Dehai Message Board (DMB)

YHM
Aug 24, 2017 3:42 PM
71.202.43.232

‘Indiscriminate use of violence’: Police clash with migrants protesting eviction in Rome (VIDEO)

https://www.rt.com/news/400754-italy-police-migrant-riot/
YHM
Aug 23, 2017 4:54 PM
71.202.43.232
ስእለ
Aug 17, 2017 9:31 PM
108.48.36.197

ተሓዋዊሱኒ
======
ምርቓ ድዩ ዕድል
ዋላስ መርገም ሽግር፧
ወርትግ ክነብዕ ክሓዝን
ጀጋኑ ክቐብር
“ብሰላም ዕረፉ ክብል”
ኣብ መካነ መቃብር፧

ተሓዋዊሱኒ፡
እሕጐስ እቐንእ - ታሪኾም ክሰምዕ
እቓዝን እደንን - ኣይምለሱን’ዩም ክብል
አኽመስምስ እሕበን - ኣፍልበይ ይግተር
ምዃነይ ወገኖም - ህዝብና ዝብህጎም

ረዚን’ዩ ታሪኾም - መኸተ ውዕለኦም
ወዶም ኣዋልዶም - ዝወጾም ዘይብሎም
ታኣምር’ዩ ጉዳም - ክትንትኖ ብቓል
ሓበን ህዝቢ ሃገር - ዘይምኖ ክንገር
ሰብ ቅያ ሰብ ታሪኽ - ሞራልካ ዘበርኽ

ዘልኣለም ሕቡናት - ጀጋኑ ጎብለላት
ሰብ ማሕላ ጹኑዓት - ኣብ መትከል እሙናት
ዘገልገሉ ሓፋሽ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት 
ብተወፋይነት ብትኹረት ብብቕዓት

ስዉኣትና
ታሪኾም ነባሪ
ዘልኣለም ተዘካሪ
ብንእሽቶ ዓብዪ

R.I.P.
ስእለ
Aug 15, 2017 4:01 PM
148.184.174.61
ሞት፡
ሕሰም ድዩ ቅንኢ
ዕንትርና ምልኪ
ዋላስ ሕነ ጽልኢ
ጀጋኑ ትወስዲ

ሰብ ኪዳን ጀጋኑ
ህዝቢ ዘገልግሉ
ኣብ ፍትሒ ዝኣምኑ
ኤረይ ዝደኮኑ

ዓገብ ሕማቕ ፍርዲ
ነዚኦም ክትወስዲ
ንህዝቢ በዲልኪ
ኩሉ ጸሊኡኪ
ኣምላኽ ይዳንይኪ

ሙሳ ራብዓ & ጽጌረዳ ወልደጊዮርግስ RIP
YHM
Aug 14, 2017 3:34 PM
73.109.141.52

The Eritrean Festival in Seattle 2017 was a huge success as it was planned and run by Deki Hager. Great job! We enjoyed it tremendously.

Thank you all.

YHM
Aug 12, 2017 7:05 PM
73.109.141.52

Deki Hager,

Yesterday's opening of the festival was an amazing day and experience I won't forget. Witnessing and experiencing this beautiful Eritrean rich and proud culture. I met many Eritrean families who came from different place with all their kids. I couldn't believe it. It is amazing. These are families that I know who have four kids, etc. Families who have two kids and so on, is remarkable.

Do not forget, as Eritreans anywhere we go, (through thick or thin) we are also self-sufficient. We're all doing this on our own. we're decent, everyday hard working and law-abiding citizens in this world. We're all doing this on our own time and dime, doing what we can and to be proud to be part of our people. That is what we are here for. We don't take money from anyone for anything we do... (through thick or thin) in all our Eritrean Festivals. You don't see this anywhere else. Our people are amazing. Believe it!

No matter how much they try to divide us, no matter how much they try to intimidate us, it's futile. As Hafash or Hizbi Eritrea in Diaspora- we will always stand together and fight for the interests of ALL Eritreans rights, and we win.

I am so proud of all those who made this possible. Thank you.

ስእለ
Aug 11, 2017 11:48 PM
108.48.36.197
እገዳ
ጥዕና’ዶ ሕማም
ትዕቢት ዋላ ዕብዳን
ንኹሉ ምስይጣን
ብእገዳ ምእሳር፧

ብግልጺ ብቓጻ
ንኹሉ እገዳ
ከይትሓስብ ነጻ
ገበን’ዩ ባጫ

ብትዕቢት ሻዲኑ
ቅልጽሙ ኣሚኑ
ይእግድ ንኹሉ

ሕጊ-ኣልቦ ኩርኳሕ
ብሓይሉ ዝምካሕ
ፋሉል መንደረጋሕ

ከይትዓቢ ከይትጸሉ
ሃገር ህዝቢ ከይሓልፈሉ
እገዳ ኮይኑ ዓቕሙ
ንእሽቶ ዓብዪ ኣሸጊሩ

አረ
ናበይ ንምብጻሕ’ዩ
ዘወጣውጥ በትሩ
ዝሕንሕን ኣብ ኩሉ
ዝርብሽ ኣልሚሙ
የኽፋኣለይ ዘይብሉ፧

እንድዒ።

ስእለ
Aug 9, 2017 9:25 PM
108.48.36.197
ሙሴ ዘርኣይ
Guilty as charged!

ሰይጣን ንኣመሉ
ሙሴ ዘርኣይ ብተንኮሉ
መጽሓፍ ቅዱስ ይኹልኮሉ

መስቀል ዝዓተረ ተመን ተወርዋራይ
ልኡኽ ሰይጣን ናይ ጥፍኣት ኣላማይ
ካብ ሰብ እከይ ሩጉም ሙሴ ዘርኣይ

ብሓሶት ብቕጥፈት ዝሃብተመ
ብስም ስደተኛታት እንዳቖዘመ
ንኣሻሓት ንሞት ስቓይ ዝሸመመ

ሕፍረት-ኣልቦ ዑሱብ ዝሓከለ
ብሬሳ ግዳያት ዝተደረ
ንቡር ከይረኽቡ ዝኸልከለ

ሓመድ ኣዳም ኣብ ዓዶም ከይለብሱ
ዝወለደ ሓዘኑ ከይዓጹ
ሙሴ ዘርኣይ ሞጊቱ ከይከድዱ

ርኹስ ፍጥረት ናይ እምነት ኳዂቶ
ስራሕ ሰይጣን ኩሉ ዝበሓቶ
ገበነኛ ሓደ ካብ ነጋዶ
የርእየና ተግባሩ ክፈርዶ
YHM
Aug 9, 2017 5:08 PM
71.202.43.232
Eritrean Festival 2017

Deki Hager

For the first time in its history, this year's Eritrean festival (East & West) will be held in a slightly different location, which is scheduled to be held from 11th to 13th August 2017, that's in Seattle Washington. As we all know, Eritreans from different states are ready all packed up and are on their way to the festival Eritrea in North America. Hope to see you at the festival.

Explore the program here: https://www.facebook.com/EritreanAssocationInGreaterSeattle/

YHM
Aug 9, 2017 4:29 PM
71.202.43.232
YHM
Aug 8, 2017 4:44 PM
71.202.43.232

Wealthy San Francisco residents lose private street over tax bill

In a twist, the street is now owned by two investors of Asian origin - despite originally being governed by a "racial covenant" which prevented anyone except Caucasian whites buying property there (a provision made illegal decades ago). Mr Cheng is originally from Taiwan, and Ms Lam from Hong Kong.

http://www.bbc.com/news/world-us-canada-40861145

ስእለ
Aug 7, 2017 11:08 PM
108.48.36.197
ምምባር…
ሓጐስ ሓዘን ምስትምቓር
ቀመም ሂወት ዘይሰዓር …

ኮይኑ -
ተዘካሪ ድምጹ ብዕምቆት ቃላቱ
ስነ ጥበባዊ ሃገሩ ዝፈቱ
ኣልኣሚን ሓሊፉ ጥበብ ተዘሚቱ

ኣብ’ቲ ጸልማት እዋን ጭቆና መግዛእቲ
ድምጹ ዘበረኸ ንትብዓት ቃልሲ
ሓደ ካብ ሃብሮማት ኤርትራዊ ቅርሲ

ዓው ኢሉ ዘሚሩ ህዝቢ ኣበራቢሩ 
ተንኮል ጉሓላሉ ኣብ ቅርዓት በሊሉ
መሪሕ ተስፋ ኮይኑ ንሓፋሽ ወዲቡ

ሰሚዕካ ዘይምኖ እናሻዕ ይደገም
ድምጺ ወለዶታት ናይ ሎም ናይ ቀደም
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ኤርትራዊ ሓበን

እሞ
መንግስተ ሰማይ ንባሃር መዋቲ
ጽንዓት ንቤተ ሰብ ንኹሎም ፈተውቲ
ሂወት ደበና’ያ ከም ግመ ከም ትኪ

ናይ ተፈጥሮ ነገር ሕማቕ ከጽላኣካ
ዕዝር ትብል ኣለኹ እንዳበልካ
ምምባር ጥዑም ጌና ከይጸገብካ
ተፍቅሮን ትፈትዎን ንድሕሪት ገዲፍካ
ትበሊ ትምሪት ኣብ ጉድጓድ ሰፊርካ
Seb - by Alamin Abdelutif
ስእለ
Aug 4, 2017 11:10 PM
108.48.36.197
ፍጮ ትግራይ
======
ጉልሕንጣ ከባቢ ረጋጺ ዓምጣሪ 
ሓሳድ ትዕብተኛ ዘይተኣማማኒ 
መንሽሮ ጎረቤት ዉጹዓት ዓፋኒ 

ዓቕሙ ዘይመዝን ናይ ኣእምሮ ድኹም 
ቁራብሻ ተንኮል ብህዝቡ ዘይእሙን 
ብዓሌት ብቋንቋ ዝጉጂል ዝመቅል 
ጸረ-ዉጹዕ ህዝቢ ካብ ባዕዲ ዝሓስም 

ልዕሊ ዓቕሙ ክብርኽ ዝህቅን 
ጭፍራ ትዕብተኛ ንባዕዲ ዝኣምን 
ስልጣኑ ከናውሕ ልኣኹኒ ዝብል 

ጎይታ ክፍኣት ሕጊ ዘየኽብር 
ብቕዓት-ኣልቦ ንሓቂ ክገጥም 
ጸቢብ ርእሱ ቅንዕና ዘይውንን 

ወገሐ ጸበሐ ብዕብየት ዝምድር 
ብኣንጻሩ ተጠሊዑ ይልምን 
መግቢ ዕለት ንምልዮናት ዝኸውን 

ባዶ ጉራ ሓያል'የ ብሃሊ 
ዓመት መጸ ሃገሩ ዘጥሚ 
ዘየሕፍሮ ብባህሪ ዘመኽኒ 

ልቐቆ መሬትና ብሕጊ ተገዛእ 
ትግራይ ኣይትዓብን ብሸፈጥ ምጉዕባዕ 
ካብ ታሪኽ ተማሃር ዘይጠቕመካ ኣይትስራሕ 
YHM
Aug 4, 2017 7:57 PM
71.202.43.232
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ 2017 ስያትል።
http://dehai.org/dehai/dehai-news/192280
YHM
Aug 3, 2017 4:16 AM
71.202.43.232
ዝጠፈሹ ኣሳሰይቲ ሕልሚ ወያኔ - ብተስፋይ ጀርመን

Posted by: Tesfai German

Date: Wednesday, 02 August 2017

http://dehai.org/dehai/dehai-news/192199
ስእለ
Jul 30, 2017 3:30 PM
108.48.36.197
ትስፉው ህዝቢ 
 =======
ብገዛእቲ ምድራ ዝባደመት
በሊሕን ህርኩትን ደቃ ዝሰኣነት
ከይትምዕብል ሓሳድ ዝረኸበት
ኩሉ ኣብቂዑ ጀሚራ ክትህነጽ

ርኣዩ'ዶ እታ ጻዕራም ኣደ
ሃብሮም ዋዕሮ ትሰርሕ ከም ጻጸ
ዘይእግማ ናይ ገዛ ናይ ደገ

ኣብ ዝባና ቈልዓ ተሓንጊጣ
ጭዃሮን ባዴላን በቲ ሓደ ኢዳ
ትወናጨፍ ትግርብ መሬታ
ከይብሕጎግ ክዕቀብ ሓመዳ

እቲ ንኡስ ተስፉው ተማሃራይ
ናይ ሎሚ ናይ ጽባሕ ሕድሪ ተቐባላይ
ይተክል ይኹስኩስ ተኸቲሉ ዋርሳይ

ምስሊ ንህቢ ንዕረ ዘምዕሩ
ንሰላም ንራህዋ ውሽጦም ዝግንጽሉ
ኣብነት ሓድነት ብሓደ ዝሃሙ

ፍቕሪ ጸሎት እምነቱ መዝሙሩ
ጐይታ መትከል ታሪኽ ምስክሩ
ዘይህመል ጹኑዕ ሓላው ሪሙ
ቱኩር ህዝቢ ዝበልዕ ጫዂሩ
ፈታሕ ሽግር ንሱ'ዩ ባዕሉ
ስእለ
Jul 28, 2017 8:57 PM
108.48.36.197
ምኽሪ ወላዲ
======
ተማሃሩ ደቀይ ተኲርኩም ኣጽንዑ
ወርቃዊ ግዜኹም ብላሽ ኣይተጥፍኡ
መጻኢ ሂወትኩም ክትሪኡ ደሚቑ

ተማሃሩ በርቲዕኩም ኣጽንዑ
ቀዳምነት ትምህርቲ ስርዑ
ጸወታን ድቃስን ሕድሪ ኣይተብዝሑ

መጽሓፍቲ ኣምብቡ ዕዮ ገዛ ስርሑ
ክገብሮ’የ ዳሕራይ ኣወግዱ ብልሑ
ግዜ ሓላፋይ’ዩ ኣይጽበን ዘይሰርሑ

ኣብ ፍልጠት እመኑ ምርምር ኣድህቡ
ትሕቲ ሰብኩም መታን ከይትሓድሩ
መሳልል ምዕባለ ትምህርቲ’ዩ ኣብ ኩሉ

ተማሃሩ ኣጽንዑ ቡሉጻት ክትኮኑ
ብትምህርቲ’ዩ ህዋ ተደፊሩ
ኣብ ማርስ ኣብ ወርሒ እግሪ ሰብ ነቢሩ

ምኽሪ ወላዲ’ዩ ስምዑ ተቐበሉ
ካብ ማዓሙቕ ልቢ ቀልዓለም ዘይብሉ

"Parents can only give good advice but the final forming of a person's character lies in their own hands." Anne Frank

ስእለ
Jul 26, 2017 10:37 PM
108.48.36.197
ዘይሕለል ጻጻ
=======
ኣገናዕ ኣታ ጻዕራም ዘይሕለል ጻጻ
ኣብ ሳሕል በረኻ ሕልሙ ዘወርጸጸ
ጉዕዞ እዛ ዓለም ብጉቡእ ዘምበበ
መንገዱ ዘይስሕት ራሃወ ጸበበ

ብስራሕ ተሞክሮ ቀደም ዝበላሕካ
ንዕብየት ንራህዋ ሰለም ዘየበልካ
መስተርሆት ፈጢሩ ድኻምካ ርሃጽካ

ኣብቲ ሩሑቕ ጎልጎል ሁሮሩማ
ቃላይ ዉሑጅ ዝፈጠርካ ሩባ
ወዲ ኤረይ ፈታሒ ጸበባ

ዝዓረቐ መሬት ክግርብ ጀሚሩ
ዝነጠበት ዝናብ ኣብ መሬት ዓቚሩ
ዲጋታት ዒላታት መሊኡ ከንፈሩ
ብትኩር ጻዕርኻ ሓፋሽ ተሓቢኑ

ጎረሮ ፍጡራት ጠሊሉ ተርኪሱ
እንስሳ ዘገዳም ወጅሆም ተመሊሱ
ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ንኹሉ ኣስፋሕፊሑ
ምዕባሌ ኣንጊሱ ድንቁርና ኣጥፊኡ

ኣሻቒልካ ሓሳድ ጉዱ በሊልካዮ
ንረቂቒ ተንኮሉ ዕርቃኑ ኣውጺኻዮ
ፍረ ጽንዓት ኣብ ግብሪ ኣርኢኻዮ
ኣብ ግጥም ግብግብ ሩኡይ ሲዒርካዮ
YHM
Jul 24, 2017 1:17 PM
71.202.43.232

ስእለ,

The ultimate measure of a man is not where he stands in moments of comfort and convenience, but where he stands at times of challenge and controversy." Martin Luther King, Jr.

YHM
Jul 24, 2017 12:42 PM
71.202.43.232

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events