Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Dec 13, 2017 4:59 PM
148.184.174.61
ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ
===============
ኣነ ዝፈልጥ
ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ

ስለ ዝኾነ
ኣብ ዓዲ ወያነ
ይርአ እንሀለ

ክልላዊ ምሕደራ
ብዓሌት ብቛንቋ
ዘየብሉ ጣቋ
ፈጢሩ ህዝባዊ መከራ

ለባማት ሚዒዶም
ከይኮነ ኣጠንቂቖም
ሕደግ ግደፍ ኢሎም

ግና
ሰማዒ ኣይተረኽበን
ጭፍራ ኣይለበመን
ክልተሳዕ ኣይሓሰበን

ሕጂ
ህዝቢ ግዳይ ኮይኑ
ሰላም ተሓሪሙ
ይቃተል ኣብ ኩሉ

ረጊሙ ወያነ
ከልግስ ክእለ
ህድኣት ተረኸበ
ሂወቱ ክዕረ
ስእለ
Dec 12, 2017 6:45 PM
148.184.174.61
ኣታ ኣውሎ ኣውሎ...
ሳላ ዝመከትና ዝጸናዕና
ኣብ ርኻብ ሓቂ ዝረገጽና
ጸላኢ ክሕመስ እነና ጎብሊልና
ኤርትራ ንሃንጽ ወሰና ማእከላ

ጉድጓድ ንኳዓቲኣ፡ ገመድ ንፋሓሲኣ
ኣካ ራኣና ወያነ ክኣትዋ
ክመቓቐል ብጉጂለ ዓድዋ
መንገዲ ምሕደራ ጠፊእዋ

ህዝቢ ክሳብ ዝጸልኣካ'ዶ ዕድመ ይበካ
በሉ ረኣይዋ 'ዛ ርእሲ ታኒካ
ብውሽጢ ብደገ ተናዊጻ
ክትከይድ ድያ ክትረክብ እፎይታ፧

ዓሌት ምፍልላይ ዝወለዶ
ርእሲ ጭፍራ ተኮል ዘዋደዶ
ብግስ ክብል ዘይነበሮ እንዶ
ሃገር ሸሚምዋ ኣብ ሃልሃልታ ማእዶ

ምምራሕ ሃገር ኩሉ ፋሕ ኢልዋ
ኣብ ጠበንጃ ኣብ ቅትለት ኣድሂባ
መሲልዋ ህዝቢ ዝፈርሓ ዝምሕራ

በሉ
ኣብ ሓመደ-ድበ የውዕለና
ዓሱራ ተስካራ የብልዓና
ኣውሎ ክንብል ታሪኻ ዘኪርና
ታሪኽ ቅንኢ ታሪኽ ክድምና
ታሪኽ ወራር ታሪኽ ሕስድና
ዝሓንከረ ሰላም ምዕባለና
ስእለ
Dec 11, 2017 7:28 PM
148.184.174.61
ስራሕ
===
"ስራሕ የብልዕ፣ ነጻነት የኹርዕ"
መትከላዊ እምነት ኤርትራዊ መሪሕ
ምጽወታ ባርነት ዘወግድ ዝጽይፍ

ስራሕ ትፈጥሮ ይፈጥረካ
ብኣካል ኣእምሮ ይሃንጸካ
ጥበብን ብልሓትን የቕስመካ
መንገዲ ምዕባለ ይመርሓካ

ኣብ ውድድር ዕብየት ይጸምደካ
ክብሪ ዋጋ ግዜ ይምህረካ
በሊጽካ ክትወጽእ ይስሕለካ
ነብሰ ተኣማንነት የዕብየልካ

ስለዚ

እመን ኣብ ስራሕ
ብስስዐ ሕልሚ ኣይትመራሕ
ራህዋ ስልጣነ ብስራሕ'ዩ ዝብጻሕ
YHM
Dec 8, 2017 4:51 PM
71.202.43.232
Pressure for Congress to save kids' insurance

http://www.cnn.com/videos/health/2017/12/07/childrens-health-insurance-program-funding-lah-pkg-lead.cnn -----

Welcome to the Trump's democracy... It's a shame how these kids are treated in the U.S. and how the so called "Democracy" means nothing ... only electing of a dummy for four years and all the people pay the price for it... and they like to brag about it to other people.

YHM
Dec 8, 2017 4:31 PM
71.202.43.232
GHANAIAN PRESIDENT EMBARRASS FRENCH PRESIDENT WITH SHOCKING SPEECH
https://www.youtube.com/watch?v=gjT4PUjGwLs

----------
The Ghanaian President needs to visit Eritrea and learn from our Jeganu Shaebian Leaders... and witness how Eritrea(ns) is surviving and got rid of that curse of dependency that many rich European countries are using in many African countries to keep them on their leash and are still suffering from.

YHM
Dec 8, 2017 4:21 PM
71.202.43.232
ስእለ
Dec 7, 2017 6:05 PM
148.184.174.62
ሽግር’ዩ ከተርክቦ...

ብእግሩ ዝሰጎመ
ኪሎ ሜትራት ዝተዓዝረ
ገዲፉካ ዝኸደ

ተርክቦ

እንተ ብጉያ ብቐስታ
ስዓታት መዓልታት ወሲድካ
ትበጽሖ ‘ቲ ቦታ

ግና

ብትምህርቲ ዝሰጎመልካ
ክፍልታት ዘቑጸረልካ
ዝተማህረ ገዲፉካ
ከለኻ ኣብ ጸወታ

ሽግር’ዩ ከተርክቦ
ብፍልጠት ክትመሓዘዎ
ማዕረ ኢና ክትብሎ
ስእለ
Dec 4, 2017 1:33 AM
108.48.36.197
ጥዕና
===
ተመለአ ሃብቲ ተፈሰሰ ኣብ ባይታ
ተተሃንጸ ርሻን ተመልክዐ ገዛ
ክዳውንቲ ኣብ ከብሒ መግቢ ኣብ ተላጃ
ነፋሪት ኣብ ሰማይ ሚልዮናት ኣብ ባንካ
ቁምነገር የብሉን ጥዕና ከይሓዝካ

እታ ምንጪ ሓጐስ ኣብ ሂወት ጉዕዞና
መሰረት ናይ ኩሉ ኣብ ዓለም ምምባርና
ክነብር ክንሓልፍ ትውስን ዕምርና
ጥዕና’ያ ኩሉ ዘይብላ መዘና
ስእለ
Dec 1, 2017 10:29 PM
108.48.36.197
How to typ Tigrigna/ትግርኛ message on DMB

Dear Dehai Admin;

ሰላም! If you don’t mind I would like to share with you, and you can pass it to other DMB users how to write in Tigrigna on DMB፣ and able to post their message (Until you fix it).

To type your message in Tigrigna/ትግርኛ on DMB, and post it, please follow these steps:
*Click DMB to open it
*Click on “POST NEW MESSAGE”
*Then place the cursor on any of the lines next to
*Name________
Or
Title__________
*Press ENTER

*A “1 error…………” message will appear. In a few seconds the Tigrigna/ትግርኛ Key Board will appear

*Now the user is ready to resume typing his/her message in Tigrigna/ትግሪኛ on the COMMENT field. Ones the user is finished typing his/her message, he/she can submit it for approval.

ስእለ
Dec 1, 2017 5:02 PM
148.184.174.62
ወይጦ
ኣምር ጋዜጠኛ ሓንቲ ዘይመለኸ
ብስም ነጻ ፕረስ ዑቡይ ዝሃውተተ
ግብዝ መላኽዒ ከናቑት ዘንቀደ

ዑሱብ ተላኣኺ ኣብ ባዶ ዝዕበ 
ንኸብዱ ንገንዘብ ክብሩ ዝለወጠ
መባእታዊ ኣፍልጦ ጥበብ ዘይጨበጠ

ወፊሩ ፈትሹ ከየመዛዘነ
ዝሕንጥጥ ዝግዕር ሓሶት ዘይተገብረ
ኣብ ሩሑቕ ቀረባ ገርሀኛ እንተእመነ

ኣብ ሬድዮ ኣብ ቲቪ ኣፉ እንተኸፈተ
ንቕሓት ጎዲልዎ ሃገር ተዘለፈ
መሲልዎ ጅግና ዓለም ዝባሓተ
ኣማኒኤል ኢያሱ ካብ ከዳዓት ሓደ
ስእለ
Nov 30, 2017 12:40 AM
108.48.36.197
“እሾኽ መርገም”
=======
እሾኽ መርገም ነቒስና ነቒልና
ትሕቲ መሬት ኲዒትና ቀቢርና
ተስፋ ሰላም ኣብ ዞባና ኣንጊስና

ግና

ቍስልና ቃንዛና ጌና ከየሕወና
ክዳና ጫማና ሓድሽ ከይቀየርና
ኣደ ስዉእ ሕዙን ከይደበስና
ከየዕረፍና እፎይ እንከይበልና
ዘዕበናዮ ከልቢ ነኺሱና

እወ

ንራህዋ ምዕባለ እንዳሓሰብና
ኣብ ስራሕን ህንጻን ኣድሂብና ከለና
ኣስናኑ ኣብሊሑ ጭፍራ ክበልዓና
ዕድሚኡ ከንውሕ ከሕጽሮ ዕድሜና

ሕማቕ ከልቢ ልኡኽ ተናኻሲ
ብለይቲ ብቐትሪ ዘይናቱ ዝራሲ
ዘይሓፍር ቍጥሚ ሉኡኽ’ቲ ኮላሲ
ኲናት ኣዉጅልና ንትግራይ ከዐቢ
ቀሊል መሲልዎ ኣባላዒ መግቢ

ዑቡይ ገበነኛ ከታሪ መንጣሊ
ግብሩ በሊዕዎ ዓሪብዎ ሓይሊ
የዕነኒ እንሀለ ፎ ኢልዎ ህዝቢ

ስእለ
Nov 25, 2017 11:50 PM
108.48.36.197
ጸላኢና ዉሕጅ ክወስዶ ጥፍጣፍ ወስኸሉ
ሕራይ ግርም!
ነዚ ድኣ እንታይ ክኣብየሉ
ለይቲ ምስ መዓልቲ ጡፍ ይብለሉ
አረ ወርቂ ድልድል ይሰርሓሉ

ወየ ጠፊኡ ካብ ሱሩ ተነቒሉ
ወየ መይቱ ትንፋሱ ሓጺሩ
ሰብ ክርህዎ ክረክብ ሰላሙ

ልኡኽ ሽፍታ ዘማቲ ወራሪ
ልዕሊ ሕጊ ዝዕንድር ዝፋጺ
ትዕቢተኛ ንፍትሒ ጓዕጻጺ

ተጠፈአ ተሓጸረ ዕምሩ
ተተዃዕተ ጉድጓድ መቓብሩ
የሐጉስ'ምበር መዓስ ዘጕሂ ኮይኑ

ጸቢብ ጭፍራ ጉድ እኮ'ዩ ገሩ
ተላኢኹ ኲናት ኣሳዊሩ
ንብረት ህዝቢ ብቐትሪ ሃጊሩ
ጉዕዞ ህንጸት ከይስጉም ሓንኪሩ

ርጉም ጃንዳ ይኣክል በደሉ
ከይወሃብ ዕድል ትንፋስ ዝሰኹዓሉ
ክሳድ መሸንቆቖ ትሰሓብ ብኹሉ
ዓፊሩ ክመውት ክንውዕል ኣብ ቀብሩ
ስእለ
Nov 21, 2017 10:57 PM
108.48.36.197
ሕቶ ንሃብሮማት
========

ፍረዱ - መን’ዩ ኣሸባሪ፧
 
‘ቲ ሃገራት ዘዐኑ ተሳጊሩ ባሕሪ
ንህውከት ዕግርግር ዝምውል ብግብሪ
ኣልማማ ዝድብድብ ብድሮን ነፈርቲ
ሰዓታት ዘይብሉ ቐትሪ ይኹን ለይቲ
ኣብ ሓመድ ዘብሊ ቆልዓ ምስ ሰበይቲ፧

ወይስ

እቲ ዝምክት ንነጻነት ክብሪ 
ክረድእዎ ዓው ኢሉ ዘአዊ
ኣንቃዕሪሩ ዝልምን ፈጣሪ
ዝተነፍገ ናይ ወዲ ሰብ ክብሪ
ወስ ዝብል ጸቢብዎ ዓቕሊ፧

እወ መን’ዩ ኣሸባሪ፧
በየናይ መዐየሪ፧
ስእለ
Nov 20, 2017 3:35 PM
148.184.174.61
ምኻድስ ኪዱ
ምኻድስ ኪዱ ሕሰቡሉ ከይትጠዓሱ
ስደት ጎደቦ ውርደት'ዩ ትርፉ

ምኻድስ ኪዱ ትኸድዎ እንታይ 'ዩ ዓዱ፧
ትፈልጥዎ'ዶ ናብራ ሂወቱ፧

ምኻድስ ኪዱ ዓዲ ጓና ቡዙሕ'ዩ ጉዱ
ርኣይዎ'ሞ ተለማመዱ

ምኻድስ ኪዱ ፈትንዎ ስደት መዘዙ
ክብርታትኩም ግን ኣይትበርዙ

ምኻድስ ኪዱ ኣብቲ ጸገም ስረ ዕጠቑ
ኣብ ጠባይኩም ኣይትሓንግዱ

ምኻድስ ኪዱ ዘውጻኣኩም ኣይትረስዑ
ርኣይዎም ጉልበት ዝበልዑ

ምኻድስ ኪዱ ከይትርስዑ ዓዲ ክትነግዱ
ክትርእይዎም 'ቶም ዝወለዱ

ምኻድስ ኪዱ ድሕሪ ግዜ ሃገርኩም ሙጹ
ኣብ ዓድኹም ገዛ ህነጹ

ምኻድስ ኪዱ ንሃገርኩም ኣይትበድሉ
ኣቕልብሎም 'ቶም ጓሓላሉ

ምኻድስ ኪዱ ኣቕልብሎም 'ቶም ብሰብ ዝነግዱ
ንዋይ ሃብቲ ዘኻዕበቱ

ምኻድስ ኪዱ ኣብ ሂወትኩም ይቕረ ልመዱ
ኣብ ምደሪ ኣብ ሰማይ መታን ክትከብዱ
ስእለ
Nov 19, 2017 8:15 PM
108.48.36.197
ጽናዕ!
===
ድሎ
ሺላ'ሎ ቆሊባ'ሎ ወሲዱ ዘይኣኽሎ 
ዓመጽ ዘዐንተሮ ስርቂ ዘየሕፍሮ 

ከይትኸውን ግዳይ ናይ'ቲ ሑሱም ኣባይ 
ትኹረትካ ኣዛይድ ኣወግድ ምዝናይ

ጠምት ባኣንኩሮ እቲ ዝፍጸም ዘሎ 
ኣብ ርሑቕ ጎደቦ ፍትሒ ዝጎደሎ 

ኣይትበል ቀልባዕባዕ ኣብ ክብርኻ ጽናዕ 
ንሩሑቕ ቀረባ መገድኻ ስራዕ

ገጥ በል ኣብ መትከል ኣይትበል ሰንከልከል
ራኢ ኤርትራ ‘ቲ ጉዕዞ ከይሕንኮል 
ስእለ
Nov 16, 2017 8:34 PM
148.184.174.61
መዳሃርቲ
ጒላ ሓመድ ዕምባባ ዘይበቑሎ
እምኒ ሩባ ዉሕጅ ዝኣከቦ
ርእሲ ወይጦ ጽቡቕ ዘይርከቦ
እዚ ኣምላኽ ንምንታይ ፈጠሮ?

እቲ ከዳዕ ዘጸግም ክትኣምኖ
ዝዓወነ ኣብ ሂወት መምብሮ
ጉዕዞ ዓለም ፍጹም ዘይስቆሮ
ጸቢብ ርእሲ ኣብ ጋም ማን ዝዓርቦ
ኣይንሰልኪ ብስራሕ ንምሃሮ

ድኹም ፍጥረት ትብዓት ዝጎደሎ
ጽልኢ ከኳማስዕ መድረኽ ዝጠንጠኖ
በትሪ ለባም ሕራይ ዝተባህሎ
ምዕንጅሉ ምስ ንፋስ ዝንኖ
ዘይርኢ 'ቲ ጽባሕ ዝኾኖ
ስእለ
Nov 16, 2017 3:14 PM
148.184.174.61
ምኽሪ ሃቡ
ጒላ ሓመድ ዕምባባ ዘይበቑሎ
እምኒ ሩባ ዉሕጅ ዝኣከቦ
ርእሲ ወይጦ ጽቡቕ ዘይርከቦ
እንታይ ንግበር ኣምላኽ ክውግኖ ?

እቲ ከዳዕ ዘጸግም ክትኣምኖ
ዝዓወነ ኣብ ሂወት መምብሮ
ጉዕዞ ዓለም ፍጹም ዘይስቆሮ
ጸቢብ ርእሲ ኣብ ጋም ማን ዝዓርቦ
እንታይ ንበሎ ንርእሱ ክጥዕሞ?

ድኹም ፍጥረት ትብዓት ዝጎደሎ
ጽልኢ ከኳማስዕ መድረኽ ዝጠንጠኖ
በትሪ ለባም ሕራይ ዝተባህሎ
ምኽሪ ሃቡ ብኸመይ ክንምህሮ?
ስእለ
Nov 14, 2017 10:01 PM
108.48.36.197
ፍትሒ ካብ መን፧
ካብ UN፧ 
ፈጺምካ ዘይእመን
ዘብከየና ንዓመታት ዘመን

ካብ ኣመሪካ፧ 
ዘይሕሰብ ዘይሕለም
ደምና ዘዛረየት ብዘይእመን

ካብ እንግሊዝ፧ 
እታ ናይ ተንኮል መንጠቢት
ጸረ-ሰላም መናቖቲት

ካብ ሃገር ሩስያ፧ 
እታ ኣብ ሽግር ዘላ
ብኣመሪካ ኣውሮጳ ተኸርዲና

ካብ ቻይና፧ 
እታ ብጠቕማ ትምእዘን
ገጽ ርአ መርገጻ ዘይእመን

እሞ ካብ ፈረንሳ፧ 
እታ ነዊሕ ዘጥፍአት ድምጻ
ብስራሕ-ኣልቦነት ተቓሊዓ

ካብ ካሎኦት ሃገራት ከ፧

በዓል መን ኣለዋ፧
ብነብሰን ዝሓደራ
ብምዕራብ ዘይምወላ
ብጀካ ኤርትራ፧

ስለዚ
ኩለን ሓደ ምዕማጽ ኣመለን
ካብ ዝብኢ ዘይሕሻ ካብ ተመን

ሃየ ድኣ ህዝበይ ኣቕልበለን
ኣይትዳሕለል ኣብ ቅልጽምካ እመን
ኣብ ሕጊ ረጊጽካ ኣለኹ በል
YHM
Nov 6, 2017 4:33 PM
71.202.43.232
ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረና!

Posted by: Hagos Tesfamariam

http://dehai.org/dehai/dehai-news/226537

ስእለ
Nov 5, 2017 4:32 PM
108.48.36.197
ማዕቢሉ ዘይምዕብል
-----------------
ዘደንጹ’ዩ ዘገርም ዘስደምም
ወዲ ኣዳም ማዕቢሉ ዘይምዕብል
ብእምነት ሃይማኖት መከራ ይጽሕትር
 
ኣብዚ ምዕቡል እዋን ስልጡን ዘመን
ዓለም ዝቐየረ ናብ ቁሸት መደበር
ዘሐዝን ክትርኢ ዘሞጉሱ ሂትለር

ትምክሕቲ መን ከማይ ብኣይ ተማእዘኑ
ወገን ዓሌት ስስዐ ማእከሉ
ምልኪ ንዓይ ስምዑ ሕላገት ሰብ ኮይኑ

ስልጣኔ ምዕባሌ ንቕሓት ዝጎደሎ
ጎባጉብ ስልማት ክሳድ ዝሓልቀሞ
ጽባቐ የብሉን ክትርእዮ ክትነብሮ

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events