ኤርትራዊ ኒሕ ======== ኒሕ ዓጢቑ ክምክት ዘንቀደ ንተንኮል ጸላእቲ ሽዓ ዝፈለጠ ብነብስኻ ምኽኣል ዕብየት ዝመረጸ ንዕንቱር መከራ ጸኒዑ ዘውግሐ ዉሑድ ህዝቢ ዕጽፊ ዝረብሐ ኣብ ግብግብ ግጥም ክሳድ ዝበተኸ ፈንቅል ምስክር’ዩ ወለዶ ዘኹረዐ ከዳሚ ወራሪ ሓፍ-ሓፍ እንተበለ ደመኛ ጸላኢ ፍትሒ ተቐበረ ኤርትራዊ ኒሕ ፍጹም ነይጎደለ ሓሶት ተጋለበ ዓሎቕ ተሸበበ ተንኮል ተተኣልመ ዓመጽ ተጎተነ ክበንን’ዩ ጽባሕ ግዜ ምስ ኣኸለ ኣብ ነብሱ ኣሚኑ ህዝቢ ዝሓብሓበ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ብማዕረ ኣይሰዓርን ኮቶ ዝኾነ እንተኾነ ሓቀይ’የ ናይ ልቢ ፈትሹ’ዶ ሰነድ ኣብዛ ሓላል ሃገር ናይ ሰማእታት መሬት ኩሉ ‘ሎ ኣብ ውሽጣ ዝንገር ዝትረኽ ራኣይዋ ኤረይ ብልቢ ኪድዋ ንሽርክነት ስራሕ መርሓባ በልዋ ንእሽቶ ምጭውቲ ዓብዪ’ዩ ሕልማ
ግዜ ኣይምለስን ========= ግዜ ወርቂ’ዩ ክበሃል ሰሚዐ ኣይፈለጥኩን ሎሚ'የ ነቒሐ ምስ ዓረበ ዕድመ ምስ ተመጠ ጣዕሳ ትማል ምስ ተተራኣሰ ምስ ኣረግኩ ግደ ዕብየት ምስ ኮንኩ ዓይኒ ኣብዩ ድምበርበር ምስ በልኩ ብርኪ ኣቕቢጹ ምርኩስ ምስ ወሰኽኩ ፈሊጠዮ ግዜ መቐረቱ ምስ ሓለፈ ከም ንፋስ ነፊጹ ዝሞተ ኣይድበስ - ማዕበል ኣይቕለስ ግዜ ኣይምለስ - ጓህሪ ኣይኹለስ ኣቐዲምካ ሕሰብ - ኣብ ግዜ ዝኽሰብ
ወያነ ዕዋኖ ======= “ሞታ ዝናፈቐት ኣንጭዋ: ኣፍንጫ ድሙ ተሸትት” “ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ” “ጥፋእ ዝበሎ ሓሩጭ ምስ ንፋስ ይበኣስ” እሂ'ሞ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻኻ፧ መሲልካ ንገሮ ኣይክምስሎን ክመስሎ እንተተረደኦ ወያነ ዒንኪላሎ፡ ኢለ'የ። እስከ ኣብራሃዮ፧ ምስ ህዝቡ ዝተባእሰ ሻዕብያ ዝነኸሰ ታሪኽ ዘራኸሰ ዝሕባእ ኣብ ሓሶት ብድዐ… ምምባር ዝጸልአ ጥራሕ'ዩ። ማለትካ፧ ምስ ህዝቢ ምበኣስ ምግፋዕ ምክልባት ምእሳር ምቕታል ኮቶ ዕምሪ ስልጣንካ ምሕጻር እዩ። ቀጽል ምስ ሻዕብያ ምበኣስ ሕግን ፍትሕን ምጥሓስ ካብ ሓቂ ምሕንካስ ውድቀትካ ምቅልጣፍ። ስለዚ ወያነ ተበራበር ካብ ሓቂ ኣይትህደም ካብ መሬትና ዝበል ንሰላም ተማህለል ኣይተምበድብድ ነገር ሓላፊት’ያ ዓለም…. ኢኻ ትብሎ ዘለኻ። እወ እንተተረዲእዎስ።
መን’ዩ ጋዜጠኛ፧ እቲ ብልክዕ ንሓቂ ዘቃልሕ ዓይኒ ህዝቢ ሚዛናዊ በሊሕ ንሞያኡ ከተግብር ዘይፈርሕ ትኩር፣ ሞራል ዝወነነ ዘየዳሉ ካብ ሃይማኖት፣ ወገን፣ ሕብሪ፣ ዓሌት፣ ሓራ ዝኾነ ንሓቂ ከገልግል ዝመሓለ ብስነ-ምግባር ተመልመለ እዚ’ዩ ጋዘጠኛ ዝብሎ ኣነ ተሓታቲ ብሕጊ ዝግዛእ ብኽብሪ ሃገሩ ዘይጣላዕ ንሓድነት ህዝቢ ዝምክት ዝስዋእ እዚ’ዩ ጋዜጠኛ ብኽብሪ ዝጽዋዕ። እቲ ዝምቡዕ ንሓሶት ዘጉልሕ ልኡኽ ዓመጽ ንገንዘብ ዝሰርሕ ትዕቢተኛ ከናቑት ዝሃልኽ ተራ ሓሳዊ’ዩ ንኸብዱ ዘስብሕ። ተንኮለኛ ንኤረይ ዘጸልም ዝደናደን ዘይሕብራ ክቕልም ብስም ነጻ ፕረስ ከም ኣድጊ ዝሃልል ቀይዲ በተኽ’ዩ ንፕረስ ዝቐትል። ተልመዴን፣ ዘይኮነ ዘውሪ ከየረገጋጸ ዝሕንጥጥ ብሃውሪ ዘደናግር፣ መታለሊ ህዝቢ ጭብጢ-ኣልቦ ንጭብጢ ቀባሪ እዝስ ኣይምልከቶን ናይ ጋዜጣ ክብሪ።
ሰይጣን እንታይ ይመስል፧ ============== ሰይጣን እንታይ ይመስል ሕብሩ ቁሞቱ መልክዑ ኩሉ ቁሞንኡ፧ ቀይሕ ድዩ ጻዕዳ ሰማያዊ ብጫ ጸሊም ኣበሱዳ፧ ነዊሕ ድዩ ሓጺር ዘፍጣጥ ዋላስ ቀጢን ዝኸይድ ዝነፍር ንመን'ዩ ዝመስል፧ መን ኣሎ ዝረኣዮ ረኺቡ ዝዕለሎ ብርግጽ ዝፈልጦ፧ እንታይ ‘ዩ ዕላምኡ ሕልሙ ይኹን ባህጉ መጻኢ ትምኒቱ፧ ኣበይ እዩ ዝነብር ደንቆሮ ድዩ ሙሁር ዘይመውት ዘይሓምም፧ መን'ዩ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኣብ ኩሉ መኻይዱ ከንፈር መላዝብቱ፧ ክንደይ'ዩ ብዝሑ ሓደ ድዩ ንውልቁ ኣመንቲ ኣሰኪሑ ስሙ እንዳረቑሑ፧ ስልጣኑ ግዝኣቱ ስፍሓቱ ዕሙቆቱ ኣበይ'ዩ ደረቱ፧ ካብ ሰብዶ ይስይጥን፧ ንፍትሒ ዝቐትል ኲናት ህውከት ዘሳውር ንዓይ ጥራሕ ዝብል፧ ሰባት ሰይጣን'ዮም ዝኸሱ ኲናቱ ዕንወቱ ኣብ ዓለም ዝወርዱ እሞ ሃቡኒ 'ስከ ስእሉ ቦታ መደበሩ ዓገብ ክጽሕፈሉ ክነግሮ ኣበሩ ንሱ አንተኾይኑ
ነቐፌታ ==== ነቐፌታ ነፍሰ-ነቐፌታ ወረጦ ጌጋታት ሽዓ ብዊዕይታ ኣራሚት ሃናጺት ካብ ሕምየታ ገጽ ንገጽ ብግልጺ ብዓውታ ንስሓ ኑዛዜ ብዘይ ቀሺ፣ ሓለዋ ጸጥታ ሙድርጓሕ ጠባያ ዘይብላ ስክፍታ ትእረም ትእርም ከይሳዕረረ ጌጋ ከይጽላእ እንታይ ገደሰኒ ባዕሉ ‘ፈልጥ እንታይ ኣእተወኒ ሸለልትነት ንዕንወት ዓዳሚ ነቐፌታ ትገብረሉ ፈጽሚ
https://www.youtube.com/watch?v=RhYwGQ3LCqY
http://dehai.org/dehai/dehai-news/105469
“ቡዙሕ ተማሂርና” (ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ======================= ሪኢና ሰሚዕና “ቡዙሕ ተማሂርና” ሕማቕን ጽቡቕን ዝፈታተነና ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘሐንኩል ጉዕዞና ሞትና ተመንዮም ክቐብሩ ሕልምና ንሳቶም ዓሪቦም ንሕና ግን ኣሎና ንቕድሚት ንስጉም ንኸዶ ፈሊጥና በዓል ዕነ-ምነ ናይ ማዕዶ ወራዙት ልኡኻት ሳጥናኤል ናይ ዘመና ኣፍዑት ናይ ሳይበር ጀጋኑ ናይ ምንቛት ሰቡኡት የዋቕዑ ሓሶት ንሓቂ ክቐብሩ ምስ’ቲ ደመኛና ሓቢሮም ይስዕሉ ንፍትሒ ጓዕጺጾም ጥፍኣት ይዝምሩ ዉድቀቶም ፍሽለቶም ካብ ሰብ ክኽዉሉ ነቲ ትኩር ንህቢ ይኸሱ ይውንጅሉ ዑሩባት ሕልና ናይ ጥፍኣት መዛኑ ኣብ ፈታኒ መድረኽ ስረ ዝፈትሑ ኣብ ትሕቲ ወያነ ከም ከልቢ ዝነብሑ መምለሲ ዘይብሎም ዕርበት ዝጠፍኡ ታሪኽ ኤርትራ ፍጹም ዝዘንግዑ ርሕቀት ኣፍንጭኦም ክኒኡ ዘይሪኡ ዑቡያት ዕዋኖ ኣብ ሓሶት ዝበልሑ
ኩሉ ፍረ ኣይብላዕን =========== ኩሉ ገረብ ፍረ ዘንጠልጠለ ትሕቲ መሬት ሓመድ ዝተቐብረ ቀይሕ ብጫ ጎጎም ዝበሰለ ኣይብላዕን ብሓባር ብማዕረ ብዙሕ ኣሎ ጥዕና ዝጎድእ ዓንዴል ዕረ ሂወትካ ዘጥፍእ ቀራጽ ከብዲ ሓፊስ ደም ዘትፍእ ነለልዮም ዕንጉለ፣ ዓንዴል ዘይልከፉ ናይ ፍረታት መልክዕ ዝለበሱ ጸረ-ሂይወት ብቋሕ-ሰም ዝቐዝፉ ሰብ’ውን ኣሎ ሕያዋይ መሳሊ ብመልክዕ ልሳኑ ኣዳህላሊ ወያንያዊ ጠባይ ክፉእ ግብሪ ጥንቅቕ ድኣ ንበል ንፍለዮም ኣትማን ርግቢ ከም በዓል ኤልሳ ጭሩም ንባዕዲ ትኽድም ኣፋ ከተሐክም ጁባ ከተሀጥር ትሕሱ ትዓፍር ንመክታ ጉሩህ ከይትልክም ሰላም ኪዳነ ካብ ኣንስቲ ዕነ መሃዚት ጠቐነ ተውሪ ዘይኮነ እቶታ ከይጉነ ነጋልጻ 'ቲ ሕማቕ ተግባራ ንጹህ ከይለከመ ሜሮን ኢስጢፋኖስ ናይ ዓመጽቲ መኾስ ነጋዴ ደቂ ሰብ ንዝላዓለ መኽሰብ ናብ ኩሉ ትብል ዘብዘብ ይኣኽለኪ ንበላ ብኤርትራዊ ስቓይ መኽሰብ ሰነፋት ኣንስቲ ናይ ጥፍኣት ከደምቲ ወያንያዊ ስልቲ ብኤርትራዊ መንእሰይ ነገድቲ ብስቓዩ ሸቀጥቲ እግዝኣብሄር ኣሎ ክህበክን ፍርዲ
ገለ በሊ ልቢ ======== ልቢ፡ ኣንቲ ልቢ እስከ ተዛረቢ፡ ኣውግዒ እቲ ሓቂ ስራሕኪ ንገሪ ኣብ ሳይንስ ረጊጽኪ እንታይ'ዩ ዕማምኪ፧ ኣነ ዝፈልጥ፡ ደም ክትጭንጒዒ ክትቅበሊ ከተመላልሲ ሞተር ሂወት፡ ዕረፍቲ ዘይብልኪ ሰሚዐዮ፡ ከዐልል ብኣኺ ክነግርልኪ፡ ስራሕኪ ጠባይኪ ዘይቃዶ፡ ዘይገልጽ ሞያኺ ብፍቕሪ ብፍትወት ዝተሳዕረ ተባሂሉ ልቡ ዝተዘንበ ብጭካነ ሕሰም፡ ዓለም ዘዛረበ ተባሂሉ ልቡ ዝተረረ እዋእ! ገለ በሊ ልቢ: ደንጺዩኒ ኣነ! ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ዝረሰዖ ልበይ ኣጥፊአ’ኸ፡ እንታይ ኣምጸኦ! ዝጠፈኦ ዝሕዞ ዝገብሮ ከመይ ኢላ ልቢ ትሕመሎ፧ እቲ ዝተማህረ፡ ሳይንስ ዘምበበ ዕድል ዘይረኸበ፡ መጽሓፍ ዘይገንጸለ ሓደ'ዮም ዘዕልሉ፡ ኣብ ልቢ ዝመጸ ነቲ ስሕዊ፡ ምስትውዓል ዝጎደሎ ዘይተማህረ፡ ማሃይም ደንቆሮ ዓሻ፡ ልቢ ዘየብሉ እዮም ዝብልዎ እዋእ! ገለ በሊ ልቢ ንገሪ እቲ ሓቂ ስራሕኪ ዕማምኪ ምስ ዕሽነት ጭካኔ፡ እንታይ'ዩ ዘተኣሳስረኪ፧
ኣብ ሕምየት የለን ዕብየት ================ ኣድሕነኒ ካብ ሕምየት በለካ-ለኻዓካ ምምንጫት ምንሻው ሰባት ዘይሰሙዑኻ ቁምነገር ዘይብሉ ድሕሪት ዝጎተካ ሰውረኒ ካብ’ቲ ድኹም ክሓሚ ዝህንጠ ቤላቤለው ጫፍ ሒዙ ዘውሪ ከየረጋገጸ ዘገማድሕ ሓሶት፣ ቦኹቧዅ ዝበስበሰ ኣርሕቐለይ ’ቲ ሓማዪ ከውሪ ዝዓርቦ ቀታል ግዜ ኩሉ ሰብ ዝሃድሞ ሓቂ ሓሶት ዝተደናገሮ ንዮው በሎ ሰነፍ ሕማቕ ኣመል ዝበኾረ ካብ ስራሕ ቁምነገር ዓጀው ክብል ሰሪሑ ዘይድረር ንሕና ብሰብ፣ ሰብ ብኣና ኣይንግበሮ ባህልና ልምድና ከይንተርፍ ድሕሪት ተጎቲትና ኣይትጽልኣኒ ብወረ ብጀካ ብተነጸረ ሓማዪ ሰሚዕካ ዘይተባህለ ዝሓዋውስ ዘይኮነ ዘይተገብረ ካብ ሕምየት በሉ፣ ካብ ሓምሊ ጊደበሉ የጥፍእ ‘ኳ ቀደም ተባሂሉ ንርሓቕ ድኣ ሕማቕ’ዩ ሰበቡ ቀታል ዕብየት ዘይንቀስ ኣበሩ
ጓል እግዚሄር ======== ብሌን ዓይነይ - ክብረተይ ኵርዓተይ መናብርተይ - ፍርቂ ኣካላተይ ተኣማኒት - በዓልቲ ቃል ኪዳነይ ኮኾብ ጽባሕ - ንግሆ ጸሓይ በርቂ ረዛን ሚዛን - ግርማ ፍርቂ ለይቲ ዘይትስርነቕ - ብጢጥ ቀንጠ-መንጢ የዋህ ፍጥረት - ኳዕናን ርግቢ ሰላም ካብ ሂዋናት - ንስኺ ኣደይ ማርያም ጓል እግዝሄር - ኣደ ፍቕሪ ልዋም ዕምበባ መስከረም - መዓር ናይ ጽገናይ ባህታ ሂወት - ከም መግቢ እኽለማይ ጡዑም ሽቶ - ተናፋቒ ጠባይ ደስታ ልበይ - ቅሳነት ሂወተይ ኣይትርሓቒ - ንበሪ ኣብ ውሽጠይ ትንፋስ ኢኺ - ሰራውር ናይ ደመይ ፍቕሪ ኪዳን - ሒማ ኣደ ደቀይ
ኣስተውዕል! ህዝቢ ኤርትራ - ሃየ ኣስተውዕለሉ ሸርሕታት ጸላእቲ - ከይትህመለሉ ሓድነትካ ኣትርር - ቀልቢ ግበረሉ ጉዳማት ጸላእቲ - ናይ ዕግርግር ክርቢት መብራህቲ ኣጥፊኦም - ክኣትዉ ብድሕሪት ሓረጋት ይመርጹ - ንልቢ ዝሰልብ ክትሰምዓ ተስልቹ - እናሻዕ ትደጋገም መዝሙር ጉሓላሉ - "ዲክታተር" "ዲክታተር" ሚስጢር ምዕራባውያን - ክብቱኑ ሃገር ህዝቢ'ዩ ‘ቲ ታርጌት - ኣይኮነን "ዲክታተር" መራሒ ሲኢኑ - ክናቖት ክብተን ሕልሚ ተጻባእቲ - ሎሚ ይኹን ቀደም መራሕቲ ተቐንጺሎም - ተባሂሎም ዲክታተር ኣገልጋሊ ባዕዲ - ከይኮኑ ሓንጊዶም ስለ ዝመከቱ - ከገልግሉ ህዝቦም ሳዳም ተቐንጺሉ - ቀዛፊ ሲዒቡ ኣሳድ ተሓቲቱ - ክለቅቕ ስልጣኑ እቲ ዝተረፈ - መዓልቱ ክሕሉ ኢራቕ ተወሪራ - ልብያ ተደጊማ ኣፍጋኒስታናን ዓንያ - የመን'ውን ሲዒባ ሶርያ ተደምሲሳ - ሶማል ተበቲና ህዝበን ተሳቕዩ - መይቱ ተሰዲዱ ተሓሪሙ ሰላም - መረበጡ ዓንዩ ዲክታተር ሓሊፎም - ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ ሽጣራ ዓመጽቲ - ብዙሕ'ዩ ስሩ ምስ ዲክታተር ሽርካ - ንጹህ ይወንጂሉ ጥቕሞም ዘገልገለ - ስሙ ኣየልዕሉ በደሉ ሓጥያቱ - ኣፎም ይለጉሙሉ
እርጋን ፈውሲ-ኣልቦ ============ እነብር ኣለኹ ካብ ሕማቕ ሪሒቐ ካብ ሽጋራ ኣልኮላዊ መስተ ዕጸ-ፋርስ ቆጽሊ ዝረኸሰ ንእርጋን ከይርኢ ክነብር ጎቢዘ ዝምገቦ ኣጽኒዐ መርሚረ ምዉስዋስ ይገብር ዓቲበ ንጥዕናይ ክብረይ ዝሓለወ ዘሐድስ ኣእምሮይ ይርኢ የንብብ ፍሽኽታ ይምጡ ንኹሉ ዘዐግብ ሰላም፣ከመይ ኣለኹም የስዕብ ተጸገመ እሕግዝ ብተግባር ብምኽሪ ምስ ኩሉ ይዋሳእ ብቕንዕና ፍቕሪ ይጽሊ ይሰግድ ኣምላኽ ዝበለኒ ኣብ መሬት ኣብ ሰማይ መታን ክጥዕመኒ ነዊሕ ተጓዒዘ ንኹሉ ሲዒረ ንስስዐ ተንኮል ሰላም ዝደወነ ንዓመጽ ቅርሕንቲ እግዚሄር ዘቕሓረ ግና ኣይከኣልኩን ክወግድ ንእርጋን ኣእዛነይ ጸኒዑ ኢሎሙኒ ጸማም ዓይነይ ተዳኺሙ ቀሪቡ ምዕዋር ሓይለይ ብሊዓቶ ሲኢነ ምስጓም ፉሑኽ እንዳበለት ከም ሰላሕታ ሕማም ገና ኣለኹ ጎበዝ'የ እንዳበልኩ ብርኪ ኣብዩ ኣዒንቲ ፈዚዙ ክዝክር ክርስዕ ናይ ደቓይቕ ኮይኑ ፈውሲ-ኣልቦ እርጋን ተማሕጸኑ እርጋን ኮንክኒ'ኮ ትዃን!
እንዳዃሓሉ ዘንቁሩ ብዓል መን’ዮም ትብሉ፧ ወይ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ! ብዉሑዳት ግብዝ ንሓቂ ደዋኖ ጸረ-ሃገር በዓል “ትውጋሕ’ሞ” ተናኸስቲ ቃርማ ጉጂለ ዕዋኖ እንዳረኣየ ዓይኖም ዝዓወረ ብጽልኢ ቅርሕንቲ ርእሶም ዝተኮነ ብንሕና ንፈልጥ ዉሽጦም ዝማህመነ ዱኹማት ኣእምሮ ጭልቅዕ ዘይበሰለ መን ከማይ ባሃልቲ ናይ ጥፍኣት ሃወርያ ሰብ-መሰል ቁሩሓት ዝቐትሉ ኣርኣያ ዝጉዕጽጹ ሓቂ ብግልጺ ብድብያ ንሓቂ ኣንቊሮም ንሓሶት ዝኹሕሉ ብዕራይ ወሊዱ ኢሎም ከእምኑ ዝጽዕሩ መሃንዲስ ምትላል ዝነብዑ ከምስሉ ቀለታ ኪዳነ፣ ተወልደብርሃን ገብረ እንታይ’ዩ ‘ዚ ዓጭዓጭ ጠገለ ዝሰኣነ ምንሻው መጸጸጽ ጣዕሙ ዝመጭቆረ ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ ‘ዚ ኹሉ ጸለመ ገምቢ ተጸጊዕካስ እንታይ’ዩ ክዕረ፧ ንዑንቱር ሸርሕታት ብትብዓት ዘምከነ ብሓድነት ሰላም ንህዝቡ ዘቕሰነ ወሰና ማእከላ ሃገሩ ዘውሓሰ ንናይ ጽባሕ ራህዋ ረሃጹ ዘፍሰሰ ምጽላም ምንሻው ናበይ ዝኣንፈተ፧
ሰምብረ… ኣገናዕ ሃብሮማት ሰብ ቅያ ሕቡናት ሰምብረ ቡሉጻት ኣብ ግብጺ ዕዉታት ሉኡኻት ሃገር ሉኡኻት ህዝቢ ትፍጽሙ ዝተዋህበ ሕድሪ ይበል ስራሕ ንኡድ ጻዕሪ ዘይርሳዕ ዘልኣለም ተዘካሪ ልዕሊ ኮፓ ልዕሊ’ቲ ወርቂ ክንዮ’ቲ ሻምፓኝ ምትኳስ ርቺ ስምካን ስም ሃገርካን ምጽዋዕ’ዩ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ባንዴራኻ ምውልብላብ ኣብ’ቲ ቀጢን ዘንጊ ኣብ ታሪኽ መዝግብ ወርትግ ተነባቢ ኮሪዕና ብኣኹም ቀጽሉ ኣጆኹም ኣበርኹ ስምኩም ኣጸዉዑ ኤርትራ ሃገርኩም ደቂ ፈንቅል፣ ዉላድ እግሪ መኸል ኢኹም!
ኤረይ ዓማጺ በዚሑ - ዝሃርፍ ጸጋኺ ካብ ርሑቕ ቀረባ - ዓይኑ ዘውድቐልኪ ሽሻይኪ ክዘምት - ወርቂ ምዓድንኪ ውጥም ቅልቅል ይብል - የጸልሞ ስምኪ ጥሙር እሙን ሓፋሽ - ድርዒ ህላዌኺ ሰምቢዶም ሪዒዶም - ብናህሪ ጉዕዞኺ ምዕንቃፍ መሪጾም - ከይሰልጥ ሕልምኺ ኣመሉ'ዩ ቀንጠብጠብ - ምርሳይ ዘይናቱ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ - ዉርሻ ኣቦታቱ ኣይትተሃመሊ - ቀርስምዮ ኢዱ መኸተ ባህልኺ - እስኺ ደቅኺ ኣብነት ሓኾተ - ትኣምኒ ነብስኺ ብናይ ጽባሕ ተስፋ - ትዓዪ በርቲዕኪ ናይ ዉጹዓት ሓበን - ሓቂ ሕላገትኪ ሃየ ቀጽልዮ - ሕነኒ መክቲ ኣብ ሓዲድ ምዕባሌ - ረጊጽኪ ጸኒዕኪ
መጽሓፋውያን፣ ኣምቢቦም ሸምዲዶም ካብ ሓቂ ሪሒቖም ነቲ ሓፋሽ ጎስዮም ይምድሩ በይኖም ከምዚ’ባ ከምቲ’ባ በጥቊልካ ዘረባ ካብ መጽሓፍ ቀዲሕካ ዘይትርጎም ዛዕባ ዘየውጽእ ጸባ ይልፍልፉ ኣብ ህዋ ርእስኻ ዘሕብጡ ተጸፊኦም ዝሃንጹ ዘፍርሱ ሓሳብን ተግባርን ዘየዋሃህዱ ባህልን ልምድን ጨሪሶም ዝጥሕሱ ሩቡጻት ኣእምሮ ኢሂን ዘይፈልጡ መናፍቕቲ ብሕልሚ ዝነግሱ ተዛረብቲ ስራሕ ዝጽይፉ ኣብ ህጸት መኸተ ኢዶም ዘይሕዉሱ ጸረ ዕብየት ብኾፎም ዝርህጹ ብዘረባ ዝመስሎም ዝዓጽዱ መጽሓፋውያን ካብ ንፋስ ዘይሕሹ