Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Aug 11, 2017 11:48 PM
108.48.36.197
እገዳ
ጥዕና’ዶ ሕማም
ትዕቢት ዋላ ዕብዳን
ንኹሉ ምስይጣን
ብእገዳ ምእሳር፧

ብግልጺ ብቓጻ
ንኹሉ እገዳ
ከይትሓስብ ነጻ
ገበን’ዩ ባጫ

ብትዕቢት ሻዲኑ
ቅልጽሙ ኣሚኑ
ይእግድ ንኹሉ

ሕጊ-ኣልቦ ኩርኳሕ
ብሓይሉ ዝምካሕ
ፋሉል መንደረጋሕ

ከይትዓቢ ከይትጸሉ
ሃገር ህዝቢ ከይሓልፈሉ
እገዳ ኮይኑ ዓቕሙ
ንእሽቶ ዓብዪ ኣሸጊሩ

አረ
ናበይ ንምብጻሕ’ዩ
ዘወጣውጥ በትሩ
ዝሕንሕን ኣብ ኩሉ
ዝርብሽ ኣልሚሙ
የኽፋኣለይ ዘይብሉ፧

እንድዒ።

ስእለ
Aug 9, 2017 9:25 PM
108.48.36.197
ሙሴ ዘርኣይ
Guilty as charged!

ሰይጣን ንኣመሉ
ሙሴ ዘርኣይ ብተንኮሉ
መጽሓፍ ቅዱስ ይኹልኮሉ

መስቀል ዝዓተረ ተመን ተወርዋራይ
ልኡኽ ሰይጣን ናይ ጥፍኣት ኣላማይ
ካብ ሰብ እከይ ሩጉም ሙሴ ዘርኣይ

ብሓሶት ብቕጥፈት ዝሃብተመ
ብስም ስደተኛታት እንዳቖዘመ
ንኣሻሓት ንሞት ስቓይ ዝሸመመ

ሕፍረት-ኣልቦ ዑሱብ ዝሓከለ
ብሬሳ ግዳያት ዝተደረ
ንቡር ከይረኽቡ ዝኸልከለ

ሓመድ ኣዳም ኣብ ዓዶም ከይለብሱ
ዝወለደ ሓዘኑ ከይዓጹ
ሙሴ ዘርኣይ ሞጊቱ ከይከድዱ

ርኹስ ፍጥረት ናይ እምነት ኳዂቶ
ስራሕ ሰይጣን ኩሉ ዝበሓቶ
ገበነኛ ሓደ ካብ ነጋዶ
የርእየና ተግባሩ ክፈርዶ
YHM
Aug 9, 2017 5:08 PM
71.202.43.232
Eritrean Festival 2017

Deki Hager

For the first time in its history, this year's Eritrean festival (East & West) will be held in a slightly different location, which is scheduled to be held from 11th to 13th August 2017, that's in Seattle Washington. As we all know, Eritreans from different states are ready all packed up and are on their way to the festival Eritrea in North America. Hope to see you at the festival.

Explore the program here: https://www.facebook.com/EritreanAssocationInGreaterSeattle/

YHM
Aug 9, 2017 4:29 PM
71.202.43.232
YHM
Aug 8, 2017 4:44 PM
71.202.43.232

Wealthy San Francisco residents lose private street over tax bill

In a twist, the street is now owned by two investors of Asian origin - despite originally being governed by a "racial covenant" which prevented anyone except Caucasian whites buying property there (a provision made illegal decades ago). Mr Cheng is originally from Taiwan, and Ms Lam from Hong Kong.

http://www.bbc.com/news/world-us-canada-40861145

ስእለ
Aug 7, 2017 11:08 PM
108.48.36.197
ምምባር…
ሓጐስ ሓዘን ምስትምቓር
ቀመም ሂወት ዘይሰዓር …

ኮይኑ -
ተዘካሪ ድምጹ ብዕምቆት ቃላቱ
ስነ ጥበባዊ ሃገሩ ዝፈቱ
ኣልኣሚን ሓሊፉ ጥበብ ተዘሚቱ

ኣብ’ቲ ጸልማት እዋን ጭቆና መግዛእቲ
ድምጹ ዘበረኸ ንትብዓት ቃልሲ
ሓደ ካብ ሃብሮማት ኤርትራዊ ቅርሲ

ዓው ኢሉ ዘሚሩ ህዝቢ ኣበራቢሩ 
ተንኮል ጉሓላሉ ኣብ ቅርዓት በሊሉ
መሪሕ ተስፋ ኮይኑ ንሓፋሽ ወዲቡ

ሰሚዕካ ዘይምኖ እናሻዕ ይደገም
ድምጺ ወለዶታት ናይ ሎም ናይ ቀደም
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ኤርትራዊ ሓበን

እሞ
መንግስተ ሰማይ ንባሃር መዋቲ
ጽንዓት ንቤተ ሰብ ንኹሎም ፈተውቲ
ሂወት ደበና’ያ ከም ግመ ከም ትኪ

ናይ ተፈጥሮ ነገር ሕማቕ ከጽላኣካ
ዕዝር ትብል ኣለኹ እንዳበልካ
ምምባር ጥዑም ጌና ከይጸገብካ
ተፍቅሮን ትፈትዎን ንድሕሪት ገዲፍካ
ትበሊ ትምሪት ኣብ ጉድጓድ ሰፊርካ
Seb - by Alamin Abdelutif
ስእለ
Aug 4, 2017 11:10 PM
108.48.36.197
ፍጮ ትግራይ
======
ጉልሕንጣ ከባቢ ረጋጺ ዓምጣሪ 
ሓሳድ ትዕብተኛ ዘይተኣማማኒ 
መንሽሮ ጎረቤት ዉጹዓት ዓፋኒ 

ዓቕሙ ዘይመዝን ናይ ኣእምሮ ድኹም 
ቁራብሻ ተንኮል ብህዝቡ ዘይእሙን 
ብዓሌት ብቋንቋ ዝጉጂል ዝመቅል 
ጸረ-ዉጹዕ ህዝቢ ካብ ባዕዲ ዝሓስም 

ልዕሊ ዓቕሙ ክብርኽ ዝህቅን 
ጭፍራ ትዕብተኛ ንባዕዲ ዝኣምን 
ስልጣኑ ከናውሕ ልኣኹኒ ዝብል 

ጎይታ ክፍኣት ሕጊ ዘየኽብር 
ብቕዓት-ኣልቦ ንሓቂ ክገጥም 
ጸቢብ ርእሱ ቅንዕና ዘይውንን 

ወገሐ ጸበሐ ብዕብየት ዝምድር 
ብኣንጻሩ ተጠሊዑ ይልምን 
መግቢ ዕለት ንምልዮናት ዝኸውን 

ባዶ ጉራ ሓያል'የ ብሃሊ 
ዓመት መጸ ሃገሩ ዘጥሚ 
ዘየሕፍሮ ብባህሪ ዘመኽኒ 

ልቐቆ መሬትና ብሕጊ ተገዛእ 
ትግራይ ኣይትዓብን ብሸፈጥ ምጉዕባዕ 
ካብ ታሪኽ ተማሃር ዘይጠቕመካ ኣይትስራሕ 
YHM
Aug 4, 2017 7:57 PM
71.202.43.232
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ 2017 ስያትል።
http://dehai.org/dehai/dehai-news/192280
YHM
Aug 3, 2017 4:16 AM
71.202.43.232
ዝጠፈሹ ኣሳሰይቲ ሕልሚ ወያኔ - ብተስፋይ ጀርመን

Posted by: Tesfai German

Date: Wednesday, 02 August 2017

http://dehai.org/dehai/dehai-news/192199
ስእለ
Jul 30, 2017 3:30 PM
108.48.36.197
ትስፉው ህዝቢ 
 =======
ብገዛእቲ ምድራ ዝባደመት
በሊሕን ህርኩትን ደቃ ዝሰኣነት
ከይትምዕብል ሓሳድ ዝረኸበት
ኩሉ ኣብቂዑ ጀሚራ ክትህነጽ

ርኣዩ'ዶ እታ ጻዕራም ኣደ
ሃብሮም ዋዕሮ ትሰርሕ ከም ጻጸ
ዘይእግማ ናይ ገዛ ናይ ደገ

ኣብ ዝባና ቈልዓ ተሓንጊጣ
ጭዃሮን ባዴላን በቲ ሓደ ኢዳ
ትወናጨፍ ትግርብ መሬታ
ከይብሕጎግ ክዕቀብ ሓመዳ

እቲ ንኡስ ተስፉው ተማሃራይ
ናይ ሎሚ ናይ ጽባሕ ሕድሪ ተቐባላይ
ይተክል ይኹስኩስ ተኸቲሉ ዋርሳይ

ምስሊ ንህቢ ንዕረ ዘምዕሩ
ንሰላም ንራህዋ ውሽጦም ዝግንጽሉ
ኣብነት ሓድነት ብሓደ ዝሃሙ

ፍቕሪ ጸሎት እምነቱ መዝሙሩ
ጐይታ መትከል ታሪኽ ምስክሩ
ዘይህመል ጹኑዕ ሓላው ሪሙ
ቱኩር ህዝቢ ዝበልዕ ጫዂሩ
ፈታሕ ሽግር ንሱ'ዩ ባዕሉ
ስእለ
Jul 28, 2017 8:57 PM
108.48.36.197
ምኽሪ ወላዲ
======
ተማሃሩ ደቀይ ተኲርኩም ኣጽንዑ
ወርቃዊ ግዜኹም ብላሽ ኣይተጥፍኡ
መጻኢ ሂወትኩም ክትሪኡ ደሚቑ

ተማሃሩ በርቲዕኩም ኣጽንዑ
ቀዳምነት ትምህርቲ ስርዑ
ጸወታን ድቃስን ሕድሪ ኣይተብዝሑ

መጽሓፍቲ ኣምብቡ ዕዮ ገዛ ስርሑ
ክገብሮ’የ ዳሕራይ ኣወግዱ ብልሑ
ግዜ ሓላፋይ’ዩ ኣይጽበን ዘይሰርሑ

ኣብ ፍልጠት እመኑ ምርምር ኣድህቡ
ትሕቲ ሰብኩም መታን ከይትሓድሩ
መሳልል ምዕባለ ትምህርቲ’ዩ ኣብ ኩሉ

ተማሃሩ ኣጽንዑ ቡሉጻት ክትኮኑ
ብትምህርቲ’ዩ ህዋ ተደፊሩ
ኣብ ማርስ ኣብ ወርሒ እግሪ ሰብ ነቢሩ

ምኽሪ ወላዲ’ዩ ስምዑ ተቐበሉ
ካብ ማዓሙቕ ልቢ ቀልዓለም ዘይብሉ

"Parents can only give good advice but the final forming of a person's character lies in their own hands." Anne Frank

ስእለ
Jul 26, 2017 10:37 PM
108.48.36.197
ዘይሕለል ጻጻ
=======
ኣገናዕ ኣታ ጻዕራም ዘይሕለል ጻጻ
ኣብ ሳሕል በረኻ ሕልሙ ዘወርጸጸ
ጉዕዞ እዛ ዓለም ብጉቡእ ዘምበበ
መንገዱ ዘይስሕት ራሃወ ጸበበ

ብስራሕ ተሞክሮ ቀደም ዝበላሕካ
ንዕብየት ንራህዋ ሰለም ዘየበልካ
መስተርሆት ፈጢሩ ድኻምካ ርሃጽካ

ኣብቲ ሩሑቕ ጎልጎል ሁሮሩማ
ቃላይ ዉሑጅ ዝፈጠርካ ሩባ
ወዲ ኤረይ ፈታሒ ጸበባ

ዝዓረቐ መሬት ክግርብ ጀሚሩ
ዝነጠበት ዝናብ ኣብ መሬት ዓቚሩ
ዲጋታት ዒላታት መሊኡ ከንፈሩ
ብትኩር ጻዕርኻ ሓፋሽ ተሓቢኑ

ጎረሮ ፍጡራት ጠሊሉ ተርኪሱ
እንስሳ ዘገዳም ወጅሆም ተመሊሱ
ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ንኹሉ ኣስፋሕፊሑ
ምዕባሌ ኣንጊሱ ድንቁርና ኣጥፊኡ

ኣሻቒልካ ሓሳድ ጉዱ በሊልካዮ
ንረቂቒ ተንኮሉ ዕርቃኑ ኣውጺኻዮ
ፍረ ጽንዓት ኣብ ግብሪ ኣርኢኻዮ
ኣብ ግጥም ግብግብ ሩኡይ ሲዒርካዮ
YHM
Jul 24, 2017 1:17 PM
71.202.43.232

ስእለ,

The ultimate measure of a man is not where he stands in moments of comfort and convenience, but where he stands at times of challenge and controversy." Martin Luther King, Jr.

YHM
Jul 24, 2017 12:42 PM
71.202.43.232
ስእለ
Jul 24, 2017 12:28 AM
108.48.36.197
ክወግሕ’ዩ
===== 
ኣንታ ኣፍላ መንእሰይ ኮርዒዳ
ወዲ ኤረይ ካብ ኩሉ ዝያዳ
እንታይ ተረኽበ እዚ ኹሉ ረብሻ
ናብ ቀረባ ሩሑቕ ዘይቅርዑው መገሻ፧

ዓቕሊ ግበር ትዕግስቲ እፎይታ
ረአ ጠምት ክንዮ’ቲ ከውታ
ክወግሕ’ዩ ጽባሕ ክኸውን’ዩ ፌስታ

"Tough times don't last; tough people do." Unknown
ስእለ
Jul 21, 2017 12:45 AM
108.48.36.197
ኣይንደልን …
ማስተርስ ዲግሪ ምስ ፒችዲ
ዘየድምጽ ትርግታ ናይ ህዝቢ
ዘይምክት ንሃገር ንርስቲ
ሕሹኽ ዝብል ምስ ባዕዲ ጸላእቲ …

ይትረፈና …
ዘይቃለስ ንሓድነት ህዝቢ
ብስዉር ብግልጺ ዝፈላሊ
የማን ጸጋም ንስልጣን ዝጎዪ
ብፍትሒ ብሕጊ ዘይዳኒ
ዘይምህር ብቕንዕና ልቢ …

የልግሰልና …
ትዕቢተኛ መን ከማይ ባሃሊ
ዘይሰምዕ ክስማዕ ዝደሊ
መጽሓፋዊ ንበይኑ ዝጎዪ
ኣይንደልን መዝማዚ ሓንካሪ

ብርሃን ዕትሮ ቁምነገር ዘይብሉ
ዝሓንገደ ከይሕግዝ ንህዝቡ
ትዕቢተኛ ዝሰርሑ ዘናሹ
ይትረፈና ኣይንደልን ዲግሩ
ስእለ
Jul 17, 2017 8:50 PM
108.48.36.197
መዝገበይ
=====
ደብተረይ ማህደረይ ዓቃቢት ታሪኸይ
መንነት ክብረተይ ኩርዓት ዜግነትይ
ኣብ ህላዌኺ ይደምቕ ክጽዋዕ ‘ቲ ስመይ

ሑሉበይ ንጹፈይ ሂወተይ ሞተረይ
ክሓስም ክጥዕም ትዛርዪ ኣብ ልበይ 
ንስምኪ ክጽውዕ ይብርኽ ማእገረይ
ብኣኺ ይልለ ኣፍሪቃዊ ሕብረይ

ጸሓየይ ብርሃነይ ሓይሊ ኢኺ ደመይ
እንተለኺ ይህሉ ይቐስን ’ቲ ልበይ
ደቂሰ ተሲአ ጎነይ ይወድቀለይ

ዝሕበን ዝኸብር ዓምቢበ ዝፈሪ
ዝምድብ ዝእምም ንጽባሕ ንሎሚ
ንዓኺ ሒዘ’የ ዝሳግም ዝዛሪ
ኤረይ ወርቂ ጥማዕ ዘልኣለም ንበሪ
YHM
Jul 17, 2017 6:21 AM
71.202.43.232
YHM
Jul 14, 2017 4:16 PM
71.202.43.232

Brother Mussie Kiflom,

You have made us all proud. We must and should challenge these liars. Their audience are there to learn and listen, and they need to be told the truth about Eritrea(ns) - by real Eritreans like yourself .

Thank you.

Let's keep fighting for the Truth together.

--------------------------------

The audacity and the lost battle of Martin Plaut

By Mussie Kiflom

http://dehai.org/dehai/dehai-news/181582

YHM
Jul 14, 2017 3:47 AM
71.202.43.232

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea