በዓል ጠፈሽ መጠሽ
በዓል ማዕዶ በዓል  ሓሸሽ መሸሽ
በዓል ማዕዶ በዓል  ሓሶት ፈሽሽ
ኣብ ሆላንድ ጊዒርኩም ኣብራኽኩም ዝርኹመሽ
ብኾፍኩም  ዲሞክራሲ ተመኒኹም 
ብኾፍኩም ፍትሒ  ተመኒኹም 
ብኾፍኩም ወንበር  ተመኒኹም
ርብዒ ዘመን ዘረባ ተጎልቢብኩም
ኣብ ጀነቫ ጸሊኹም ሰጊድኩም
ኣብ ሆላንድ ዕግርግር ተቐኒትኩም
ሰብ ማዕዶ ካን  ኮይንዋ ንሳ ኢያ ሕልናኹም

ኣብ መወዳእታ ነዞም ቃንቋናን ባህልናን ዘይርድኦም

“Be a Doer, Not a Critic”

“Dreams don’t work unless you do”

Democracy is built on the foundation of self-reliance and equal opportunity but free gift.

ዓወት ንሓፋሽ!!!
ስእለ
Apr 26, 2017 9:15 PM
108.48.36.197
ቅንኢ ሕላገቱ
=======
ንእሽቶ ጉጂለ ጸቢብ ርእሱ
ተላኣኺ ዘይሓስብ ኣርሒቑ
ጸረ-ሰላም ቅንኢ ሕላገቱ
ኣብ ባዶ ዝዕበ ጸርዲ ጎረቤቱ

ሽፍታ ስርዓት ዘሳቐየ ህዝቡ
ደጋም ጌጋ ናይ ሃይለ መንግስቱ
ብቛንቋ ብዓሌት ዜጋ መቓቒሉ
ንስርቂ ንዓመጽ ዘንወሐ ኣጽፋሩ

ሕብሪ ዓይኒ ሕብሪ ኤርትራዊ
ዘይማእመኦ ክስጉም ክዓቢ
ዘሚትዎም ብለይቲ ብቐትሪ

ካርታ ዓባይ ትግራይ ክትርጉም ሓሊሙ
ወሪሩና መሬትና ደፊሩ
በቲ ደመኛና ኣጆኻ ሰኺሩ
ተመንዩ ክውንን ዘይባሕሩ

በረኻታት ትግራይ ነቑጣታት መስሪቱ
መዳጎኒ ህዝቢ ንኹሎም ዝመጹ
ኣውሮጳ ኣመሪካ ከይሞልቁ ከይከዱ
እቶቱ ከኻዕብት ብስሞም ነጊዱ
ንሓሳር መከራ ንሞቶም ዳሪጉ
Human trafficker ወያነ’ዩ ባዕሉ
ወኪል ምዕራባውያን ናይቶም ጓሓላሉ
ኤረይ ንምድኻም ብሓደ ዝነፍሩ

ካብ ባዕዲ ዝኸፍእ ጽኪ ዝሓሰመ
ጸረ-ህዝቢ ብቒም ዝኸሓነ
ግዜ ዘይምህሮ ክሓስብ ክዕረ

ልኡኽ ጥፍኣት ዕንቅፋት ምዕባለ
ዓሌታዊ ብቕጥፈት ዝልለ
ብዉዕል ብሕጊ ኣባይ ዘይዳነ
ኣይመርሕ ኣይምራሕ ፈገር ዝዓወነ

ናይ ሰላም ሓደጋ ኣብ ሃገር ኣዉጁ
ኣሽሓት ሚልዮናት ረዳአት ክሓቱ
ማዕቢለ ይብለና ክትሰምዖ ዘደንጹ
Petros
Apr 22, 2017 8:17 AM
172.56.12.66
Dehai's archives should be placed at a mesuim in Eritrea!
YHM
Apr 20, 2017 5:41 PM
50.156.45.134

Eritrea - Dutch Mayor unjustly bans Eritrean YPFDJ confrence in Netherlands

https://m.youtube.com/watch?v=gMN5eWpUSmk&feature=youtu.be
ስእለ
Apr 16, 2017 4:54 PM
108.48.36.197
Dr. Mirjam/Netherland/Holland
 
ኩፉእ መጋብራ ረቃቕ ዝተማህረት 
ንዕንወት ንጥፍኣት ገንዘብ ዝተኸፍለት
ሓላይት መሳሊት Mirjam ዝተንኮለት

ድልየታ ትፍጽም ሰላሕ እንዳበለት
ዓርኪ ሰይጣን ብደዋ ‘ተረግመት
ካብ ሰብ ጨካን ኣራዊት መበለት  

ተባዕ ልእኽቲ ናይ ጥፋት መሰሪ 
ብቐትሪ ብጸልማት ተንኮላት ተሳሲ 
ጻቕጥ ጎራሕ ባዓል ብዙሕ ባህሪ 

ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ብለይቲ ብቐትሪ 
ክትኣልም ክትከትብ ሃሱስ ኣገልጋሊ 
ኤርትራ ሃገርና ዝሕንፍጥ ዘድሚ

ሰላዪት ኣይትድከሚ ኣለናላ ደቃ
ኤርትራ ሃገርና ንሓልፈላ ንኸፍለላ ዋጋ
ካብ ዓመጽቲ ዝጻብኡ ክብራ
ደመኛታት ከማኺ ጒሒላ
ኣብ ኣውሮጳ ይሃሉ ኣብ ኤርትራ
ስእለ
Apr 11, 2017 4:44 PM
148.184.174.61
ስረ ዕጠቕ 
=====

ምስ ወደቕካ ምስ ተላሓሓጽካ 
ሕልሚ ኮይኑ ዓወት ምስ ረኣኻ 
ተቐበሎ ውድቀትካ ስዕረትካ 

ኣፍካ ኣክብ ኣይትሕመ ጥቓኻ 
ዘይወዓለ ኣብ’ቲ ዉሳኔኻ 
ዋና ጉዳይ እስኻ ባዕልኻ 
ተማሃር ኣስተውዕል ኣበይ ተጋጊኻ 

ትብዓት ኣጥሪ ውሰድ ሓላፍነት 
ኣይተጸልም ኣይትኽሰስ ካልኦት 
ኣይትምባዕ ኣይትውስኽ ጭንቀት 
ስረ ዕተቕ ኣይትወጭጭ ክሕደት 
ጡጡሕ ጉዕዞ የለን ክትብጽሖ ‘ቲ ዓወት 
ስእለ
Apr 7, 2017 3:24 AM
173.73.175.84
ዱዑል   
===
ኣንታ እዚ ዱዑል ፈትሽዎ ርእሱ
ኣይጠዓየን ምጉናጽ ኣብዚሑ
ኣብ ቀረባ ሩሑቕ ሓሓሊፉ
ኣሳቕዩ ዕባራ ሱቡሑ

ተኣከቡ ሩኸቡሉ ፈውሱ
ተማህለሉ ጸሎትኩም ኣብጽሑ
ዉሕጅ መረብ ኮይኑ’ሎ ጉዕዙኡ
ለኪሙና ከይጠፍእ ምሱኡ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events